ፓፓጋሎ

Posted on 2014-08-15 · 1573 · 0 · 1

33 resources uploaded

ሓደ እዋን፡ ሓደ ፓፓጋሎ ዝነበሮ ነጋዳይ ነበረ። እቲ ነጋዳይ ነቲ ፓፓጋሎኡ እምብዛ ይፈትዎ ነበረ። ከይከስሮ ድማ ብዙሕ ይጥንቀቕን ይፈርህን ነበረ። እቲ ፓፓጋሎ ኵሉ ሳዕ ኣብታ ጽብቕቲ ጋብያኡ ይቕመጥ ነበረ። ኣብታ ጋብያኡ ኮፍ ምስ በለ፣ ምንቕ ኣይብልንን ኣይነፍርንን ነበረ።

እቲ ነጋዳይ፡ ንግዳዊ ጉዳዩ ንኸሰላስል ንሃገረ ህንዲ ክኸይድ ደለየ። ንብጮቱን መቕርብኡን ምስ ኣዕለሎም፣ ንእግረ-መንገዱ ዝዀነ ኣቅሑት ክማልኣሎም ሓተትዎ። እቲ ነጋዳይ ድማ፡ ኵሉ ዝበልዎ ክማልኣሎም ምዃኑ ቃል ኣተወሎም።
ነቲ ፓፓጋልኡ ድማ ከምዚ በሎ፡ “ጽባሕ ንግሆ፡ ብጊሓቱ ንህንዲ ክኸይድ እንድየ፣ ኵሎም እዞም መቝርሰይን ኣዝማደይን ዘዝደለይዎ ንብረት ክማልኣሎም ነጊሮምኒ ኣለዉ። ዝያዳ ዅላቶም ግን ንዓኻ እንድየ ዝፈቱ፣ ዝበልካዮ ክዕድገልካ’የ እሞ፣ እንታይ ከም ትደሊ ንገረኒ፡” በሎ።

“ብዙሕ እኳ ኣየሸግረካን እየ። ኣብ ቅድሜኻ ሞጐስ እንተ ረኺበሲ ሓደ ነገር ክትገብረለይ ክሓተካ’የ።”

“ንኻልኦት ከማን ይገብረሎም ኣለኹ፣ ንዓኻ ደኣ ዝበልካዮ! ግድን’ምበር!”
“ናብ ሓደ ጫካ ክትከደለይ ኢኻ። ኵሎም ፈተውተይን ኣዝማደይን ኣብኡ እዮም ዝነብሩ። “ሐራይ ከምኡ ክገብር እየ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ’ሞ እንታይ እየ ክገብር፧”
“ከይድካ ሰላም በለለይን ከመይ ከም ዘለኹ ንገረለይን።“

እቲ ነጋዳይ ንህንዲ ከደ። ንግዳዊ ዕዮኡ ድማ ፈጸመ። ኵሉ እቲ ኣኽዓየታቱ ዝበልዎ ኣቅሑት ሸማሚቱ ድማ ኣብ ምምላሱ ናብቲ ጫካ ከደ። ህንዲ ክትበሃል ከላ፣ ኣዝያ ዓባይ ሃገር እያ። ነቲ እተባህሎ ጫካ ንኽረኽቦ ቍሩብ በርትዖ። ሃለው ኢሉ ድማ ድሕሪ ገለ ጕዕዞ ረኸቦ። ክንደይ ከልበትበት ምስ በለን ምስ ደኸመን ብዙሕ ገንዘብ ምስ ኣጥፍአን እዩ ክረኸቦ ዝኸኣለ።

እቲ ነጋዳይ ነዚ ከመይ ዝበለ ጫካ ምስ ረኣየ፣ ተዓዚሙ ደው በለ። ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ቀጠልያ ዓብይ ክፍሊ ዝኣተወ ኰይኑ ተሰምዖ። እታ ክፍሊ ብምዑዛት ዜማታት ዝመልአት ነበረት። እቲ ሙዚቃ ካብተን ኣብቲ ጫካ ዝነበራ ኣዕዋፍ ይነዝዕ ዘበረ። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለወን፡ ቀያሕቲ፡ ሓምራውያን፡ ብጫውያንን ብርቱኳናውያንን ዝሕብረን ነበራ። ኣብቲ ጨናፍር ኣግራብ ድማ ይዓልባን ካብኡ ይነፍራን ነበራ። ድኽም ይብላ እሞ፣ ኣብቲ ጨናፍር ኣግራብ ዕልብ ይብላን የዕርፋን ነበራ። እተን ኣዕዋፍ ኵሉ ግዜ ይዝምራ ነበራ። መዝሙር ዓወት ድማ ይዝምራ ነበራ።

“ሕጂ ግርም! ወዮ ጫካ ረኺበዮ። ኣብቲ ልክዕ ቦታ እየ መጺአ ዘለኹ፡” በለ እቲ ነጋዳይ።
እተን ኣዕዋፍ ተቐዳዲመን፡ “መን ኢኻ፧ መን ኢኻ፧” ኢለን ሓተታኦ።
“ኣነዶ፡ ንፓፓጋሎ ትኽ-ትንፋስ ዓርኩ እየ፡” በለን።
“እንቋዕ ደሓን መጻእካ! ዘመድና እሞ ከመይ ኣሎ፧”
“ጽቡቕ ኣሎ። እነሀለክን ጸጽቡቑ እናበልዐ፣ ኣይመለለኽንኦን ከማን። ክንዲ ጣዕዋ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ማዩ ድዩ መግቡ ኵሉ ብጽፈት እዩ ዝግበረሉ።”
“ሕንቋዕ ከምኡ ኰነ!! ኣሰይ ሕንቋዕ ከምኡ ኰነ። እስከ ቀጽል ንገረና፣ ጥዕናኡስ ከመይ ኣሎ፧ ከመይ ዲና እንናፍቆ መስለካ።”
“ሓቅኽን! ከመይ በዓል ልቦና’ኸ መስለክን። ብዛዕባ ጋብያኡ ‘ተዛሪብና’ሞ፣ ይበል እዩ ዘብል። ከምኡ ዓይነት ጋብያ በፍጹም የልቦን።” እተን ኣዕዋፍ ብእኩብ፡ “ጋብያ ዲኻ ዝበልካ በላ፧” “እወ ጋብያ። እንታይ ደኣ ኴንክን፧ ርኢኽን ኣለኽን ነዚ ፓፓጋሎይ ክኸስሮ ኣይደልን እየ እኮ። ሓለፋይ ዝከናኸኖን ዘፍቅሮን ድማ የልቦን በለን። በሪሩ ቢቢብ ኢሉ ከይጠፍ ኣኒ ኢለ እየ እኮ ከምኡ ገይረሉ በለን። ከምዚ ምስ በለ፡ ኣብቲ ጫካ ጸጥታ ሰፈነን፣ እቲ ነጋዳይ ድማ እንታይ እየ ዝኸውን ዘለኹ በለን። ኣይጸንሐን ዓብይ ልቕሶን ዋይዋይታን ኰነ።

ነቲ ነጋዳይ ፍርሒ ተነዝሖን ዝገብሮ ጠፍኦን፡ ከባቢኡ ቁሊሕሊሕ በለ። ሃንደበት ኵለን እተን ኣዕዋፍ ካብቲ ዝነበርኦ ጥብ በላን ከም ምዉት ዝርግሕ በላን። ወላ ሓንቲ ዑፍ`ኳ ኣብቲ ገረብ ዝተረፈት ኣይነበረትን፣ ኵለን ደኣ ኣብዛ ምድረን ወደቓ ኣኒ ኢለ እየ እኮ ከምኡ ገይረሉ፡” በለን። ከምዚ ምስ በለ፡ ኣብቲ ጫካ ጸጥታ ሰፈነ፣ እቲ ነጋዳይ ድማ፡ “እንታይ እየ ዝኸውን ዘለኹ፧” በለ። ኣይጸንሐን ዓብይ ልቕሶን ዋይዋይታን ኰነ።

ነቲ ነጋዳይ ፍርሒ ተነዝሖን ዝገብሮ ጠፍኦን። ከባቢኡ ቁሊሕሊሕ በለ። ሃንደበት ኵለን እተን ኣዕዋፍ ካብቲ ዝነበርኦ ጥብ በላን ከም ምዉት ዝርግሕ በላን። ወላ ሓንቲ ዑፍ`ኳ ኣብቲ ገረብ ዝተረፈት ኣይነበረትን፣ ኵለን ደኣ ኣብዛ ምድረን ወደቓ።

እቲ ነጋዳይ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ፣ ናይ ልቡ ጐየየ። ካብቲ ጫካ ብደሓን ምስ ወጸ ድማ ንፈጣሪኡ ኣመስገነ። ከይወዓለ ከይሓደረ ድማ ናብ ዓዱ ተመልሰ። ብቐዳምነት፡ ንብጾቱ ኵሉ እቲ ከምጽኣሎም ዝነገርዎ ሃቦምን ብዙሕ ኣመስገንዎን። ዝሰዓበ ጕዕዞ ናብ ገዝኡ ነበረ። ኣብ መገዲ ንገዝኡ እናኸደ ብዙሕ ሓሳባት መጽዎ። “ሕጂስ ነዚ ፓፓጋሎይሲ እንታይ እየ ክብሎ፧ ሓቂ እንተ ነጊረዮ ድማ ክስንብድ እዩ። እንታይ ተገበርኩ ደኣ ይሕሸኒ፧” በዝን ወድኸምዝን ድማ ብዙሕ ተጨነቐ። ገዛ ምስ ኣተወ፣ ንፓፓጋሎኡ ሰላም በሎ። ከመይ ከም ዝቐነየ ድማ ሓተቶ።
“እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ጽቡቕ ቀንየ። መገሻ ከመይ ነይሩ፧ ተሳኺዑልካዶ፧ ኣዝማደይከ ረኺብካዮምዶ፧”
ነጋዳይ ዝብሎ ጠፍኦ። ዝወለደት ትውለድ ኢሉ፡ “እወ ኵሉ ጽቡቕ ነይሩ። ኣዝማድካ ድማ ረኺበየን፣ እተን ኣንስቲ እየን ጸኒሐናኒ፣ እቶም ሰብኡት ግዲ ወፊሮም ነይሮም ኣይረኸብኩዎምን።”
“ጽቡቅ! እሞ ከመይ ኣለዋ፧ መዝሙር ዘሚረናልካዶ፧ እንታይ እንታይ ደኣ በላኻ፧
“ኵሉ ነጊረየን። ኣብ መጀመርታ ተሓጕሰን ሰሚዐናኒ። ብድሕሪ’ኡ ግን. . .እ እ እ።” ፓፓጋሎ፡ “እዋእ! በጃኻ ንገረኒ፧ ኣይደሓንናን ዲና፧ ኣይተጨንቐኒ፡” በሎ።
“ኵሉ ኣዕሊለየን ብታሕጓስ ከምዛ ዘይሰምዓኒ፣ ብዛዕባ ጋብያኻ ምስ ኣዕለልክወን ግን ኣብዛ ምድረን ጥብ ኢለን።”

እቲ ፓፓጋሎ ሃንደበት ንሱ ውን ኣብቲ ጋብያኡ ወደቐ። እቲ ነጋዳይ ድማ ብስንባደ ዝገብሮ ጠፍኦ። ወዮ ነጋዳይ እንታይ ረኺብዎ ኢሉ፡ ነታ ጋብያ ከፊቱ ኣብ ኢዱ ምስ ሓቆፎ፣ ፓፓጋሎ ካብ ኢዱ ሞሊቑ፣ ብመስኮት ነፊሩ ንግዳም ሃደመ። ኣብ ኣፍደገ እቲ ገዛ ዝነበረት ገረብ ኣብኣ ኮፍ ኢሉ ድማ፣ ነቲ ዓምኡ ከምዚ በሎ፡ “የቐንየለይ ዝዓርከይ።”

እቲ ፓፓጋሎ ኣብኡ ኰይኑ መዝሙር ዓወት ዘመረ። ሓይሉ ተሓደሰን ደስታ ሰነቐን። እቲ ነጋዳይ ሓደ ነገር ተረድአ። መግቢ ይሃልኻ፣ ጽቡቅ ቤት ይሃልኻ፣ ብዘይ ነጻነት ኵሉ ከንቱ ምዃኑ።
እስሩቤት ወላ ብዙሃራት ዝተለበጠ ይዅን፣ እስርቤት ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። ኣምላኽ ብሓርነት ክንመላለስ ኢሉ እዩ፣ ብ ክርስቶስ የሱስ ካብ እስርቤትን ኣርዑትን ሓጢኣት ሓራ ዘውጽኣና። ክርስቶስ ሓራ ክንከውን ኢሉ እዩ ሓርነት ሂቡና፣ ስለዚ ብሓርነት ክንመላለስ ኣለና። ተመሊስና ናብ ሓጥያት ክንጥለቕን በርዑት ባርነት ክንቍረንን የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፡ ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፣ መፈንጠራ ተበትከ፣ ንሕናውን ኣምለጥና። መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 124 ጥቅሲ 7

እዛ ጽውጽዋይ እዚኣ እዚኣ ካብ ብቋንቋ ሽወደን እተጻሕፈት sagor från andra länder እትብል መጽሓፍ እተተርጐመት እያ።

1 comments

ኣሜን ነዚ ሓርነት ዝህበና ቅዱስ ኣምላኽና ይባረኽ።
Other Article