ካብ ነህምያ እንምሃሮ ትምህርቲ 1ይ ክፋል

Posted on 2015-11-30 · 1916 · 0 · 1

32 resources uploaded

ኣብ ህይወት እቲ ዝዓበየ ቁም ነገር ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ኰንካ ምሕላፍ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝደለዮምን በቲ ንሱ ዝሓንጸጸሎም ጐደና ህይወት ዝተመላለሱ ኣብነታውያን ዝዀኑ ናይ ኣምላኽ ሰባት ብዙሓት ኣለዉ። ካብኣቶም እንምሃሮ ትምህርትን እንወስዶ ኣርኣያን እምብዛ ብዙሕን ዓቢን እዩ። ነዚ እዩ ቓሉ ብብዙሕ ምስክር ተኸቢብና ከም ዘሎና ገሊጹ ዝነግረና። ቃሉ ካብቲ መስትያት ህይወትና ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ሓደ እዚ እዩ። ባሮት ኣምላኽ ንምጽንናዕናን በረኸትናን ንትምህርትናን ተግሳጽናን ዝዀኑና ሰባት እዮም። ሎሚ ኣሰር ኣኣሰር ዘመሓላለፍዎ ናይ ህይወት ትምርቲ ክንከይድ ብጸጋ ኣምላኽ ክንጋደል ይግባኣና እዩ። ኣምላኽ ብእኦም ኣቢሉ ንህይወትና ዝምህሮ ኣዚዩ ብዙሕ ኣተምህሮ ኣለዎ። ነዚ እዩ ሓው ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺኡ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” ብምብል ይነግረና።
እምብኣር ካብቶም ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ንህይወትና ኣብነት ዝዀኑና ሓደ ነህምያ እዩ። ነህምያ ኣይሁዳዊ ኰይኑ ንኣምላኽ ዝፈርሕ ሰብኣይ እዩ። ካብ እስራኤል ወጻኢ ኣብ ስደት ዝተወልደ፣ ሰብ እዩ። ነህምያ ካብታ ድንካን ኣምላኽ ዝነበራ፣ ሕጊ ኣምላኽ ዝተዋህባ ሃገሩ ሪሕቑ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥን ጣኦታት ዘመልኽ ቦታ እኳ እንተ ነበረ፣ ነቲ ኣምላኽ ኣቦታቱ ዝዀነ ፈጣሪ ግና ኣይረስዖን። እኳ ድኣ ኣብቲ ፈታኒ እዋን ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ፣ ሓለፋ ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ኣቐዲሙ ንኣምላኽ ኣስሚሩ ዝሓልፈ ባርያ እዩ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እዚ ባርያ ኣምላኽ ሰሚዒናን ተማሂርናን ከም ዘሎና ርዱኡ ኰይኑ፣ ሕጂ እን ከምቲ ጴጥሮስ ክነዘኻኽረኩም ንኣእምሮኹም ድማ ከነንቕሖ ግቡኡ ኰይኑ ይስማዓና ዝበሎ፣ ሎሚ እውን ንሓን ከመኡ ስለ ዝተሰመዓና እስከ ብዛዕብኡ ገለ ክንብል። እስከ ካብ ነህምያ እንመሃሮ ገለ ነጥብታት ክንርኢ።
1. ነህምያ እቲ ሓታቲ
የርሳሌም ብጸላእታ ዓንያ፣ ህዝባ ኣብ መቑሕ ባርነት ተሸሚሙ፣ ሰባ ኣብ ከቢድ ነውርን ሕስራርንን ኣብ ዝነበረሉ ኣዋን እዩ። ነህምያ ብዛዕባ ህዝቡ ዝነብሮ ጾር ክሳብ ክንደይዓቢ ምንባሩ ድማ፣ ነቶም ሰባት ዝሓተቶ ሕቶ እኹል መረጋገጺ እዩ። “ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበኩ። 2- ሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮርሳሌምን ሐተትክዎም።” ነህምያ ብዛዕባ ህዝቡ ዝነብሮ ተገዳስነት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ የርእየና። ነህምያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ስቓይን ጭንቅን ዝነበሮ ተገዳስነት ዓቢ ነበረ። ኣብዚ ግዚ እዚ ቡዙሓት ኣሓትናን ኣሓዋትናን ኣብ ከቢድ ስቃይን ኣደራዕን ከም ዘለዉ ጉሁድ ሓቒ እዩ። ብዛዕብኦም ንሓትት ዶ? ግዲ ዶ ይብለና? ክስብ ክንደይ ኰን ኢና ብዛዕባቶም ንሓስብን ንጭነቕን? መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ናትና ዋኒንን ኣብ ንዋሓጠሉ ግዜያት ዳራጋ ግዶም እውን ኣይንገብርን። ከምቲ ኣብ ከብዲ ጹጉብ ጥሙይ የሎን ዝበሃል ንርስዖም። ኣምላኽ ምሕረት ይግበር።
ንሕሰብ ነህምያ ኣብቲ ዝበለጸ ቤተ መንግስቲ ምስ ብሉጽ ዝዀነ ናብራ እዩ ኔሩ። ናቱ ጣዕሚ ግና ብዘይ ናይ ኣሓቱ ደሓን ትርጉም የብሉን። ንሱ ጢዒሞ ሓዉ ተኸፈኦ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ኰታ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረቱ እንተ ዘብዝሓልና። እቲ ዘሕዝን ነገር ኣብ ዝመቸኣ ቦታ ምህላውና ነቶም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ንበረኸት ምዃኑ ዘይምስትዓልና እዩ። ነህምያ ክንዮ ምሕታት ሓሊፉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ግና ኣሎ። እቲ ቓል ክነግረና ከሎ “ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሐኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉን፡ ኣብኡ ኣብታ ሃገር፡ ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለው፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከአ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒ።ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ።” ጓሂ ነህምያ ኣዚዩ ጹንኩር ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ ካብ ጉቡእ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ንጉስ እኳ ተጋሂዱ። ኣየ ካብይ ጀሚርና ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ስቓይን መከራን ዘለዉ ኣሓትና ጋሂናን ጾርናን እንት ዝዓቢ ልቢ ኣምላኽ ክንደይ ኰን ምቐሰነ ኔሩ። ካብታ ዕለት ጀሚሩ ኣንፍ ህይወት ነህምያ ተለዊጡ እዩ። ሓደሽ ምዕራፍ እዩ ከፊቱ። ሎሚ ብዛዕባ ኣኣሕዋትና ኣሓትናን ዝስከም ዝባን ኣምላኽ ይዓድለና።
ብኻልእ ሸነኽ ንእግረ መንገደይ ክዛረበሉ ዝደሊ ድማ ኣብ ጉዑዞ መንፈሳዊ ህይወት ዘጋጥም ማእለያ ዘይብሉ ዓጐጽጐጽን ላዕልን ታሕትን ኣሎ፣ ኣብዚ ከምዚ እዋን ብብዙሕ መንፈሳኢ ድኻምን ምሕላልን ዝሓልፉ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ትማሊ ትማሊ ንብዙሓት ንበረኸትን ንምጽንናዕን ዝዀንሉ ኣጋጣሚ ኔሩ እዩ። ግና ብሰንኪ ዘጋጠሞም መንፈሳኢ ውድቀት ኣብ ከቢድ ምንፈሳዊ ቅልውላው ኣለዉ። እቶም ነህምያ ዝሓተተሎም ኣሓቱ እውን ብሰንኪ መንፈሳዊ ውድቀት እዮም ኣብቲ ደረጃ ወደኢቖም ነህምያ ግና እንቓሕ ኰኑ ኢሉ ስቕ ኣይበለን እኳ ደኣ ክንዮ ጓህን ጸሎትን ንሱውን ተሓታቲ ምዃኑ እዩ ተኣሚኑ። ስለዚ ንሕና ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበልናዮም ሰባት ተመሳሳሊ ዝዀነ መንፈስ ክህልወና ኣለዎ። ጥራይ ትማሊ እኰ እገለ ከምዚ እዩ ኔሩ ኢልና ክንሓልፍ ዘይኰነስ ብዛዕብኦም ብምሕታትን ብምጽላይን ብምግሃይን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ክንከውን ይግብኣና እዩ። ነዚ እዩ ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ “ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። 23 - ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።” ብምባል ዝምዕደና እምብኣር ንምኹናን ዘይኰን ንኽንድንግጽ፣ ብድኻም ኣሕዋትና ክንጃሃር ዘይኰነ ክንግሂ ከም ዝተጸዋዕና ክንዝግዕ ኣይግብኣናን እዩ። ሓለውቲ ኣሕዋትና ክንከክውን ዝተጸዋዕና ምዃና ኣይንዘንግዕ። ልቢ ነህምያ ክህልወና ኣምላኽ ሰማይ ባዕሉ ብምሕረቱን ጸግኡን ይደግፈና።

2. ነህምያ እቲ ዘይህወኽ ዓያያይ
ኣምላኽ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ቦታ ክጽዋዓካ ከሎ፣ ህድእ ምባልን ምጥንቃቕን ኣዚዩ ዓቢ ምስትውዓል እዩ። ኩሉ ንኣገልግሎት ዝኽፈተልካ ደገ ካብ ኣምላኽ እዩ ኢልካ ትቀዳደምን ትህወኽን እንተ ዀንካ ኣብ ከቢድ ጸገም ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ዝገርመኒ ሰብእይ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዝነበረ እሞ ንኢሳቕ ሰበይቱ ከምጻሉ ዝተበገሰ እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ እቲ ዝጸለዮ ጸሎት ኩሉ ክምለስ ከሎ ርእዮዎ እዩ፣ ይኹን እምበር ሓደ ብዛዕብኡ ዝተጻሕፈ ቃል ኣሎ ከምዚ ድማ ይብል “እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ኾነ ወይስ እንተዘይኮነ ኪፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ተኩሩ ይጥምታ ነበረ።” ዘገርም እኰ እዩ። ሎሚ ሰኣን ህድእ ምባልና እነፍርሶ ብዙሕ ማእለያ ዘይብሉ ነገር እዩ። ነህምያ ድማ ካብ ኣምላኽ ጾር ምስ ተቐበለ እሞ ድማ ናብ ዕዮ ምስ ተበገሰ፣ ኣብ ሃዋኽን ሃልክን ኣብ ስሚዒታዊ ምዕዋዕን ኣይኣተወን። ነህምያ ኣብ ቅድሚኡ ዝጽበዮ ዘሎ ሃዋህ እንታይ ምኻኑ ኣቐዲሙ ከጽንዕ ኔሩዎ። መደብ ንምሕንጻጽ ክዳሎ ኔርዎ። ነዚ ድማ እዩ እቲ ቓል ብዛዕብኡ ክዛረበና ከሎ “እቶም ሓላቑ ግና ኣነ ዝኸድክዎን ኣነ እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ድማ ንኣይሁድን ንኻህናትን ንኸበርተን ንመሳፍንትን ነቶም ዝተረፉ ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩን ምንም ኣይነገርኩን።”
ሎሚ ኣብ ውሽጥና ኣምላኽ ዘቐመጦ ራኢ ክሳብ ጉቡእ ምድላው ንገብረሉ ክንህወኸሉ ግቡእ ኣይኰነን። እቲ ጉዳይ ኣምላኽ ራእይ ስለ ዘይህብ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ምስቲ ወሃቢ ራእይ ተሳኒኻ ዘይምጉዓዝ እዩ። ነህምያ መዓስን ኣበይን እዋን ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ ንሕና ባሮቱ ተንሲኢና ክንዓዪ ኢና ዝብለሉ እዋን ይፈልጥ እዩ። እዚ ቓል ዝብሃለሉ እዋን ኣርጊጽካ ከይፈለጥካ ምጉዓዝ ግና ህውተታ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሕ እዋን ኣምላኽ ምሳና ዘየለ ክነሱ ከም ምሳና ዘሎ ኣምሲልና ናብ ረብሓ ገዛእ ርእስና ዝተጓየናሉ እዋን ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ።
እምብኣር ኩሉ ግዜ ዕዮ ኣምላኽ ብዙሕ መስዋእትነት ከም ዝሓትት ክንፈልጥ ይግባኣና። ነህምያ ነቲ ዝሓሰቦ እሞ ድማ ኣብ ልቡ ዝተቐመጠ ምኽሪ ኣምላኽ ንኸይፍጽም ዝማጐቶን ዝጻብእዎን ዉሑዳት ኣይነበሩን ግናኸ ምስ ኣምላኽ ኰይኑ ብምዉሳኑ ብህድኣት ንነገራት ብምምማዩ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ኪኢሉ። ህድኣት ዘይብሉ ኣገልጋሊ ነቶም ምስኡ ከገልግሉ ዝደልዮም ሰባት ከህድእን ብህድኣት ክመርሖም ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።
ኣገልግሎት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ እናገልገልካ እትጓዓዞ ጉዕዞ እምበር ብስሚዒት ተመሊእካ ሆ እናበልካ እትገብሮ ጉዳይ ኣይኰነን። ንራኢ ዋጋ ክትምነሉ እንተ ዘይኪኢልካ ንምዕዋት ዘሎ ተኽእሎ እምብዛ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ እዋና ካብ ሃዲእካ ክትገብሮ ብስሚዒት ተደፋፊእካ ክትዓሞ ዝገብሩኻ ባእታት ይበዝሑ። መዓስ ብኸመይ ስለምንታይ ምስ መን ኣበይ ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ንምሕታት ድሕር ክንብል የብልናን። ሳኦል ብምህዋኹ ካብ ንግስነት ክሰዓር ከሎ ዳዊት ድማ ህድእ ብምባሉ ናብ ንግስነት መጺኡ። ዝለዚ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ዘቐመጦ ኩቡር ኣዕናቕ ኣብ ማዓላ ክውዕል እምበር መራገጺ መፋልስ ከይከውን መንፈስና ክንሕሉ ኣእምሮናን ልብናን ብኣምላኽ ከነግዝእ ይግብኣና እዩ። ንሕሰብ ንህምያ ኩሉ ዳሕዲሑ ነቶም ሰባት ኣንተ ዝነግሮም እንታይ ምኰነ ነሩ እልና ንሓስብ? ኣምላኽ ኣብ ልቡ ሓደ ሰብ ገለ ራእይ ከቐመጥ እንከሎ ምስኡ ድማ ግዜን ሰዓትን ከምዘንብር ክርዳእ ይግባእ ስለዚ ህድኣት ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝተነብረ ኣምላኻዊ ሓሳብ መሳንይቱ ሙኻና ንዘክር።
3. ነህምያ ንኻልኦት ኣብ ዕዮ ዘዋስእ
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓደ ጹሑፍ ከንብብ ከለኹ፣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ካብ ዘለዉ 95% ምእመነ ንጥፋት ኣይኰኑን። እቶም ብቐንዱ ዝዋስኡ ኣዚዮም ሒደት እዮም ይብል። ኣነ ነዚ ኣባሃህላ እዚ ጸሓፋይ ቁኑዑ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ብግብሪ ድማ ከምኡ እዩ ዝርኣ። እቲ ጸገም እንታይ እዩ? ነፍሲ ወከፍ ዉሉድ ኣምላኽ ንዕዮ ኣምላኽ ዝከውን ጸጋ ኣለዎ። እዚ መኽሊት እዚ ክሽረፍ ግና ለባማት ከም ነህምያ የድልዩ ማለት እዩ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ናይ ውሱናት ዕያቶታት ዓብላልነት ዝረኣየላ ቦታ ኣይኰነትን። ነህምያ ኣብ ምህናጽ ቀጽሪ ዮርሳሌም ዝተጻወቶ ዓቢ ተራ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዕዮ ክጽመድ እዩ ጌሩ። ነዚ እዩ ኣብቲ ሳልሳይ ምዕራፍ ክጅምር ከሎ “ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ከአ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ኣባጊዕ ነደቕዎ ቀደስዎ ኸአ፡ መዓጹኡውን ኣቁሙሉ። ክሳዕ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ቀደስዎ። 2- ሰብ ያሪኮ ኸአ ኣልጊቦም ነደቑ። ዛኩር ወዲ ኢምሪውን ኣልጊቡ ነደቐ።” እንዳበለ ዝቕጽል። ንባዕሉ ካብቲ ዕዮ ኣይረሓቐን። ራእይ ኣሎኒ ዝብል ሰብ ግና ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ክዓዪ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ ዝተቐበሎ ራኢ ኣድማዕነት ዘይብሉ ይኸውን ዑዉት ክኸውን ድማ ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ጸጋ ከቐምጠልና ከሎ ክንሻቐጠሉ ወይ ክንረኣየሉ ዘይኰነ ክንዓየሉን ክንሃንጸሉን እዩ። ኣብዚ ዘመን ብስም ራኢን ጸጋን ዝግበር ዘሎ ናይ በይናውነት ቅድድም ግና ናብ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኰነ ኣንፈት ይመርሓና ከም ዘሎ ንርእዮ ኣሎና።
ኣብ ማሕበር ክርስቶስ ግላነት ዝብሃል ፈጺሙ ኣይሰርሕን እዩ። ኩላትና ኣካል ሓድሕድ ኢና። ብሓደ ንጐዪ ብሓደ ድማ ንሱጉም። ብፍላይ ከም መንእሰያት ናብቲ ዝቕጽል ናይ መሪሒነት መድርኽ ንሰጋገር ስለ ዘሎና ንኻልኦት ኣሚና ሓላፍነት ንምሃብ ፍቓደኛታት ክንከውንን ክንማሃርን ይግባኣና። ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ብሒትና በይናን ከነገልግል ኣይክኣልን እዩ። ካልኦት ካባና ኣብሊጽና ክንርኢ ይግባኣና እዩ። መከባብያ ዮርሳኤም ብዝገርም ፍጥነት ኣብ ሓምሳን ክልተን መዓልቲ ክትውዳእ ዝኸኣለትን ብናይ ፈኸራ ተጻረርቲ እቲ ዕዮ ደው ክብል ዘይከኣለን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ዕዮ ክሳተፍ ዕድል ስለ ዝረኸበ ኣዩ።
ሎሚ ኣብ መሪሒነት ዝተቐመጡ ሰባትን ብሕጂ ንዝመጹን ኩላቶም እዚ ናይ ነህምያ ኣሰራርሓ ክትግብሩ መንፈስ ቁዱስ ክድግፎም ክሓቱ ይግባእ። ኣብቲ ብሓድነት ተርሖ ስራሕ በረኸት ኣሎ። ኩሉ ሳዕ ኣብ ዕዮ ዘይተጸምደ ሰብ ኣብ ወረን ካልእ ዘይተደልየ ነገር ክኣቱ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ነፍሲ አከፍ ኣገልጋሊ ልቢ ንነህምያ ሒዙ ንኻልኦት ኣርኣያ እንዳዀነ ብሓላፍነት ኣብ ዕዮ ክመዝዝ ግቡኡ እዩ።
ንሎሚ ኣብዚ ክኣኽለና እዩ። ኣብዚ መጽእ እቲ ዝተረፈ ክንቅጽሎ ኢና። ሓሳበይ ንምጥቕላል ግና ኩሉ ግዜ ብዛዕባ እቶ ኣብ መከራን ስቓይን ዘለው ሰባት ግዲ ክብለና ይግባእ። ነቶም ብዝተፈላለየ መከራ ዝሓልፉ ዘለዉ ንደንግጸሎም። ኩሉ ግዜ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ክንዋሳእን ክንዓይን ከሎና ህድእ ኢልና ከይተሃወኽና ነግልግል። ነቲ ዝተኣሃብናዮ ራእይ መዓስን ብከመይን ኣብ መዓላ ከምዝውዕል ንሕሰብ። ንኻልኦት ኣብ ዕዮ ንምስታፍን ሓላፍነት ንምሃብን ድሕር ኣይንበል ኣምላኽ ሰማይ ድማ ብኹሉ ክረድኣና እዩ። ኣብ ካልእ መድብ ክሳብ ንራኸብ ጸጋ ኣምላኽን ፍቕሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሕብረት መንፈስ ቁዱስን ምሳኻትኩም ይኹን።

1 comments

ኣምላኽ ይባርኽካ ሃኒባል ሓወይ።
Other Article