መልእኽቲ 2016

Posted on 2015-12-31 · 1044 · 0 · 0

32 resources uploaded


ፍርሓት ኣግዚኣብሄር ንኹሉ ፍርሓታ ከም ዘርሕቕ ንረዳእ፣
መቸም ኩኡ ጊዜ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝመጸሉ እዋናት ዘሎ ጸፋዕፋዕን መብጸዓታትን ኣዚዩ ብዙሑን ማእለያ ዘይብሉን እዩ፣ ተግባራውነቱን እቲ ለውጥን ግና ኣዚዩ ብጣዕሚ ሒደት እዩ፣ ሰባት ወትሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም እዮም ዝኣምኑ፣ ብፍላይ ገሊኣቶም ምስ ምልዋጥ ሓድሽ ዓመት ነገር ኩሉ ዝልወጥ እዩ ዝመስሎም፣ በዚ ከምዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ሓድሽ ዓመት ክመጽእ ኣብ ዝቀላቐለሉ ጊዜያት ኣብ ዲቕ ዝበለ ስሚዒትን ካልእ ነገርን ዝኣትዉ፣ ኣብዚ ክንፈልጦ ዘሎና ሓደ ዓቢ ዝኾነ ቁም ነገር ኣሎ እዩ ንሱ ከኣ ትማሊ ክትልውጦ ዘይወሰናካ ደሓን ሓድሽ ዓመት ምስ መጸ ክልውጦ እየ ኢልካ ምግማት የዋህነት ጥራይ እዩ ክኸውን፣

ኩሉ ጊዜ ሓደ ሓቂ ክንፈልጦ ዝግባኣና ነገር እንተ ሃልዩ ሓድሽ ዓመት ናይ ትማሊ መቐጸልታ እምበር ካብቲ ናይ ዝሃለፈ ዝተፈልየ ኣይኮነን፣ እንታይ እየ ክብል ደልየ ትማሊ ክንገብሮ ፍቓደኛ ዘይኮና ክነስና ድሓን የርክበሉ እየ ምባልሲ ፋይዳን ቁም ነገር ዘይብሉን ምኻኑ ንምሕባር እየ፣ ዝኾነ ኾይኑ ናይ ትማሊ ካብ ሓለፈ ጽባሕከ እሞ እንታይ ክንገብር ይግባእ ኢልካ ምሕታት ግና ጥበብ እዩ እሞ ብናይ ትማሊ ዓወታትና ከይተዘናጋዕና ብናይ ትማሊ ውድቀትና ኸኣ ከይተዳሃልናን ተስፋ ከይቆረጽናን ንጽባሕ ራእይና ብምስፋሕ ነቲ ዝተዓወትናሉ እነስፍሓሉ ነቲ ዝወደቕናሉ ኸኣ ኣሪምና ከነስተኻኽሎ ንዳሎ፣ ትማሊ ብዓወት ስለ ዝሓልፍና ሎሚ እውን ከምኡ ይኾነልና ማለት ኣይኮነን ወይ ከኣ ትማሊ ስለ ዝወደቕና ጥራይ ሎሚ እውን ኣብ ውድቀት ክንህሉ ኣሎና እውን ኣይኮነን፣ ንኹሉ ውሳኔን ምጥንቃቕን የድልዮ እዩ፣

ትማልን ሎምን በበይነን ዝተፈላለያ መዓልታት እየን ስለዚ ሎሚ ንሕና ንዝመጽእ መዓልታት ካብ ሎሚ ጀሚርና ምድልዋትና ነነጣጥፍ፣ ኣብዚ ሓደ ዓቢ ሚስጥር ክንፈልጦ ዝግባኣና ነገር ኣሎ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣዚዩ ዱኹም ካብ ሓይሉን ፍልጠቱን ተበጊሱ ገለ ውሱን ነገር እምበር ኩሉ ክገብር ክኽእል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ምርዳኣ ሰናይ እዩ፣ ብፍላይ ከም መንፈሳውያን ነዚ ነገር እዚ ኣዚና ክንፈልጦ ይግባኣና፣ እዚ ክገብር እየ ምባል እኳ ሰናይ እንተ ኾነ ብዘይ ኣምላኽ ክትገብር ከም ዘይትኽእል ምፍላጥ ግና እቲ ዝበለጸ እዩ፣

መጽሃፍ ቁዱስ ተኾነ እውን ብዘይ ብኣይ ምንም ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እዩ ዝብለና ስለዚ ነዚ ሓቂ እዚ ፈሊጥና ብዘይብእኡ ምንም ክንገብር ከም ዘይንኽእል ተገንዚብና ነቲ ዝመጽእ ዓመት ክንኮኖ ዝግባኣና ክንከውን ኣብ ኣምላኽ ንወከል ደኣ፣ ሰብ ይሓስብ እዩ እግዚኣብሄር ከኣ ይፍጽም፣ ካልእ ኸኣ ቕድሚ ናብታ ትቕጽል ዓመት ምስጋርና ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ኣቐዲምና ንገዛእ ርእስና ንሕተት፣ እዛ ዝሓለፈት ዓመት እዚኣ ኣምላኽ ብዛዕባይ እንታይ ዓይነት ጸብጻብ ኮን መቕረበ? ብኣይሲ ተሓጊሱ ዶ ወይ ግሁዩ? ሕጂ ኸ እሞ እንታይ ክገብር ኣሎኒ? እስከ ህድእ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንፈትሽ፣

ኣምላኽ ትማሊ ኾነ ሎሚ ንዕኡ ንበይኑ ጥራይ እዩ ዝደልየና ካብኡ ወጻኢ ካልኣ ዋናና ክኸውን ኣይደልን እዩ፣ እቲ ፍቓድ ግና ኣብ ገዛእ ርእስና እዩ ዘሎ፣ ስለዚ ዓሚ ዋና ካልእ ኔሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ሕጂ ግና ከነስተካኽሎ እቲ ዕድል ተዋሂብና ኣሎ፣ እምበኣር ኩቡራት ሰማዕትና ነዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ኣብ ህይወትና ክንላመመደን ዝግባኣና ነገራት ኣለዋ እሞ ብዛዕበኣን ክንዛረብ ኢና፣ ቅድሚ ኩሉ ከም ዝብልናዮ ግና ከምቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ተባሂሉ ዘሎ “ብመንፈሰይ እምበር ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኮነን” ዝብል ንሕና ብሓይሊ ኣምላኽ ተደጊፍና እምበር ብኽእለትና ተደጊፍና ተግባራውያን ክንገብረን ከም ዘይንኽእል ኣርጊጽና ንፍለጥ ዓቕምና ድሩት እዩ ሓይልና ውሱን እዩ ስለዚ ነዚ ፈሊጥና ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፣

ኩቡራትን ፍትዋትን ተኸታተልቲ ቤተ ዛዮን ኣብዛ ትመጽእ ዓመት ከኣ ኣምላኽ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ንላዕሊ ክንፈልጠን ዝደልየና ነገራት ኣለዋ እታ ቐንድን ኣገዳሲትን ድማ ፍርሓት ኣምላኽ እያ።

መጽሓፍ ቁዱሳ ብዛዕባ ፍርሓት ኣምላኽ ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት ገሊጹን ምሂሩን ኣሎ፣ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ብኩሉ ጥበብ መሊኡ እኳ ክመላለስ እንተ ኸኣለ ብሰንኪ እቲ ናይ ጥበብ ጥበባት ዝኮነ ፍርሃት ኣምላኽ ንድሕሪት ስለ ዝደርበየ ግና እንሆ ዓለምናን ህዝብናን ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ታኼላ ዓዘቕቲ ወዲቖም ኣለዉ፣ ሰበ ብዘይ እዚ ጥበብ እዚ ምሉእ ኣይኮነን ክኸውን ከኣ ኣይክእልን እዩ፣ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ጥራይ ከኣ እዩ ንነገራትን ንዝመጾ ብድሆታትን ዘይፈርህ ከመይ ተበልናሲ ኩሉ ነገር ኣብ እቲ ዘፍርሕ ኣምላኽ ምኳኑ ስለ ዝፈልጥን ዝርዳኣን፣

ሎሚ ጊዜ ሰይጣን ብዝተፍላለየ መፈንጠራታት ፍርሒ ኣውጢሩናን ከቢቡናን ይርከብ ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ እታ ዝነበረትና ፍጽምቲ ፍቕሪ ሪሒቓ እንሆ ኣብቲ ኣምላኽ ዘይደልየና ቦታን ስፍራን ስለ ዝተረኸብና ኸኣ መቕጻዕትና ካብ ዝሓለፈ እምብዛ ገዲዱ ኣሎ፣ እዛ ዓመት እዚ ብከመይ ዓይነት ፍርሃት እግዚኣብሄር ከም ተመላለስና ኣምላኽን መንፈሱን ጥራይ እዮም ዝፈልጡ፣ ይኹን እምበር እንሆ ሕጂ ኸኣ እዛ ሓዳስ ዓመት ኣብ ቅድሜና ተገቲራ ኣላ እሞ መከራና ክውዳእ እንተ ኾይኑ ካብዛ ዓመት እዚኣ ብዝበለጸ ብፈሪሓ ኣምላኽ ንምምልላስ ወትሩ ልብና ኣብ ቅድሚ ጸጋ ኣምላኽ ኮይኑ ይወስን፣

ሎሚ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ብሃውሪ ብዘይ መርሒነት ኣምላኽ እናተመላለስና እንኸዶን እንወጾን መንገዲ ጠፊኡና ዘሎ? እቲ መልሲ ንጹር እዩ ኣነ ባዕለይን ንስኻትኩምን ኩላትናን ንኣምላኽ ስለ ዘይፈራሕና ጥራይ እዩ፣ ኣምላኽ ወትሩ ነቶም ዝፈርሕዎ ሚስጥሩ ምስ ገለጸሎም እዩ፣ ነዚ ኸኣ እዩ ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ከምዚ ኽብል ዝዘመረ፣ “ሚስጥር እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርህዎ እዩ ኪዳኑ እውን ከፍልጦም እዩ” መዝ 25።14፣ እዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ከኣ ከምዛ ናይ ሎሚ ዓመት ብሃውሪን ብዝመስለናን ዲና ክንመላለስ ወይሲ ሚስጥር ኣምላኽ ፈሊጥና ብመሪሕነት መንፈሱ ኢና ክንመላለስ? ስለዚ ንኣምላኽ ክንፈርሕ ንኣምላኽ ንልብና ከዳልዎ ንሕተቶ፣

ሰይጣን ካብ እምነት ከዘንብለና ብኡኡ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ከእትወና ኢሉ ማእለያ ዘይብሉ ፈተናታትን ኣደራዓትን ኣብና የበጽሕ ኣሎ፣ ገለ ኸኣ በቲ ዘየፍርሕ ሰይጣን ፈሪሖም ነቲ ክፍራህ ዝግብኦ ኸኣ ምፍራሕ ሓዲጎም ናይ መርከብ እምነቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ዝተሰብረቶም ሰባት ብዙሓት እዮም፣ እዞም ሰባት እንተ ዘይተመሊሶምን ነቲ ኹሉ ዝኽእል ከኣ ፍርሓቶም እንተ ዘይጌርሞ መወዳእትኦም ሰናይ ኣይኮነን፣ ምናልባት ንስኻ ወይ ኣነ ሓደ ካባታቶም ክንከውን ይከኣል እዩ ግና ኣብዚ ንፍለጥ ሎሚ እውን ተኾነ ኣምላኽ ፍራሓትና ኾይኑ ንዕኡ ጥራይ ክንፈርሕ ከኽእለና እሙን እዩ፣

እሞ እንታይ ደኣ ንግበር ናብቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንመለስ፣ ኣሕዋተይ እዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ንኣምላኽ ካብ ዝሓለፈ ጊዜ ኣዚይና ክንፈርሖ ከም ዝግባኣና ትሕብረና ኣላ፣ ሰብ ሳላ ፍርሓት እግዚኣብሄር እዩ ሃዲኡ ጸጊቡ ዝሓድር እሞ ንሕና ኸኣ ተካፈልቲ እዚ በረኸተ እዚ ክንከውን ካብ ሎሚ ንወስን፣ ንኣምላኽ ምፍራሕ ልዕሊ ኩነታት የመላልሰካ፣ ንኣምላክ ምፍራሕ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ብዓወት የመላልሰካ፣ ንኣምላኽ ምፍራሕ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ማእዲ ይሰርዓልካ፣ ንኣምላኽ ምፍራሕ ሓለፋ ኹሉ ነገር ኣብ ዉሑስ ቦታ የንብረካ፣ ሎሚ ነዚ ክንመርጽ ከመይ በረኸት ይመስለኩም፣

ሚስጥር ኣምላኽ ነቲ ፈሪሓ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ወረግ ምሕረቱ ከይተረፈ ነቶም ዝፈርሕዎ እዩ፣ ኩብራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሓልፈ ሓሊፉ እዩ ግና ኣብ ቅድሜናን ኣብ ህይወትናን ርኢናየን ዘይንፈልጥ ሓደሽቲ መዓልታት ይመጻ ኣለዋ እሞ እተን ናይ መከራን ስቓይን እዋናት ናብተን ዘይንፈልጠን መዓልታት ሒዝናየን ከይንኣቱ እሞ ኣምሳይኡ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዝገደድ ከይበጽሓናን ከይረኽበናንሲ ሎሚ ንኣምላኽ ክንፈርሕ ንወስን፣ ካብቲ ብኢኮኖሚ ብመንፈሳዊ ኮታ ብብዙሕ ነገር ዘፍረሓና ዘሎ ኣደራዓት ክንሃድም እቲ መንገዲ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ንኣምላኽ ምፍራሕ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ መንገዲ፣ ስለዚ እምበኣር ፍርሓትና ኣምላኽ ክከውን ይግባእ፣

ኣምላኽ እቲ ንዕኡ ዝግብኦ ኽብሪ ክንህቦ እዩ ዝደሊ እዚ ዝከውን ከኣ ንዕኡ ብምፍራሕ እዩ፣ እቶም ናይ ዝሓለፉ ኣቦታትና ነዚ ነገር እዚ ዓቢ ምስክር ኮይኖምና እዮም ሓሊፎም፣ ኣብርሃም ካብ ቤት ኣብኡ ክወጽእ ከሎ ንኣምላኽ ፈሪሁ እዩ፣ ሎሚኸ ንሕና ነዛ ትመጽኣ ዘላ ዓመት ካብ ምንታይ ወጺና ኮን ኢና ንኣምላኽ ብፍርሓት ከነገልግሎን ክንእዘዞን ወሲና ዘሎና?

ቃል ኣምላኽ ኣብ እብራውያን 11፡7 ብዛዕባ ኖህ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራኢይ ምስ ረኣየ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን እትከውን መርከብ ዘዳለወ፣ ብኣኣ ጌሩ ንዓለም ኮነና ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ከኣ ወራሲ ኾነ” ኖህ ገና ከይኮነ እንከሎ እዩ ብፍርሓት ካብቲ ዝመጽ ቑጥዓ ዘምለጠ ሎሚ ኸ ንሕና?

ዓለም እናተማሓየሸት ዘይኮነትሲ እናበስበሰትን ፍርዳ ኸኣ እናቐረበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እሞ ንሕና ኸኣ ንምድሓና ትኸውን መረከብ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ነዳሉ መን ይፈልጥ 2016 የሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ ዓመት ተኾነት? እሞ ነዚ ኸኣ መርከብ ምድሓን ዶ ኣዳሊና ኣሎና? እዚ ብፍርሓት ኣምላኽ ተደሪኽካ እዩ ዝኸውን፣ኣቱም ብዝተፈላለየ ፍርሓት ተኣሲርኩም ናብ ናይ ሞት ጎደና ተምርሑ ዘለኹም ዓበይትን ናኣሽቱን ንኣምላኽ ምፍራሕ ጥራይ እዩ እሞ ካብ ፍርሕት ሞት ከናግፈኩም ዝኽእል ነታ ትመጽእ ዘላ ዓመት ምስ ፍርሃትኩም ኣይትቀባበልዎ ብኣንጻሩ ኣፍኩም ከፊትኩም ዎ ኣምላኸይ ብፍርሓትካ ምልኣኒ ካብ ማእሰርተይ ነጻ ግበረኒ ፍርሓተይ ንስኻ ጥራይ ኩን በልዎ ኣምላኽ ከኣ ክረድኣኩምን ክድግፈኩምን እዩ፣ ፍርሓት ኣምላኽን ፍቑሩን ጥራይ እዩ ንስቓይና ክኣልን ከርሕቕን ዝኽእል፣

0 comments
Other Article