ነፍሰይ ተንስኢ

Posted on 2012-02-19 · 1340 · 0 · 5

12 resources uploaded

ኩነታት ከይረአኺ ዝኸልከለኪ ከረን
ዓመታት ዝሓለፍክዮ ውረድን ደይብን
ብርሃንዩ ቅድመኺ ናይ ደስታ ዘበን
ተንሲእኪ ትበርህሉ
ድምጺ እልልታኺ ዝስመዓሉ

ነፍሰይ ተንስኢ አይትጠበሪ ብናይ ዓለም ናብራ
ዝተቐበልክዮ አለኪ ናይ ወንጌል ሓደራ
ተንስኢ ንቕድሚት እናጠመትኪ
ናብቲ ዓስቢ ዓወት እናተመጣጠርኪ
አኽሊልኪ ክትቅበልዮ ካብ ኢድ አምላኽኪ
ንሱ ዝርእዮ'ዩ ጽቡቕ ንሱ ዝሕኣስበልኪ

ንድሕሪት አይትጠምቲ ናብ ናይ ባርነት ናብራ
ብምሕረት ዓቢ'ዩ ብለውሃቱ
ክድብሰኪዩ ቁስልኺ ክዝንና አጻብዕቱ
ብሕነ ምፍዳይ ተንሲኡ'ዩ ጸላእትኺ ክብትን
ካባኺ ትድለ ሓንቲ'ያ
ተንስኢ አብ ቅድመኺ አሎ ናይ ዓወት ዘበን

5 comments

· 2012-04-18
ኣሜን Elibel.

A Blessing Poem Indeed Niyat. God bless You.

· 2012-04-02
አሜን ብሩኻት!!

"ተንስኢ አብ ቅድመኺ አሎ ናይ ዓወት ዘበን" ጐይታ ይባርኪ ንያት!!

ተባረኺ ንያት ፤ ብሓቂ ዕላማኻ ተዘክር ግጥሚ እያ እዚአ። ብግጥምታትኪ ይባረኽ ስለዘለኹ ድማ፤ ቀጽልዮ።
Other Poem