ከይኣስረካ

Posted on 2012-05-01 · 1203 · 0 · 1

122 resources uploaded

ቁሊሕ ጥምት
ቅርብ ሕዝ ትንክፍ
ስሕቕ ጅምር
ደሓን ጉድኣት የብሉን እንታይ ከይገብር
ብምባል እዩ ኩሉ ዝጅምር


ተጀመረ ከጸለ’ውን
ብሰሓቕን ብሓጐስን
ንግደፍን ተመለስን
እዝኒ ዕጽው ልቢ ድፍን


ዝቐጸለ ምስ ገስገሰ
ነገር ኩሉ ምስ በዝሐ
ከም ምጅማሩን ምቕጻሉን
ንምልቃቑ ኣይቀሊልን

ይገድድ እንበር ኣይዝሕልን
ይኣስር እንበር ኣይፈትሕን
ይቖጻጽር ኩለንተናኻ
ግዙኡ ትኸውን ከይፈተኻ
ምስ’ዚ ሓጢኣት እንታይ ኣሎካ
ኣረኣእያኻ ኣነጺርካ
ኣይትቕረቦ ከይኣስረካ!!

1 comments

አምላክ ይባርካ እርሚ ሓወይ.
Other Poem