የሱስ፡ መገድን ሓቅን ሂወትን

Posted on 2013-03-06 · 1053 · 0 · 2

5 resources uploaded

የሱስ ከድሕነኒ ኢሉ ካብ ሰማይ እንተ ዘይወርድ
ሱቕ እንተ ዝብል ነይሩ ኣምላኽነቱ ከይሓድግ ኢሉ
ስመይ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኣይምተረኽበን

ከመይ ገይሩ እሞ ክገብረሉ ክርኢ ጥፍኣትይ
ኣምላኸይ ደኣ ሰብ ኰይኑ ወረደ ከድሕነኒ ንኣይ

መን ምዘከርኒ ኣብቲ ሲኦል፧
ገመድ ካብ ኽሳደይ የሱስ እንተዘይፈትሓለይ
ድኻመይ ጎይታ እንተዘይወስደለይ
ንሱ ምእንታይ እንተዘይስቀየለይ

ሓጥያተይ የሱስ ኣብ መስቀል እንተዘይሰቕለለይ
ቅንዕ ኢለ ክጥምት ክሳደይ እንተዘየቕንዓለይ
ንሞተይ ጎይታ እንተዘይሞተለይ

ሂወቱ ኣብ ክንዲ ሂወተይ እንተዘይህበለይ
ወዲ ኣምላኽ ክንሱ ትሕት ኢሉ እንተዘይወርደለይ
ትምክሕተይ ኩሉ እንተዝይሰብረለይ
ንመን ምመሰልኩ፧

ኣነ ኣበይ ምሃለኹ ፧
ነይረ ኣብዛ ምድሪ፣ ኣብ መወዳእታ ሲኦል ምወረድኩ

እወ ኣብ ዘይጠፍእ ሓዊ ንዘልኣለም ምተሳቐኹ
የሱስ ዕዳይ ከፊሉ ኣድሒኑኒ ይመስገን መድሓኒ።


“የሱስ ከኣ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ…” ዮሃ 14፣6

2 comments

ኣሚን ተስፌ ሓወይ፡ ኣምላኽ የዕዚዙ ይባርኽካ።

ኣምላኽ ምግላጹ ይወስኸልኪ፣ ንብዙሓት ከኣ ንበረኸት ይግበርኪ፣ ዮርዲ ሓፍተይ!