ተመለስ በልዎ

Posted on 2015-01-23 · 1010 · 0 · 0

20 resources uploaded

እቲ ጀለምታ ንብዓተይ
ክፈስስ ጀሚሩ ብክልተ ምዕጉርተይ
ይወጽእ ካብ ውሽጢ ልበይ
ዘተርክስ ዘጥልል ንኩሉ ኣካልተይ

ኣቤት ዝሕጎስ ንብዓተይ ክዛሪ
ርቡሽ ሓንጎለይ ይዓርፍ ይዛኒ
ዘገርም ከምዛ በዓል ሕነ በዓል ወኒ
ውሽጠይ ይቀስን ሕልናይ ይረዊ

ሕጂ እንዶሞ ሲኢነዮ
ነዊሕ ኮይኑ ካብ ዘይርእዮ
ኣዕንተይ ደሪቑን ንብዓተይ ነቒጹ
ልበይ ተሪሩ እምብዛ ኣቕቢጹ
ብህግ ንፍቕ ኣቢለዮ ዝበልኩም በሉ
ኣነ ዝብህጎ ዝናፍቖ ንብዓተይ
ንብዓት ንስሓ ኢዩ ናይ ሓቂ ምምላሰይ

0 comments
Other Poem