ቅኑዕ ሕልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ

Posted on 2012-01-12 · 1706 · 0 · 3

9 resources uploaded

ዕሩብ ሕልና! እዚ ኣባሃህላ እዚ ንክትሰምዖ ኮነ ንክትዛረቦ ኣዝዩ ዘስኻሕክሕ ኣባሃህላ እዩ። ይኹን እምበር ብዙሕ እዋን ሕልና ክዓርብ ንርኢ ኢና። ሕልና ነቲ ኣብ መነባብሮን ህይወትናን ዘሎ ቅኑዕን ጌጋ ዝመሚ ክፋል መንፈስና እዩ። ኣብ ናብራና መብዛሕትና እቲ ዓንቒጹ ሒዙና ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ምፍላይ ተሳኢንና፣ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ተሸጊሩና ዘሎ ሰባት ምዃንና እዩ። ብርግጽ ቅኑዕን ጌጋን ክንፈልን ክንመምን’ውን እንኽእል ሰባት ክንኸውን ንኽእል ኢና፣ ግና እቲ ዝመመናዮ ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ?

ሓደ ካብቲ ናብቲ እግዚኣብሄር ክንበጽሖ ዝሃበና ነገር ከይንበጽሕ ዝገብረና ዘሎ ነገር፣ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብዘይ ምልላይ እዩ። ብልኽዕ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፣ ተባሂልና እንተ ንሕተት ከምዝን ከምትን ምበልና። ገለ ገሌና ድማ ቃል ኣምላኽ እዩ ምበልና፣ ገለ ገሌና ድማ እዚ፣ ከምዚ ምበልና፣ ኩሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግና ናይ ነፍሲ ወከፍና ሕቶ ንምምላስ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ? ፍቓድ ኣምላኽ ብልኽዕ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ኮይኑ ግና ቃል ኣምላኽ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ኩሉ ፍቓድ ኣምላክ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝርኸብን ዝምህር ውዱእ ምኽርን ሓሳብ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ዝጽበዮን ዝደልዮን ነገር ነቲ ንሱ ዝመደቦ ፍቓዱ ተፈጺሙን ነፍሲ ወከፍ ድማ ነዚ ፍቓድ እንዳ ፈጸመ ክነብርን ክመላለስን እዩ። ነዚ ዝተዋህበና ናይ ኣምላኽ መገዲ ግና ንክንረኽቦ እንሽገር ዘሎና ሰባት ኢና። እምበኣር እግዚኣብሄር ነዚ ነገር ዝኾነና ካብ መንነቱ ዝኾነ መንፈስ ብምኽፋል፣ ሓደ ካብ ካልእ ፍጥረታት ዝፈልየና ብሉጽ ክፋል ምሳና ንኽፍጠር ገይርዎ ኣሎ። እዚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣቀሚጥዎ ዘሎ መንፈስ፣ ሕልና ዝብሃል ክፋል ገይርሉ ኣሎ። ሰብ ብርግጽ ዝተፈላለየ ክፋል ዝሓዘ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ፣ መንፈስ፣ ነፍሲን ስጋን ዝሓዘ ፍጥረት እዩ። ኣብ መንፈስ ሰብ ድማ፣ ሕልና፣ ድሪኺትን ሕብረት ምስ ኣምላኽ ዝደልዩ ክፋላት ዝሓዘ እዩ። ሕብረትና ምስ እግዚኣብሄር ንዘሎና ናይ ኣምላኽን ናይ ውሉድን ጥምረት ዝቆጻጸርን ዝደልዮን እዩ፣ ድሪኺት ድማ ነቲ ካብ ውሽጥና ንገለ መንፈሳዊ ነገር ክንገብር ዝገብረና ናይ ድሪኺት መንፈስ እዩ፣ እንተ እቲ ሕልና ግና ንክፋእን ንጽቡቕን ዝፈሊ ናይ መንፈስና ክፋል እዩ። ካብቲ ኣግዚኣብሄር ዝሃበና ዓቢ ክፋል ድማ እዚ ሕልና እዩ።

ስለዚ ሰብ ሕማቕ ካብ ጽቡቅ ምፍላይ ስኢነ፣ ኢሉ ዝማትኣሉን ኣይፈለጥኩን ኢሉ ምኽንያት ዘቅርበሉ ኩነት የለን። ንነፍሲ ወከፍ እዚ መንፈሳዊ ሕጊ ተዋሂብዎ ኣሎ። ስለዚ ፍቓድ ኣምላክ ንምፍላጥ፣ ኣብ ውሽጥና ሓደ ካብ ኣምላኽ ብምልኣት ዝጥቀመሉ እምበኣር ሕልና እዩ። ሕልና ከምቲ ዝተገልጸ ክፋል መንፈስና እዩ፣ ካብ ናይ ጌጋ መገዲ ዝመልስን ዝእርምን ነቲ ቕኑዕ መገዲ ዘርእይን ድማ እዩ። ነቲ ዘለናዮ ኩነተ ኣእምሮ’ውን ዘርኢ እዩ። ኣብ ሮሜ 9፣1 “ሕሊናይ ብመንፈስ ቕዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፣ …” ይብል፣ ጳውሎስ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ሕሊና ንመንፈሳዊ ነገር ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ብቀሊሉ ክንርዳኣ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ፣ ሕሊናና መሳልል መንፈሳዊ ምስክርናን ዕዮናን’ውን ስለዝኾነ። ሕልና ናይ ምኽሳስ ወይ ጌጋ እዩ ናይ ምባል ክእለት ዘለዎ እዩ። ግና እዚ ሕልና እዚ ክለምጽ፣ ማለት ነቲ ጌጋ ኣብ ዘይፈልጠሉ ደረጃ’ውን ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ሕልንኡ ዘጥፍአ ወይ ዘዕረበ ሰብ እምበኣር፣ ነቲ ቕኑዕን ጌጋን፣ ስርዓት ኣምላኽን መንፈሳዊ ሓሳብ ኣምላኽ ክርዳእ ግድን ክሽገር እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ግና ንሕልናን ይጥቀመሉ እዩ፣ ምኽንያቱ ከምቲ ቅድሚ ሕጊ ሰባት ብሕልናኦም ንናይ ኣምላኽ ሓሳብን ፍልጠትን ንክፈልጡ ዝኸኣሉ ከምኡ ድማ ንሕና ንሓሳብ ኣምላኽ ንምፍላይን ምፍላጥን ኣዝዩ ንጹህን ጽሩይን ሕልናን ከድልየና እዩ። በዚ ድማ እዩ ንጢሞቴዎስ ሰናይ ሕልና ንክህልዎ ዝተነግሮ፣ ንሱ ድማ ከምዚ ይብል፣ “እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ካብ ንጹህ ልቢ፣ ካብ ሰናይ ሕሊና…” (1 ጢሞ 1፣5)።

ስለዚ እዚ ሕልና ኣብ ህይወትና ኣብ እንገብሮ ኩሉ ነገር ክጠቕመናን ናብ ሓሳብ ኣምላኽ ክመርሓናን ግና ናትና ተራ ኣዝዩ ዓብይ እዩ። ሕልና ካብ ክፋእ እንተ ዓጊትካዮ፣ ናብ ቕኑዕ ነገር’ውን ክመርሓካ ኣለዎ። ኣብ ህይወት ውሳኔታትና እንጠራጠረሉን ዘይንውስነሉን ኣብ ሕልናና ጽቡቕ ምስክር ወይ ድማ ፍቓድ ኣምላክ ብዘይ ምርዳእና ክኸውን ይከኣል እዩ። እቲ ዝዓበየ ነገር ነቲ ዘሎ ዕንቅፋት ናይ ዘመንና ምስዓር እዩ፣ ካብ ናይ ጥርጥርን ዘይርጡብን ናብራን ምውጻእን፣ ፍቓድ ኣምላኽ ብምልላይ ክንመላለስ ምኽኣል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ፣ ኣብ ሮሜ 14ን 15ን ብዛዕባ ብርቱዕን ድኹምን ኣማኒ ዝብሃል ከም ዘሎ እዩ ዝምህሮም፣ ብእምነት ድኹም ኣማኒ ኣሎ፣ ብእምነት ከኣ ብርቱዕ ኣማኒ ኣሎ። ነቲ ብእምነት ድኹም ሓው ብዘይ ጥርጥር፣ ነቲ ብርቱዕ ሓው ክቕበሎ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ብምኽንያት ድኻሙ ናብ ዘይኣምላኻውን ሕማቕን ነገር ከምርሕ ይኽእል እዩ። ሎሚ እቲ ድኹም ነቲ ብርቱዕ፣ እዚ ድማ ንኣምላኽ ፈሊጠ እንዳበለ ኣብ ሕማቕ ህይወት እንድዩ ዝነብር ዘሎ፣ ክብል ኣይተፈቕደሉን። እዃ ደኣ ድኻም ብርታዔ እቲ ብርቱዕ ሓዉ ብርታዔኡ ምዃኑ ተረዲኡ፣ ከፋጥኖ እዩ ዝግባእ። እቲ ብርቱዕ ድማ ድኻም እቲ ድኹም ክጸውር እምበር፣ ክፈርዶን ክኹንኖን የብሉን። ምኽንያቱ ኣምላኽ እዩ እቲ ዘጽድቕ፣ ኣምላኽ እዩ ድማ እቲ ዝኹንን። ሎሚ ግና ድኻም ኣሕዋትና ካብ ምጻር፣ ብብርታዔና ተነፊሕና ኣብ መፈንጥራ ጸላኢ ኢና እንነብር ዘሎና።

እዚ ክልቲኡ ብንጹር መርኣያ ናይ ዝሞተ ሕልና እዩ። ነቲ ምስ ኣምላኽ ብምስምማዕ ክውስኖ ዘለዎ ሰኣን ምፍላጡ እዩ ናብዚ ኣምሪሑ። እቲ በቲ ጽቡቅ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ግና ካብ እምነት ዘይኮነ ዘበለ ኩሉ ድማ ሓጢኣት እዩ። ኣማኒ ኩሉ ነገር ብእምነት ካብ ጽቡቕ ሕልና ክገብሮ እዩ ተጸዊዑ፣ ንሕና ድማ ንነፍሲ ወከፍ እንገብሮ ዘበለ ነገር፣ ብእምነት፣ ማለት ንኣምላኽ ዘስምር፣ ብጽቡቕ ሕልና ማለት ዘይንክሰስሉን ትብዓት ዝህበናን፣ ነገር ጌርና ክንገብሮ ዝተጸዋዕና ኢና። ስለዚ ሎሚ እንገብሮ ዘበለ ኩሉ ነገር ካብ ክልቲኡ ወጻኢ፣ ማለት ካብ እምነትን ካብ ጽቡቕ ሕልናን ወጻኢ እንተኾይኑ ሓጢኣት እዩ። ኣምላኽ ዝደልየና ኩሉ ግዜ ምስ ሓሳቡ ኣስሚርና፣ ንኽብሩ ዝኸውን ነገር ክንገብር፣ ሕልናና ድማ ዕሩፍ ኮይኑ ፍቓዱ ተረዲእና ክንገብር እምበር፣ እንዳ ተጠራጠርና ክንገብር ኣይኮነን። እቲ እንዳ ተጠራጠረ ዝገብር ግና፣ ልኽዕ ከምቲ ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ምንም ነገር ኣይቕበልን እዩ። እቲ ድኹምን ብርቱዕን ኣማኒ ግና፣ መጀመርታ ቅኑዕ ሕልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደሓር ድማ ኣብ ቅድሚ ሰባት ክህልዎ ግድን እዩ።

ስለዚ ሓወይ ሓብተይ፣ ንስኻ ኣታ እምነት ዘላትካ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ እምነት ትሃልኻ። እምነትና ንገዛእ ርእስና መጀመርታ፣ ምኽንያቱ ብእምነትና ናብ ኣምላኽ ምቅራብ ንረኽብ ስለዝኾንና። እቶም ብርቱዓት ንዘለና ናጽነት ተጠቂምና፣ ነቶም ድኹማት ከይንፈርድ፣ “እዚ ድማ እምነት ዘይብሉ፣ ድኹም ሕልና" ክንብሎ ዘይኮነስ፣ እዃ ደኣ ነቲ ድኻሙ ክንድግፎን ክንጾሮን እዩ። “እምበኣር ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፣ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፣ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፣ ይግብኣና እዩ።” ሮሜ 15፣1-3። ስለዚ ናተይ ብርታዔ ንድኻም ሓወይ ንምጻር ደኣ እምበር፣ ንገዛኣ ርእሰይ ባህ ንምባል ኣይኮነን። ገዛእ ርእሰይ ባህ ከብል እንተ ተረኺበ ግና ካብ ኣምላኽ ቅኑዕ ሕልና ከምዘይብለይ ምስክር ክወሃበኒ እዩ። ነዚ ኣብዚ ዘመንና ከም ሕማም ኮይኑ ዝላባዕ ዘሎ ንገዛእ ርእስኻ ናይ ባህ ምባልን ንጥቅሚ ገዛኣ ርእስኻ ምጉያይን እምበኣር ከምቲ ኣምላኽ ዘይፈተዎ ንሕና’ውን ክንፈትዎ የብልናን። ምኽንያቱ ክርስቶስ ርእሱ ባህ ከብል እንተዝፈቱ ነይሩ፣ ሞቱ ንነፍሲ ወከፍና ዘይኮነስ ንጥቅሚ ርእሱ ምገበሮ ነይሩ። ንሕና ድማ ከምቲ ናቱ ኣርኣያ ንባህታን ሓጎስን ኣሕዋትና ደኣ እምበር ኣብ ጥቕሚ ገዛእ ርእስና ክንጎይይ ኣይግብኣናን። ነቲ ከም ልምዲ ኮይኑ ኣብ ልዕሌና ክመጽእ ዝደሊ ናይ ዘይምግዝዛእን ናይ ውልቓዊ ሓሳባትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዘየኣቱ ክንጻረሮን፣ ጸግዒ ኣምላኽ ብምሓዝ ምስ ኣምላኽ ንወግን። ንዘሎና ሕማቅ ልምድታት፣ ካብ ኣምላኽ ብዘሎና ጽቡቕ ናይ ሕልና ምስክር ከጠፍእ ይግባእ። እቲ ብርቱዕ ስለ ዝገበረ ነቲ ድኹም ንክገብሮ ክንደፍኦ የብልናን። ከምቲ ክርስቶስ ጸርፊ ኣብ ልዕሊኡ እንዳ ወደቀ ዝተዓገሰ እቲ ብርቱዕ ድማ ንብጻዩ ምእንቲ ክሃንጾ ብሰናይ ነገር ባህ ከብል እዩ ተጸዊዑ። ኣብ እዚ ዘመን ድማ እቲ ዝዓበየ ክንስዕሮ ዘሎና ናይ ጸላኢና ሰይጣን መፈንጥራ እዩ። እዚ ድማ ውልቃዊ ኣጠማምታን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል፣ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ከይንልወጥ ዝገብረና ነገር እዩ። ነቲ ዝተዋህበና ሓላፍነት ክንዋጽኦን ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ዝጸንዐ ቃል ትንቢት ክንትግብርን ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ። “ከም ካብ መንፈስ ጎይታ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣይኡ ንልወጥ።” 2 ቈረ 3፣18። ስለዚ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና፣ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣምላኽ ሰናይ ዝኾነን ንኣሕዋትና ዘይዕንቅፍና ኣብ ልዕሊ ሰናይ ሕልና ክንመላለስ ዝተጸዋዕና ኢና እሞ፣ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነልና ሰናይ ሕልና ኣይነማስኖ። እንተ ማሰነ ግና ነቲ ክፋእን ንኣምላኽ ዘሐጉስን ንሰባት ባህ ዘብልን ንምፍላዩ ክሰኣነና እዩ።

ስለዚ ንሕና ከም ክርስትያናት ድካምን ሕልናን ናይ ኣሕዋትና ክንሕሉ፣ ብብርታዔና ድማ ከይንፈርድን ተጸዊዕና ኣሎና። ነቲ ሕማቕን ጽቡቕን ዝፈሊ ሕልናና ድማ ከነድክሞን ክንቀትሎን ዘይኮነስ፣ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ክመርሕ ከምዝኽእል ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ንሱ ድማ ክሳዕ ምጽኣት ጎይታ ከጽንዓና እዩ። እግዚኣብሄር ንሕልናና የንቕሕ። ኣሜን።

3 comments

may God bless you with more revelation Z. Senai hawey

· 2012-07-11
ኣሜን

ኣሜን ዘርኢሰናይ። እግዚኣብሄር ንሕልናና የንቕሕ።
Other Article