ግብረ መልሲ ሃና ቀዳማይ ክፋል

Posted on 2012-01-05 · 1631 · 0 · 0

32 resources uploaded

ኣብዛ ምድሪ ክንመላለስ ኣንከሎና ካብ ገዛእ ርእስና ይኹን ካብ ካልኦት ንዘግጥሙና ኩነታት ግብረ መልሲ እናሃብና ኢና ንመላለስ። እቲ እንህቦ ግብረ መልሲ ድማ ኣሉታዊ ይኹን ኣወንታዊ ብዘየገድስ ኣብ ህይወትና ውጺትን ሳዕቤንን ኣለዎ። ነዚ ኢና ንዝኰን ጉዳይ ንህቦ ግብረ መልሲ ብጥንቃቐን ብምስትውዓልን ክኸውን ዘለዎ። ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ስለ ዝዛይድ ልዕሊ ስምዒትና ብኣምላኻዊ ድርኺት ተደሪኽና ግብረ መልሲ ንምህብ ጥንቁቓት ክንከውን ይግባእ። ኩንየ ኩነታትና ሓሊፍና እንወስዶ ስጉምቲ ኣድማዕነቱ ቡዙሕ በረኸቱ ድም ዓቢ እዩ እሞ ወትሩ ንእንህቦ ግብረ መልሲ ብዓይኒ እምላኽን ቃሉን ክንወስዶ ይግባእ። እምብኣር ብምቕጻል ካብ መጽሓፍ ቁዱስና ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ ክንርኢ ኢና። እዛ ሕጂ እንርእያ ሰበይቲ ብብዙሕ ሸነኻት ህይወትና እትምህረናን ኣስተምህሮን እተመሓላልፎ መልእኽትን ብዙሕ እዩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ሃና እያ ትብሃል። ሃና በዓልቲ ሓዳር ዘይወለደት መኻን ነብረት። ኤልቃና ሰብኣያ ጰኒና ትብሃል ካልኣይቲ ሰበይቲ ነበረቶ።

ጲኒና ካብ ኤልቃና ዝወለደቶም ዉሉድ ነበርዋ። ኣብ ሓደ ገዛ እሞ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ ምስ ዝህልውኦ ዕረፍቲ እቲ ቤት ከምይ ከም ዝመስል ካብ ኩላትና ዝተሰውረ ኣይኰነን። ዓላማ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሃና ስለ ዝንበረ፣ ኣምላኽ ድማ ኣብ ህይወታ ገለ ክገብር ስለ ዝደለየ እዩ ማህጸን ሃና ዓጽይዎ ቃሉ እውን “እግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ” ይብለና። እንሓንሳብ ኣምላኽ ናብ ዓቢ ጐደና ህይወት ክመርሓና እንተ ደልዩ ብኣዚዩ ሓርፋፍ ጐደና ህይወት ከሕልፈና ይኽእል እዩ። ሃና ድማ በዚ ከምዚ ኩነታት እያ ትሓልፍ ዝነብረት። ሃና ብሰንኪ ዉሉድ ዘይምውላዳ ዓቢ ምረትን ጾርን ኔርዋ። እታ መጻርርታት ጳኒና ድማ ማእለያ ዘይብሉ ግዜ ንኽብራ ብዝትንክፍ መንገዲ ተባጭወላን ተናሽዋን ከም ዝነበረት ቃሉ ይነግረና እዚ ኩሉ ሃና ዝሓለፈቶ ግና ነቲ ንፈወሲ ንበረኸት ክኸውን ብኣምላኽ እተመደበ ሳሚኤል ንምምጻእ እዩ። ኩቡር ነገር ንምርካብ እትኸፍሎ ኩቡር ነገር ክህሉ ናይ ግድን እዩ። በዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ጐደና ህይወት እንሓለፈት ከላ ነቲ ኣብ ግዕዞ ህይወታ ዝገጠማ ኩነት ኩሉ ዝሃበቶ ብረመልሲ እምብዛ ዘገርም እዩ ዝነበረ ንሕና ድማ ሎሚ ከም ስድራ ብዛዕባ እዚ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ክንርኢ ኢና።

1 ግብረ መልሲ ሃና ንኤልቃና
ኢልቃና ንሰበይቱ ሃና እምብዛ የፍቅራ ነበረ። ኢቲ ቓል ክነግረና ከሎ “ንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሃባ። ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያ፡ ሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ? እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ? እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጒህዩ አሎ? ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን? በላ።” ሃና ናይ ሰብኣያ ደገፍን ምጽንናዕን ከም ዝነበራ ካብዚ ክንርዳእ ንኽእል። ናይ ሰብኣይ ጸግዒ ውሕስነት ክዀና ይኽእል እዩ። ሃና ግና ብዘረባ ኢልቃና ብህያብ ኢልቃና ብምጽንናዕ ኤልቃና እቲ ውሽጣዊ ሕቶኣ መልሲ ከም ዘይረክብ ስለ ዝፈለጠን በዚ ከምዚ ዝኣመስለ ነገር ኣይተድናገረትን፣ እዚ ዓይነቱ ናይ ኢልቃና ደገፍ ጊዚያዊ ምኻኑ ስለ ዝተረድኣት ንኣምላኽ ካብ ምድላይ ኣይቃረጸትን። ኣነ ከም ዝመስለኒ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ሃና ዘቐመጦ ጾር ኣሎ፣ ሃና ድማ ኣብ እዋን ከቢድ እዋናታ ናይ ሰብኣያ ደገፍ እኹል ከም ዘይኰነ ብምርድኣ እያ ኣብ ኣምላኽ ምጥባቕ ዝመረጸት። ሎሚ ናባና ንምጻእ እም ንሕናኸ ከመይ ኢና?
ብዙሕ ግዜ ብዝተፈላለየ ጐደና ህይወት ክንሓልፍ ከሎና ቀሊል መፍትሒ ስለ እንደሊ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ምስ በጻሕና ካብ ዘላቒ ዝዀነ ዕረፍቲ ኣምላኽ ንደሊ ነቲ እግረመንገድና ዝገጥመና ናይ ኣጆኻ ኣጆኺ ድምጺ ሰሚዒና ብኢ ዓጊብና ግብረ መልስና ነዚ ከምዚ ኣሜን ኰይኑ ናብ ቅድሚት ከይ ቀጸልና ኣብ ዘሎናዮ ደው ንብል ነቲ ኣምላኽ ካባን ከልዶ ዝደለየ ነገር እምብዛ ብጸግኡ ተጋዲልናን ጽዒርናን ክንረኽቦ ኣይንደልን። ኣቀራርባ ኢልቃና ኣወንታዊ ነገር እኳ እንተ ሃለዎ ሃና ግና ኣብዚ ግዚያዊ ዝኰነ ንግዚኡ ምጽንናዕ ኣምጽዩ ዝሓድገ ኰፍ ኢላ ንገዛእ ርእሳ ክትጥብር ኣይደለይትን። ምጽንናዕ ኢልቃና ንሃና ሳሚኤል ከምጻላ ስለ ዘይክእል ነገር ኩሉ ምስቲ ኣቦ ሳሚኤል ዝዀነ እግዚኣብሄር ክትገብር ኔርዋ። ሎሚ ከም ስድራ ብምንታይ ንዓርፍ? በቲ ግዚያዊ ነገር ዶ ወይ በቲ ዘላቒ? ግብረ መልስና ነቲ ኣብ ግዕዞ ዝገጥመና ነገር እንታይ እዩ? ኣብ ግዕዞና ኩሉ ኣቃራጭ ዝብሃል ክንመርጽ እንተ ጀሚርና ኣንፈት ጉዕዞና ሓደገኛ ክኸውን እዩ እሞ ንጠንቀቕ። ሃና ዓሰርትዎ ዕጽፊ ዝኣክል ህያብ ኢልቃና ኣይደናገራን ንሳሚኤል ድማ ክትከኣላ ከም ዝይክእል ተረድኢያ። ዝኰነ ዓይነት ህያብ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዘቐመጦ እሞ ድማ ካባና ወጺኡ ንቡዙሓት ንበረከት ክገብሮ ዝደለየ ነገር ኣይትክኦን እዩ። ስለዚ ብህያባት ከይንደናገር ብዓለማውነት ከይንጥበር ንጠንቀቕ።

ሓደ ቕነ ኣብ ህይወት ዳዊት ዝተፈጸመ ዘገርም ነገር እውን ኣሎ። ዳዊት ብሳኦል ይህደን ከም ዝነበረ ቓል ኣምላኽ ይነግረና። ዳዊት ናብ ንግስነት ከም ዝመጽእ ድሮ መንፈስ ኣምላኽ ቀቢእዎስ መስኪርሉ እኳ ነበረ። እዚ ቑቡእ ኣምላኽ እሞ ድማ ንእስራኤል ተካኢ ሳኦል ኰይኑ ክመርሕ ዝተነግሮ ብሳኦል ንሞት ይህደን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሳኤል ኣብ ቃልሕ ቦታ ረኸቦ። ነዚ ዝረኣዩ ጀነራላቱ እንሆ ሕጂ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ኢድካ ሂቡካ ኣሎ እሞ ኣቃባጾ ቕተሎ በልዎ። ዳዊት ግና ግብረ መልሱ ፍልይ ዝበለ እዩ ኔሩ ህያው እግዚኣብሄር እዩ ኣብ ኢድ ቁቡእ እግዚኣብሄር ኢደይ ኣይልዕልን እየ በሎም። እዞም ሰባት ንዳዊት ቕልጥፉ ዝኰነ ህያብ ናይ ንግስነት እዮም ዘዳልሉ ዘለዉ ዳዊት ግና ክንዮ ህያብም ኣምላኽ ዝሰርሖ ዝፋን እዩ ዝርኢ ዝነበረ። በቲ ዝተፈጥረ ኣጋጣምን ኩነትን ኣይተደናገረን። ሎሚ ግብረመልሲና ነቲ ኣብ መንገድና ዝገጥመና ግዚያዊ ዝኰነ ሓለፋታት ኢድና ከይንህብ እምቢ ምባል ክኸውን ኣለዎ። ሃናን ዳዊትን ዝተረድእዎ ነገር እንተ ኣሎ ዀይኑ ነዊሑ ሓጺሩ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘቐመጦ ንገር ብኽብሪ ከም ዝወልዶ እዩ ሎሚ ንሕና ድማ እዚ ዝዓይነቱ ርድኢት ከነማዕብል ይግብኣና።

2 ግብረ መልሲ ሃና ንጰኒና
ሃና ኣብ ገዛ ዓቢ ዝዀነ ውግእ እዩ ኔርዋ ንሱ ድማ ብጰኒና። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዛረብ ከሎ “እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት።በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ በኸየት፡ ኣይበልዔትን ድማ።” ካብዚ ክንርድኦ እንኽእል ሓደ ዓቢዪ ነገር ኣሎ ንሱ ድማ ምረትን ስቓይን ሃና። ጳኒና ኣብ ልዕሊ ሃና ተውርዶ ዝነበረት ሕሰም ማእለያ ኣይንበሮን። ሃና ስነ እእምራዊ ዝነበራ ነውጽን ጸቕጥን ዓቢ እዩ። እቲ ዘገርም ነገር ሃና ጸገዒ ናይ ሰብኣያ ተጠቂማ ንጰኒና ንምጥቃዕ ተኽእሎ ኔርዋ እዩ። ብተወሳኺ እውና ሃና ዓጸፈታ ክትምልሰላ ምኸኣለት ግና ግብረ መልሲ ሃና ንጰኒና ምንም ኣይነበረን። ሃና ጉዳያ ምስ ኣምላኽ እምበር ምስ ሰብ ከም ዘይኰነ ትርዳእ ሰበይቲ እያ። ሃና ኣብ ከምዚ ዝኣመስለ እዋን ናብ ፈዳዪ ሕነ ኣምላኽ ቀሪባ ካብ ኣምላኻ ፍትሒ ምጽባይ ትፈልጥ እያ። ምብጫው ጰኒና ንሃና ናብ ኣምላኽ ከይትቐርብ ኣይሓገታን። ስምብራት ቁጽሊ ሃና ንኣምላኽ ከተማርር ኣይገበራን። ጸርፊ ምንሻው ጳኒና ንሃና ዓጸፍኡ ኣሉታዊ ነገር ክትምህዝ ኣይገበራን ብኣንጻሩ “ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንሲኤት። ካህን ኤሊ ኸኣ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡” እዩ ዝብል እቲ ቓል። ሎሚ ናብ ገዛእ ርእስና ንመለስ? ግብረ መልስና ኣብ ልዕሊ እቶም ዘምረሩና ሰባት እንታይ ይመስል?
ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ጉዳይና ምስኡ እምበር ምስቲ ኣብ መዓልታዊ ኣብ ጉዕዘና ዘጋጥሙና ኩነታት ከይንገብር እዩ ዝነግረና። ንነፍስና ዘምርሩ፣ ሕልናን ዘዕርቡ፣ ልብና ዝሰብሩ ብዙሕ ዝዓይነቶም ፈተናናት ኣብ ውሽጢ ቤትናን ሓዳርናን ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም። ምስ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመስለኡ ሰይጣን ዘጻወዶም መጻወድያታት ብህልኽነትን ሓይሊ ስጋ ምግጣሞም እንትረፎ ተወሳኺ ምረት ካልእ ፋይዳ ስለ ዘይብሎም ጾርካ ኩሉ ናብ ኣምላኽ ደሪብኻ ስብራት ልብኻን ጋሂኻን ንኣምላኽ ምሃብ እዩ እቲ ዝበለጸ እንኰ መፍቲሒ። ኣምላኽ ይርኢ ስለ ዝዀነ ንዕኡ ምጽባይ እቲ ዝበለጸ እንኰ መፍቲሒ እዩ። ንኣብነት ብሰብኣይኪ ዝተመረርኪ ሰበይቲ ክትኰኒ ይከኣል እዩ። ንስኻ እውን ብደቅኻ ዝተመረርካ ሰብኣይ ክትከውን ይከኣል እዩ ሕጂ ኣብዚ ኣዋን እዚ እንትህብዎ ግብረ መልሲ ንውጺት መጻኢ ህይወትኩም ወሳኔ እዩ። ኣብዚ ከምዚ እዋን ነገርካ ንኣምላኽ የሕሊፍካ ምሃብ እዩ እቲ ዝበለጸ ጥበብ። ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ምድቡ ግዜኡን ሰዓቱን ነገርካን መሰልካን ወዲኡ ጻድቕ ፈራዲ ኰይኑ ክቕመጥ እዩ እሞ ንኣምላኽ ምጽባይ ዝበለጸ መፍቲሒ እዩ።

ዳዊትን ሃና ዘመሳስል ብዙሕ እዩ ዘለዎም። ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ድማ ይሰማምዑ እዮም። ሓደ ግዜ ዳዊት ካብ ቐረብኡ ማለት ውላዱ ኣቤሰሎም ዓመጽ በጺሒዎ ይፈልጥ እዩ። ኣዚዩ ከቢድ እዩ ብገዛእ ዉሉድካ ኣደራዕ ክበጽሓካ ከሎ። ኣቤሰሎም ኣብ ልዕሊ ዳዊት ዘውረዶ ኦንውት ዕልወት ማእለያ የብሉን። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪር እዋናት ግና ዳዊት ምረቱ ኣንጻር ኣቤሰሎም ዘይኰነ ኣፍሲሱ ልቡ ንኣምላኽ እዩ ኣርእይዎ። ምስ ኣቤሰሎም ክካታዕን ክምጉትን ክምድርን ግዜ ኣይነበሮን ነገረኡ ደኣ ንኣምላኽ የሕሊፉ ሃበ። ኣምላኽ ረዲእዎ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ክብሪ መሊስዎ። ምስ ዝገጥመና ምረት ምግፋጥ ከምቲ ዝበልናዮ መመሊሱ ከቑስለና እይ እሞ ግብረመልስና ክንዲ ምስ ዘምርረና ም ኣምላኽ ኰይና ፍረ ምርኣይ ክኸውን ኣለዎ።

3 ግብረ መልሲ ሃና ንኤሊ
ሃና ኣብ ኣዚዩ ከቢድ መንፈሳዊ ውድቀት ዝነበረሉ እዋን እያ ትነብር ዝነበረት። ኤሊ ካህን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ መንፈሳዊ ሃዋህው ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣብ እራኤል ክዛርብ እንከሎ ከምዚ ይብል “ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤል ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረን።” ቃል ኣምላኽ ኣብ ዝወሓዶ ቦታ ዝገዝእ መን ምዃኑ ርዱኡ እዩ። ሃና ብዛዕባ ኩነታት ኤሊን ደቂ ኤልን ትሰምዖ ዝነበረት ወረ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ክንደይ ደቀንስትዮ ብደቂ ኤሊ ከም ዝተደፍራ እውን ትፈልጥ ይመስለኒ። ኰታ ብሓፈሻ ዝነበረ መንፈሳዊ ውድቀት ናብቲ ቤት መቕደስ ከይዳ ከይትምህለል ክዓግታ እኹሉ ምኽንያት እዩ ኔሩ። ሃና ግና ኩነታት ዝነበረ መንፈሳዊ ኩነታት ዘይኰነ ኣብ ህይወታ ብቐዳምነት ግብረመልሲ ትህበሉ ንኣምላኻ እዩ ኔሩ፣ ነዚ እያ ንኹሉ ማሕለኻትታት ሰጊራ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዝወሰነት። እዚ መዓስ ጥራይ ሃና ተመሪራ እናጸለየት ከላ ዘጋጠማ ኩነት ኣሎ “ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንሲኤት። ካህን ኤሊ ኸኣ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ኸኣ፡ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበ።ኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ? ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ፡ በላ ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን፡ ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርኣየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ።” ኤሊ ኣብዚ ንሃና ክኸሳን ክወቕሳን ከሎ ኢና እንርእዮ። ሃና ግና ከምቲ ዘንበብናዮ መልሳ ብህድኣት እምበር ብወቐሳ ኣይነበረን፣ ወይ ንዓይ ከምዚ ክትብለኒ ብምባል ሃጽ ኢላ ኣይኰደትን።

ብዙሕ ግዜ ሃዋህዉ መንፈሳውንት ሰባትን ገዛእ ርእስና እናረኣና ንዘይምእማንን ግብረመልሲ እንህበሉ እዋን ዉሑድ ኣይኰነን። ክንዲ እቲ ቐንዲ ኣውራ ነገር ዘግድሰና ኣብ ዘሎ ናይ ሰባትን ማሕበርን ድኻም እናረኣና ካብ ምእማን ንድንጊ እሞ እቲ ኣምላኽ ኣባና ብኣና ክገብሮ ዝሓሰበን እቲ ካባን ክወጽእ ዝደልዮ ነገር ከይወጽእ ዓንቀፍቲ ንኸውን። ኣዴና ሃና ዝገበረቶ ግና እቲ ዝነበረ ኩነታት ብዘየገድስ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ፍርዱ ክሳብ ዝህብ ንሳ ግና ንኣምላክ ኣስራኢኤ ተጸጊዔ ድሌታ ንምርካብ እያ ቖሪጻ ንሕና ኸ? ኣገለ ከምዚ እባ ከምዝ ወሲኺኒ እናበልን ከይተረዳኣን ካብት ኣምላኽ ዝደልይን መስመር ክይንወጻ ኣኣዴና ሃና ኦኣባይ ኣኣብነት ኰይናትና ኣላ። ሃን ንኣምላኽ እምበር ንኩነታት ቤት መቅደስን ናኤልን ኣይጠመተን። ኣብቲ ኤሊ ዝኸሰሳ እዋን እኳ ከይተረፈት ንዓይ ከምዚ ክትብለኒ ኢላ ኣይነደረትን ወይ ንኤሊ ንስኻ ድኣ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕካ ካህን ኣበይ ትፈልጥ ኢላ ኣይነኣኣሰቶን። እስከ ከም ኣባላ ስድራ ኣብ ውሽጢ ቤትና ብሰንኪ ሕጽረት ርዲኢታት ወቐሳን ዘለፋን ክመጽእ ከሎ ግብረ መልስና ከመይን እንታይን እዩ? ሕነ ክንፈዲ ዶ ንጋየይ ወይ ናይ ውሽጥና ነገር ብቕንዕና ቀሊዕና ነርኢ? ወይ ከኣ እቲ ዝረኸበና ወቐሳን ዘለፋን ካብ ኣምልኽ የህድመና ዶ መሊሱ የቅርበና?

ካልእ ዘሕጉስ ሃና ዝተረድኣቶ ሓደ ሓቂ ኔሩ ንሱ ድማ ንስልጣን ምግዛእ እዩ። ኤሊ መን ምዃኑ ብዘየገድስ መንፈሳዊ ኩነታት ከመይ እዩ ብዘየገድስ ዝተዋህቦ መዝነትን ካብ ክህንነትን ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጣ ትሕት ክትብል እያ መሪጻ ምርቑኡ ትቐቢላ። ሃና ድሕሪ ኤሊ ምስ መረቓ ሕዝንቲ ኰይና ኣይተራእየትን እዩ ዝብለና እቲ ቓል። ስለዚ እዚ ዘረዳኣና ነገር ስልጣን ኣምላኽ ኣብ ሰባት እንተ ተቐሚጡ ክሳብ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ግዜ ምግዝእ ጽድቂ ምኻኑ እያ ትነግረና ዘላ። ግብረ መልሲ ሃን ኣብ ልዕሊ ኤሊ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ቕብኣት እምበር ብመንፈሳዊ ኩነታቱ ኣይኰነትን እትመዝኖ። ሳሚኤል ወዳ ድማ ኣሰር ኣዲኡ ብምስዓብ ኣብ ትሕቲ ኤሊ ትሕት ኢሉ ከገልግል ከሎ ኢና ንርእዮ። እምብኣር ኣብ ውሽጢ ቤትና ምግዝዛእና በቲ ኣምላኽ ኣባና ዘቐመጦ መዝነትን ጸጋን እምበር ብመንነትና ኩነታትና እንተ ዘይኰይኑ ንወለዶ ዝኸይድ በረኸትን ፈውስን ኢና እንመጽእ ስለዚ ኣብ ነሕድሕድና ዘሎ ምግዝዛእ ኣምላኽ ስለ ዝኣዘዘን ዝፈትዎን ምኻኑ ተረዲኢና ክንገብሮ ከሎና በርኸት ኣለዎ።

እምብኣር ኣብ ኣዋሃህባ ግብረ መልሲ ጥንቁቓት ክንከውን ይግብኣና እዩ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዝቐመጦ ህያብ ከይወጽእ ብሓላፍን ነባሪ ዘይኰነ ህያብ ከአጸናንዓና ንዝመጸ ነገር ግብረመልስና እምቢ ክንብሎ ክንክእል ኣሎና። ነቲ ኣብ ኩነታትና ዝገጥመና ፈተናን ማሕለኻን ግብረመልስና ኣይግዛእን እየ ዝብል ክኸን ኣለዎ። ዘሎ ህልዊ ኩነታት መንፈሳውነትን ውድቀትን ድኻምን ሰባት ክዕንቅፈና ክመጽእ ከሎ ግብረ መልስና ንኣምላኽ ንምጥማት ክኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ሰማይ ድማ ብኹሉ ነገር ክረድኣና እዩ ኣምላኽ ኣብ ዝፈቐዶ ድማ እቲ ሃና ዝነበራ ግብረ መልሲ ኣብ ካልእ ሸነኻት ህይወታ ክንርእዮ ኢና። ኣምላኽ ይባርኽኩም።

0 comments
Other Article