ውሽጣዊ ምእዛዝ

Posted on 2017-09-01 · 1442 · 0 · 0

33 resources uploaded

ውሽጣዊ ምእዛዝ

ኣብታ ኣነ ዝጓስያ ስካይላይን ዊስልያዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ግዜ ምጽራይ(ምሕዳስ) ሕብረት፡ ልበይ በቶም ቃላት ማርያም ኣደ የሱስ ተተንኪፉ።

“ኵሉ ንሱ (የሱስ) ዝብለኩም ግበሩ።” ንሕብረተይ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ዝገበሮ ተኣምር፡ ገለ ካብኡ ኣካፈልክዎም።

ኵሉ የሱስ ዝብለካ/ኪ ግበሮ/ርዮ፡ ምንም’ኳ. . .

1. ኣብ ዘይግባእ ስፍራ እንተ’ሎካ/ኪ (ጥቅሲ 2) 26

የሱስ ነቲ ተኣምር ክገብሮ እንከሎ፡ ኣብ መርዓ እምበር ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣይነበሩን። ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝካዮ/ክዮ፣ ገለ ካብቲ ዓበይቲ በረኸታቱ ኣብ ካልእ ቦታታት ይዀውን/ይፍጸም።

2. ብዙሕ ሽግራት እንተ’ሎካ/ኪ

ወይኒ ወዲኦም ነበሩ። ብዙሕ ግዜ መስግድላትና ክንዲ ኣብ የሱስ ኣቢሎም ዘቕርቡና፣ ካብኡ የርሕቑና። ክርስትያናዊ ምሕዳስ ወይ ለውጢ፡ ክንዲ ኣብ ጸገማትና ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ምስ እነቅልብ እዩ ዝመጽእ።

3. ኣይተታባባዕካን/ክን (ሞራል ኣይሰነቅካን/ክን) ትዀውን/ኒ (ጥቅሲ 5)

የሱስ ነቶም ኣብቲ መርዓ ዝነበሩ፡ “ግዜይ ገና ኣይበጽሐን” ኢልዎም። ማርያም ግና፡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ትቈርጽ፡ ተኣምር ክህሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣሚና።

4. ምስኡ ብዙሕ ኣይተመላለስካን/ክን ትዀውን/ኒ

እቶም ንየሱስ እተኣዘዝዎ ባሮት፡ ንመጀመርያ እዋን ሽዑ ዝረኸብዎ እዮም። ደቀ-መዛሙርቱ ከይተረፈ ንየሱስ ምስዓብ ካብ ዝጅምሩ ብዙሕ ኣይገበሩን ዝነበኡ። እንተዀነ፡ ክእዘዙ ነይርዎም።

5. እቲ መስርሕ ብምልኡ ኣይርዳኣካን/ክን ይዀውን

ካብዛ መጽሓፍ-ቅዱሳዊት ዛንታ “ምእዛዝ” ዝብል ቍልፈ-ቃል ከነውጽ ንኽእል። ምእዛዝ= ቃል የሱስ ምስማዕ + ፍቓዱ ምግባር ።

ውሽጣዊ ምእዛዝ ደጋዊ ዕብየት ይምልምል።

ኣብ ውሽጥና ዝከናወን ንደገና ይጸልዎ። ተሪር (ሓርፋፍ) ባህርይ ዘሰክሕ ሕማም እዩ። ዕጹው ኣእምሮን ጽልሙት መጻኢን ድማ የስዕብ። እቲ ባህርይ እወታን ንዕብየት ምሹእን ምስ ዝዀውን ግና ኣእምሮ ይሰፍሕን ስልጣነ ይጅምርን

ምንጪ The Winning Attitude
John C.Maxwell
ትርጕም ጐይትኦም ተስፋይ

0 comments
Other Article