ሰላመይ

Posted on 2015-01-30 · 1349 · 0 · 0

20 resources uploaded

ኣንቲ ሰላመይ ኣዒንትና ጨምጪሙ ከነቃምተኪ
እቲ ምንታይ ከነስተንፍስ ትንፋስኪ
ክንግልበጥ ከነሳፍሕ ሕቅፎኪ
ክንዓርፍ ክንቀስን ደቅኪ


እወ ሰላመይ ፋሕ ኢልና ተዘሪጉ ማይና
ነቀዝ ኣትዩ ክቁንቁን ቤትና
ዓዲ ምስ ዓዲ ከባሰና
ጎርዞ ነዲኣ ሂባታ ዝባና
ኣቲ ሰላመይ ንዒ ኣታዕርቅና


ሰላም እወ እዛሰላም ክትሰምዓ ጥዕና
መቐረት ቅሳነት ናይ ሂወት ጎደና
ፍቅሪ ምክብባር ህይወት ዝሰፈና
ስቅያት ሕሰም ቀልጢፍና ክንስዕሮ
ልብና ንዘርግሕ ብሓደ ኣእምሮ
ገጽና ንመልስ ናብቲ ዝካኣሎ

0 comments
Other Poem