መን’ዩ በደለኛ፧

Posted on 2013-04-13 · 1590 · 0 · 1

30 resources uploaded

“ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ” ዮሃ 9፣1-3።

ወንጌል ዮሃንስ ብዛዕባ ትእምርትታትን ጥቕሞምን የዘንቱ። ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝተጻሕፉ ትእምርቲትት (signs) ከኣ መልእኽቶም ሓደ እዩ፣ ንሱ ከኣ “የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።” ዮሃ 20፣30-31። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 9 ሓደ ፍጻሜ ካብቲ ብዙሕ ትእምርታት የሱስ ብሕቶ መልክዕ ቀሪቡ ኢና ንዕዘብ። እዚ ፍጻሜ (ኩነት) ከኣ ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። መጽሓፍ ቅዱስና’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ነዚ ሓሳብ ይደጋግሞ እዩ። እቲ ፍጻሜ ከኣ ሓደ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብሲ ንሱ ዲዩ በደለኛ ወይስ ወለዱ፧ ጐይታ የሱስ ነዛ ሕቶ ብዘገርም ፍሉይ መልሲ እዩ መሊስሎም ነቶም ሓተቲ። ንሱ ኣይበደለ ወለዱ ኣይበደሉ። ኣብ ህይወትና ጸገም ምስ ዘጓንፈና እንታይ ንብል ንኸውን፧ ስለዝበደልኩ እዩ እኮ እዚ ዝበጽሓኒ ዘሎ። ከምዚን ከምትን ስለዘይገበርኩ እዩ እኮ፣ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምንባበይን ዘይምጽላለየይን እዩ እኮ ዝኸውንዶ ንብል ንኸውን፧ ብባህሪኡ ሰብ ኣብ መከራ ምስ ዝኣቱ ንገዛእ ርእሱ ክምርምርን ንነፍሱ ክነቅፍን ቀረባ እዩ። እንተኾነ ግና፣ ወላ’ካ ኩሉ እዚ ዝተባህለ ክንገብሮ ግቡእን ጽቡቕን እንተኾነ፣ ንእኡ ብዘይምግባርና ጥራይ ግና ኣይኮንናን ኣብ መከራ ንኣቱ፣ ወይ ጸገም ዝረኽበና። የሱስ ግና፣ ንስኻ ስለዝበደልካ ወይ ወለድኻ ስለዝበደሉ ኣይኮነን እዚ መከራ ወይ ጽገም ወይ ስንክልና ዝመጽኣካ እዩ መልሱ። እንታይ ድኣ፧ የሱስ ይብል ግብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክግሃድ እዩ። ስለዚ፣ ተቐላጢፍና ካብ ርእሰ-ምኽሳስን ምውቃስን፣ ኣምላኽ ኣብዚ ኩነታተይ እንታይ ክብሩ ከርእየኒ ደልዩ ኣሎ ኢልና ክንሃድእን ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ግቡእ እዩ። እዮብ እኮ፣ “ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ። እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ።

ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ፡ ካልእ ኣይኰነን” እዮ 19፣25-27 እዩ ዝበለ። ስለዚ ኣምላኽ ኣብቲ መከራ ናይ እዮብ ክብሩ ክገልጽ ከሎ ንዕዘብ፣ እዮብ ከኣ ብእምነት ንኣምላኽ ከስምሮ ከሎን፣ ባዕሉ በዒንቱ ክርእዮ ምዃኑን ክእመን ከሎን ነንብብ።
ናብቲ ብዕዉሩ ከሎ ዝተወልደ ክንምለስ፣ እዚ ሰብኣይ፣ ንኹሉ ሰብ ዝውክል ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። ከመይሲ፣ መጽሓፍ ቅዱስና ኩሎም ሓጢኦም ካብ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ጐዲሎም ይብለና ኣብ መእኽቲ ሮሜ ምዕራፍ 3። ስለዚ ኩሉ ሰብ ብዕዉሩ እዩ ዝውለድ። እዚ ማለት፣ ኩሉ ሰብ ንኣምላኽ ዘይፈልጥን ሓጥእን፣ መንፈሳዊ ስንክልናን (ብመንፈስ ምዉት) ሒዙ እዩ ዝውለድ። እዚ ከኣ ንሱ ስለዝበደለ ወይ ስድርኡ ስለዝበደሉን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እዚ ኩሉ ውጺኢት ናይቲ ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠመ ናይቲ ቀዳማይ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ምዕላውን ምርሓቕን እዩ። ነዚ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 5 ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ።

እንተኾነ ግና ዘሐጉስ ብስራት ኣሎና፣ ንሱ ከኣ የሱስ ጐይታ ዘምጽኦ ብስራት ወንጌል እዩ። ኣብዞም ዕዉራት ኰይኖም ዝውለዱ ሰባት ኣምላኽ ክብሩ ክገልጽ ፈትዩ ኣሎ። ስለዚ ከኣ እዩ የሱስ እዚ ምዃኑ፣ ክብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ክገሃድ እዩ እምበር ንሱ ኣይበደለ ስድርኡውን ኣይበደሉን ዝበለ። እቲ መድሓኒ ከምዚ እናበለ ዘረብኡ ይቕጽል “መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዐየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ” ዮሃ9፣4። ኣጆኻ፣ የሱስ መዓልቲ ከላ ክረድኣካ እዩ፣ ናብ ኣዘቕቲ ዘይትወጾ ጸልማት ክሳብ ትኣቱ ጹቕ ኢሉ ኣይርእየካን እዩ፣ ምኽንያቱ የሱስ ብናይ ምድሓን ሞያ ብፍሉይ ስልጣኔ ዘለዎ (Expert) እዩ። ናይ የሱስ ምድሓን ግና፣ ሓንቲ ቀላል ቅድመ ኩነት ትሓትት እያ፣ ንሳ ከኣ የሱስ ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ይገልጻ “ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም-ትርጓሜኡ ልኡኽ፡ - ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ” ዮሃ 9፣7። እዚ ምስላዊ ትርጉም ዝሓዘ ዘረባ እዩ። እቲ ሰሊሆም - ልኡኽ- ዝትርጓሜኡ ንየሱስ እዩ ዝውክል። ምኽንያቱ የሱስ ካብ ኣቦ ተላኢኹ ንደቂ ሰባት ካብ መንፈሳዊ ዑረቶም ኣሕዊዩ፣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ከፈልጥዎን ቅኑዕ ዝምደና ምስ ኣምላኽ ምእንቲ ክገብሩን ዝመጸ ልኡኽ እዩ። የሱስ እቲ ልኡኽ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ዮሃ17፣3። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ የሱስ እቲ ካብ ኣቦ ዝተላእከ ልኡኽ ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ተጋጊምዎ ኣሎ፣ ምናዳ ዮሃንስ ወንጌል ምዕራፍ 5ን 6ን ኣንብብ።

“ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ” ዮሃ9፣7። እዚ ዕዉር ከምታ የሱስ ዝበሎ ምስ ገበረ፣ እናረኣየ ተመልሰ። ስለዚ የሱስ ኣዒንቲኻ ክኸፈተልካ እንተ ድሊኻ/ኺ ከምቲ ዝብለና ዘሎ ብእኡ ምእማን ከምቲ ዝበለና ምግባርን ጥራይ እዩ ዘድልየና፣ እዚ ምስ ንገብር ንኣምላኽ ሓቂ ንፈልጦ (ኣዒንትና የኽፈታልና፣ ንርኢ)፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ንረክብ። ቀሊል ግና ከኣ ዘለኣለማዊ ውጽኢት ዘለዎ ስጉምትን ወሳኔን እዩ።

“… ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። ገሊኦም፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና። ኣነባ እየ፡ በለ። ስለዚ ንሳቶም፡ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ የሱስ ዚብሀል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸየ፡ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።” ዮሃ 9፣7-11። ናብቲ ልኹኽ (የሱስ) ምስ መጻእካ፣ ኣዒንትኻ ጥራይ ኣይኮነን ዝኽፈት፣ እንታይ ደኣ፣ ምሉእ ለውጢ ኢኻ ትገብር። ንየሱስ ምስ ተቐበልካዮ፣ ሰባት በቲ ኣብ ህይወትካ ዝመጽእ ለውጢ ክጋግዩኻ እንተ ዘይኪኢሎም፣ ንየሱስ ብትኽክል ምቕባልካ ኣጠራጣሪ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ንየሱስ ምስ ረኸቦ እቶም ሰባት ከምዚ በሉ ““… ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። ገሊኦም፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና። ኣነባ እየ፡ በለ።” ዮሃ9፣9። የሱስ ፍጹም ለውጢ እዩ ዘምጽኣልና ኣብ ህይወትና። ንኣብነት፣ ሃዋርያ ጳውሎስ፣ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ፣ ንሳቶም ሓደስቲ ፍጥረት እዮም፣ እቲ ኣረጊት ሓሊፉ፣ እንሆ ኩሉ ሓድሽ ኰይኑ፣ እናበለ ይዛረብ። ስለዚ፣ ኣብ ህይወትና ዘይተለወጠ ነገር፣ ኣረጊት ነገር ኣሎናዶ፧ ናብቲ ልኡኽ ናብ የሱስ ነምጽኣዮ፣ ፍጹም ለዊጡ ሓድሽ ክገብረልና ይኽእል እዩ። ስለዚ ጥቕሚ ናይዚ ፍጹም ለውጢ ከኣ፣ ሰባት በቲ ዘገርም ለውጥኻ ተደኒቖም፣ ብኸመይ እዚ ለውጢ ኣብ ህይወትካ ኰነ፧ ኢሎም ይሓቱኻ እሞ፣ ብዛዕባ የሱስ ንምምስካር ምኽንያት ይኾነካ። እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ምስ ርኣየ እቶም ዝፈልጥዎ ሰባት ከምዚ ክብሉ ሓተትዎ፣ “ስለዚ ንሳቶም፡ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ የሱስ ዚብሀል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸየ፡ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።” ዮሃ9፣10-11። ስለዚ እዩ የሱስ፣ እዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ ክብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ክገሃድ እዩ እምበር፣ ስለዝበደለ ኣይኮነን ዝበለ። ስለዚ፣ ዝኾነ ከቢድ ፈተና ኣብ ህይወትና ምስ ዘጋጥመና፣ ብእኡ ሓሊፍና፣ የሱስ ነቲ ከቢድ ፍተና ኣልዩ ወይ ከኣ ብእኡ የሕሊፉ ፍጹም ለውጢ ምስ ለወጠና፣ ኣምላኽ ብኣና ጌይሩ ክብሩ ይግልጽ እሞ፣ ንምስክር የሱስ ክንከውን የኽእለና እሞ፣ በዚ ከኣ ንብዙሓት ሰባት ንምኽንያት ምድሓን ይገብረና።

እምበኣርክስ እቲ መልሲ ንጹር እዩ "የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ” ዮሃ 9፣1-3

ኣምላኽ ዑረትና ከፊቱ ብኣይ፣ ብኣኻ፣ ብኣኺ፣ ብኣና ገይሩ ክብሩ ክገልጽ ይደሊ ኣሎ። ድሉዋት ዲና፧ ስለዚ ጎይታይ ክርኢ እደሊ ኣለኹ ንበሎ።

1 comments

· 2013-12-14
ኣዚያ እዋናዊት መልክቲ ተባረኽ።እወ፡ንጎይታ ክሪኢ እደሊ ኣለኹ።ኣሜን!
Other Article