“መርዓ” - ሓሳብ ኣምላኽ “ካብ መጀምርታ” - 2ይ ክፋል

Posted on 2013-08-09 · 1847 · 0 · 2

37 resources uploaded

ዘፍ.2:18
ኣብ 1ይ ጽሑፈይ “ዕላማ ኣምላኽ ኣብ መርዓ” ቅድሚ ምትንታነይ፣ “ሰብ” ዝብል ክንርድኦ ኣገዳሲ ምኻኑ ብምጥቃስ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ሰብ” ዝብሎ ብሕጽር ዝበለ ክገልጽ ፈቲነ ኣለኩ። ኣብ ልዕሊኡ ንምህናጽ ድማ ጽቡቅ መበገሲ ሓሳብ እዩ። ብምቅጻል እምብኣር “ሓጋዚት ንምንታይ” ዝብል ክንርኢ ኢና። ሓቂ እዩ "ሰበይቲ ደጋፊት ሰብኣይ ክትከውን" ኣምላኽ ገበራ። ሰብኣይ ድማ ከፍቅራን ክከናኸና መታን ኢሉ ወሰዳ። ካብ ኣተዓባብያ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ነዚ "ሓጋዚት" ዝብል ብጌጋ መገዲ ዝተረድእዎ ሒደት ኣይኰኑ። ገሌና ንሰበይቲ ኣብ ዘይግብኣ ቦታ ኣቀሚጥናያ። ኣብ ሓሳብና ይኹን ብተግባር ኣብ ጸቢብ (limited) ሓጺርናያ ኣለና። ድሕሪ ሓጢኣት ዝማዕበለ ዓለማውን ባህላውን ኣተሓሳስባ፣ ነቲ ኣምላኽ ቅድሚ ሓጢኣት ዝወጠኖ ናቱ መደብ ኣብ ሓሳብ ብዙሓት ኣደብዚዝዎ እዩ። ብፍላይ እኳ ባህሊ ሕብረተሰብና ንዕላማ ሓዳር ኣብ ዘግባእ ቦታ ኣቀሚጥዎ ኣሎ። ስለዚ ምርዳእና ብሓቂ ብቃል ኣምላኽ ክጸሪ ኣለዎ። ዝዓበናሉ ኣተሓሳስብ ብፍልጠትን ምርዳእን ሓሳብ ኣምላኽ ክሕደስ ኣለዎ። ካብዚ ናይዛ ዓለም ዝተፈለየ ኣመለኻኽታ ክህልወና ግቡእ እዩ። መጨረሽታኡ ድማ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ፍረ ክንፈሪ የኽእለና። ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ሓሳብ ምእታወይ እምበኣር ሰብኣይ ሰበይቲ ዘይተድልየሉ ሒደት ነጥብታት ኽጠቅስ ክፍትን እየ።


ሰብ ካብ ሓሳብ ኣምላኽ ምስ ወደቀ ዘማዕበሎ ዓለማዊ፣ ስጋዊ፣ ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ ታእላው የብሉን። ብፍላይ እኳ ደኣ ሰብ በብወገኑ ካብ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ባህሊ ክማዕብ ካብ ዝጅምር፣ ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎ ኣጠማምታ ካብቲ ኣምላኽ ዝወጠኖ ኣዝዩ እናተፈለየ፣ ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ድማ ዝጻረር ኣናዀነ መጺኡ። ብፍላይ ኣብዚ ዘመን ልቢ ሰብ ኣዝዩ ስለ ዝኸፍአ፣ ሰባት ንነውሮም ከዕፍርዎ ኣብ ዘይሓፍርሉ ደረጃ በጽሖም ኣለዉ። ገለን ሕብረአሰብ ንሰበይቲ ከም ሕስርቲ ቆጺሮም ብዘይግባእ መገዲ ክሕዝዋ ከለዉ፣ ካልኦት ድማ በቲ ሓደ ጫፍ ብምቅማጥ፣ ሓዳር ፍረ ዘይብሉ ገይርዎ ኣሎ። ስለ ዝዀነ ማሕበር ኣምላኽ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ፣ ንነፍሲ ዘድሕን ትኹል ቃል ብግዚኡን ብዘይግዚኡን ብትብዓት ክትምህርን ክትመክርን ክትእውጅን ይግብኣ።


“ሓጋዚት” ንዝብል ሓሳብ ገለ ሰባት ዘለዎም ጌጋ ኣረዳድኣ ክንትንትን ክንፍትን ኢና። ብምቅጻል ድማ ብቃል ኣምላኽ ዝብሎ ትኽክል ምርዳእ ከንዕርዮ ኢና። ኣቐዲመ ክጠቅሶ ዝደሊ ሓሳብ እንተሃልዩ፣ እዚ ቀጺለ ዝጠቅሶ ሓሳብ ኣየድልን እዩ ንምባል ኣይኰነን። የግዳስ ከም ቀዳማይ ክንሰርዖ ግቡእ ኣይከነን። እስኪ ሕብረተሰብ ዘለዎ ጌጋ ምርዳእ ክንርኢ፣


1. “ሓጋዚት” ዝተባህለ “መግቢ ንምስራሕ” ኣይነበረን።

ሰበይቲ ንሰብኣይ እትሕግዞስ ኣብ መግቢ ምስራሕ ድዩ? እ/ሔር ንሰብ መደቡ ምስ ኣፍለጦ፣ መጀመርያ ዝቐረበሉ ቀረብ “ዝብላዕ መግቢ” እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኩሉ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ኩሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኩሉ ኣእዋም ድማ ሃቦም (ዘፍ1፣30)። ንኹሎም እንስሳ ድማ ለምለም ሳዕሪ ሃቦም። ስጋ እንስሳ ክበልዑ ኣብ መደብ ኣምላኽ ኣይነበረን። ክምዚ ሕጂ ኰይንዎ ዘሎ፣ ንምብሳል መግቢ ሓዊ ከንዱዱ የድልዮም ኣይነበረን። ስለ ዝዀነ ምስራሕ መግቢ ከም መዓልታዊ ጉዳይ ኣይነበረን። ኣምላኽ’ውን ንሰብኣይ ሓጋዚት ክገብረሉ ከሎ “ምስራሕ መግቢ” ሓሲቡ ኣብ ምኽሻን መታን ክትሕግዞ ኣይነበረን። ንሰበይቲ ኣብዚ ሓሳብ ምሕጻር ግቡእ ኣይኰነን።


2. “ሓጋዚት” ዝተባህለ “ንምሕጻብ ክዳውንቲ” ኣይነበረን፣

ምሕጻብ ክዳውንቲ’ውን ምኽንያት ነይሩ ከይብልሲ፣ ዝኽደንዎ ክዳውንቲ ኣይነበሮም። ጥራዮም ነበሩ፣ ኣይሓፍሩን ድማ ነበሩ። ስለዚ ምሕጻብ ክዳውንቲ ኣብ ኣጀንዳ ኣምላኽ ኣይነበረን። ምኽዳን ምሽፋን ዝበሃል ድሕሪ ሓጢኣት ዝኣተወ ልምምድ እዩ። ኣይንከደን ንምባል ይኰነን፣ ንሰበይቲ ግና ኣብ ከምዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ክንውስና ፍቃድ ኣምላኽ ኣይኰነን።


3. “ሓጋዚት” ዝበላ “ንምርዋይ ፍትወት” ወዲ ተባዕታይ ኣይነበረን።

“ሰብኣይ ብፍትወት ስጋ ካብ ምርሳን ክምርዖ ጽቡቅ እዩ” ክብል ቅዱስ መጽሓፍ ይምህረና እዩ። እዚ ግና ድሕሪ ሓጢኣት ዝኣተወ ምኽሪ እምበር ካብ መጀመርያ ዝነበረ ሓሳብ ኣምላኽ ኣይነበረን። ንኣዳም “ትምኒት ስጋ” የሸግሮ ኣይነበረን። ሓጢኣት ገና ናብ ዓለም ስለ ዘይኣተወ፣ ሓይሊ ሓጢኣት ገና ንሰብ ኣየመለዀን ነበረ። ትምኒት ስጋ ኣብ መዝገብ ኣዳም ኣይነበረን። ስለዚ “ትምኒት ስጋ” ክስዕር ሰበይቲ ኣየድለየቶን። ብፍላይ ኣብዚ ዘመን ብዝኸድካዮ ስጋዊ ስምዒት ዘለዓዕል ኣብ ዝበዝሓሉ፣ ኣእምሮ ሰባት ድማ ብ ”ስጋዊ ርክብ” ዝብል ኣብ ዝተታሕዘሉ ዘመን እኳ እንተለና፣ ንስጋዊ ርክብ ከም ምኽንያት መርዓ ምግባር ግና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይኰነን። ትምኒት ስጋ (lust) ዘሸግሮ ኣንተኰይኑ፣ ቅድሚ ምምርዓዉ ካብ ዘሸግሮ ምንጋፍ ክረክብ ኣለዎ። መርዓ መፍትሒ “ትምኒት ስጋ (lust)” ኣይኰነን። ሓቂ እዩ! ስጋዊ ርክብ ሰባት ክንሕጎሰሉ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ እዩ። ብትኽኽል ክንጥቅመሉ ድማ ግባእ። ሓደ ሓው/ሓፍቲ ግና ገዛእ ርእሶም ክመልኩ ስለ ዘይክኣሉ፣ ንመርዓ ከም ፍታሕ ክመርጽዎ ግና ሓደገኛ እዩ።


4. “ሓጋዚት” ዝበላ “ኣብ ቁጠባ (እቶት ገንዘብ)” ንኽትሕግ ኣይነበረን፣

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፣ ዝቅባበ ኣዝዩ ስለ ዝነሃረ፣ ክብደት ሓዳር ሰብኣይ በይኑ ክስከሞ ስለ ዝኽእል፣ ሰብይቲ ክትሕግዞ ናይ ግድን እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ሰበይቲ ንሰብኣይ እንተሓገዘቶውን ነውሪ ኣይኰነን። እዚ ምኽንያት ምምስራት ሓዳር ክኸውን ግና ካብ መጀመርያ ዝነበረ ምኽሪ ኣምላኽ ኣይኰነን። ሰበይቲ ክትሰርሕ የብላን ንምባል ኣይኰነን። የግዳስ ነዚ ምኽንያት ኢልካ መጻምቲ ምምራጽ ግና ካብ መኽሰቡ ክሳራኡ ይዓቢ። ናይ እ/ሔር ቀረብ (provision) ንሰብ ምሉእ ስለ ዝነበረ፣ ሰብኣይ ቁጠባኡ ንኸኻዕብት ሓጋዚት ሰበይቲ ኣየድለየቶን። ኣምላኽ’ውን ንሰብኣይ “ሓጋዚት ክገብረሉ እየ” ክብል ከሎ፣ “ቁጠባዊ እቶት” ስለ ዝሓሰበ ይነበረን። “ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ ብክርስቶስ የሱስ ክመልኣልኩም እዩ” ዝብል ናይ ተስፋ ቃል ብሓቂ ዝተኣምነ እዩ።


5. “ሓጋዚት” ዝበላ “ካብ ጽምዋ (ሎንሊነስ)” ንምግልጋል ኣይነበረን።

ኣዳም በይኑ (single) እኳ ኣንተነበረ፣ ጽምዋ (lonely) ግና ኣይነበሮን። “ጽምዋ” ካብ ብኣካል በይንኻ ምዃን ዝሓለፈ፣ ስምዒታዊ ቃንዛ፣ ስምዒታዊ ባዶነት፣ ናይ ምቅባል ናፍቆት ምህላው ዘለዎ ጽቡቅ ዘይኰነ ተመክሮ እዩ። ሰባት ምሳኻ እናሃለው፣ ብጽምዋ ዝተወሓጥካ ከትከውን ዝከኣል እዩ። መርዓ’ውን እንተዀነ ፍታሕ ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣዳም ግና እዚ ጸገም ኣይነበሮን። እ/ሔር’ውን እንተዀነ፣ ንሰብኣይ ሓጋዚት ክገብረሉ ዝደለየ፣ እዚ ጸገም ኣብ ኣዳም ስለ ዝረኣየ ኣይነበረን። እ/ሔር ቀረባ ኣዳም ስለ ዝነበረ፣ ኣዳም’ውን ምስ እ/ሔር ግጡም ርክብ (intimacy) ስለ ዝነበሮ ናይ “ጽምዋ” ጸገም ኣይነበሮን። ኣብዚ ዘመን ግና ብዙሓት ሰባት ነዚ ስምዒታዊ ቃንዛ ንምፍዋስ፣ መርዓ ከም ኣማራጺ ክወስድዎ ይፍትኑ እዮም። የግዳስ ፍታሕ ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነ፣ ናይ ሓዳር ፍረ ዝሓንቅ ኣብ ምኽሪ ኣምላኽ ዘየለ ምርዳእ እዩ።


6. “ሓጋዚት” ዝተባህለት “ንምውላድ ቆልዑ፣ ሓድጊ ንምግዳፍ” ኣይነበረን፣


ውሉድ ውህበት ኣምላኽ ምዃኖም ኣየጠራጥርን እዩ (መዝ127)። “መርዓ”ቆልዑ ንምውላድ እዩ ዝብል ግና ዝምቡዕ ምርዳእ እዩ። "ምውላድ ቖልዑ" ከም መገዲ (means) እምበር፣ መወዳእታ (end) ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ኣይነበረን። “ምድሪ ምልእዋ” ዝብል ናይ ኣምላኽ ትእዛዝ እዩ ነይሩ። ንሱ ግና ናይ መጨረሽታ መደብ ኣምላኽ ኣይነበረን። ሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ምውላድ ቆልዑ ጥራይ ዝተወሰነ ኣይነበረ። መጨረሽታ ዕላሙ “ንምድሪ ክመልክዋ” እዩ ነበረ። እዚ ድማ ካም “ምውላድ ቆልዑ ጥራይ” ዝብል ኣዝዩ ዝዓዘዘ ናይ ኣምላኽ ዕላማ እዩ። ነዚ መጨረሽታ ዕላማ ኣምላኽ ምፍላጥ ድማ፣ ኣመንቲ ሰብ ሓዳር ኣብ ምዕባይ ቆልዑ ተዋሒጦም፣ ሰማያዊ ጉያ ከይሓድጉ ይሕግዞምን ይረድኦምን። ነዚ ሓሳብ ኣብ ዝቅጽል ጽሑፈይ ኣስፊሐ ክገልጾ እየ።


እዚ ኩሉ ዝጠቀስክዎ ኣየድልን እዩ ንምባል ኣይኰነን። ኣብ ንሓድሕድና ብምርድዳእን ምትሕግጋዝን ክነንብር ግቡእ እዩ። የግዳስ እዚ ኩሉ ብካልኣይ ደረጃ ክስራዕ ዘለዎ ናይ ሓዳር ጉዳያት እዮም። ሰብ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ነጥብታት ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ኣቀሚጡ እንተተመጣጢርሎም፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝህልዎ ፍረ ሒደት እዩ ዝኸውን። ብሓቂ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ሓዳር ክህልወና እንተዀይኑ፣ ልቢ ኣምላኽ ክህልወና ኣለዎ። ድሕሪ ሓጢኣት ዝተሃንጸ ዓለማዊ ሓሳብ ዘይኰነ፣ ካብ መጀምርያ ካብ ዘልኣለም ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ ዝነበረ መደብ ክርድኣና ናይ ግድን እዩ። ምስ ሓሳብ ኣምላኽ እተተሰማሚዕና ጥራይ እዩ ፍሬና ዝበዝሕ። እዚ ኹሉ ቀንዲ ዕላማ ሰብኣይን ሰበይትን እንተዘይ ኰይኑ፣ እሞ ቀንዲ ዕላማ ምምስራት ሓዳር እንታይ እዩ? ሰብኣይ ሓጋዚት ሰበይቲ እተድልየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?


ይቅጽል!

2 comments

ብጣዕሚ ሃናጺ ሓሳብ፤ ጎይታ ይባርኽካ።

ሳሚ ሓወይ ኣምላኽ መሊሱ ምግላጽ ይሃብካ። ክልትኤን ክፋላት ኣንቢበየን ብጣዕሚ ሃናጺ ሓሳብ። ምኽሪ ኣምላኽ ምፍላጥ እዩ ዘድልየና ዘሎ። thanks!
Other Article