ትርጕም ቃል

Posted on 2017-09-22 · 1562 · 0 · 0

33 resources uploaded

ልሙዳት ዘይኰኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ቃላት ትግርይና እስከ ንዳህስሶም...

ገረንገረ፡
1. ጕንድ ኣካል፡ ዓንድ ኣካል፡ ቆፎ ኣካል፡ መሓውርን ርእስን ዘይጽንብር ክፍሊ ሰብነት። ስጋ ኡ በስቢሱ እተረፈ ኣዕጽምቲ እንስሳ፡ መዛርዕ፡ ኣዕጽምቲ ዘለዎም እንስሳታት።

2. ማዕረ-ማዕረ፡ ብትኽክል፡ ንመረድኢ፦ ገረንገረ ገይርና ዓሪቕናዮም= ብትኽክል ገይርና ዓሪቕናዮም።

ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ብሓዲስ ብልሓት፡ ብዶክ ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ

ኣሕዋት፡ ብእንግሊዘይና carcass ማለት እዩ።

መሳፍንቲ 14:8
ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸኣ ኪወስዳ ተመልሰ፡ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኺርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ፡ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ።

0 comments
Other Article