ኣምላኽ ዝረድእ ኣምላኽ እዩ

Posted on 2014-10-28 · 1480 · 0 · 1

32 resources uploaded

ኣብዛ ሕልኽላኽ ዝበዝሓ ዓለም፣ ኣብዛ ፍትሒ ኣልቦ ዝኾነት ምድሪ፣ ኣብዛ ዓመጽን ተንኮልን ዝዓብለላ መሬት፣ ኣብዛ ዓለማውነትን ርኽሰትን ዝበዝሓ ቦታ ኢና ንነብር ዘሎና። መብዛሕትና ስለምንታይ ናብዛ ከምዚኣ ዝበለት ዓለም መጺኣ ኢልና ነቲ ዝደኮነና ኣምላክ ዝሓመናሉ ጊዜያት ዉሑድ ኣይኮነን። ሰባት ኮይና ምፍጣርና ኣጣዒስና ኸኣ እንስሳ ክንከውን ወይ ተንኸውን ኢልና ዝተመነናሉ ሰዓት እውን ሒደት ኣይኮነን። ኢፍትሓውነት እዛ ዓለም እናተሓሳሰበና ድማ ንኣምላኽ ከም መዳላውን ሻረኛን ጌርና ዝወሰድናሉ ኣጋጣሚ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ።። ኣብቲ ፍትሒ ዝደለናሉ ሰዓት ፍትሒ ምስ ተደፍነና፡ ኣብቲ ገለ ዝደለናሉ እሞ ኸኣ ዘይረኸብናሉ እዋን፣ ኣብቲ ገለ እናሰለጦ ንዓና ግና ምስላጥ ክኣብየና ከሎ፡ ኣብቲ ውሒድና ከሎ ገለ ግና በዚሕዎም ክጻፍዑ ኣብ እንርእየሉ እዋን፡ ዝስማዕና ስሚዒት ከመይ መሪር ምዃኑ እቶም በዚ ዝሓለፍና ኣይንስሕቶን ኢና።። ዕጫናትና ካብ ናይ ካልኦት ዝኸፈኣን እሞ ድማ ዝተረገምና ኰይኑ ዝመስለና ግዚያት ኣሎ።
ሰብ እዚ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ፉጡር ወዲ ኣምላኽ ብከምኡ ሰብ ክግፋዕን ክስቀን ክንሪኢ ከሎና እምበር ከኣ እምላኽ ብርግጽ ይግደስ ድዩ? ኣምላኽ ነዚ ይርእዮ ኣሎ ድዩ? እናበልና ምስ ኣምላኽን ገዛእ ርእስናን ንማጎት በዚ ከምዚ ኣብ ምንጽርጻርን ተስፋ ምቕራጽን ዝኣተና ሰባት ሒደት ኣይኮናን። ገለ ገለ ሰባትሲ ወረግ ኣምላኽ የሎን ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። ኣምላኽ ከም ዘየለ ክካትዑ ከለዉ ዘቕርብዎ ስነ ሞጎት ድማ፡ ኣምላኽ እንተ ዝህሉ ድኣ እዚ ስለምንታይ እዚ ኮይኑ? እዚ ስለምናታይ እዚ ተፈጺሙ? ኣእምርኦም ብስለምንታይ ዝተመልኣ እዩ።
እስከ ሓደ ሕቶ ክንሓትት እዚ ኹሉ ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ዓመጽን በደልንሲ ኣምላኽ ይርእዮ ድዩ? ኣምላኽ ይዕዘቦ እንተሎ ደኣ ስለምንታይ እዚ ኹሉ ዝፍጽመ ዘሎ? ወይሲ ነዚ ዝከውን ዘሎ ደው ከብል ዓቕሚ የብሉን ድዩ? እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ምሕታትና በደል ኣይኮነን። እቲ ኣበሳ ዝከውን ዘሎ ነቲ ኩሉ ዝክእል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ህልዊ ኩነታት ከም ዘይግደስን ከም ዘይርእን ጌራና ክንኣምኖ ከሎና ጥራይ እዩ።
ሓደ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ሰባት ንዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ሓቲቶሞ እዮም ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ ? ዳዊት ክምልሰሎም ከሎ ከምዚ ኢልዎም፡ “ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ኣሎ ዝደለዮ ኸኣ ኩሉ ይገብር ኣሎ።” ሎሚ እውን ብዝተፈላለየ ኩነታትን መግደረና ክትሓልፍ ከሎኻ፡ ኣምላኽ ኢዱ ኣጣሚሩ፡ ስቕ ዝብል ብዛዕባ ዘይግደስ ማለት ኣይኰነን፡ የግዳስ ብትሓልፎ ዘበለ ኩሉ፡ ዕቤቱን ፍቕሩን፡ ምሕረቱን ከርእየካን ከለማምደካን ስለ ዝደለየን እዩ። እዚኹሉ እናሓለፍኩ? በዚ ኣደራዕ እናተጸፋዕኩ? ዝሕዞን ዝዀኖን ጠፊኢኒ ላዕልን ታሕትን እናበልኩ? ኣምላኽ ብዛዕባኻ ይግደስን ይሓልን እዩ፡ ዝብል መልእኽቲ ኣብ ልብኻን ሕልናኻን ከቃጭል ይኽእል እዩ፡ ግና ሕጂ እዋን እቲ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ይሓልየልካን ይግደሰልካን እዩ።
ብዛዕባ እዚ ክጽሕፍ ከለኹ ሓደ ነገር ትዝ ኢሉኒ ብዛዕባ ሓደ ፉሉጥ ሳይንትስቲ ዝሰማዕክዎ ዛንታ እዩ። እዚ ምሁር ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ስለ ዝነበረ ኣብ ዘመን ህይወቱ ብዙሕ ምርምራት እዩ ኣካይዱ፣ ሓደ ግዜ ኣብቲ ምርምር ዝገብረሉ ዝነበረ ላፕራቶሪይኡ ዘይተጸበዮ ባርዕ ሓዊ ኣጋጠሞ እሞ፡ ነቲ ንዓመታት ዝተመራመሮ ኩሉ ሃመኾ። ወዱ መጺኡ ነዚ ምስ ረኣየ ኣቦ ኦሮማይ በሎ። ኣቡኡ ኸኣ ኣይፋል እዚ ወደይ ኣምላኽ ኣብቲ ቦታ ገለ ዘይጠቅም ነገር ስለ ዝረኣየ እዩ እዚ ዝኾነ ብምባል ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ብምትራር ካብቲ ዝነበሮ ናይ ቀደም ዕዮ ዕውት ስራሕ ሰሪሑ ሓሊፉ።
ሓቂ እዩ ኣነ ንስኻትኩም ኣብ ህይወትና ዘይርደኣና ነገር የጋጥመና እዩ። ሰባት እንተኸኑ ነቲ ከምኦም ሰብ ብፍጹም ኣይርድእሉን እዮም። ኣምላኽ ክንሓዝን፡ ፍትሒ ክጎድለና፡ ክነብዕ፡ ስለምንታይ ኢልና ክንሓትት ከሎና ዘይርእየና ኣይኮነን ይርእየና እዩ። ብሰንኪ እዚ ነገር እዚ እምነትና ክፍተንን ክጎድልን ከሎ ኣምላኽ ከም ሰብ ኮይኑ ኣይበልኩን ዶ ረኣይዎም፡ ደኺሞም ኢሉ ዝባኑ ብፉጹም ኣይህበናን እዩ። ኣምሳዩኡ ይድንግጸልናን ይርሕርሓልናን እዩ። ኣምላኽ እቲ ነዛ ከባብ ዓለም ዝፈጠረ፡ ኣብ ላዕሊ ኾይኑ ይዕዘብን ይርእን እዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ህይወተይን ህይወትካን ዝከውን ዘሎ ኩሉ ነገር ኣምላኽ ይርእ እዩ። እሞ ሓራይ እዚ ኩሉ ንሓልፎ ዘሎና ይርእዮ እንተሎ ድኣ ስለምንታይ ገለ ነገር ዘይገብር ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኻ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ገለ ነገር ካብ ምግባር ኣብ ዘመናት ኩሉ ስቕ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ካባይን ካባኻን ዝድልዮ ነገር ኣሎ ንሱ ከኣ ናብኡ ንምጻእ እሞ ብዛዕባ ነገርና ምስኡ ንማጎት ከመይሲ ንሱ ጥራይ እዩ ዝርዳእ።
ኣብዛ ማዕበል ዘይፍትሓውነትን ጓህን ቃንዛን መሊእዋን ትልብለብን ዘላ ዓለም ኣነን ንስኻን ግና እምንቶና ኣቡኡ ብምግባር ካብዚ ናይ ሕጂ ዋዕን ሽንቦባን ክንሽፈን ንኽእል ኢና። እዚ ማለት ግና ብዘይስቓይን መግዳእትን ማለተይ ኣይኮንኩን፡ ግዳስ ኩሉ ሰዓ ኣብ ኩሉ እዋን ነዚ ዝርዳኣ ኣምላኽ ብምእማና ንሕጎስ እሞ ሓንቲ መዓልቲ ከኣ ከም ዝረድኣና ኣሚና ኣብዛ ምድሪ ብዓወት ናብራን ንመርሕ። ኣብዛ ምድሪ ስቓይን ዘይፍትሓውነትን ጓህን ክሳብ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ዝመጽእ ክቕጽል እዩ። ሰብ ከኣ በቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ዘይኣሚኑ በዚ ንፋስ እዚ እናተሃርመ ክሳብ ትንፋሱ ዘላ ትልኽ እናበለ ክነብር እዩ። እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝኣመነ ግና ወትሩ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ኹሉ ዝክእል ስለ ዝነብር ብጽላል እቲ ዘልኣለማዊ ኸኣ ስለ ዘጽልል ካብቲ ዝመጽእ ቁጠዓ ከምልጥ ናይ ግድን እዩ።
ኣምላኽ ንዘሎና ውሽጣዊ ጓህን ቓንዛን ዘይርዳኣ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብዛ እንትርፎ ህርፋን ምጽንናዕ ዘይትረኽበላ ዓለም ደባሲ ክኸውን ዝኽእል ኣካል እንተሃልዩ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን ኣብዚ ክሉ መሊእልካ ከሎ ዘይትዓግበሉ እዋን፣ ኣምላኽ እወ ንሱ እቲ ዘፈቀረና መግለጺ ሕያውነቱን ፍቕሩን ከኣ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝለኣከልና ጥራይ እዩ ዕጋበትናን ምጽንናዕናን ክከውን ዝኽእል። ኣብዚ ናይ ጸልማት እዋን ንፍትሒ ኣእዊኻ ዘይትስማዓሉ፣ ንሓገዝ ጠሪዕካ መልሲ ዘይትረኸበል ህሞት ኢና ንነብር ዘሎና እሞ ንሕና ካብዚ ንመንፈስን ንስጋን ዘማህምን ኣብ ተስፋ ቕርጸት ዝሸምም ሓደጋ ከነምልጥ ኣእዳውና ምስ ናይ ልብና ናብ ኣምላኽ ብምልዓል ንመለስ፣ ንሱ ድማ ክምለሰና እዩ። ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ክዝምር እንከሎ ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ሰኣን ዘናግፈኒ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣባኻ ኣዕቁብ እኔኹ ካብ ኩሎም ሰጎግተይ ኣድሕነንን ኣናግፈንን” መዝሙር 7፡1
ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሎሚ እቲ እንኰ መምለጢ ሓደ እዩ፡ ንሱ ከኣ እቲ ካብ ኩሉ ጽላልን መዕቖብን ዝከውን ኣምላኽ ጥራይ እዩ። መንገዲ ህይወት ኩሉ ጥጡሕ ኣይኮነን፡ ዳራጋ ናይዛ ምድሪ ጉዕዘና ኩላተን ሓርፋፋት እየን። እታ ዋሕሳ ኣብ ኣምላኽ ዝገበረት ነፍሲ ግና ነዚ ኩሉ ሓሊፋ ሓንቲ መዓልቲ ከም እትዕወት ዘጠራጥር የብሉን። ብኣንጻሩ እታ ነዚ ናይ ኣምላኽ ጽላልን ፍቕርን ዘይትረደኣትን ዘየስተውዓለትን ነፍሲ ግና ወትሩ ኣብ ስቓይን ኣብ ተስፋ ቑር`ጸትን ምንባራ ዘይተርፍ እዩ።
ህይወት ብርባርባ ድነ ሞት ትሓልፍ እያ። ነፍሲ ብሓዘንን ስቓይን ትሓልፍን እያ፡ ግና ኣብ ምርኩስ ኣምላኽ ተሞርኪስን ኣብ በትሪ የሱስ ተደጊፍን ግና፡ ነዛ ብድነ ዝተኸበት ዓለም ሲዒራታ ትሓልፍ።
ነት ኩሉ ዝኽእል ጓሳና ንግበሮ። ሽዕ “እግዚኣብሄር ጓሳይ እዩ ዝጎድለኒ የብለይን ብድነ ሩባ ሞት እካ እንተከድኩ ኩፉኡ ኣይፈርህን እየ በትርኻን ምርኩስካን ከጸናናዓኒ እየን ንዘልኣለም ከኣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ክነብር አየ” ክንብል ኢና።

1 comments

ዘጸናንዕ መልእኽቲ ሃኒባል ሓወይ፡ ኣምላኽ ይባርኽካ። ሃዲእካ ንእእምላኽ ምጽባይ ሰናይ እዩ፡ መዝሙረ- ዳዊት ምዕራፍ 62 ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሃዲኣ ትጽበ፣ ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ ኣሎ። ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣዝየ ኣይናወጽን። ከም ዝቐነነ ግድጊዳን፣ ንምውዳቕ ዝተቐረበ መንደቕን፣ ኵሉኹም ሐቢርኩም ምእንቲ ኸተወድቕዎስ፣ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ እትጥሕሩ፧ ካብ ልዕልናኡ ኼጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩ፣ ብሓሶት ባህ ይብሉ፣ ብአፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ ኣለዉ። ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ። ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣነ ኣይክናወጽን እየ። ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ጽኑዕ ከውሔይን መዕቈብየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ። ኣቱም ህዝቢ፣ ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ፣ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፣ መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ። ውሉድ ኣዳም ምናምን ጥራይ እዮም፣ ውሉድ ሰብውን ሓሶት ጥራይ እዮም፣ ኣብ ሚዛን ልዕል ይብሉ፣ ኵሎም ብሓባር ካብ ምናምን ይፈዅሱ። ኣብ ግፍዒ ኣይትወከሉ፣ ብዘመተ ኸኣ ኸንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፣ ሃብቲ እንተ በዝሔ፣ ልብኹም ኣይተውድቑሉ። ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፣ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸጋውን ናትካ እዩ።
Other Article