እታ ህሞት

Posted on 2013-07-13 · 1142 · 0 · 0

30 resources uploaded

እታ ህሞት
ኩነታትተይ ብኢሱ ኮይኑኒ ወጻኢ ካብ ኢደይ
ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣጽቢበ ዓቕለይ
ዝገብሮ ዘይብለይ ክሓስብ ንበይነይ
እንታይ’ሞ ድሩት እንዶ ኮይኑ’ት ዓቕመይ
ትሓልፍ’ዶ ትኸውን እዛ ጸልማት ህሞት፧

እታ ህሞት
ኣዝያ ተፍርሕ ዝመልአት ጸልማት
ንልበይ ብፍርሒ ዝመልአት ኩነት
ንተስፋ ብተስፋ ጽቡቕ ክኾነለይ እናተጸበኹ
‘ዝስ ይሓልፍዶኾን እናበልኩ
ብእምነት ደው ኢለ ከይጽበ ንኣምላኽይ
ኩነታተይ’ንዶ ኮይኑ ልዕሊ ኣቕመይ
ክብል ኣሎዶ‘ቲ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኸይ

እታ ህሞት
ኩነታተይ በርቲዑ ተፈቲኑ እምነተይ
ብሓቂ ድየ ዝኣምኖ ነቲ ጐይታ ናተይ፧
ክደልወኒ ከሎ ጥራይዶ’ዩ ትውክልተይ፧
ኣይከኣልኩን ከፍስስ ጸሎተይ
ተጸንቂቑ’ዩ ኩሉ’ቲ ሓይለይ
ናተይ ዝብሎ ፈቲነ’የ ብኹሉ ዓቕመይ
ፍረ ኣይረኸብኩሉን ኩሉ ተግባራተይ

ኣየ እታ ህሞት
ኣዝያ ዘፍርሐት ንህይወተይ
እንታይ ድኣ’የ ዝገብሮ ክብል ንበይነይ
እናበልኩ ከስተንትን ብኩንታተይ
ደኺሙ ሓይለይ ከምኡ’ውን እምነተይ
ግናኸ ሰሚዐ ከም ዘለዉ ዝጽልዩ ስለይ
ክወጽእ ብዓወት ካብዚ ዘለኹዎ ኩነታትይ
ልበይ ተደቢሱ ነዚ ብምፍላጠይ
ለካ ጐይታ ኣተንስኡ’ሎ ዝተግሁ ስለይ
ዝግደሱ ዝጽልዩ ዝዝክሩኒ ኣብ ጸገመይ
ኣይኮንኩን እባ ንበይነይ ኣሎ ዝጣበቐለይ
የሱስ’ዩ እባ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ዝቐርበለይ
ኣለውኒ እባ ኣሕዋት ዝድግፉኒ ንኣይ
ብጸሎት ደው ኢሎም ናብ ጐይታ ዝነቕሑለይ

ወይ እታ ህሞት
ምሂራትኒ ብዙሕ ነገራት ኣብ ህይወት
ሕጂ ፈሊጠዮ ተረዲአዮ ጥቕሚ ጸሎት
ተሰዊጡአኒ’ውን ረብሓ ምምላድ
ምዃኑ ኣብ ሰማይ ስራሕ’ቲ ጐይታ ጐይቶት
ኣሕዋተይ እዚኣ ንፍለጣ ክቡር’ዩ ጸሎት ኣሕዋት
እታ ህሞት እወ እታ ህሞት
ኣይተረፈትን ኮይና ጸልማት
ብርሃን መጺኡኒ ድሕሪቲ ድቕድቕ ጸልማት
ሓጎስ ተፈርሺሑ ድሕሪ ብዙሕ ንብዓት
ኣምላኸይ ህያው ምዃኑ ርእየዮ ብግብሩ
ከመስግኖ ገይሩኒ በቲ ግሩም ምኽሩ
ኣነስ ኣይፈለጥኩን እምበር
እዚ ኹሉ ዝሓለፍኩዎስ ነይሩዎ’ዩ ምስጢር
ንኣምላኽ ምእማን ተማሂረ ኣብ ኩሉ ኩንተታት
ከፈልጦ’ውን ኣኽኢሉኒ ጥቕሚ ጸሎት ኣሕዋት
ፈሊጠ’ውን ከም ዘሎ ብርሃን ድሕሪ ጸልማት
ለካስ ዕላማ ነይሩዋ እታ ህሞት ኣይተረፈትን ኮይና ጸልማት

0 comments
Other Poem