ግብረ መልሲ ሃና 2ይ ክፋል

Posted on 2012-01-08 · 1633 · 0 · 0

32 resources uploaded

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ግብረ-መልሲ ሃና ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ሃና ገለ ገለ ነጥብታት ርኢና ኔርና። ንምዝኽካር ግብረ መልሲ ሃና ንኤልቃና፣ ኣብቲ ኢልቃና ንሃና ኣነ ጸግዒ ክዀነኪ ይኽእል እየ ብምባል ኣብ ዝተዛረበላ እዋን ሃና ግና ክንዮ ምጽንናዕን ደገፍን ኢልቃና ኣምላኻዊ ዝዀነ ነገር ትብህግን ትደልን ከም ዝነበረትን በዚ ዘረባ ኢልቃና ከይተደዓዓሰት እቲ ኣብ ልባ ዘሎ ናብ ኣምላኽ ከም ዘፍሰሰት ርኢና ካብዚ ድማ ንሕና እውን ፍጹም ውሕሰትን ዕጋበትን ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎ ኣሚኒና ስድራ ብምልኣ ኣብ ኣምላኽ ክትጽጋዕ ይግባእ። ከምኡ ድማ ግብረ መስሊ ሃና ኣብ ልዕልሊ እታ ተባጭወላ ዝነበረት ጰኒና እንታይ ከም ዝመስል ሪኢና። ምንም እኳ ምብጫው ጰኒና ኣዚዩ ሕስምን ልቢ ዝሰብርን እንተ ነበረ ሃና ጉዳያ ኩሉ ምስኣ ምጭቕጫቕን ምብኣስን ዘይኰነ ምስ ኣምላኽ ከም ዝገበረት ርኢና። ንሕና እውን ግብረ መልስና ምስቲ ምረት ዝፈጥርልና ዘሎ ክንበኣስን ክንጋፈጥን ዘይኰነስ ኩሉ ሳዕ የዒንትና ናብ ኣምላኽ ክንገብር ክንመሃር ይግባእ ኢልና።
ካልእ ድማ ግብረ መልሲ ሃና ኣብ ልዕሊ ኤሊ እንታይ ከምዝመስል ርኢና ኔርና። ሃና ኣብቲ መንፈሳዊ ሃዋህ ዝወደቐሉ እዋን እያ ትነብር ዝነበረት፣ ንባዕሉ እቲ ዝነበረ ካህንን ስድርኡን ተዀነ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም መስመር ቑኑዕ ኣይኰነን ኔሩ። ኣብ እዋን ጸሎት ሃና እንተ ዀነ ኢሊ ንሃና ከም ስኽርቲ ከም ጓል ቢልያል እዩ ርእይዋ። እዚ ኹሉ ተደሚሩ ንሃና ናብ ቤት መቕደስ ከይትኸይድ እኹሉ ምኽንያት እኳ እንተ ነበረ ግና ግብረ መልሳ ኣወንታዊ እምበር ኣሉታዊ ኣይነበረን ንስልጣን ምግዛእ ትፈልጥ ኔረ በረኸት ድማ ዓጺዳ። ካብዚ ድማ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ኩነታት ናይ ሰባት ካብ ኣምላኽ ከርሕቐናን ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ራእይ ከቕህሞ ከም ዘይግባእ ርኢና ብተወሳኺ እውን ኣብ ነሕድሕድና ንገዛዛእ ኣምላኽ ክንገዛዛእ ስለ ዝኣዘዘና እምበር ኣብ ባህሪ ተሞርኪስና ከም ዘይኰነ ርኢና። ሕጂ ድማ ክንቅጽል ኢና ሓቢርና ንከታተል።
1 ግብሪ መልሲ ሃና ኣብ ልዕሊ ኩነታታ
ከምቲ ደጋጊምና ዝገለጽናዮ ሃና ዝነበራ ብድሆ እምብዛ ዓቢ እዩ ኔሩ። እቲ ትሓልፎ ዝነበረት ኩነታት ኣምላኽ ክትሓልፎ ዝሓንጸጾ ጐደና ስለ ዝነበረ ቀሊል ኣይነበረን ቃንዛ ሃና ኣብ ርእሲ ዘለዋ ተወሳኺ ናይ እታ መጻርታት ፈተና ቐሊል ኣይነበረን፣ ኣብዚ ከምዚ እዋን ዘሎ ሃዋህው ተስፋ ምቑራጽ ቀሊል ኣይኰነን። ሰይጣን ድማ ነዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣፍደገ ተጠቂሙ ዝመጾ ምንዋጽ ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኰነን። ሃና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ኩነታት ግብረ መልሳ እንታይ እዩ ኔሩ እንድ ሕር ኢልና ንኣምላኽ ምእማን ኣብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ንስሙ ምጽዋዕ እዩ። ኩነታት ዊሒጥዋ ንድሕሪት ተመሊሳ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ እስራኤል ኣይጐሮምረመትን። ሎሚ ከም ቤተሰብ እንተ ብዉሑዱ ወይ ብብዙሑ ብዝተፈላለየ ጐደና ህይወት ንሕልፍ ኣሎና። ግብረመልስና ኣብ ልዕሊ እዚ እንታይ እዩ? ኣምላኽ በቲ ዝህበና ጸጋ ነቲ ዝገጠምና ኩነታት ገጢምና ብኡከይተሰነፍና ልዕሊኡ ወጺና ቀረብኡ ኰይና ኣብ ስሙ ክንዕቆብ እምበር ንድሕሪት ክንምለስ ካብቲ ዘዳለወልና በረኸት ክንርሕቕ ኣይደልን እዩ፣ ነዚ እዩ ጸሓፊ ናይ እብራውያን “ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።” እብ 10፣38-39 ይብለና ኣርኣእያና ኣብ ልዕሊ ዝገጥመና ዝዀነ ዓይነት ኩነተ ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ ክኸውን ከሎ እዩ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ንኽሉ ይኽእሎ እየ ዝበለ ክንብል እንኽእል።
ኣምላኽ ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ዘሕልፈና ኩነታት ኣሎ እዩ ግናከ ንምጥፋእና ዘይኰነስ ንምልማዕናን ንኽብሪ ኣምላኽን እዩ። ኣምላኽ ማህጸን ሃና ክዓጹ ከሎ ንስቓይ ሃና ዘይኰነስ እምብዛ ናብኡ ቐሪባ ሳሚኤል እቲ ዓቢ ንምድሓን እስራኤል ዝዀነ ሰብ ክውለድ ስለ ዝደለየ እዩ። ኣምላኽ ንሓደ ነገር ቐልጢፍ ዘይህበና ስለ ዝጸላኣና ወይ ከሳቕየና ስለ ዝደለየ ዘይኰነስ ኣብዚሑን ኣብሊጹን ክህበና ስለ ዝደለየ እዩ። ስለዚ ኩነታት ኩሉ ናብ ኣምላኽ ከቕርብና ዝመጸ መሳልል ምኻኑ ኣይንረስዕ። ኣብ መዝሙር ዳዊት 107 ካብ 16-20 ከምዚ ይብል ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዔ፣ ኵሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ። ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለአኸ፣ ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ። ነእጋሩ ብመቝሕ ሳቐዩ፣ ነፍሱ ኣብ ሓጺን አተወት። ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፣ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፣ ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ ኣውጽኦ።” እምብኣር ኣምላኽ ናብ ግብጺ ጥሜት ዝጸውዐ ዕላማ እዩ ንሱ ድማ እቲ ንምድሓን እስርኤል ዝኰነ ዮሴፍ መታን ክትንስእ። ማህጸን ሃና ዝዓጸወ ድማ እቲ ዓቢ ነቢዪ ሳምኤል መታን ክትንስእ። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ቤትናን ሓዳርናን ዝተዓጽወ ዘበለ ኹሉ ንኽብረት ምኻኑ ኣይንረስዕ።
ኣብ ልዕሊ ዝገጥመና ዘበለ ኩነታት ኩሉ ዘሎና ኣረኣእያን ኣጠማምታን ንዓወትና ወሳኒ እዩ፣ ኩሉ ግዜ ከምቲ ኣምላኽ ዝብለና እምብር እቲ ዝገጥመና ኩነት ኩሉ ናይ መወዳእታ ዕጫ ህይወትና ከም ዘይከነ ክንፈልጥ ሰናይ እዩ። ንኣብነት ኣብቲ ሙሴ ንደቂ ኣስራኤል መሪሒዎም ኣብ ዝከይድ ዝነብረ እዋን ብፍላይ ነታ ክወርስዋ ዘለውም ምድሪ ክስልይ ስለይቲ ምስ ስደደ እቶም ስለይቲ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ክልተ ኣንጻራዊ እዩ ኔሩ። እትም ክልተ እያሱን ካሌብን ኩነታት ምስ ኣምላኽ ከሰማምዕዎ ከለዉ እቶም ዝትረፉ 10 ግና ንኩነታት ካብ ኣምላኽ ፈልዮም ኣዮም ርእዮሞ ኣቲ ዝረኸቦም ድማ ከም ኣረኣኣያኦም ከነ። ሎሚ ኣወንታዊ ኣትሓሳስብ ምምዕባል ኣይከነን ኣቲ መፍትሒ ወይ ድማ ንዝደለኻዮ ንምርካብ ይእውጅ ኣለኹ እናበልካ ምዛር ኣይኰነን ዘድሊ እንታይ ድኣ ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዒካ ንቓሉ ኣሚንካ ንኹነታትካ ብዓይኒ ኣምላኽ ግብሪ መልሲ ምሃብ እዩ። ድሌት ኣምላኽ ኣውን እዚ እዩ።


2 ግብረ መልሲ ሃና ኣብ ጸሎታ
ጸሎት ሃና ብዕሙቀት እንተ መርሚርናዮ እንተ ኣስተውዒልናዮ ኣዚዩ ዘደንጹ ነገር ኢና ንረክብ። ሃና ጸሎታ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ንኣምላኽ ዘኽብር እዩ ኔሩ። ከምቲ ዝገለጽናዮ። ሃና ብሰንኪ ዘይምውላዳ ዝነበራ ብድሆ ቀሊል ኣይኰነን። ብፍላይ እታ መጻርርታን ካላኦትን ብዘይምውላዳ ዘባጭዉላ ዝነበሩ ሰባት ክሳብ ክንደይ ምረት ህያወታ ከም ዝነበሩ ፉሉጡ እዩ። ብዙሕ ግዜ ድማ ሰብ ነቲ መጻርርቱ ከሕርቕን ሕነ ክፈድን ብዝሑ እዩ ዝጋደል። ሃና ድማ ከም ማንም ሰብ ደሓን ኣምላኽ ዉላድ ኣንተ ሂቡኒ እኰ ነቶም ዘናሽውኒ ዘለዉ ከርእዮም እየ ኣይበለትን ወይ ድማ ጸሎታ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዘተኰረ ኣይነበረን። እቲ ዘገርም ክትጽሊ ኸላ “ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኲሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።” ይብለና ዘገርም ጸሎት። ጸሎታ ምስ ኣምላኽ ዝተታሓሐዛ እምበር ምስ ገዛእ ርእሳ ዝተተሓሓዘ ኣየነበረን።
ካብቲ ሓደ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቕቡሉ ዘይኰነሉ ምኽንያት እንጽልዮ ጸሎት ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ሰባትን ዝተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ እዩ። እቲ እንጽልዮ ጸሎት ንኣምላኽ ክብሪ ክሳብ ዘይሃበ ግዜ ተመሊሱ ዝጐድኣናን ዘሳቕየናን እዩ ዝኸውን። ሃና ብምረት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘሳቕይዋ ከም እኒ ጳኒናን ካልኦት ዝኣመሰሉ ሰባት ሕነ ኽፈድየላ ክትጽሊ ይከኣል ኔሩ ኣይገበሮትን። ካልእ ድማ ኣምላኽ ዉሉድ ክህባ እሞ ንጸላእታ ኣፎም ከተትሕዞም ኣይጸለየትን። እቲ ዘገርም ዋላ እቲ ኣምላኽ ዝህባ ዉላድ ንዓኣ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ከም እትውፍዮ ንኽብሩ ከም ዝኸውን እያ ጸሊያ። እዚ ኣምላኽ ዘፈትዎ ጸሎት እዩ። ሃዋራያ የውሃንስ ነዚ ከምዚኣቶም ዝኣመስሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝጽልዩ ሰባት ክጽሕፈሎም ከሎ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮው 5፣14-15 ስለዚ ጸሎትና ኹሉ ከም ሃና ንኽብሪ ኣምላኽ ይኹን።
ካልእ ጸሎት ሃና ብእምነት ልዕሊ ኩነታት እዩ ዝንበረ። ንኣምላኽ ኣሚና እያ። ግብረ መልሲ ሃና ኣብ ልዕሊ ጸሎታ ናይ እምነት ከም ዝነበረ ድሕሪ ጸሎታ ምውድኣ ዝነበራ ኩነታት ምስክር እዩ። “እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዔትውን፡ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጒህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።” እቲ ኽብደት እቲ ጾር እቲ ጭንቂ እቲ ስቓይ ናብ እግሪ ኣምላኽ ምስ ደርበየቶ እፎይ ኢላ። ተመሊሳ ብጾራ ክትግሁን ክትርበሽን ኣይተራእየትን እዚ እዩ እምነት። ሃና ንሳሚኤል ምስ ረኸበት ዘይኰነት ከምዚ ዝዓይነቱ ሃዋህው ዘርኣይትሲ ገና ሳምኤል ከይመጸ ከሎ እያ ኣብ ኣምላኽ መልሲ ከም ዘሎ ኣሚና። ነዚ እዩ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እቶም ከይረኣዩ ዝኣምኑ ብጹኣት እዮም ዝበለ። ኣቦና ኣብርሃም ንጽድቂ ዝተቖጸረሉ እምነት ከምዚ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ። ኣምላኽ ንጸሎትና ከም ዘይንዕቖ ፈሊጥና ክሳብ እቲ ንሱ ንጸሎትና ግብረ መልሲ ዝህቦ ንሕና ግብረ መልስና ንዕኡ ምእማን ክኸውን ይግብኦ። እምነት ማለት ከኣ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣሚንካ ዓስብኻ ከም ዝህበካ ምፍላጥ እዩ ጸሓፊ ናይ እብራውያን ነዚ ከረጋግጸልና ከሎ “እምነት ግና ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ ኣሎና። ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።” ሎሚ ኣብ ውሽጢ ቤትና ስድራና እንጽልዮ ጸሎት ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽን ንምስፋሕ መንግስቱን ንምንቕቓሕን ክኸውን ይግባእ ኣምላኽ ይደግፈና።
ግብረ መልሲ ሃና ንኣምላኽ
ሃና እቲ ልማኖ ልባ ካብ ኣምላኽ ምስ ረኸበት ነቲ ዝረኸበቶ ህያብ ተመሊሳ ንኣምላኽ እያ ሂባቶ። ሃና ድሌት ልባ ምስ ረኸበት ንኣምላኽ ሰማይ ኣይረሳዓቶን። ዘለዋ ዘበለ ዝረኸበቶ ዘበለ ኹሉ ካብ ኣምላኽ እዩ እሞ ንኣምላኽ ጥራይ ክኸውን ይግባእ እዩ ብምባል ንጐይታ ደጊማ ኣረኪባቶ። ነቲ ብጸሎት ዝተረኸበ ሳሚኤል ንኣምላኽ ክኸውን ወፍያቶ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ዘመን ህይወቱ ኹሉ ንኽብሩን ንህዝቡን ተጠቂሙሉ ሓሊፉ። ሎሚ ከም ቤተሰብ ግብረ መልስና ንኣምላኽ ከመይን እንታይ እዩ? ቓል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “ኩሉ ብእኡ ዀነ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ብዘይብኡ ዝዀአ የሎን ይብልና”። ሰናይነት ኣምላኽ ኣብ ገዛና ክበዝሕ ከሎ ጸሎትና ብድንቂ ክምለስ ከሎ ንሕና ተሓጊስና ብሓጐስ ክንመላለስ ጥራይ ዘይኰናስ ሓለፍኡ ገዛእ ህይወትናን ሓዳርናን ንኣምላኽ ወፊና ክንመላለስ እዩ ፍቓዱ።
እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ንገዛእ ርእስና ምጥቃምና ሓጥያት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ዳዊት ሓደ ግዜ ንቤት መቕደስ ዘስርሕ ዘበለ ናዉቲ ኩሉ ካብ ዘለዎ ብምልኣት ንኣምላኽ ምስ ወፈየ ዝጸለዮ ሓደ ጉሩም ዝዀነ ጸሎት ኣሎ ከምዚ ድማ ይብል “ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘላ ማሕበር ንእግዚኣብሄር ባረኾ፡ በለ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን። ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ። ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዚመጻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ፡ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽብር ስምካውን ንውድሶ ኣሎና። ከምቲ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኲሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ? እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም? ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኲሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና፡ ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት እየን፡ ዚነብር ከኣ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘሎና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ እዩ፡ ኲሉ ኸኣ ናትካ እዩ።” እዚ ናይ ዳዊት ምእማን ክንእመን ኣምላኽ ኰታ ንልብና እንተ ዝድግፍ። ናትና እንብሎ ዘይብልና ምኻኑ ከም ሃናን ዳዊትን ተኣሚና ናብ ኣምላኽ ከነቕርቦ ከሎና እዩ ኣምላኽ ዝጥቀመልና።
ካልእ ግብረ መልሲ ሃና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ምስጋና እዩ ኔሩ። ንኣምላኽ ሃበኒ ኢልካ ምልማን ይከኣል እዩ ምስ ሃበካ ውዕለቱ ዘኪርካ ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ክትድፋእ ግና ዓቢ ጸጋ እዩ። ሃና እቲ ካብ ኣምላኽ ክትረኽቦ ዘለዋ ነገር ምስ ረኸበት ንኣምላኽ ምምስጋን እምበር ናብ እኒ ጰኒና ኸይዳ ረኣያኒ ረኣያኒ ኢላ ሓፍ ሓፍ ኣይበለትን ነዚ እያ ኣብቲ ኻልኣይ ምዕራፍ ናይ ቀዳማይ ሳሚኤል “ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፡ ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ ኣሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ ኣሎ” ኣምላኽ እቲ ዘመስግነኒ የኽብረኒ ኢሉ ኣሎ እሞ ውዕለት ኣምላኽ ካብ ምንጋር ድሕር ኣይንበል። ሓደ ጊዜ ጐይታ የሱስ ዓሰርተ ለምጻማት ተጋነፍዎ እሞ ዎ የሱስ መሓረና በልዎ። “ንሱ ርእይዎም፡ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ። በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ። ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመልሰ። እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። የሱስ ግና፡ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፡ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እትመልሰዶ የልቦን፧ ኢሉ መለሰ። ደሓር ከኣ፡ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።”ሉቃስ 17፣15-19 እምብኣር ንሕናኸ ድሕሪ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ግብረመልስና እንታይ እዩ?
ግብረ መልሲ ሃና እዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ነጥብታት ይመስል ግብረ መልስና ኣብ ኩነታትና ንኣምላኽ ምእማን ይኹን ግብረ መልስና ኣብ ጸሎት ንኣምላኽ ንምኽባር ይኹን ግብረ መስልና ንኣምላኽ ምስጋና ይኹን ኣምላኽ ብኹሉ ነገር ይደግፈና።



0 comments
Other Article