እቶም መናዓብቲ... 2ይ ክፋል

Posted on 2014-02-05 · 1454 · 0 · 0

37 resources uploaded

ብሓቂ ምልስ ኢልና እንተተመልኪትና፣ ኣይሁድ “መነዓብቲ” ብዝብል ስም ንሃዋርያት ምጽውዖም ዘገርም ኣይኰነን። ሃዋርያት ንነገሮም ካብ ቄሳር ወይ’ውን ካብ መንግስቲ ሮማ ኣይደለይዎን። ናይ የሱስ ናይ “ትንሳኤ ሓይሊ” ተዓጢቖም ይመላለሱ ስለ ዝነበሩ፣ ኣብ ዝኣተውዎ ግብሪ ድያብሮስ እናፍረሱ፣ ነቶም ብዘሎ ዘመኖም ብፍርሃት ሞት ዝተታትሕዙ ሓራ ይገብሩ ነበሩ። መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶም ኣብ ዝወረደሉ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ጥራይ እንተዀነ ኣስታት 3000 ነፍሳት ንእምነት ብምእዛዘን ብስም የሱስ ኣጥመቑ። ብምቕጻል 5000 ነፍሳት ካብ ስልጣን ጸልምት ናብ ብርሃን ሓርነት ተሰጋገራ። ፈጣሪ’ውን ብሓይሊ መንፈሱ ብኢድ ሃዋርያት ትእምርታን ተኣምራትን ይገብር ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ዝኸድዎ ብዙሓት ይድሕኑ ነበሩ። ኣብ ልቢ ብዙሓት’ውን ዕድል ነበሮም። እቲ የሱስ ቅድሚ ምዕራጉ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዝኣተዎ ተስፋ፣ ማለት “ብስመይ ዝኣመኑ እዚ ተኣምራት እዚ ክስዕቦም እዩ። ብሓድሽ ልሳን ክዛረቡ፣ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ከንብሩ ንሳቶም ድማ ክሓውዩ እዮም” ዝበሎ ኣባታቶም ይፍጸም ነበረ። ካብቲ ኣባታቶም ዝሓደረ ቅዱስ መንፈስ ዝተላዕለ ትብዓት ስለ ዝነበሮም፣ ኣብ ቤት ጸሎት ኰነ ኣብ ዋዕላ፣ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ክርስቶስ ንምእዋጅ ቶጓእ ኣይበሉን። ምስ ኣፈራርህዎምን ገረፍዎምን እውን እተዀነ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቦም ሓይልን ትብዓትን ደኣ ለመኑ እምበር፣ ስለ መሰሎም ኣይተጣበቑን። ጎይታ’ውን እንተዀን ዝሓዝዋ መገዲ ቅንዕቲ ምኻና፣ ጸለቶም ከም ዝሰመሮ ከረጋግጸሎም ከሎ፣ “ነታ ዝነበርዋ ክፍሊ ክሳብ እትናወጽ፣ መንፈሱ ኣብኦም ብምውራድ ሓይሊ መልኦም (ግብ 4: 31)። ንሳቶም ድማ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተዓጢቖም፣ ስለቲ ንሓጢኣቶም ዝሞተን ዝተንሰአን የሱስ ብትብዓት መስከሩ። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክገልጽዎ ስለ ዝሰነፉ፣ ንድኻሞም ብኻልእ ክሽፍንዎ ኣይፈተኑን። ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ድኣ ሓይሊ ወንጌል ኣብ ኩሉ ኣጋጣምን፣ ኣብ ኩሉ ስፍራን የግህድዎ ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ገዛኢ እዛ ዓለም ድያብሎስ ዕረፍቲ ኣይነበሮን። ምስ ሓሳብን ኣካይዳ ዓለም ኣይተሰማምዑን። ካብ ዓለም’ውን ክቐድሑ ኣይፈተኑን። እቲ ምሳታቶም ዝነበረ ካብ ኩሉ ከም ዝዓቢ ተረዲኦም ነበሩ። እዚ ምርዳእ ድማ ካብ ምጽንባር ሓለዎም። እዚ ዘስተውዕዓሉ ኣይሁድ “መናዓብቲ” በልዎም።


ናብ ከተማ ሰማርያ ምስ ኣተዉ፣ ፊሊጶስ ወንጌል ጎይታና የሱስ ነገሮም (ግብ8)። መንፈስ ቅዱስ ብሓይሊ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ፣ ነቲ ዝተበሰረሎም ብስራት ብዘይ ጥርጥር ተቐበልዎ። ኣብታ ከተማ ድማ ዓቢ ሓጎስ ኰነ። ብዙሓት ኣጋንንቲ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ሓንካሳትን ድኑሳትን ሓወዩ። እቲ ብዙሕ ዘስተንክሮም ዝነበረ ስምኦን ጠንቋሊ’ውን እንተዀነ ንእምነት ተኣዘዘ። ምስ ፊሊጶስ ድማ ለገበ። ከተማ ሰማርያ ብምሉኣ ድማ ብወንጌል “ኣነዓቡ”። ታሪኽ እታ ኸተማ ገልበጡ። ከምዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ፣ ንሃዋርያት “መነዓብቲ” እንተበልዎም ዘገርም ኣይኰነን።


ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እናበዝሑ ስለ ዝኸዱ፣ እታ ዝተትኽለት ፍረ ኣድሪ ድማ ንብዙሓት መጽለሊ ክትከውን ስለ ዝጀመረት፣ ኣይሁድ ንምፍራሳን ንምሙንቃሳን ብነድሪ ተልዒሎም እዮም። ሃዋርያት ግና “ዝተጋህሰ ናይ ሃይማኖት ናጽነትና ይተሓለወልና” ኢሎም ኣይጠርዑን። እቲ ጥበብን መንፈስን ዝመልኦ፣ ኣብ ብዙሓት ድም ጽቡቕ ምስክር ዝነበሮ እስቲፋኖስ ብጭካነ ምስ ተቐትለ፣ ስደት’ውን ስለ ዝበርትዐ (ግብ 6, 7)፣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ገዛእ ርእሶም ከድሕኑ ፋሕ በሉ። ኣብ ዝኣተውዎ ወንጌል ይነግሩ ነበሩ እምበር፣ ስለቶም ሓሳረ መከራ ዝጸግቡ ዝነበሩ የሕዋቶም ክጣበቑ ግዜ ኣየጥፍኡን። እዚ ድማ፣ እቶም ሰጎግቶም፣ ምስ ስጋን ደምን ጥራይ ዘይኰነ፣ ምስቲ ንሞት ዝሰዓረ ወዲ ኣምላኽ ይገጥሙ ከም ዘለዉ ስለ ዝተረድኡ እዮም። ንሱ እንተደልዩ ንኹሉ የረኻኽበሉ እዩ። ብሓቂ ብስጋ ንዝሓስብ፣ ኣካይድኦምን ኣነባብርኦምን ንሓሳብካ “ዘናዕብ” እዩ። ኩሉ ዘረብኦም፣ ኣካይድኦም፣ ኣነባብርኦም ፍሉይ ስለ ዝዀኖም፣ ብሓቂ ድማ ስለ ዝተናዓቡ፣ ኣይሁድ “መነዓብቲ” በልዎም።


ሓይሊ ወንጌል ብሓይሊ ይዓዪ ነበረ። ነቲ ኣይሁድ ዝምስክርሉ ዝነበሩ፣ ኣብ ኣብራኹ ዘስተንፍስ መንእሰይ፣ ብሕጊ መንቅብ ዘይብሉ፣ ሰጓግ ማሕበር፣ ብቕንኢ ቤት መቕደስ ዝነደደ ሳውል’ውን ንምህዳኖም ስርሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ነበረ። በቲ ግብሩ ተመሪሮም፣ ኣምላኽ ክቐዝፎ ወይ’ውን ክቐትሎ ኢሎም ኣይሓሰቡን። እቲ የሱስ ዝበሎም፣ “ስለ ዝሰጉኹም ጸልዩ” ዝብል ምኽሪ ደኣ መምርሒኦም ነበረ። የሱስ ገለ ከም ዝጨንቆ ኢድ ሰብ ስለ ዘይተገልግሎ፣ ነቲ ሰጓግ ማሕበር ኣብ መገዲ ደማስቆ ጎፎ በሎ (ግብ 9:3)። ንዕኡ’ውን ክብል መስቀል ስለ ዝተዓገሰ፣ ሳውል ዝገብሮ ዝነበረ ብዘይፍልጠት ይግብሮ ከም ዝነበረ ማንም ክነግሮ ኣይደለየን። ብጸዳል ብርሃን ድማ ወቕዖ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ጸልማት ስለ ዝተገልሀ ድማ ንወንጌል ተሳዕረ። ናብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ተጸምበረ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብኡ ብሓይሊ ክዓዪ ስለ ዝጀመረ፣ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ካብ ብሉይ እናምጽአ ንኣይሁድ ይረትዖም ነበረ። እቲ ብምስጓግን ምእሳርን ምቅታልን ኣመንቲ ብኽፉእ ዘናዕብ ዝነበረስ፣ ሕጂ ግና ንሓቂ ብብርሃን ብምግልጋሉ፣ ነቲ ዝጸልመተ ሓሳቦም ኣናወጾ። እዚ ድማ ብሓቂ ን“ምንዓቦም” ኣግደዶ።


ወንጌል’ውን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ቤት ቀርመዌሎስ ስለ ዝኣተወ፣ ንሱን ብዘላ ስድራ ቤቱን ብሓደ ምሸት ኣመኑ (ግብ 10)። ካብ ኣይሁድ ሓሊፉስ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣህዛብ ወሪዱ። ኣዝዩ ዘገርም ፍጻሜ። እዚ ዝሰምዑ ኣይሁድ፣ ንብዘላ ዓለም “ዘናዕቡ” ዘለዉ ኢሎም እንተሰመይዎም ዘገርም ኣይኰነን። ጳውሎስ’ውን እንተዀነ ከምዚ ክብል ተዛረበ፣ “ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፣ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፣ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፣ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፣ ነቶም ሰይጣን ዝሰዓሮም ኩሎም ከኣ ከም ዘሕወዮም ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም” (ግብ 10፣38)። እቲ ኣብ የሱስ ዝነበረ መንፈስ ኣብ ሃዋርያት ስለ ዝሓደረ፣ እቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ብኣታቶም ይምላእ ከም ዘሎ ገለጸሎም። እዚ ክብል ከሎ ድማ “መንፈስ” ወረዶም። ከምቲ ኣብ ሃዋርያት ዝኾነ፣ ኣህዛብ’ውን ብሓድሽ ልሳን ተዛረቡ። እዚ ድማ ነቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነ፣ ነቶም ዝኣመኑ’ውን ልዕሊ ምርድኦም ነበረ። ሓሳብ ኣምላኽ መዓሙቝ ምኻኑ መን የስተውዕሎ!! ኣብ ጸልማት ንዘሎ፣ ብሕጊ ንዝተኣስረ፣ እዚ ፍጻሜ ብሓቂ ንሓሳብካ ዘናዕብ እዩ።


ሓይሊ ጠንቆልቲ እናሰዓሩ፣ ሰይጣን ዝገፍዖም ድማ ሓራ እናገበሩ ይዘሩ ነበሩ። ኣቃልቦ ኩሉ ሰብ ድማ ነበሮም። ኣብ ዝኣተውዎ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስን፣ ንሰብ ዝተዋህበ ተስፋን የረድእዎም ነበሩ። ንእሽቶ ኰነ ዓቢ፣ ባርያ ኰነ ጭዋ፣ ካብ መኳንንትን መራሕትን ካህናትን’ውን ሒደት ዘይኰኑ ንእምነት ተኣዘዙ። እዚ ዝሰምዑ ኣይሁድ ስቕ ክብሉ ስለ ዘይኰነሎም፣ ኣብ ደቂ መዛሙርቲ የሱስ ተላዕሉ። “መናዓብቲ” ድማ በልዎም። ብፍላይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ክጽበ ከሎ ዝዀነ ኣዝዩ ዘገርም እዩ (ግብ 17፥16)። መንፈስ ቅዱስ ብእኡ ይዓይይ ስለ ዝነበረ፣ “ቅንኣት” መልኦ። ብምንም ዘይዛባዕ ኣተኩሮ ኣብ ወንጌል ስለ ዝነበሮ፣ ዝረኣዮን ዝሰምዖን፣ ከመይ ጌሩ ናብ ወንጌል ከም ዝወስዶ ጥራይ እዩ ሓሳቡ። ፈላስፋታትን ፈላጣትን ጥበበኛታትን ኣብ ዝበዝሕሉ፣ ንሓድሽ ነገር እንተዘይኰኑ ካልእ ንምስማዕ ግዜ ኣብ ዘይነበሮም፣ ወንጌል ምስባኽ ከቢድ እዩ። ንሰብ ዝስዕሮ ግና ዘስድዕ፣ ብጥበብ ሰብ ዝተኣልመ ዘረባ ዘይኰነ፣ ዘረባ ምርዳእን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን እዩ። ስለ ዝዀነ ጳውሎስ፣ “ኣብ ማእከል እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና” (1 ቆሮ2፥ 6-7) በለ። እዚ ኸኣ ብመንፈስ ቅዱስ ጥራይ ዝርከብ ትብዓት እዩ። ፈርሳውያን’ውን ሃዋርያት ዘይተማህሩ ምኻኖም ይፈልጡ እኳ እንተነበሩ፣ ትብዓቶም ርእዮም ተገረሙን ተነዓቡን (ግብ 4፥13)።


ናብ ኤፌሶን ምስ መጹ’ውን እንተዀነ ብዙሓት ንእምነት ሰለ ዝተኣዘዙ፣ ብዙሓት ጠንቈልቲ መጽሓፍቶም ኣንደዱ (ግብ 19፥19)። ብፍላይ እኳ ኣብ “መቕደስ ኣርጤምስ” ዝዀነ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። “ኣርጤምስ” ኣብ ኤፌሶን ኣዝያ ገኒና ዝነበረት ምስሊ ጣኦት እያ። ብዙሓት ድማ መቕደሳ ብምስራሕ ይረብሑ ነበሩ። ወንጌል ኣብ ዝተሰብኰ ግና ሓይሊ ጣኦትን ጥንቈላን ይሰዓር ነበረ። ጳውሎስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እቲ “ሓቂ” ስለ ዝሰበኸ፣ ብዙሓት ተናገፉ። ጥቕሚ እቶም ኣንጠረኛታት ድማ ተተንከፍ። ወንጌል ምፍልላይ ስለ ዝምጽአ፣ ኣብታ ከተማ ዓብዩ ዕግርግር ኰነ። ንሓደ እኳ ዘየገደዱ ክነሶም፣ ከተማ ብትምህርቶም “ተናዒባ”። ንብዙሕ ዓመታት ቆይሙ ዝነበረ መሰረት ወለዶ ተነቓኒቑ። እዚ ዝረኣዩ ፈርሳውያን፣ “መናዓብቲ” እንተበልዎም ኣይፍረዶምን እዩ።


ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፣ ካብቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ፣ እቲ ኣባታቶም ዝነበረ ይዓብይን ይሕይልን ስለ ዝነበረ “ሰዓርቲ” ነበሩ። ባህሊ ሰብ ኣይሓዞምን፣ ስርዓት ሕብረተሰብ ኣይሓላለዀምን። ምፍርራህ መራሕቲ ቤት መቅደስን፣ መከራ ግዝኣት ሮማውያን ኣየጃጀዎምን። ካብ ሓደ ከተማ እንተሰጎግዎም፣ ኣብቲ ክንዮ ከይዶም ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ካብ ቤት እንተደፍእዎም፣ ኣብ ዕዳጋ ከይዶም ይነግሩ ነገሩ። መሰረት ብዙሕ ዓመት ዝቖመ ሕጊ ነቕኒቖም። ኣብ ዝኣተውዎ፥ ባህሊ ሰብን ምህሮ ቑልዕነት እዛ ዓለምን ኣፍሪሶም። በቲ ኣባታቶም ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ንቓል ጸጋኡ ድማ ብዝስዕብ ተኣምራት ዘጽንዕ ዝነበረ ኣምላኽ ተኣሚኖም ደው በሉ። ስለ መሰሎም ኣይተጣበቑን። ኣብ ዝኸድዎ ግና ወንጌል ምንጋር ኣየቋረጹን። ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን ሰብ እናኣዋጠሩ፣ ብዙሓት ንወንጌል ክእዘዙ ምኽንያት ኰይኖም። ኣጽዋር ዘይተዓጥቁ ክነሶም፣ ብዙሓት ይፈርህዎም ነበሩ። “መንፍሳዊ ኣጽዋሮም” ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ ምኻኑ ይርድኡ ነበሩ። ዘይተማህሩ ክነሶም፣ ንሓሳብን ምህሮ ሰብን ብምቕያር ከተማታት ብወንጌል ኣናዒቦም። ንዓለም ብትምህርቶም ስለ ዝመልእዋ፣ ጸላእቶም ዝገብርዎ ጨነቖም። ብምፍርራህን ምስጓግን ምቕታልን ምእሳርን ደው ዘብልዎ ስለ ዝመሰሎም፣ መራሕትን ሰበ ስልጣናትን ተሃንዲዶም ተላዒሎም። ንገሊኦም ወንጌል ስዒርዎም። ገሊኣቶም ድማ ጥፍኣት ናብ ርእሶም ኣምጺኦም።


ግብሪ ሃዋርያት ንዘምበበ መቸም፣ ስለምንታይ ኣይሁድ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ “መናዓብቲ” ክብልውም ደፊሮም ክርድኦ ኣየሸግርን እዩ። እቲ ዘገርም ግና፣ እቲ መጽሓፍ እዚ “ግብሪ ሃዋርያት” ተባሂሉ ካብ ዝስመ “ግብሪ መንፈስ ቅዱስ” ተባሂሉ እንተዝስመ ምበለጸ። ከመይ ምስጢር ግብሪ ሃዋርያት “መንፈስ ቅዱስ” ስለ ዝዀነ እዩ። እዚ ድማ ኣምላኽ በቶም ናቱ ኣቢሉ ሓይሊ ቅብኣቱ ይገልጽ ስለ ዝነበረ እዩ። በእዳዎም ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ፣ ገዛእ ርእሱ ብዘይምስክር ኣይሓደገን። ነቶም ካብ መጀምርታ ዝነበሩ ዝተዋህበ፣ ነዞም ኣብዚ ዘመን ዘለና’ውን ተዓዲሉ እዩ። ስለ ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ጸልዩ፣ “..የዒንቲ ልቦናኹም በሪሁ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምኻኑ፣ ሃብቲ ርስቱ ኣብ ቅዱሳኑ እንታይ ምኻኑ፣… ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ሓይሉ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገብሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምኻኑ ከትፈልጥዎ እጽልየልኩም ኣለኹ” (ኤፌ 1:17)።


ምስ ዓለማውነት ከይተጻናበርና፣ ዓለማዊ ምርዳእ ከይሓዝና፣ ነታ ብስላዕ ገፋዒ እትሳቀ ዘላ ዓለም፣ ብሓይሊ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ክንበጽሓ ጻውዒትና እዚ እዩ። ነገርና ካብ መንግስታትን ሰበ ስልጣናትን ከይደለና፣ ኣባና ዘሎ መንፈስ እምብዛ ከም ዝሕይል ተረዲእና፣ ደው ንበል። ክንዕዘም ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ነዚ ከም ኣጽዋር ጌርና ክንሕዞ ይግብኣና። ኣምላኽ ከምቲ ኣባና ዝገብሮ “ሓይሊ” ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን የዕዚዙ ክገብር ይከኣሎ እዩ። ሓያል ከይኣሰረ፣ ኣብ ቤት ሓያል ኣትዩ ዝብዝብዝ ከም ዘየለ፣ ንገዛኢ እዛ ዓለም ብመንፈስ ከይሰዓርና፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓለቓ ስልጣናት ኣየር ኰይኖም ንጥፍኣት ዝኹብኰቡ ዘለዉ ሓራ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ንማሕበሩ ዝሃባ ስልጣን ስለ ዘሎ፣ “ደጌታት ሲኦል ኣይሕይልዋን እዮም” ዝብል ቃል ምእማኑን ምቕባሉን ግቡእ እዩ(ማቴ 16፡18)። እታ ብደሙ ዘጥረያ ማሕበሩ፣ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለው ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ከተፍልጦም ኣብዚ ምድሪ ኣቀሚጥዋ ኣሎ (ኤፌ 3)። ነዚ ክቡር ጻውዒት ከንነብርሉ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማእኸልና ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ትደፍእ ኣላ፣ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ። ብሓቂ ኣብቲ መንፈስ ጎይታ ዘለዎ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።

0 comments
Other Article