ልብና ንክፈተሉ

Posted on 2015-06-08 · 1329 · 0 · 0

20 resources uploaded


ወጊድ በል ንግጉይ መረዳእታ
ቅኑዕ ምስሉ ኣቕርብ ካብ ሓቀኛ ዛንታ
ንበይኑ ዝተላእከ ናብ ዓለም ብምልእታ
የሱስ ምዃኑ ዝመጸ ኣብ መጠረሽታ
ንገራ ንዓለም ጨድር ብዓውታ

ርህሩህ ኣምላክ ዝለኣኾ ብለውሃቱ
ካብ ጸላም ኣውጺኡ ናብ ብርሃን ንኽንኣቱ
ንየሱስ ምቅባል ጥራይ ኢዩ ቀንድ መሰረቱ

ልብና ንክፈተሉ ካኣቱ ብህድኣት
ክንጽሊ ከነመስግን ንጐይታ ብፍርሓት
ማዕጾ ልብካ ክፈተሉ ከትምልጥ ካብቲ ማዓት

ጥርዚ ኩሉ ፍልጠት ናይ ህይወት መብራህቲ
እንኮ መዋጽኦ መዘና ኣልቦ ሓቂ
ሰንደቕ ዓወት መድሓኒት ካብ ሲኦል
ኣታ ድምጺ ሓቂ ሓብር ብእዋኑ
ሰባት ከይተጣዕሱ ርእሶም ከየድነኑ
ጽባሕ ቀረባ’ዩ ሕጂ ክውስኑ
የሱስ ንሱ ክብሉ ብኡኡ ክድሕኑ
ብሪመይ ተስፎም

0 comments
Other Poem