ምስትውዓል ዘድልዮ ግብሪ

Posted on 2012-02-15 · 1754 · 0 · 3

107 resources uploaded

ምስጋና፡ ብፍሩይ ኣርእስቲ፡ ቀጺሉ፡ ብሃንደበት ሞት እነፍቅራ ጓልና እከሊት ዘቃበርኩምና፡ ኣብ ገዛና ብምምልላስ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብስልክን ፋክስን ዘጸናናዕኩምና፡ ሐሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ምስጋናና ነቕርብ። ወለዳ እቶ አከሌን ወ/ሮ እከሊትን ምስ ምሉእ ስድራቤት። ስእሊ መዋቲት። ትሕት ኢሉ ድማ፡ ብሞት እነፍቅሮ ኣቦና እከሌ ... ኢሉ ብምጅማር ብተመሳሳሊ መገዲ ናይ ምስጋና ጽሑፍ ስእሊ መዋቲ። ይቕጽል ሳልሳይ፡ ራብዓይ ... ኣብታ ሒዘያ ዝነበርኩ ጋዜጣ ናይ ሽዱሽተ ሰባት ምስጋና ኣንቢበ። ስእሎም ደጋጊመ ረኣኽዎ። ዕድመ ጸጊቡ ክበሃል ዝኽእል ኣይነበረን። ከብደይ በልዓኒ። ዘይፈልጦም ክነሰይ ልበይ ብሓዘን መልአ። ናይዞም ሰባት ምንባር ኣብዛ ዓለም ኣብቂዑ ማለት ድዩ፧ ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ። ብሓደ እዋን ከምዛ ከማና ጣዕምን ምረትን ናይዛ ዓለም ይቋደሱ ኔይሮም። ሕጂ ግና ካብቲ መኣዲ ተንሲኦም። ብሓደ እዋን ከምዚ ከማና ክኾንዎ ዝደልዩዎን ክበጽሕዎ ዝምነዩዎን መደባት ሓንጺጾም ኣብ ሽቶ ንምብጻሕ ይጓዓዙ ነይሮም ሕጂ ግና ጉዕዞኦም ኣቋሪጾም። ካልእ መኣድን መገድን ተቀሪቡሎም’ዶ ይኸውን፧ መሕትት ሒዘ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ብምኻድ ሕቶታት እንተዝሓቶም ከመይ ደስ ምበለኒ። ከም እኒ እንታይ መዲብኩም ኔርኩም፧ ኣበይ በጺሕኩም፧ ኣየናይ የጣዕሰኩም፧ ኣየናይ የሐጉሰኩም፧ ካልኣይ ዕድል እንተዝወሃበኩም እንታይ ምገበርኩም፧... ዝኣመሰሉ ሕቶታት። መልሶም ብዙሕ ምጠቐመና ነይሩ። ኩሉ መደበይ ወዲኤ፡ ኣብ ናይ ምድሪ ጉዕዞይ ክበጽሖ ዝሓሰብኩ ኩሉ በጺሔዮ እየ ዝብለኒ ዝረክብ ኣይመስለንን። ምናልባት ቅኑዕ መደብ ኣውጺአ ነይረ፡ ግን ተቛሪጹ ዝብለኒ ኣይምሰኣንኩን።

ሓደ ዓርከይ ኣቦኡ ብዙሕ መደባት ከምዝነበሮምን መደቦም ከይፈጸሙ ብሓደጋ ከምዝሞቱን ዘዕለለኒ ትዝ ይብለኒ። መብዛሕትኡ ናይ ደቅሰብ ዕጻ። እወ ብዙሓት እዮም ትምህርቲ ክመሃሩ እናሓሰቡ ሞት ዝቕድሞም። ንግዲ ጀሚሮም ክሓልፈሎም እናተመነዩ ሞት ዝቕድሞም። ክምርዓዉ እናሓሰቡ ሞት ዝቕድሞም። ኮታስ ብዙሕ መደባት ሓንጺጾም ከብቅዑ ከይፈጸምዎ ዝሓልፉ ሰባት ማእለያ የብሎምን። ደጊመ ነቶም ኣብ ጋዜጣ ዘለዉ ሰባት ጠሚተዮም። ኣጣምታይ እንታይ ትብልዎ ነገር ኣለኩም ዝዓይነቱ እዩ ነይሩ። መልሲ የለን። ሕጂውን ልበይ ሓዘን መሊኡ እዩ ዘሎ። ንምንታይ ሓዘን ይስምዓኒ ከምዘሎ ክሓስብ ጀመርኩ። ሓሳባተይ ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣውሓዘ። ሞትን ናይ ሓዘን ስምዒትን ብዝምልከት። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሓንቲ መጠቓለሊት ሕቶ በጻሕኩ። ሰብሲ ንምንታይ ክመውት ዘይደሊ፧ ዓባይ ሕቶ። ሞት ዘይሓልፈና ክነሱስ ብኽፉት ኢድ ዘይንቕበሎ ንምንታይ እዩ፧ ወረ ገሊኡስ ክመውት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ሞትውን ክዛረብ ኣይደልን እዩ። ግን ስለምንታይ፧ ከምዚዶ ይከውን ምኽንያቱ፡ ወይስ ከምዚ እንዳበልኩ ኣብ ናይ ሓሳብ ባሕሪ ክሕንብስ ጀመርኩ። ቀዚፍካ ቀዚፍካ ዘይውዳእ ባሕሪ። ብድሕርዚ ጠቢብ ንጉስ ሰሎሞን ዝበሎ ሓደ ነገር ትዝ በለኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ሃሰስ ኢለ ገናጸልኩ። እታ ዝደለኽዋ ውን ረኸብክዋ።

“...ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓል እኳ ስኢኑ ክነሱስ ኣምላኽ ንዘልኣለማውነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።” (መክብብ 3.11) እታ ትኽክል መልሲ ናይ ሕቶይ ድማ ረኺበያ። ሰብሲ ክመውት ዘይደልየሉ ምኽንያት ኣብ ልቡ ዝተቐመጠ ዘልኣለማውነት ስለዘሎ እዩ። ማለት ንዘልኣለም ናይ ምንባር ክቱር ባህጊ። ናይ ምብላዕ ክቱር ድሌት ንዘለዎ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ዝቀረበ መግቢ እንተኣሕደግካዮ ዘይሓዝነሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ድማ ንዘልኣለማውነት ኣብ ልቢ ሰብ ካብ ኣንበረ ሰብ ሞት ዘይጸልኣሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧ ወረግ ብጻይናውን ንዘልኣለም ክነብር እምበር ክሞተና ኣይንደልን ኢና። ነዚ ክቱር ድሌት ከዕግቡ እዮም ድማ ተመራመርቲ ዕድመ ወዲ ሰብ ዝነውሓሉ መገዲ ኣብ ምምርማር ዝርከቡ። መጀመርያውን እኮ ሰብ ንዘልኣለም ክነብር እዩ ተፈጢሩ። ሕጂኸ እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተቐመጠ ድሌት ጥራይ ድዩ ዘሎ ወይስ ንዘልኣለም ምንባር ዝበሃልውን ኣሎ እዩ፧ ዝብል ቀጺሉ ዝስዕብ ሕቶ እዩ። ክልቲኡ ኣሎ። እቲ ንሞት ከይንቅበሎ ዝገብረና ድሌት ኣሎ። ንዘልኣለም ምንባር ድማ ኣሎ። ምኽንያቱ ሞት፡ ናብቲ ንዘልኣለም ናብ እንነብረሉ ዝውስን ፍርዲ፡ ዘብጽሓና መሰጋገሪ ድልድል እንበር መፈጸምታ ወዲ ሰብ ኣይኮነን። ከመይሲ ንሰብ ሓንሳእ ሞት ድሕሪኡውን ፍርዲ ተሰሪዑሉ ኣሎ። (እብ9.27) ዝተሰርዐ ነገር እዩ። መጀመርታ ሞት ዳሕራይ ፍርዲ። ከምቶም ዝሞቱ ሰባት ንሕና ብህይወት ዘሎናውን ንሞተሉ መዓልቲ ኣሎ። ሎሚ ይኹን ጽባሕ ብዘየገድስ። ድሕሪ ምሟትና ድማ ፍርዲ ተዳልዩልና ኣሎ። ነፍስወከፍ ሰብ ብመሰረት ኣብዛ ምድሪ ዝኸዶ ኣካይዳ ብኣምላኽ ክፍረድ እዩ። ብድሕሪኡ እዩ ድማ ኣብቲ ዝተወሰነልና ቦታ ንዘልኣለም ምንባር ንጅምር። እዚ ድሕሪ ሞት ተዳልዩ ዘሎ ፍርድን ስዒቡ ዝመጽእ ዘልኣለማውነትን እዩ ድማ ጠቢብ ንጉስ ሰለሞን፡ “ወዲ ሰብ ምስትውዓል ዝሰኣኖ ግብሪ ኣምላኽ” ዝበሎ። ይኹን እምበር እቲ ዘልኣለማውነት ወይ ባህጊ ናይ ዘይሙማት፡ ኣምላኽ ካብ ልቢ ሰብ ኣይሰወሮን። ገለ ብእኡ ተደሪኽና ነቲ ምስትውዓል ዝሰኣንናዮ ስራሕ ኣምላኽ እንተ’ስተውዓልና ኢሉዶኾን ይኸውን ነዚ ዝይነፈገልና፧ ንሱ እዩ ድማ ንወድሰብ ዘድልዮ፡ ነቲ ተሰዊርዎ ዘሎ ነገር ምስትውዓል።

ተመሊሰ ነቶም ኣብ ጋዜጣ ዘለዉ ሰባት ርኣኽዎም “ነዚ ስራሕ ኣምላኽ ተረዲኦም ዝሰዓቡ ክንደዮም ይኾኑ፧” ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ። ነዚ እንተ ተረዲኦም እኳ ሕሰም ኣይረኸቡን። ነቲ ድልድይ ብዓወት እዮም ሰጊሮሞ፡ ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወት። ዕዱላት ድም ይበሃሉ። ነፍስወከፍ ብህይወት ዘሎና ደኣ ከምዚኦም ዕዱላት ክንከውን ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ዝሰርዖ ሕጊ ዘይነስተውዕል፧ ሞትን ፍርድን ከም ዝተሰርዓልና ዘይንርዳእ እሞ ካብቲ ዝመጽእ ዘይሓልፈና ፍርዲ ክንሕሎን ምስቶም ዕዱላት ክንከውንን ነቲ ዝሓለፈ ጌጋና ተረዲእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምቕራብ “ዎ ኣምላኽ ምሕረት ግበረለይ!” ኢልና ዘይንንሳሕ፧ ንመጻኢ ህይወትና ድማ ብምሉእ ልብና ንመገዱ ክንስዕብ ቃል ዘይንኣቱ፧ ብምሉእ ልብና መገዱ እንተመሪጽና ንሱ ባዕሉ ነቲ ዘይንኽእሎ እናኣኽኣለ ብምሕረቱ ክጓስየናን ክሕብሕበናን እሙን እዩ። እቲ ዘድሊ ብምሉእ ልቢ ምውሳን እዩ። እግዚኣብሄር እኮ በቲ ኣባታዊ ፍቕሩ ከምዚ እዩ ዝብለና፡ “ወደየ ልብኻ ሃበኒ ኣዒንትኻ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን” ምሳ 23.27... እስኪ ምላሽ ንሃበሉ።

3 comments

ኣምላኽ ይባርኽኩም። Thanks.

ብጥዓሚ ዓሚቅ ትሕዝቶ ዘለዋ ጽሕፍቲ፡፡ ኣምላኽ የብዝሓልኻ ኤርምያስ!ሰብ ብባህርያኡ ዘል አለማዊ ምኻኑ እንተዝፈሊጥ ልቡ አብቲ ነቀዝ ዘይበልዖ ሰራቂ ኹዕቱ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ምገበረ፤ ጉያኡ ድማ ናይ ላዓሊ ምኾነ፤ ምጥማቱ ድማ ነቲ ዘይሓልፍ ዘይርአ ምገበረ።

· 2012-02-23
ኤርሚ ሃውና አንታ ብሩክ ሰላም ኣምላክ ንኣካ ይኩን ምስታ ምጭውቲ ባኣልቲ ቢትካ። ብታእሚ ደስ ዘብል መልእክቲ፡ ኣምላክ መመሊሱ ይወስከልካ። ንበረከት ኩን።
Other Article