ኣምላኽ ኣምላኽ’ዩ

Posted on 2014-10-30 · 1210 · 0 · 0

33 resources uploaded

ኣምላኽ ኣምላኽ’ዩ

ዝንበብ ምዕራፍ፦ ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 3

መሪሕ ጥቕሲ

ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩን። እብ 11፡35

ኣብ ስሚርና ዝነበረት ማሕበር ኤጲስቆጶስ ዝነበረ ፖሊካርፕ (69-155 ዓ.ም)፣ ክፍታሕ እንተዀይኑ ንክርስቶስ ክረግሞ ከም ዘለዎ ብሰበ-ስልጣን ሮሜ ምስ ተሓተ፣ “86 ዓመታት ኣገልጊለዮ፣ ወላ ሓንቲ መዓልቲ ትዅን ክፉእ ገይሩኒ ዘይፈልጥ፣ ነቲ ዝሞተለይ ንጉስ ከመይ ኢለ የናሽዎ፧” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ሰበ-ስልጣን ሮሜ፡ “እምበኣር ሓሳብካ ዘይትቕይር እንተዄንካ፣ ዕጭ ሓንፈፍኩ ካብ በልካ፣ ብሓዊ ገይርና ክንህሙኸካ ኢና፣” ኢሎም ኣፈራርህዎ። ኰይኑ ግና፡ ፖሊካርፕ ዘይጸዓድ እዩ ዝነበረ። ንክርስቶስ ስለ ዘይረገሞ፣ ገና ምስኦም እናተዛራረበ ከሎ ኣንደድዎ።

ቅድሚ ዘበናት፡ ሲድራቅ፡ ሚሳቅን ዓብድኔጎን እተባህሉ መንእሰያት ነዚ ዝመስል ድህለላ ወይ ምጕብዕባዕ ምስ ኣጓነፎም፣ ከምዚ ኢሎም መለሱ፣ ……..ዎ ነቡክድነጻር፣ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣይድልየናን። ዎ ንጉስ፣ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፣ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣………. (ዳን 3፡16-18) ዝመሳሰሉ ተመኵሮታት፣ ነገር ግና ክልተ እተፈላለዩ ውጽኢታት። ፖሊካርፕ ብህወት ከሎ ነዲዱ (ኣንዲደሞ)፣ እኒ በዓል ሲድራቅ ግና ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ገለ ከይኰኑ ወጺኦም።

ሓደ ዓይነት እምነት እተንጸባረቐሎም፣ ክልተ እተፈላለዩ ውጽኢታት። እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ እምነት ኣብ ኣምላኽ ማለት፣ እምነት ኣብ ኣምላኽ ክገብሮ ዝኽእል ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣርእዮምና። እምነት ክበሃል ከሎ፣ ኣምላኽ የድሕነና ኣየድሕነና ብዘየገድስ፣ ክንኣምን ከለና ማለት እዩ። ኣምላኽ እዩ እቲ ወሳናይ ወይ ፈጻማይ። ኣብ ኵሉ ክንስዕቦ ኢና ኢልና ምምራጽ ድማ ውሳነናን ግደናን ይዀውን ማለት’ዩ።

ሰሉስ 7 ሰነ፣ 2011
ብ Albert Lee
Our Daily Bread
ትርጕም ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን

0 comments
Other Article