ሽዓ

Posted on 2012-09-30 · 1109 · 0 · 0

11 resources uploaded

ብኹሉ ወገን እጽቀጥ ግናኸ ኣይጸበንን
ዝገብሮ ይጠፍኣኒ ግናኸ ተስፋ ኣይቀብጽን
እስጎግ ድርቡይ ግን ኣይኮንኩን
ይደፍኡኒ ግናኸ ኣይጠፍእን
ንኹሉ እጸውር ትዕግስተይ ባሕሪ
ንዘጽብቡለይ ጸላእተይ መሊሰ መፍቀሪ::

እቲ ናይ ወጻኢ ሰበይ እንተበስበሰ
ቅኑዕ እንከሎ ከም ገበነኛ እንተተኸሰ
ንወንጌል እንተተሓየረ ቄናን እንተተፈርደ
እንተተናዕቀ እንተተጸርፈ እንተተዋረደ
ዘይንሱ መሲሉ እንተሓሰሞ እንተማደወ
ፈጺሙ ዘይስምብድ እምነቱ ዘይጠዋወ::

ካበይ ይምንጩ ካበይ ይፍልፍል
ፈልከት ዘየብለኒ ካብ እምነት ወንጌል?

ልበይ ብዛዕባ ዘልኣለም ምስዝህንድስ
እቲ ውሽጠይ ከም እራብ ስለዝሕደስ
ስለዝፈለጠ ብዛዕባ’ቲ ምሉእ ረዚን ክብሪ
ማእለያ ዘይብሉ ብሉጽ ዘልኣለማዊ ምኽሪ
ምስዝወዳደር ምስናይ ሕጂ መከራይ
ኣይሕለልን’የ ቀሊል’ዩ እቲ ጸበባይ::

ምስዝልካዕ ብዘልኣለም መስፈር
ንውሓት ጊዜ ጸበባይ ኣዚያ’ያ ሓጻር
ብቃል ኣምላኽ ኣጸዋውዓ
ቅጽበት ዓይኒ’ያ ትሓልፍ ሽዓ::

2 ቆረ 4:16-17 "እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።"

0 comments
Other Poem