ንመለስ ንፈጣሪ

Posted on 2015-01-23 · 1048 · 0 · 0

20 resources uploaded

ኣታ ንምሰል እባ ንፈታሪ አወ ንምሰል ንፈታሪ
ኩቡር ካብ ሕሱር ክንፈሊ
ኣእዛና ተከፊቱ ድምጺ ፈታዊና ከነለሊ
ንሓጥያት ኣርሒቅና ክዳን ጽድቂ ንወዲ
ንምሰል እንዶ ንፈጣሪ እወ ንምሰል ንፈጣሪ

ኣታሓሳስባና ከናፍር መልሓስና
እንዛረቦ ቃላት ዝወጽእ ካባና
ይቀየር ይለወጥ ዝማርክ ኣሕዋትና

ሻራ ምፍልላይ ሕሱር ዋጋ ዘይብሉ ነገራት
ኣረጊት ኣታሓሳስባ-ንድሕሪት ዝጎትት
ይጋሓፍ ይደርበ ልቢ ኣሕዋት ዝሰብር

ካብ ትምክሕተና- ኣይርታዕን ኢዩባሃሊ
ካብ ፍትወት ነብስካ -ደላይ ልዕልና
ካብ ተጃሃራይ ልቢ- ዝብል ኣነ ኢየ ሓቀና
ፋሕ ብትን ኣእትየ- ዝፈላልየና
ሕጅስ ይኣክል- ነርሕቅ ካብ ሞንጎና

ኣንነትና -ሕሱር ዘይጠቅም ንዓና
ይጋሓፍ ይደርበ- ካብ ምሉእ ህይወትና

ነቲ ጎይታ ጎይተት የሱስ
ብስምብራቱ ሕማምና ዝፍውስ
ብትንሳኤኡ ነብስና ዘሕድስ
ንምሰል እንዶ ነቦና

ንዓና ክብል ንታሕቲ ወሪዱ
ከም ሰብ እኻ ዘይኮነ ኣብ መምዒ ማል ተወሊዱ
ንምሰል እባ ነቦ

እቲ ካብ ማህጸን ጀሚሩ ዝሓለወና
በረካ ወጺና እካ ዘይገደፈና
ካብ ተመነ ዕንቅርቢት-ካብ ነጎዳ ጠያይቲ ዝጋረደና
ኣብ ምድሬዳ እካ- ዘይረሳዓና
የማነይቲ ኢዱ ስሒቡ ዘውጻና
ንምሰል ኣሕዋተይ ነቦና

ድሩት ክንሱ ተግባር ክእለትና
ውሱን እንኮሎ ሓይሊ ዓቅምና
ምውርዛይ ካባና ኣርሒቅና
ትሕት ንበል ኣብ እግሪ የሱስና

ከም ታራ ሰብ ኣይንኩን ደቂሱ ንጉሆ ምትሱኡ
ከም ልምዲ ዝማላለስ ብባህሊ ኣቡኡ

ንንቃሕ እንዶ ከምተን ሓምሽተ ደናግል
ዘይተን መሊኤን እናበላ ዕልል
መርዓዊ ምስ መጸ ታሓቃቅፍና ክንዘልል

እወ ንረዳኣዮ ኣባና ዘለዎ ተግባር
ከምቲ ጽዋዕ የሱስና እንተ ንነብር
ንሕና ትሕት ኢልና ንሱ እንተ ዝከብር
ደድሕሪ ጽድቂ ፍቅሪ እንተ ንስድር
ምራኣናዮ ስም የሱስና ኣብ ማእከ ኣህዛብ ክከብር

ከምቲ ጎይታ ትሕት ኢሉ ዝመጾም
ንደቂ መዛምርቱ ንብምሎኦም
ትሕትኑኡ ከሪኢ ኣብነት ዝኮኖም
ድንን ኢሉ ኣእጋሮም ዝሓጸቦም

ንሕና እውን ነቶም ናኣሽቱ ኣሕዋትና
ኣብነት ንኩን ንገዛእ ከም ፍቃድ ኣቦና
ከምቲ ኣብነት ዝኮነልና ሕያዋይ ጋሳና
ንምሰል እንዶ ነቦና

ኣብቲ ጸልማት ንሱ ከም ዝረድእ
ምእንታን ከነበስር ንሱ ከምዘይ ርስዕ
ነቲ ዘረምሰስናዮ ሓቂ ከነውግዕ

ጸጋ ተቀቢልና ካብኡ
ከነገልግል ንወንገል ስፍሓቱ
ከነበስር መልእክቲ ዕብየቱ
ንምሰል እንዶ ንፈጣሪ

ነቲ ሰማያዊ ዕዮ ክንከውን ብቅዓት
ህላውነት ኣምላክና ክግለጽ ባና ብትብዓት
ኣታ ንምሰል ንዕኡኡ
ብዘይ ተግላብነት ንምስላት ዕይኡ
ንምሰል ኑኡኡ።

ሮሜ 8:29
ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።

0 comments
Other Poem