መን’ዩ ንጋንጽላኻ ዝጠምሮ?

Posted on 2012-02-03 · 1484 · 0 · 3

107 resources uploaded

“ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ።”(1ቈረ 12.12)

ቀደም ንእሽቶ እንከለኹ ኣብ ኣስመራ ወትሃደራት ብጋንጽላ ክወርዱ ከለዉ እርኢ ኔረ። ገሊኦም ካብታ ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምዝላሎም እታ ጋንጽላ ምዝርጋሕ ትኣብዮም እያ ግዲ ቀልጢፍካ ጋንጽላኦም ተዘርጊሓ ኣይትርእያን። “ወደቐ... ወደቐ...” ድማ ትብል። ብግቡእ ዘይተጠምረት ጋንጽላ እንተ ኣጋጢማትካ መቸም መወዳእታኻ ኣይጽብቕን እዩ። ርግጸኛ እየ ጋንጻላኦም ብግቡእ ብዘይ ምጥማሩ ህይወቶም ዝሓለፈ ኣይስኣኑን እዮም።

ቻርለስ ፕላም ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብራሪ ነፋሪት እዩ ኔሩ። ኣብ ናይ ቬትናም ውግእ ነፋሪቱ ብጸረ ነፋሪት ምስ ተሃርመት ጋንጽላኡ ዘርጊሑ ብምውራድ ንህይወቱ ኣድሓና። እንተኾነ ግና ብቬትናማውያን ተማረኸ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ድማ ተኣስረ። ድሕሪ ምፍታሑ ሓደ መዓልቲ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ኮፍ ኢሎም እንከለዉ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ “ንስኻ ፕላም እንዲኻ? ኣብ ናይ ቬትናም ውግእ ነፋሪትካ ተወቒዓ ብጋንጽላ ዝወረድካ?” በሎ። ፕላም ብምግራም “ከመይ ከመይ ኢልካ ድኣ እዚ ኹሉ ፈለጥካ?” ክብል ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ ትቕብል ኣቢሉ “ንጋንጽላኻ ኣነ እየ ጠሚረያ። ተስፋ እገብር ጽቡቕ ጌራ ሰሪሓትልካ ክትኸውን።” በሎ። ፕላም ድማ “ዝጠመርካያ ጋንጽላ እንተ ዘይትሰርሕ ሕጂ ኣብዚ ኣይምሃለኹን።” ኢሉ መለሰሉ። ኣበርክቶ ናይ’ዚ ሰብኣይ ኣብ ህይወቱ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ ድማ ከሕስቦ ጀመረ። ኣብ ሓይሊ ኣየር መብዛሕትኡ እዋን ጋንጽላ በቶም ኣብረርቲ ወይ ዘለልቲ ኣይኮነን ዝጥመር። ስርሖም ምጥማር ጋንጽላ ዝኾኑ ኣባላት ኣለዉ። ሓደጋ ኣጋጢሙካ ኣብ ምዝላል ምስ በጻሕካ ጋንጽላኻ ብግቡእ ምጥማራን ዘይምጥማራን ንድሕነነት ህይወትካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

እብዚ እዋን እዚ ፕላም ጸሓፍን መዳርን(public speaker)እዩ። ኩሉ ጊዜ መደረ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ነቶም ሰማዕቱ “መን እዩ ንጋንጽላኹም ዝጠምረልኩም?” ኢሉ እዩ ዝሓቶም። እዚ ድማ መን እዩ ኣብ ጊዜ ፈተናኹም ብዓወት እትወጽኡሉ ሜላ ዝህበኩም? መን እዩ ብዛዕባኹም ሓለዋ ዝወጽእ? መን እዩ ንይወትኩም ዝጸልዋ? መን እዩ ደጋፊኹም? መን እዩ ዘዕጥቐኩም? ማለቱ እዩ።

ኣነ ንህይወተይ ምልስ ኢለ ክርእያ እንከለኹ፡ ወለደይን ዓቢ ሓወይን ዘንበሩለይ መሰረት ናይዚ ዘለኽዎ ዓይነት ህይወት ብደንቢ እዩ ዝርኣየኒ። ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ሓያሎ የዕሩኽተይ ኣለዉ ኣብ ዙርያይ ብምዃኖም ብኣወንታዊ እናጸለዉ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንጋንጽላ ህይወተይ ዝጠመሩለይ። ገለ የዒንተይ ብምኽፋት፡ ገለ ብምትብባዕ፡ ገለ ዓቢ ነገር ክሓስብ ብምግባር፡ ገለ ኣባይ ብምትእምማኖም፡ ገለ ድማ ዘቕንእ ኣርኣያ ምብዃኖም ንህይወተይ ኣዕጢቖማ እዮም። ብዘይ ብእኦም ኣብዚ ኣይምበጻሕኩን ኔረ፡ በይነይ ክበጽሖ ዘይክእል ደረጃ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለምና ሓያሎ ናይ ህይወት ጋንጽላ ዝጥመረሉ መገድታት ኣሎ። ማለት ህይወት ብዙሓት ብዝተፈላለየ መገዲ እዩ ዝምራሕ፡ ዝዕጠቕን ዝጽሎን። ናይ ገሊኡ ጋንጽላ ኣጠማምራ ግና ኣብ ሓደጋ እዩ ዘውድቕ። መን እዩ ንጋንጽላና ዝጠምሮ፡ ከመይ ጌርና ኢናኸ ናይ ካልኦት ጋንጽላ ንጠምር ከነስተብህል ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ኩላትና ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላት ናይ ሓደ ስጋ ምዃንና ይነግረና። ህላወ ሓደ ኣካል ድማ ነቲ ኻልእ ኣካል ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ ጋንጽላ ዝጠምሩ ኣብ ህይወት እቶም ኣብረርቲ ዓቢ ተራ ዘለዎ፣ ህይወት ካልኦት ኣብ ህይወትና፡ ህይወትና ድማ ኣብ ህይወት ካልኦት ከምኡ እዩ። ስለዚ ቅድሚ ሕጂ ይኹን ኣብዚ ሕጂ እዋን በዓል መን እዮም ናይ ህይወትካ ጋንጽላ ዝጠምሩልካ? ብዛዕባኦም ንኣምላኽ ተመስግንዶ? ብተመሳሳሊ ድማ ንስኻኸ ናይ መን ጋንጽላ ኢኻ ትጠምር? ብኸመይ ኣገባብ ኢኻኸ ትጠምሮ? ካልኦት ብኸመይ እዮም ብኣኻ ዝጽለዉ? ክሳብ ክንደይከ ንኣገልግሎት ካልኦት ድልው ኢኻ? ኣካል ሓድሕድ ስለ ዝኾንና ነዞም ሕቶታት ነድህበሎም።

ንኣምላኽ ስለቶም ኣብ ህይወትና ኣምጺኡ ኣወንታዊ ጽልዋ ዝገብሩልናን ዝድግፉናን ሰባት እናኣመስገንና ንርእስና ድማ ንኻልኦት ደገፍን ቅኑዕ ኣርኣያን ክንከውን ይግብኣና። ነዚ ክንገብር ድማ ኣብ ኣምላኽ ንወከል።

3 comments

ኣሜን! ጐይታ ይባርኽካ ሳሙኤል።

ኣሜን! ጐይታ ይባርኽካ ሳሙኤል።

· 2012-07-09
thank u Ermi for ur good lesson.May God bless you.
Other Article