ካብ ነህምያ እንምሃሮ ትምህርቲ 2ይ ክፋል

Posted on 2015-12-08 · 1625 · 0 · 0

32 resources uploaded

ነህምያ (2)
ከምቲ ኩሉ ግዜ ደጋጊምና ንብሎ ኣቲ ዝዓበየ መመርሒ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ናብራና እቲ እንኰ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ኣኣምላኽ እዩ። ክንዮ ዝተጻሕፈ ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ሓለፋ እቲ ንሱ ዝህበና ተመክሮ ድማ ፈጺሙ ክህልዎና ኣይካኣልን እዩ። ክንዮ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ዝተጻሕፈ ንላዕሊ ኣብነት ክዀኑና ዝኽእሉ ኣገልገልቲ የለዉን። ስለዚ ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ጹሑፋት ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ እምነት ኣቦታት እሞ ድማ ብደመና ምስክር ዝኸቦቡና ሰባት ከንቕልበሎም ይግባኣና።
ኣብ ዝሓለፈ ግዚያት ብዛዕባ ነህምያ ዝምልከት ገለ ነጥብታት ራኢና ኔርና። ብፍላይ ስለሰተ ኣዚዩ ደስ ዘብል ባህሪ ናይ ነህምያ ሪኢና ኔርና፣ ንምዝኽካር ክጠቕመና ድማ ነህምያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከቢድ ጸገምን ድኻምን ዝነበሩ ኣሕዋቱ ዝነበሮ ጾር ከቢድ ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ ብዛዕብኦም ምሕታት ከም ዘየቓረጸ፣ ንሕና ድማ ብዛዕባ ኣሕዋትና ግዲ ክብለና ከም ዝግባእ ርኢና ኔርና። ካልእ ድማ ነህምያ ኣብ ዕዮ ዘይህወኽ ንነገራት ብርዝነትን ብህድሃትን ዝዓይ ዝነበረ፣ ንዘነበሮ ራእይ መዓስን ብኸመይን ኣብ መዓላ ዘውዕል ሰብኣይ ከምዝነበረ ሪኢና። ንሕና ድማ ታህዋኽ ካብ ህይወትና ኣሊና ብህድኣት ክንጐዓዝ ከም ዝግብኣና ርኢና። ኣቲ ሳልሳይ ድማ ነህምያ ኣብ ዕዮ ንባዕሉ ተሳቲፉ ንኻልኦት ሓላፍነት ዝህብ ሰብ ምኻኑ ሪኢና። መሪሒነት ንኻልኦት ኣሚንካ ሓልፋነት ምሃብ እምበር ኣብ ልዕሊኣኦም ምጉይታት ከም ዘይኰነ ድማ ተገንዚብና። ሕጂ ድማ ገለ ነጥብታት ክንራኢ ኢና። ኣምላኽ ከነስተውዕል ጸጋን ሓይሉን ይሃበና።
1 ብባጫ ጸላኢ ዘይስንብድ ኣገልጋሊ
ነህምያ ንዕዮ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ካብ ደገን ካብ ውሽጥን ተጻበኦታት ገጢምዎ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ከጋጥም ዘለዎ ባህርያዊ ነገር እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ዝዀነ ዓይነት ተጻቦኦታት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ኣዚና ክንፈርሕ ይግባኣና። ነህምያ ኣብ ዕዮ እቲ ናይ መጀመርያ ዝገጠሞ ፈተና ናይ ምንሻው ባጫ እዩ። ምንልባት ከነንቦቦ ቀሊልል ይመስል እምበር ክሳብ ክንደይ ስነ ኣእምራዊ ምንዋጽ ከም ዝነበር ካብቲ ጹሑፍ ክንግምቶ ኣይጸግመናን እዩ። እቲ ዝበልዎ ቃል ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ “ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዔ፡ ተቖጥዔን ኣዝዩ ኾረየን እሞ ንኣይሁድ ኣላገጸሎም። 2- ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ስቕ ኢልናዶ ንሕደጎም፡ ኪስውኡዶ እዮም፡ ብሓደ መዓልቲዶኸ ይውድእዎ፡ ነቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ኹምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ፡ 3- ጦብያ እቶ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቕኡ ነበረ፡ ንሱ ኸአ፡ እንተ ዚሰርሕዎ እኳ፡ እቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶ፡ ኪፈርስ እዩ፡ በለ።”

እስከ ንሕሰብ ሰባት ከላገጹልና ክንዕቑና ኸለዉ ዝስማዓን ስሚዒት እንታይ እዩ። ብዙሕ ግዜ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣደራዕ ምስ በጻሓና ዕዮና ሓዲግና ዝኸድናሉ እዋን ኣሎ እዩ። ነህምያ ኣዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ወረ ምስ መጸ ንዘረብኦም ብዘረባ ክምልሰሎም ኣይደለይን። ምስኦም ንንምሙጋት ሰዓቱ ኣይጥፈኣን። ብኣንጻሩ ጉዳዩ ኩሉ ንኣምላኽ የሕሊፉ እዩ ሂቢ ነዚ ድማ እዩ ከምዚ ክብል ዝጸለየ “ዎ ኣምላኽና፡ ስማዕ ተናዒቕና ኢና እሞ፡ ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ንብዝበዛ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣኾርዮምኻ እዮም እሞ፡ ክፍኣቶም ከአ ኣይትሕብኣሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ።” ካብቲ ሓደ ኣብ ህይወትና ክንልመማዶ እሞ ድማ ኣምላኽ ጸጋ ከብ ዝሓልና ክንልምኖ ዝግብኣና ጉዳይና ምስቶም ተጻረርትና ዝይኰነ የሕሊፍና ንኣምላኽ ክንህብ ሓይሊ ክዀነና ምጽላይ እዩ።
ጸላኢ ሰይጣን ኣብ ህይወትና ንምስንኻል ሰባት እዩ ዝጥቀም፣ እንሓሳብ ጹቡቕ ክንከይድ ንጸንሕ እሞ ነቲ ንገብሮ ዘሎና ዕዮ ኣምላኽ ናእዳ ምስ እንስእነሉ ብኣንጻሩ ተጻባእቲ ምስ ኣሸበሩና፣ እቲ ዝትዋህበና ተስፋ ኣምላኽ ንርስዖ ሹዑ ወይ ኣብ ምጉት ወይ ድማ ዕዮና ደው ኣቢልና ንሕና ድማ ተመሊስና ነቶም ዕዮ ኣምላኽ ዝዓዩ ሰባት መባኹርቲ ንኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ገለ ኣንስቲ ንጢሞጢዎስ ክዛረቦ ከሎ “ብልዕልዚውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን።” 1ጢሞ 5፣13 ብፍላይ እታ ምብካር ዕዮ ትብል ቃል ነቕልበላ። ኩሉ ግዜ ነቶም ዕዮና ከብክሩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ህይወትና ዝመጹ ሰባት ቦታን ዕድልን ክንህቦም ኣይግብኣናን ከመይሲ ዕላምኦም እንተ ብቐጥታ ወይ ተዘዋዋሪ ካብቲ ዕዮ ዕላማ ኣምላኽ ንምፍላይ እዩ።
ሎሚ ንዕዮና ዘብኩሩ ዘናውጹና ኣብ ዕዮ ዘሐሉሉና ሰባት ከም እኒ ሳንባላጥን ቡጾትን ጥራይ ኰይኰኑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ሃዋህ ኢኮንዮሚያው ጉዳይና ስራሕና ወዘተረፍ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና ተጸባኣታቶም ብምዕባይ ከምቲ ላግጺ ናይ ሰባት ንልብናን ኣእምሮናን ከናውጹ ይክእሉ እዮም ግና ወትሩ ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ክኸን እምበር ንዖም ንፍታሕ ምስኣቶም ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኰፍ ኢልና ክንደራደር ግዜና ኣይነሕልፍ።
ሰባት ንእንገብሮ ዕዮ ኣምላኽ ክብሪ ክኸልእዎ ይኽእሉ እዮም። ከም ምንም እውን ክቖጽሩና ይኽእሉ እዩም። እቲ ዓስቢ ዝህብ ግና ኣምላኽ እምበር ሰብ ከም ዘይኰነ ክንፈልጥ ይግባኣና። ኣነ እዚ ኹሉ እናገበርኩ እናዓየኹ እዚ ክፍደ ክንብል የብልናን ከመይሲ እንገብሮ ዘበለ ኹሉ ንኽብሪ ኣኣምላኽ ብክርስቶስ እየሱስ ግበርዎ ኢና ተባሂልና በቶም ሰይጣን ኣብ ጉዕዞና ዘላዕሎም ከም ሰንበላጡን ሰዓብቱን መሰልቱ ኣይንደናገር። ንሶም ይበሉ የላግጹ ድላዮም ይገብሩ ንሕና ግና በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ኣምላኽ ሕነ ክፈዲ እናተጸበና ዕዮና ኣይነቃርጽ። ነዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ። ኢሉ ነቲ ባርያ ኣምላኽ ዝመዓዶ። ምናልባት እዚ ሓው ብዝተፈላልየ ተስፋ ዘቑርጽ ምኽንያታት ነቲ ኣገልግሎቱ ክሓድገ ደልዩ ክኸን ይክእል እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ኣይፋል ይብሎ ኣሎ። ኣምላኽ ይደግፈና
ብዙሑ ግዜ ሰባት ብዘይከውን ወረን ጸለመን ካብ ዘሎናዮ ጽፍሒ ኣገልግሎት ክኣልዩና ይጋደሉ እዮም። ንኣብነት ንነህምያ ኣብ ዕዮ ተጸሚዱ ከሎ። ካብ ንጉስ ክሲ ከምጻሉ ዝኽእል ወረ ከይተረፈ ዘርእየሙሉ እዮም። ነህምያ ግና በቲ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ወረ ተበሳጩዩ ወይ ተሰናቢዱ ነቲ ዕዮ ኣይሓደጐን። ሎሚ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ተጸሚድና ክሳብ ዘሎና እዋን ንስምና ዘጸልምን ዘኽፍእን ወረ ኣእዛና ክንሰምዕ ናይ ግድን እዩ። ብዙሕ ግዜ ካበይ ጀሚሩኩም ነዚ ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈስ ክንገጥመሉ ብዙሕ ኢና ህርድግ ንብል ግና ግቡእ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ኣብ ጸልማት ዝሕባእ ኣጀንዳ የሎን ኣብ ግዜኡ ኣብ ብርሃን ክወጽእ ኣዩ። ስራሕ ኣምላኽ ብቕንዕናን ብጹሩይ ልብን ብእምነትን ብልግሚ ዘይብላ ፍቕሪ ካብ ዝዓየና ሰባት ኣንጻርና ዝውርውርዎ ሕማቕ ወረ ብዘየገድስ ኣብቲ ሒዝናዮ ዘሎና ዕዮ ኣምላኽ ከይተሓለልና ክንጸንዕ ይግባኣና።
ሃዋርያ ጳሎስ ብብዙሕ ሕማቕ ወረ እኳ እንተወረየሉ ክነሱ ኣእዳው ግና ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ካብ ምጽናዕ ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ነህምያ በቶም ምስኡ ቀረብኡ ከይተረፈ ተፈቲኑ እዩ ግና ንኹሉ ብሓንቲ ቓል ከምዚ ኽብል ደምድሚኦ “ኣብኣ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ ነበረ፡ ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፡ ጋሽሙ ኸአ ይብሎ ኣሎ። ምእንቲ እዚ ድማ መከባብያ ከም ዝደሌኻውን፡ ይብሀል ኣሎ። 7- ድማ ኣብ ዮርሳሌም ብዛዕባኻ፡ ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ፡ ኢሎም ዚእውጁ ነብያት ኣቕምካ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ ንጉስ ኪስማዕ እዩ እሞ፡ ሕጂ ንዓ፡ ብሓንሳእ ዃንና ንማኻኸር። 8- ሽዑ ኣነ፡ ካብ ልብኻ ዘንቃሕካዮ እዩ እምበር፡ እዚ ንገር እዚ ኸምዚ ንስኻ እትዛረቦ ኣይኮነን፡ ኢለ ለአኽኩሉ። 9- ከመይሲ እቲ ዕዮ ከይዕየ ኣእዳዎም ኪድኽማ እየን እሞ፡ ነቲ ዕዮ ኺሐድግዎ እዮም፡ እናበሉ ኹላቶም ኬስምብዱና ደልዮም እዮም። ሕጂ ኸአ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣእዳወይ ኣጽንዕ።” ኣምላኽ ኣዳውና ንዕዩ የበርትዕ።
2 ነህምያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይጐይትት መራሒ
ካብቲ ሓደ ባህ ዘብል ናይ ነህምያ ባህሪ መንፈስ ኣገልጋሊ ዝንበሮ ንኽብርንን ዝናን ኢሉ ዘይቀዳደም ባርያ ኣምላኽ እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ዝመጸ ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይነበረን ነዚ ድማ ብግብሪ ኣረጋጊጾ እዩ። ጻዊዒትና ድማ ከነገልግል እምበር ክንግለገል ወይ ክንጐይተት ኣይኰናን። እዚ ኣብዚ ዘመን እዚ ነርእዮ ዘሎና መንፈስ ግና ዳርጋ ብኣንጻሩ እዩ ተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመለንን። ብርግጽ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ከም ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ዕጽፊ ክብሪ ይግብኦ ኣዩ። እቲ ዝገርም ሃዋርያትን ነብያትን ኣቦታትን ዘርኣዩና ግሩም ኣርኣያ እንተ ኣሎ ንኻልኦን ንምግልጋል ጻዓትን መንፈስን እዩ። ነህምያ ድማ ነዚ መንፈስ እዩ ኔሩዎ።
ነህምያ ኣብ ቤት ንጉስ ዝነበሮ መዝነት ቀሊል ኣይነበረን። ነቲ ዝነበሮ ሓለፋታት ኩሉ ሓዲጉ እዩ ካብ ኣምላኽ ራኢይ ተቐቢሉ ንዕላማ ኣምላኽ ከፈጽም ብመስዋእትነትን ቆራጽነትን ተበጊሱ። ዝተቐበሎ ራኢይ ኣብ ከቢድ ናይ ህይወት ፈተና ኣእትይዎ እዩ። ግና ኣነ እኰ ከምዚ ዝገበርኩ እየ እናበለ ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ራእይ ክፍጸም ዘበገሶ ህዝቢ ኣይተጐይተተን። ብዛዕባኡ ክዛረብ ኣይንሰምዖን። ናይ ሎሚ ጸገምና ልዕሊ እቲ ንገብሮ ስምና ስለ ዝወጽእ እዩ። ከም ኣገልጋሊ ሓለፋና ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ሰባት ክኸውን ኣይግባኣን። ዘይግባኣና ክነሰ ስለ ዘይኰነስ እንታይ ድኣ እቲ ዝበለጸ ዓስቢ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጽእ እዩ። ብዛዕባ ክብርናን መሰልናን ክንጭነቕ ጉቡእ ኣይኰነን። ኣምላኽ ኣዚዩ በዚ መንፈስ እዚ ይደግፈና።
ኣገልጋሊ ስለ ዝኰንካ ጥራይ ከምቲ ካልኦት ኣብ ዘመና ዝገብርዎ ዘለዉ መንበር ወሪቂ ዝፋን ኣይድልየካን እዩ። ንምእመን ኣዚዮም ዘኽብዱ ኣገልገልቲ ኣብ ዘመና እናሰሰኑን እናበዝሑን ይኸዱ ኣለዉ። ነህምያ ግና ከምዚ ኣይነበረን ነዚ ድማ እዩ። ኣብ መንጐ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኢኮንሚያዊ ነውጺ ምስ ተላዕለ። እቶም ሰብ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይብሎም ምስ ዓመጹ ነህምያ ድሕሪ ነቲ ጸገም ምፍትሑ ዝተዛረቦ ዘረባ ኣሎ “እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምቲ ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካባታቶም እንጌራን ወይንን ደሓር ከአ ኣርብዓ ሚትቃል ብሩር ይወስዱ ነብሩ። እቶም ገላውኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ፡ ከምኡ ኣይገበርኩን። ኣብቲ ዕዮ እቲ መካበብያ ኸአ ኤዔሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይተሻየጥናን እሞ ኩሎም እቶም ገላዎይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተአኪቦም ነበሩ። 17- ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመጹና ኣህዛብ፡ ካብ ኣይሁድን ሓላቑን ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ መአሰይ ይምገቡ ነበሩ። 18- ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሹድሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን እዩ፡ ንኣይ ከአ ካብ ኣዕዋፍ ይዳለውለይ ነበረ፡ በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ ነበረ። ምስናይ እዚ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ እቲ ዕዮ ኺቢድዎ ነበረ እሞ፡ እቲ ንሽመተይ እተገብኣኒ ምግቢ እኳ ሀቡኒ ኣይበልኩን።” ዘገርም መንፈስ።
መሪሒነት ነቲ ትመርሖ ህዝቢ ነቲ ዘሎ ዕዮ ብንጥፈት ክዓዩ ምግባር እምበር ኣብ ልዕሊኦም ሸሸይ ምባል ኣይኰነን። ንብዙሓት ነገልግል ንሒደት ብዘይገድስ እሙናት ብምዃን ናይ ባርያ መንፈስ እናዳርኣና ደኣ ንምግልጋል ክንውፈ ኣሎና እምበር ሓለፋ እናረኣናን እናጠመትና ክኸውን የብሉን ነዚ እኰ ኣዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡ 2 - ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ 3 - ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኸêኑ። 4 - እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።” ብምባል እቲ ቐዳማይ ዕላም ኣገልግሎት እንታይ ምዃኑ ይገልጽ። ብኣምላኽ ዝተናእደ ኸኣ ኩሉ ግዜ ንኡድ ምኻኑ ርድኡ እዩ።
ኣብ ኣገልግሎት ዝግብኣካ ምሕዳግ ከም ዘሎ ዘይምርሳዕ። ከምቲ ሽምዓ ንብዙሓት እናብረሃት ንርእሳ ግና ትመክኽ ኣግልጋሊ ድማ ከምኡ ዝዀነሉ እዋን ኣሎ። ኣገልግሎት ናይ ሽመትን ዝናን ጉዳይ ኣይኰነን። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈስ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን ዓሲሉ ስለ ዘሎ እዩ መስለኒ ኣብ መንጐ ኣገልገልቲ ዝረኣ ዘይምቅብባልን ንትርኽን እዚዩ ብብዙሕ ሸነኻቱ ዝረኣ ዘሎ። ብዝገበርካዮ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናእዳ ንኽትረኽበሉ ምግልጋል እምበር ኣብ ቅድሚ ሰባት ንምጽዋዕ ኣይኹን። ከምቶም ብህዛብ ክርኣዩ ዝጋደሉ ፈርሳውያን ኣይንኹን። ዓስብና ኣምላኽ ከም ዘይከልና ርግጸኛታት እናዀና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምላኽ ጐይቶት ንምዃን ኣይንጋደል።
እምብኣር ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ክነጥፍ ከሎና በቲ ካብ ደገን ውሽጥን ዝመጽእ ባጫን ፈተናታትን ኣይንተሓለል። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከነግልግል ከሎና ከም ባርያ ከም ኣገልጋሊ እምበር ከም ጐይቶት ኣይንኹን ካሕሳና ኩሉ ካብ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኣብ ካልእ እዋን ብዛዕባ ነህምያ ክንርኢ ክንፍትን ኢና ክሳብ ሹዑ ግና ፍቕሪ ኣምላኽን ጸጋ ክርስቶስ የሱስን ሕብረት መንፈስ ቁዱስን ምሳኻትኩም ይኹን።

0 comments
Other Article