ልዕሊ ስርረት

Posted on 2016-11-06 · 1097 · 0 · 0

33 resources uploaded

ኣብ ሚያዝያ 1937፡ ወራሪ ሓይሊ ሙሶሊኒ፡ ነቶም ኣብቲ ዋላሞ ዝበሃል ኣውራጃ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሰበኽቲ (ሚስዮናውያን)፣ ብሓይሊ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝወጹ ገበረ። እቶም ሚስዮናውያን፡ 48 ሓደስቲ ክርስትያናት ጥራይ--እሞ ኸኣ ወንጌል ማርቆስ ጥራይ ዝነበሮም--ብድሕሪኦም ገዲፎም እዮም ክወጹ እተገደዱ። ካብኣቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ኸኣ እቶም ሒደት ጥራይ እዮም ምንባብ ዝኽእሉ ዝነበሩ። እቶም ሚስዮናውያን ድሕሪ 4 ዓመት ምስ ተመልሱ፣ እታ ቤተ-ክርስትያን ሰሪራ ጥራይ ዘይኰነ፣ ልዕሊ 10,000 ኣባላት ዘለውዋ ኰይና ጸንሓቶም።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንተሰሎንቄ ሓዲጉ ክወጽእ ምስ ተገደደ (ግብረ-ሃዋርያት 17፡1-10 ንበብ)፡ ብዛዕባ ስርረት (ህላወ፡ ቅጻለ) እቶም ብድሕሪኡ ዝገደፎም ንእሽቶ ጕጅለ ክርስትያናት ክፈልጥ ሃንቀው በለ። (1 ተሰ 2፡17) ደሓር ግና፡ ጢሞቴዎስ ነታ ተሰሎንቄያዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ በጽሓ፡ ንጳውሎስ ኣብ ኣቴንስ ብዛዕባ `ፍቕሮምን እምነቶምን` ኣበሰሮ። ኣመንቲ ተሰሎንቄ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበራ ዞባታት ከም እኒ መቐዶንያን ኣካይያን ኣብነት ኰኑ። (ጥቕሲ 1፡8)

ጳውሎስ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዝነበረ ኣሃዛዊ ምኽዕባት (ወሰኽ)፡ ክምጐስ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ብሳላ ክስቶ እዩ እተረኽበ ውን ኣይብልን እዩ ነይሩ። እንታይ ደኣ፧ ኵሉ ክብሪ፡ ምስጋናን ናእዳን ንኣምላኽ እዩ ዝህብ ነይሩ። ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 1 ቈረ 3፡16

ጽንኩራት ኵነታት፡ እንተላይ ነቶም ብሉጻት ኣተናታትና ክክርህዎምን፡ ኣኽዓየ ካብ ኣኽዓየ ንወቕቲ ክፈልዩን ይኽእሉ ይዀኑ፣ ኣምላኽ ግና ንቤቱ ኣብቲ መስገድል ዝመልኦ እዋናት እዩ ዘዕብያ። ንሕና ጥራይ እሙናት ንዅን፡ እቲ ውጽኢት ኸኣ ንእኡ ንግደፈሉ።
ምንጪ
Our Daily Bread
ትርጕም
Goitomuzit Asher Ashriel Ashley

0 comments
Other Article