ንተሰብረ ዘመልክዕ

Posted on 2011-12-31 · 1598 · 1 · 1

121 resources uploaded

“እቶም ንኣምላኽ ዘፍቕሩ ከም ምኽሩ ዝተጸዉዑ ግና ኩሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና።” (ሮሜ 8፡28)

ኣብ ገለ እዋን ነገራት ከም ዝመደብናዮ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ክኸይድ ንርእዮ። ከም ትሑዝ ኣብ ኢድና ዝጨበጥናዮ ዝመስለና ነገራት ካብ ኢድና ይሞሉቕ። ጽኑዕን ርጉጽን ዝበልናዮ ነገር ይፈርስን ይሰባበርን። “ስለምንታይ?”, ኢልና ንሓትት እሞ ንጹር መልሲ ኣይንረኽበሉን። ከምዚ ነገራት ምስዝደጋገመና ድማ ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ህዝቢ እስራኤላውያን ዝበልዎ “እምበርዶ ኣምላኽ ይርእዮ ኣሎ እዩ? ነገራተይሲ ካብ እግዚኣብሄር ተሓቢኡ እዩ ...”, ክንብልን ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ክነቓነቕን ይጅምር። (ኢሳ 40.27)

ሓደ እዋን ዘንበብክዎ ከዕልለኩም። ኣብ ቴህራን ዘሎ ናይ ነገስታት ቤት ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ኣዝዮም ውቁባት ናይ ሞዛይክ ስርሓት ሓደ እዩ። ናይቲ ቤት ውሽጣዊ መናድቕን ናሕሲን ከም ናእሽቱ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ኣልማዝ እዩ ዘንጸባርቕ።

ኣብ መጀመርታ እቲ መሃንድስ ነቲ ውሽጣዊ መናድቅ ናይቲ ህንጻ ክህንደስ ከሎ፣ ብዓበይትን ጸፋሕትን መስትያት ዝተሰርሔ ክኸዉን እዩ መዲብዎ ኔሩ። ነዚ ንምግባር ድማ መስትያት ካብ ፓሪስ ኣልኣኸ። ይኹን እምበር እታ ናይ መጀመርታ መስትያት ጽዒና ካብ ፓሪስ ዝመጸት መርከብ ኣብቲ ወደብ ምስ በጽሐት ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ እተጻዕነ መስትያት ተሰይሩ ጸንሔ። እቶም ሰራሕተኛ ድማ ነቲ ስብርባር መስትያት ጒሒፎም እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ነቲ መሃንዲስ ነገርዎ።

እቲ መሃንዲስ ድማ ነቲ ስብርባር መስትያት ከምጽእሉ ኣዘዘ። ንዂሉ ኣኪቡ ኣድቂቁ ብምስባር ነቲ ስብርባር አብቲ መንደቅ ክልጥፎ ጀመረ። በዚ ድማ ነቲ
ቤት ብኣዝዩ ዉቁብ ሞዛይክ ብሩር ዝመስል᎓ ከም ብደቂቕ ኣልማዝ ዝተሰርሐ ዘንጸባርቕ መንደቕ ገበሮ። እቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ እዩ ተባሂሉ ተጓሒፉ
ዝነበረ መስትያት ናብ ውቁብን ጽቡቕን ነገር ተለወጠ።

ከሙኡ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ህይወት መስበርቲ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብዛ ሓላፊትን ጥፍእትን ዓለም ብዙሕ ፈተናን ጸበባን ስለዘሎ እዩ።
እንተኾነ ግና ንኹሉ መስበርትኻ ፈዊሱ ነቲ ኣኺልዎ እዩ ድሕሪ ደጊም ክዕረይ ኣይክእልን እዩ ዝበልካዮ ነገር ናብ ክቡር ዑንቂ ክልወጥ ዝኽእል ከም ዘሎ
ዘክር። እቲ ጸገምና ካብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገር ኣርሒቕና ክንጥምት ዘይንኽእል ፍጥረት ምዃንና እዩ። ኣምላኽ ግና ክንዮ እቲ ሕጂ ዝርኣየና ዘሎ ነገራት
እዩ። ስለዚ እቲ ከምቲ መስትያት ዝተሰብረ ኮይኑ ዝስምዓካ ነገር ኣምላኽ ናብ ዝበለጸ ሰናይ ነገር ክቕይሮ ከም ዝኽእል ኣይትዘንግዕ። ከመይሲ “እቶም
ንኣምላኽ ዘፍቕሩ ከም ምኽሩ ዝተጸዉዑ ግና ኩሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና።”,(ሮሜ 8፡28) ጽሑፍ እዩ።

ጸሎት-
ዎ’ኣምላኽ ንነገራተይ ናባኻ አቕርቦ ኣለኹ። ንስኻ ኩሉ ከኣሊ ኢኻ። ንዓኻ ዝጨንቀካ ነገር ይልቦን። ንነገራተይ ኩሉ ንሰናየይ ከምትድግፎ ይኣምነካ እየ እሞ ንኩሉ ጾረይ ናባኻ አውድቖ። ንዓይ ትሓስበለይ ሓሳብ ሰናይ ስለ ዝኾነ ድማ አመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

1 comments

· 2012-07-03
Amen.
Other Article