ማርታዶ ማርያም

Posted on 2012-12-13 · 1578 · 0 · 0

30 resources uploaded

ጐይታ የሱስ ኣብ ወንጌላት ገለ ካብ ሱዱቃውያን ትንሳኤ ምዉታን ከም ዘሎ ዘይኣምኑ ክፍትንዎ ኢሎም ምስ መጹ፣ ኣብቲ ምስኦም ዝገበሮ ቃለ ምልልስ፣ ሓንቲ ኣገዳሲት ሓረግ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሳ ከኣ የሱስ ‘ንሱስ (ኣምላኽ) ናይ ህያዋን እምበር፣ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኮነን’ ኢሉዎም። ስለዚ ኢዩ ከኣ ኣብርሃም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ዘይሎ ከም ህልዊ ገይሩ ዝጽውዕ ኣምላኽን፣ ንምዉታት ከም ዘተንስኦምን ስለዝኣመኖ፣ ንኢሳቕ ወዱ ብእምነት ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ክስውኦ ዝኸደ። እዚ ከኣ ምስ ህይወት ማርታን ማርያምን ኣተሓሒዝና እስከ ንርኣዮ። ህይወት ናይዘን ክልት የሕዋት ዝምህርና ብዙሕ ነገር ኣሎ።

እዚ ከም መእተዊ ሓሳብ ኰይኑ፣ እስከ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣልዕልናዮ ዘሎና ዛዕባ፣ ኣብነት ብምውሳድ ክንርኢ። ኣብ ዮሃንስ 11 ዘሎ ታሪኽ ናይ ማርታን ማርያምን ኣልኣዛር ሓወንን ንዝክሮ ኢና። ንሱ ከኣ ኣልኣዛር ሕማም ይሓምም እሞ፣ እተን ኣሕዋት ከኣ ናብቲ ፈታዊአን ዝዀነ የሱስ፣ ሓውና ሓሚሙ ኣሎ እሞ፣ በጃኻ ምጻእ ከትሕውዮ ኢለን መልእኽቲ ይሰዳሉ። የሱስ ግና ብቐጥታ ክመጽእ ኣይፈተውን፣ ምኽንያት ነይሩዎ እዩ ነዚ ክገብር ከሎ። እቲ ምኽንያት ከኣ የሱስ ከም ዝበሎ ኣልኣዛር ምስ ዝመውት ወዲ ኣምላኽ ዝያዳ ክብሪ ከም ዘወስድን፣ ኣምላኽ ከኣ በቲ ሞት ከም ዝኸብርን እዩ። ‘የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ’ ዮሃ 11፣4 ። ይገርም እዩ፣ እዚ የሱስ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ ዘረብኡ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣልኣዛር ሓሚሙ እናሞተስ፣ የሱስ ከኣ ናብኡ ከይከደ ክልተ መዓልቲ እናገበረስ፣ ግና ከኣ ‘ንማት ኣይኮነን’ ይብል። እዚስ ነቲ ዘይሎ ከም ህልዊ ገይርካ ምጽዋዕዶ ኣይኮነን፧ እዩ እምበር። ኣብ ካልእ ስፍራውን ነታ ዝሞተት ቆልዓ፣ ደቂሳ እያ እምበር ኣይሞተትን ምስ በሎም፣ እቶም ከም ዝሞተት ዝፈለጡ እኮ ስሒቖሞ እዮም። የሱስ ግና ነቲ ዝሞተ ከም ዘይሞተ፣ ነቲ ዘየሎ ከኣ ከም ህልዊ ጌርካ ምጽዋዕ ንእኡ ባህርያዊ ቋንቊኡ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዮም ከኣ ሰባት ብዙሕ ክርድእዎ ዘይክእሉን እዚ ዓቢዱ እዩ እንታይ ኢልኩም ኢኹም ትሰምዕዎ ዘለኹም ይብሉ ዝነበሩ፣ ገለ ቅሩብ ብርሃንን ምስትውዓልን ዝረኸቡ ግና ዕቡድዶ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ትእምርቲ ክከብር ይኽእል እዩ፣ ዕቡድዶ ንዝዖረ ሰብ ምርኣይ ክህብ ይኽእል እዩ ዝብሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ ቋንቋ የሱስ ብግቡእ ምርዳእ ንየሱስ ብግቡእ ክትፈልጦ ይድግፈካ እዩ።

ናብተን ክልተ የሕዋት መበገሲ ሓሳብና ክንምለስ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግና የሱስ ናብ ቢታንያ ናብተን ኣሕዋት ክኸይድ ወሰነ። ቅድሚ ናብቲ ቦት ምብግሱ ግና በቲ ፍሉይ ቋንቊኡ ግይሩ፣ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ፣ ‘ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም’ዮሃ 11፣11 ፣ ንቋንቋ የሱስ ዘይትረድኡ ደቀ ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ‘ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ፡ በልዎ’ ዮሃ11፣13 እቲ ሓቂ ግና ‘የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም’ ዮኣ 11፣14። ‘ሽዑ የሱስ ብግህዶ፡ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም’ ዮሃ11፣14-15 ሕጂ የሱስ ከምቲ ንሶም ዝርድእዎን ዝዛርብዎን ቋንቋ ገይሩ ኣረድኦም። ድሕሪዚ ሓድ ካባታትም ቋንቋ የሱስ ብምርድኡ ከም ና የሱስ ገይሩ ክዛረብ ጀመረ፣ ከምዚ ድማ ይብል ‘ንሕናውንከ ምእሱ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም’ ዮሃ 11፣16 ቶማስ እዩ እዝ ዝበለ። ናብቲ ቦታ (ቢታንያ) ምስ በጽሑ ከኣ መጀመርታ ማርታ ወጺኣ ትረኽቦ እሞ፣ እቲ ዝዝርርብ ምስ ጐይታ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ ‘ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት … ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ (ቋንቋ የሱስ ዝተማህረት ትመስል ግና ቀስ ኢልና ንማርታ ንከተላ) የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ (ነቲ ዘየሎ ከም ህልዊ) ማርታ ድማ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ (ነቲ ዘሎ ከም ህልዊ፣ ስለዚ ማርታ ኣቀድም ኣቢላ ዝተዛረበቶ ከም ቋንቃ የሱስ ኣይኮነን ግና ተምስል እያ) የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ (ሰብ እምነት ጥራይ እዩ ናብቲ ቋንቋ የሱስ ክኣቱን ክርድኦን ክቕበሎን ዝኽእል)። ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣሎኹ፡ በለቶ’ ዮሃ11፣20-27። ገና ማርታ ነቲ የሱስ ዝበላ ብእምነት ኣይተቐበለቶን ዘላ፣ ቀስ ኢልና ክንርእያ ኢና፣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ድኣምበር እቲ ትንሳኤን ህይውትን ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኣይረዓመትን ዘላ፣ እዚ ምዃና ከኣ ኣብ ዝቕስል ዝዝርባ ምስ የሱስ ደጊምና ክንረኽቦ ኢና። ሽዑ ናብ ማርያም ሓፍታ ከይዳ ብዛዕባ ምምጻእ የሱስ ትነግራ፣ ማርያም ከኣ ‘ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ” ዮሃ11፣32።

ኣብዚ ከም ንዕዘቦ ክልቲኤን የሕዋት ሓደ ዘረባ እየን ተዛሪበን፣ ንሱ ከኣ ‘ጐይታይ ኣብዚ እንተ ትነብር ግዲ፣ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ’፣ እቲ ዘፈልየን ግና፣ ማርታ ብድሕሪኡ ዝቡሕ ክትዛረብ ከላ፣ ማርያም ግና ኣብ እግሪ ጐይታ ተደፊኣ እያ ክትበኪ ትርአ፣ ኣብ እግሪ የሱስ ምድፋእ ከኣ፣ ከኣልነት የሱስ ምእማንን ምቕባልን፣ ከም ዘለኻዮ ኰናካ ምቕራብን፣ ነቲ ጉዳይ ንየሱስ ምግዳፍን፣ ናብ ኣምላኽ ምጽላይን ምልማንን፣ ጉዳይካ ንኣኻ ልዕሊ ኣቕምኻ ምዃኑን ንየሱስ ምሕባር የመልክት። ስለዚ ማርያም ብዙሕ ክትዛረብ ኣይድልያን እዩ፣ እታ ሕመረት ነጥቢ ተዛሪባ ናብ ምስጋድን (ምምላኽ) ጸሎትን እያ ኣትያ። እቲ ጉዳይ ከቢድ ስለዝነበረ፣ ክትበኪ ከላ ንዕዘብ፣ ጐያታ ከኣ ኣይትብከዪ ኣይበላን። ስለዚ ነገራትና ክኸብደና ከሎ ምብካይን ምንባዕን ጌጋ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግና ናብ የሱስ መጽእና ምምብርካኽን ጉዳይና ምንጋርንስ ከኣ ክንርስዕ የብልናን፣ ሽዑ የሱስ ብብኽያት ማርያም ክትክዝ ከሎ ንርእዮ፣ ‘ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ፡ ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ’ ዮሃ11፣33-34፣ ንየሱስ ከም ምሉእ ትውክልቲ ናብኡ (total dependence on Him) ገይሩ ዘሐጒሶን ንልቡ ዝትንክፍን የሎን፣ ብዙሕ ዘረባ ኣማኒ ኣይገብርካን እዩ፣ ትውክልትን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ግና፣ ኣብኡ ዘሎካ እምነት እዩ ዘርኢ። ሽዑ የሱስ ንሓገዝጋ ይትንስእ። ‘የሱስ፡ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ። የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ’ ዮሃ11፣39-40 ። ኣብዚ የሱስ ንሓገዝ እዘን ኣሕዋት ስጉምቲ ክወስድ ምስ ጀመረ፣ ማርታ እምበር ማርያም ክትዛረብ ኣይንርእያን ኢና፣ ማርያም ነገራ ናብ የሱስ ኣውዲቓ ብእምነት የሱስ ዝገብሮ ክትርኢ ተዳሊያ እያ። እታ የሱስ ንስኻ ክርስቶስ ምዃንካ ይኣምን እየ ዝበለት ማራታ ግና፣ ካብ ልባ ከኣልነት የሱስ ከም ዘይኣመነቶ ደጊማ፣ ጐይታ እቲ ሬሳ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ ብምባል ኣግሃደት። የሱስ ግና ሓንቲ ዘረባ እዩ ኢሉዋ፣ እምነት ክብሪ ኣምላኽ ከርእየኪ ይክእል እዩ። ስለዚ ማርታ እምነት ትጐድላ ነይራ፣ ማርያም ግና እምነትን ትውክልትን ኣብ የሱስ ስለዘንበረት፣ ኣብ እግሪ ጐይታ ኰይና፣ ጐይታ ዝገብሮ እያ ትዕዘብ ነይራ። ሽዑ የሱስ እቲ ክብሪ ኣምላኽ ዝገልጸሉ ጀመሮ ‘ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም’ ዮሃ11፣43-44
ካብዘን ክልተ ኣሓት እንታይ ንመሃር፧

1.ኣምላኽ ነቲ ዘየሎ ከም ህልዊ፣ ነቲ ምዉት ከም ድቁስ፣ ነቲ ሕማቕ ከም ጽቡቕ … ወዘተ ገይሩ ከም ዝርእዮ ንመሃር። ‘ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ። ኣትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዩን ኣሎኹም፧ በሎም’ ማር5፣38-39። ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ንዝሞተን በቃ ኣኺልዎ እዩ ንዝበልናዮ ጉዳይናን ህይወት ክልብስን ክመልሶን ዝኽእል ኣምላኽ ምዃኑ፣ ክንመሃር ንኽእል።

2.መጀመርታ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ኩነታት ኩሉ፣ በዚ ኰይኑ በቲ ንኽብሪ ወዲ ኣምላኽን ንኽብሪ ኣምላኽ ዝውስኽ ከም ዝዀነ ክንርዳእ ይግብኣና ‘‘የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ’ ዮሃ 11፣4’ ‘ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ’ ዮሃ9፣2-3 ። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ንስኻ ኣይበደልካን፣ እቲ ዘጋጥመካ ዘሎ ግና ግብሪ ኣምላኽን ክብሪ ኣምላኽን ዝያዳ መታን ክትፈልጦ እዩ ዝመጸ። ኣልኣዛር ብምትንስኡ ብዙሓት ሰባት እዮም ብየሱስ ኣሚኖም፣ ብእኡ መጠን ከኣ ወዲ ኣምላኽ ከቢሩ፣ ግብሪ ኣምላኽ ከኣ ተጋሂዱ።

3.ከቢድ ኩነታት ከጋጥመና ከሎ፣ ምብካይ፣ ምትካዝ፣ ክብደት ክስምዓና ንቡር እዩ፣ እንተኾነ ግና እዚ ኩሉ ስምዒትና ናብ ኣምላኽ መጽእና ጸሎትንናን ልመናናን ምግባር ክዓግተና የብሉን። ‘ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ’ ዮሃ11፣32 ፣ የሱስ ኣይትብከዩ ኣይበሎምን፣ እኳ ድኣ ምስኦም ኰይኑ እዩ ዝተከዘ።

4.ትውክልትናን እምነትና ኣብ ኣምላኽ ንምፍታን ከቢድ ኩንታት ከጋጥመና ይኽእል እዩ፣ ብዝተፈተናዮ መጠን እምነትናን ትውክልትናን ኣብ እግዚኣብሄር ክዓቢ ይግብኣኦ ‘ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ’ ዮሃ11፣32 ። ‘ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ። የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ’ ማር5’35-36

5.ኣምላኽ ነቲ ዘየሎ ከም ዘሎ ገይሩ ከም ዝጽውዓ መተን፣ ንሕና ከኣ በታ ምስ ደሓንና ዝተዋህበትና እምነት፣ ቋንቃና ከም ቋንቋ ኣምላኽ ከኸውንን፣ ብእምነት ከኣ ምስ ኣምላኽን ቃሉን ደው ብማል ነቲ ዘይለ ከም ህልዊ ጌርና ክንጽውዕ ይግብኣና። ‘እምነት ግና ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ’ እብ11፣1

6.ኣብ ግዜ ፈተናና ብዚሕ ካብ ምዝራብ ብዙሕ ምጽላይ፣ እዚ ካብ ማርታን ማርያምን ክንመሃሮ ንኽእል ኢና። ‘ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ ኣሎ፧ ይጸሊ’ ያዕ5፣13

ቀንዲ ነጥብታት፡ የሱስ ፡ ኣምላኽ ፡ እምነት ፡ ትውክልቲ ፡ ማርታ ፡ ማርያም ፡ ከቢድ ኩነታት ወይ ፈተና፡ ነቲ ዘየሎ ከም ህሊዊ ምጽዋዕ

ጸሎት፡ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ግዜ ፈተናን ጸገምን ብኣኻ ጥራይ ክውከልን ነገራተይ ናባኻ ከማዕቁብን ክትሕግዘኒ፣ ከተዘክረኒ ይጽሊ ኣለኹ፣ ብስም የሱስ ኣሜን።

0 comments
Other Article