ንነብሰይ ንክረክባ

Posted on 2015-05-31 · 1054 · 0 · 0

20 resources uploaded

ከይደ ኣለኩ ናብቲ ጎልጎል ናብቲ ጉያ
ከይደለኹ ንነብሰይ ነከጣይቅ ንኽደልያ
ካብ ገደል ካብጥፋት ካብ መገዳ ንካኣልያ
ከይደ ኣለኩ ካብቲ ሓመድ ንከልዕልእ

ከይደ ኣለኩ ንክመልሳ ንኸህድኣ ንኸጽንሓ
ክብቲ ጥፍኣት ካብቲ ዘብዘብ ንዘየርብሓ
ከይደለኹ ናብቲ ህይወት ንዒ ክብላ
ንክትኣቱ ናብ ሰላማ ከትዕርፍ ካብ ኮለላ
ንከውጽእ ካብቲ ጸምሪ ካብ ታከላ

ከይደ ኣለኩ ናብቲ ህይወት ከራክባ
ካብቲ ድምጹ ሓንቲ ቃል ክዛረባ
ተሰምዓትኒ ልባ ሂባ
ምስ መድሕኒኣ ከላዝባ
ከይደ ኣለኩ ናብ ኣሚና ኪዳና ንክትመልሶ
ናብቲ ኣቕሳላ ዝፍውሶ
ንሱ ይሕሻ ንልባ ዝረስርሶ

0 comments
Other Poem