ኣብ ቋሕ ሰም

Posted on 2012-04-06 · 820 · 0 · 4

10 resources uploaded

የዒንትኻ ሰም ምስ በላ
ካብዛ ዘላ ዓለም ናብ ሕሉፍ እንተዝዘላ
እሞ ኣብታ ዝቐጸለት ቆላሕታ
እንተዝወስዳኻ ናብ ጎልጎታ
ሃፋ ናይቲ ኣየር ብሽታ ሞት ተዓብሊኹ
ስጋ ተንጠልጢሉ ደም ክዛሪ ለሊሒኹ
“ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ
ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ“
ቃላት እቲ ገንሸል፡ ነእዛን ዘየዛኒ
ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ፡ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ
“እስከ ካብኡ ውረድ“ እንዳበሉ ከላግጹሉ
እንተዝሓተካ ሓደ ሓላፍ መንገዲ
“ክንድዚ ዝሳቐስ እንታይ ገይሩ እዩ ግዲ፧“
ምመለስካዶ እናበልካ
“ስለ ሓጥያተይ እዩ ደሙ ፈሲሱ“
ወይስ ከምቶም መላገጽቲ
“ስለ ዝበደለ እዩ፡ ቤት መቕደስ ኣርኪሱ“

4 comments

ዘደንቅ ፍቕሪ የሱስ! ምእንቲ ሓጥያተይ አብ መስቀል ተሸንኪሩ፣ ጎይታ ይባርኽካ ኣኽሊሉ ሓወይ።

“ስለ ሓጥያትና'ዩ ደሙ ፈሲሱ“!!!

ልክዕ ኤርሚ! ሎሚውን ኩሉ ሰብ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብቕንዕና ልቦናኡ ክምልሳ ይግብኦ! ብድሕሪ እዚ ድማ ብልቡ መንገዱ ይሕሰብ!

ኦ ናይ ብሓቂ ናብቲ እዋን ትወስደካ ግጥሚ። እታ “ክንድዚ ዝሳቐስ እንታይ ገይሩ እዩ ግዲ፧“ እትብል ሕቶ ግና ሕጂ እውን ብዝተፈላለየ መገዲ ትሕተት እያ፤ ምላሽና ግን እንታይ እዩ? ክርስቶስ ንዓና እንታይ እዩ?