ሃብትናን ዋጋነትናን

Posted on 2013-12-07 · 1442 · 0 · 0

33 resources uploaded

እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብ Your Best Life Now ‘ትብል ብፓስተር ጆአል ኦስቲን እተጻሕፈት መጽሓፍ ወሲድና ዝተርጐምናዮ እዩ። ኣብዚ ቁሩብ ኣመሓይሽና ኣቕሪብናዮ ኣለና።
ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣቢሉ ሰለስተ ኣግራብ ማለት ኣውሊዕ፡ ጽሕድን ኦክን (ዓብይ ገረብ) ነበሩ። እዞም ሰለስተ ኣግራባት፣ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ህይወት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሑ ሕልሚ ነበሮም።
እቲ ኣውሊዕ፡ ብስርዓት ብክኢላ ጸራባይ ተጸሪቡ፣ ክቡር ዕንቝታት ዝስፈሮ መዝከብ ክኸውን ሓለመ። መዝገብ ኰይኑ ንከም በዓል ወርቂ፡ ነሃስን ኣልማዝን ክዕቕብ ኣመና ተሃንጠየን ሓለመን። ሓደ እዋን፡ ሓደ ዕንጸይቲ ዝቈርጽ ሰብኣይ መጺኡ ካብዚ ኵሉ ኣግራባት እቲ ዱር፣ ፈልዩ ን ኣውሊዕ ቈረጾ። ኣውሊዕ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ሕልሚ መጺኡ ኢሉ ብዙሕ ተሓጐሰ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ዝቈረጾ ዕንጸይቲ ንቅርጻ-ቅርጺ ዝሰርሑ ሰባት ሸጦ። እቶም ቐራጾ ድማ ስራሐይ ኢሎም ተተሓሓዝዎ። ወዮ ኣውሊዕ፡ “ሕጂስ በቃ ከምታ ዝሓለምኩዋ ክኸውን እየ፡” እናበለ ከሎ። ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ካልእ ነገር— ማለት መትሓዝ መግቢ ዝኸውን ‘መብልዕ ማል’—ይሰርሕዎ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ ኩምትር በለ። “መብልዕ እዞም ረስሓትን በዳናትን እንስሳታት ክኸውንሲ!” ኢሉ ብዙሕ ጐሃየን ተከዘን።
ብተመሳሳሊ እቲ ኦክ ዝበሃል ዓቢይ ገረብ ድማ፣ ክፋል እተን ነጋውስ ብልዕሊ ውቅያኖሳት ዘሳግራ መራክብ ክኸውን ሓለመ። ተቈሪጹ ኣብቶም ኢደ-ጥበያታት ምስ ከደ፣ ዘይሓሰቦ ንነዊሕ እዋን ደርበይዎ። ኣብ መወዳእታ ሓሲቦም ሓሲቦም ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ሰርሕዎ። ኵሉ ዝነበሮ ተስፋ ድማ በነነ። ኣዝዩ ተስፋ-ቈረጸን ሓዘነን።
እቲ ጽሕዲ ኣብ ሓደ ዓብይ ጎቦ ይነብር ብምንባሩ፣ ዓለሙ የስተማቕር ነበረ። ልዕሊ ኵሉ ፍጥረት ሰፊሩ ከም ዘሎ ድማ ይስምዖ ነበረ። ሓደ እዋን ግን፡ ብርቱዕ ማይ ሃረመ እሞ፣ በርቂ ኣላቲሙ ምስ ሓደጎ፣ ኣብዛ ምድሩ ጻሕ በለ። እቶም ጸራቦ ዕንጸይቲ ድማ፣ ነዚ ዝወደቐ ጽሕዲ ምስ ረኸብዎ። ኣብ ብዙሕ ዕንጸይትታት ዝተኣከቦ ቦታ ኣብኡ ምስቲ ዕንጸይትታት ረብረብዎ።
እዞም ሰለስተ ኣግራብ፣ ክብረቶም፡ ዋጋኦምን ብቕዓቶምን ከም ዝቀሃመ ኰይኑ ተሰምዖም። ተስፋቈረጹን ጐሃዩን። ኵሉ ዝሓለምዎ ኣይረኸብዎን። እቲ ያህዌ ዝበሃል ሓቐኛ ኣምላኽ ግን፣ ኣብ ህይወቶም ካልእ ፍሉይ መደብ ነይርዎ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፣ ድንግል ማርያም ክትወልድ ምስ በለት፣ ምስ ዮሴፍ ትወልደሉ ስፍራ ሰኣኑ። ማርያም፡ ነቲ ሕጻን የሱስ እስኪ ገምቱ ኣበይ ኣቐሚጣቶ፧ እወ ኣብቲ ብኣውሊዕ ዝተሰርሐ መብልዕ ማል። እቲ ኣውሊዕ ክቡር ዕንቍታት ክሕዝ እዩ ነይሩ ባህጉ፣ ኣምላኽ ግን እተፈልየ ዕላማ እንድዩ ዘለዎ፣ እቲ ኣብ ዘመናት ዝዓበየ መዝገብ—ወዲ ህያው ኣምላኽ—የሱስ ኣብኡ ተቐመጠ።
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ የሱስ ዓበየ። ሓደ እዋን ስግር እቲ ባሕሪ ኣቢሉ ንኽከይድ ጃልባ ደለየ። የሱስ ዓባይን ርኣዩለይን ‘ትብል መርከብ ኣይደለየን። እንታይ ደኣ ደልዩ፧ ሓንቲ ንእሽቶን ዓሳ መግፈፍን ዝዀነት ጃልባ። እስኪ ገምቱ መን ነይራ እታ ዝሓረያ ጃልባ፧ እታ ብገረብ ኦክ ዝተሰርሐት። እቲ ገረብ ኦክ መርከብ ተሰሪሑ፣ ኣለዉ ዝተባህሉን ወናማትን ነጋውስ እዩ ከስግር ሓሲቡ። እግዚኣብሄር ግን ካልእ መገዲ እንድዩ ዘለዎ። እቲ ገረብ ኦክ ነቲ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጐይቶት ዝዀነ የሱስ ጽዒኑ በቲ ባሕሪ ኣንሳፊፉ።
ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ሮማውያን ወተሃደራት እናኸዱ ከለዉ ዝተጻፋጸፉ ኣዕጻው ረኣዩ። እቲ ካን ድሕሪ ደጊም ኢሉ ዝነበረ ጽሕዲ ውን ኣብኡ ነበረ። ጽሕዲ ዝተጓሕፈ ኰይኑ እዩ ዝስምዖ ዝነበረ። እቶም ወታሃደራት ሮማ፣ ነቲ ጽሕዲ ኣልዕል ምስ ኣበልዎ፡ “ኦይ ሕጂ ኸኣ እሞ ዝገደደ! ንመናኸስን መንደድን ሓዊ እዮም ክገብሩኒ፡” በለ። ብጣዕሚ ዝገረሞ ነገር እንተ ነይሩ ግን፡ ቈሪጾም ቈራሪጾም ኣብ ክልተ ዝተጸርባ ኣዕጻው ገበርዎ። ጸኒሖም ነታ ሓንቲ ንጋድም፣ ነታ ሓንቲ ድማ ንትኹል ገይሮም፣ ኣብ ማእከል ኣልጊቦም መስቀል ሰርሕዎ። የሱስ ተሰኪሙ ድማ ኣብቲ ዝነበሮን በሪኽ ቦታ ወሰዶ። እዚ ገረብ እዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ፍጻመ ኣብኡ ተፈጸመ። ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ተሸንከረ።
ሓደ ነገር ክንዝንግዖ ዘይብልና፣ ጐይታ ኣብ ህይወትና ከመይ ዝበለ ግሩም ዕላማ ከም ዘለዎ። ብማያት ክንሓልፍ ንኽእል ንኸውን፣ ብሓዊ ክንሓልፍ ንኽእል ንኸውን፣ መከራ ልውስውስ ከብለና ይኽእል ይኸውን። ዕላማ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ግን ኵሉ ግዜ ሰናይ እዩ። ስለዚ ክንሕለልን ተስፋ ክንቈርጽን ኣይግብባእን። ጐይታ ንዓና ዝሓስቦ ሓሳብ ድንቅን ግሩምን እዩ።

0 comments
Other Article