ኩሉ ታዕዲልክን

Posted on 2015-01-27 · 1117 · 0 · 0

20 resources uploaded

እንተ ሰራሕክን መን ኣሎ ከማክን
እንተመከርክን ትመልሳ ንስክን
ብፍቅሪ ትሕዛ ሰብእትክን
ምኽርን ጥበብን ዝታዓደልክን
እዚ ኣምላክ ኩሉ ዓዲልክን

ንሓያል ተርዕማ ንስክን
ልቢ ንጉስ ዘምክኽ ግርማክን
ምክሪ ሃማን ዝግልብጥ ሓይልኽን
ናይ ጥበብ ጠቢባብን ዝተዓደልኽን
ደቂ ኣስቴር እንበር ኢክን
ደቂ ሳራ ውላድ ተስፋ እንበር ኢክን
ምሉእ ምጎስን ጥበብን ዝታዓደልክን
ጎይታ ባሪኽዎ ዝረከበ ንዓኽን

ቁጥዐ ንጉስ ዘዝሕል ጥበብክን
ሞሳኹቲ ሰማይ ዝኸፍት ብርክኽን
ደቂ ኣቢጋይል እንበር ኢኽን
ደቂ ሃና እንበር ኢኽን
ዝታዓጽወ ዝኸፍት ጾሎትክን
ጎይታ ዝባረኾ ዝረከበ ንዓኽን

እዛ ማህጸንክን ትወልድ ዘመርቲ ገጠምቲ
ፓስተራትን ተውጽእ መገብቲ ኣለይቲ
ፕረሲደንቲ ትወልዳ ንሃገር መራሕቲ
መማህራን ትወልዳ ማሃርቲ ቀየስቲ
ክንደይ ታዓዲላ እዛ ማህጸንልን ጽብቅቲ
ኣምላኽ ሂብክን ውቅብቲ ስልምቲ


ኣንታ ክንደይ ታዓዲሉ እዚ ብዓል ቤትክን
ምልኩዓት ጉሩማ ትወልዳ ንስክን
ለዋሃት ፈቃራት ተውጽእ ማህጸንክን
ጎይታ ባሪክዎ ዝረከበ ንዓክን

ኣየወ ክጽብቅ እቲ ውሽጥክን
ብፍቅሪ ብሓልዮት ተዕብይእ ደቕኽን
ብጥበብን ብቀስታ ትመልሳ ሶብእትክን
ዕድለኛ ኢዩ ዝረኸበ ንዓኽን
ተምሳል ጽገረዳ ዝጉላዕልዕ መልክዕክን
ሙዝ ጨና ዝሽትት ሃፋክን
ላዛ ፍቅሪ ዝታዓደልክን
ጻሓይ እካ ዘይትበርህ ክንዳክን

ልቢ ሰባኣይ ዝምክኽ ፍሽክታክን
ቀመም ህይወት እንበር ኢክን
ጸልማት ናብራ እንዳሉ ብዘይካክን
ታዓዲልና እንቃዕ ናትና ኮንክን

ሴጣን ይፈልጦ እቲ ሓይልክን
ጎይታ እውን ይፈልጦ እቲ ጽንዓትክን
ትሕት ኢልክን ከተገልግላ ኮለክን
ኣየወ ብፍቅሪ ክትጎያ ኮለክን
ኣቤት ጎይታ ዝሕጎስ ብኣኽን
እግዚኣብሄር ይባረክ ዝዓደለና ንዓክን

0 comments
Other Poem