መን እዩ ከስደዓኒ ዝፈተነ

Posted on 2013-03-18 · 1076 · 0 · 0

11 resources uploaded

መን እዩ ከስደዓኒ ዝፈተነ
መን እዩ ከስድዓኒ ዝፈተነ፧
ነቲ ሓጥያት ከም ዘይሓጥያት እንዳምሰለ
እንዳ ጠባበረ እንዳ ሓባበለ
እንዳወደሰ እንዳ ዓለለ
ነቲ ፍቓድ ኣቦይ ዘይኮነ
ከም ፍቓዱ እንዳእመነ
መን እዩ ከስሕተኒ ዝፈተነ፧
ከምቲ እዩ ሓጢያት እምበር
ከምዚኣኮ ድሓን እያ
እቲ እዩ ጌጋ እምበር
እዚኣኮ ልምድቲ እያ
እንዳበለ ንኽሲ ሕልናይ ዘቕሰነ
መን እዩ ከጽድፈኒ ዝፈተነ፧
ኣቦ ሓሶት እቲ ሰራቒ
ሕሹኽ ዝብለኒ እቲ ሓራዲ
ሰይጣን እዩ እቲ መጥፍኢ
ካብኡ ይጋልብ እምበር ከቶ ነይሰምዖ
ጽኑዕ ቃል ኣሎኒ ናብዚ ናብቲ ነይንዖ

0 comments
Other Poem