ስለ ስድራ ቤቱ ዝዋጋእ ሰብኣይ (2ይ ክፋል)

Posted on 2015-03-09 · 1059 · 0 · 0

37 resources uploaded

3. ናይ መጀምርያ ጌጋ

ናብቲ ሱር ነገሩ ተመሊስና፣ ነቲ ዝገጠመ ክንምርምሮ እንተኽኢልና፣ ካብ መጀመርያ እቲ ጌጋ ናቶም ሰብኡት'ዩ ነይሩ። ንዘይምልከቶም ውግእ ርእሶም ስለ ዝሃቡ፣ ንስድርኦም ንጸላኢ ኣቃሊዖም። ናይ መጀመርያ ሓላፍነቶም፣ ኣንስቶምን ደቆምን ምሕላው ምኻኑ ረሲዖም። ኣብ ቦታ ሓላፍነቶም ኣይተረኽቡን። ልዕሊ ኩሉ'ኳ እቲ ጌጋ ኣብ ዳዊት እንተነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ስለ ስድርኡ ተሓታቲ'ዩ ነይሩ። ዳዊት ምስ ፍልስጠማውያን ንውግእ ክኸይድ ምስ ወሰነ፣ ጌጋ ይገብር ከም ዝነበረ ክነግሮ ድምጹ ዘስምዐ ኣይነበረን። ኣንስቶምን ደቆምን ኣሳጢሖም ይህቡ ከም ዝነበሩ ኣስተውዒሉ፣ ስለ ዕቁባ ስድራኡ ዝተዛረበ ኣይነበረን። ጸላኢ ኣብ ዝዀነ ጊዜን ኣጋጣምን ከጥቅዖም ከም ዝኽእል ዘንጊዖም እንተዘነይሮም፣ ብሓቂ የዋሃት 'ዩም። ጸላኢ ኩሉ ግዜ ንስድራኦም ንምጥቃዕን ንምዕናውን ከም ዘቋምት፣ ገለ ቀዳድ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣምበሳ ከም ዝዘውር ዘይፈልጡ እንትነይሮም፣ ናይ ሓዳር ምስጢር ኣይተረድኦምን። ግን ከኣ ንጉስ ዳዊት፣ ንብዙሓት ጀጋኑ ዘቅንእ ታሪኽ እኳ እንተነበሮ፣ ብስድራ-ቤቱ ዝመጸ ግና ብዙሕ ድኻም ነይርዎ'ዩ። ክንደይ ውግእ ዘይሰዓረ፣ ክንድይ ዕጣቅ ጸላእቱ ዘየፍተሐ፣ ክንደይ ሓያላት ዘየጃጀወ! ኣብ ስድራኡ ክመጽእ ከሎ ዝነበሮ ሃጓፍ ግና እምብዛ ገዚፍ'ዩ ነይሩ። ታሪኹ እንተነቢብና፣ ኣንስቱ መፈጸምታአን፣ ደቁ ዝነብሮም ባህርይን ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ልዕሊ ኣገልግሎት፣ ዕቁባ ስድራ-ቤቶም ምውሓስ ናይ መጀምርያ ሓላፍነቶም ከም ዝነበረ ዘንጊዖም እንተነይሮም፣ "ሰብኣይ" ምኻን ዘሰክሞ ሓላፍነት ኣይተረድኦምን። ስለ ዝዀነ ብጌጋ ውሳኔ ዕዮ ካልእ ከስልጡ፣ ኣንስቶምን ደቆምን ንምርኰ ጸላኢ ኣሕሊፎም ሂቦም። ንሳቶም ኣብ ዘይነበርዎ፣ ቦታኦም ምስ ሓደጉ፣ ብዘይተጸበይዎ ጊዜ ጸላኢ ነንስቶምን ቆልዕቶም ማሪኹ ወሲዱ። እዚ ኸኣ ልብኻ ዝሰብ ተመክሮ'ዩ።

እዚ ታሪኽ እዚ ናይ ዘመና መለለይ'ዩ። ናይ ናብራ ውግእ ኣቃልበኦምን ጊዜኦምን ስለ ዝወሰዶ፣ ምእላይ ስድራኦም ዝረስዑን ሸለል ዝበሉን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ምግማት ኣየድልየናን'ዩ። ገለ ንስድራኡ ንምእላይ፣ ገንዘብ ክምእርር፣ ብስራሕ ኣብ ዝተታሕዘሉ፣ ሰበይቱን ደቁን ብሕሱም ጸላኢ ዝተማረኹ ብዙሓትዮ'ምዩ። ፍቅርን ሓልዮትን ካብ ሰብኡተን፣ ካብ ኣብኦም፣ ክረኽብዎ ስለ ዘይከኣሉ፣ ካብ ካልእ ከናድዩ ናብ ግዳም ዝወጹ፣ ግዳይ ጸላኢ ዝዀኑ ክንደን ክንብሎም። ገለ ሰብኡት ራእይ ካልእ ከተግብሩ፣ ንስድራኦም ንጸላኢ ኣሳጢሖም ዝሃቡ፣ ኣንስቶምን ደቆምን ዝኸሰሩ ኣለው። መዓስን ኣበይን ልቢ ኣንስቶም ከም ዝኸሰሩ ዘይፈልጡ ብዙሓት'ዩም። ደቆም ኣብ ክምለስሉ ዘይክእሉ ዓዘቅቲ መስተን ምንዝርናን ካልእን ክሳዕ ዝኣትዉ፣ ሃለዋት ደቆም ዘይፈልጡ ኣቦታት ታእላው የብሎምን። ጓሎም ደገ ደገ ለሚዳ፣ ትምህርቲ ሸለል ኢላ ምስ ዘይረብሑ መሓዙት ዝተቋረነት፣ መገዳ ስሒታ ክነሳ፣ ሃለዋት ጓሎም ዘፈልጡ ኣቦታት ክንደይ ኢልካ ክቁጸሩ። ዝህብዎ ምላሽ ድማ፣ ንከብዳ ክዕንግል፣ ዝባና ክሽፍን፣ ተጽልለሉ ናሕሲ ክኸፍል ኣቃልቦይ ጠፊኡኒ ክነሱ፣ ከምዚ ክፈድዩኒ ዝብል'ዩ። ብዙሓት ሰብኡት ቀደማይ ሓላፍነቶም ስለ ዘይተረድኡ፣ ንሳቶም ከይፈለጡ ኣንስቶምን ደቆምን ዝኸሰሩ፣ ንኣደዳ ጸላኢ ዝዀኑ ኣለዉ።

ሰብኣይ ካህን ገዛ'ዩ። ስለዚ ደገ ቅድሚ ምውጻኡ፣ ሃለዋት ስድራኡ ክገብር ናይ መጀምርያ ሓላፍነቱ ምኻኑ ክዝንግዕ የብሉን። ገዝኡ ብዝግባእ ከመሓድርን ክኣልን ኣለዎ። ብፍላይ እኳ ኣብዚ ቀናን ወለዶ፣ መንፈስ ኢዛቤል ብሓይሊ ዝሰርሓሉ ዘሎ ዘመን፣ ሓሳብ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱን ንስድራ-ቤቱን እንተዘይተረዲኡ፣ ከይተፈለጦ ኣብ ስድራኡ ምዕናን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ካብቲ ብዙሕ መለለይ ናይ ኤዛቤል መንፈስ ንምጥቃ እንተኣድልዩ፣ ውሉድ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይኰኑ ንዓለማውነት ዝስዕር መንፈስ፣ ሰብኣይ ካብ ብፍቃድ ኣምላኽ ብሓሳብ ሰበይቱ ንኽዝወር ዘጃጁ መንፈስ'ዩ። (1ነገ21፣25) በዚ መንፈስ ተሳዒሮም ኣብ ክሳራ ዝነብሩ ድማ ብዙሓት እዩም። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ከም የሁ ዝበለ ቅብኣትን ምርዳእን ትብዓትን ሒዙ፣ ገዝኡ ክኣሊ ካብ ኣምላኽ ክዕጠቅ ኣለዎ። እዚ ዘመን ዓለማውነት ንብዙሓት ስዒሩ ኣብ ክሳራ ክነብሩ ገርዎም ኣሎ። እቲ ናይ ኣምልኽ ሰብ ግና እቲ ንዘልኣለም ዝነብር ሓሳብ ኣምላኽ ብምፍላጥ፣ ዓለማውነት ስዒሩ ክነብር ጻዊዒትን መሰልን ኣለዎ። ስበይቱ ብሓሳብ ጸላኢ ከይትጥለፍ፣ ውሉዱ ብፍልጠት ፍቅሪ ኣምላኽ ንኽዓብዩ፣ ሰብኣይ ከም ካህን ኣብ ልዕሊ ቤቱ፣ ግቡእ ቦታኡ ብምሓዝ፣ ገዛእ ርእሱን ስድራ-ቤቱን ብፍቃድ ኣምላኽ ንኽዓብዩ ክተግህ ኣለዎ።

4. ምኽሪ ምስ ስጋ

ናብዚ ኽሉ ዕንወት ክበጽሑ ዝገበሮም፣ ንስድራቤቶም ኣሳጢሖም ንጸላኢ ኣሕሊፎም ክህቡ ምኽናያት ዝዀኖም ሓደ ነገር'ዩ። እቲ ዝዓበየ ዳዊት ዝገበሮ ጌጋ ድማ ከም ልማዱ ምስ ኣምላኹ ምምኻር ገዲፉ፣ ምስ ገዛእ ርእሱ ተማኺሩ፣ ምስ ፍልስጠማውያን ክነብር ስለ ዝወሰነ'ዩ። እቲ ሱር መበገሲ ናይዚ ኹሉ ክሳራ እምበኣር እዚ'ዩ። ንጉስ ዳዊት ክኣቱን ክወጽእን፣ ኣምላኹ ከይሓተተን ከይተወከሰን ይንቀሳቀስ ኣይነበረን። እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ? ንጸላእተይ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፍካ ትህበኒ ዲኻ? ሳኦል ከርክበንን ክሕዘንን ድዩ? ንሳኦል የሕሊፎም ክህቡኒ ዲዮም? (1ሳሚ23፣11-12) ንጸላእተይ ከጥቅዖም'ዶ? (1ዜና14።10) ዝብልን ካልእን ሕቶታት ንእ/ሔር ኣብ ዝተፈለላለ ጊዜ ይሓትት ነይሩ'ዩ። ስለ ዝዀነ ሓለዋ ኣምላኽ በዚሕሉ፣ ኣብ ዝኸዶ ይሰልጦ ነበረ። እንተ ሕጂ ግና ስለ ዝፈርሀ፣ ካብ እምነት ስለ ዝጎደለ፣ ምስ ገዛእ ርእሱ ተማኺሩ፣ ብስጋ ተማሪኹ። ሓሳብ ስጋ ድማ ሞት ስለ ዝዀነ፣ ነፍሶም ክሳብ ትቅሕቱ፣ ናብ መከራ ተሸሚሞም። ምኽሪ ገዛእ ርእሱ ድማ ከምዚ ዝብል'ዩ ነይሩ፣

"ዳዊት ድማ ብልቡ፡ ሕጂ ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምህዳም ዚሐይሽ የብለይን፡ ሽዑ ሳኦል እቲ ኣብ ብዘሎ ዶባት ምድሪ እስራኤል ምድላየይ ይሐድግ እሞ፡ ካብ ኢዱ እድሕን፡ በለ።" 1ሳሙ27፣1

እዚ ዝበለ ምስ ኣምላኽ ከይማኸረ'ዩ። ዘረባኡ ኣስተውዒልና እንተነቢብናዮ፣ ነፍሲ ዳዊት ክሳብ ክንደይ ካብ እምነት ጎዲላ ከም ዝነበረት ክንርዳእ ቀሊል'ዩ። ክሳብ ሕጂ ብህይወት ምህላዉ፣ ሓለዋ ኣምላኽ ምዃኑ ረሲዑ። ሕጂ ግና "ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ'የ" ኢሉ ፈሪኡ። ካብ ኢድ ጎልያድን ካብ ኵናት ሳኦልን ከመይ ከም ዘድሓኖ ረሱዑ። "እ/ሔር ምሳና እንተዘይነብር፣ ጸላእትና ብሂወት ከለና ምወሓጡና" (መዝ124) ኢሉ ዝዘመሮ መዝሙር ካብ ልቡ ተሰዊሩ። ኣብ እስራኤል ከም ዝነግስ ዝተዋህቦ ተስፋ ረሲዑ፣ ኣምላኽ ክገብሮ ከም ዝኽእል ተጠራጢሩ። ብፍርሃት ስለ ዝተሸነፈ፣ መገዲ ስጋ ክኸይድ ብምውሳን፣ ካብ ስፍራኡ ዘምቢሉ። እዛ ውሳኔ እዚኣ ድማ ኣብ ህይወቱ ዓቢ ዕንወት ኣስዒባ። ምሕረትን ሓለዋን ኣምላኽ ረሲዑ፣ "ካብ ንምድሪ ፍልስጠማውያን ካብ ምኻድ ዝሓይሽ የብለን" ኢሉ። ብሓቂ ካብኡ ዝሓይሽ ኣይነበሮን ኰይኑ ድዩ? "እቲ ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር ኣብ ጽላል እቲ ዝኽእል ይነብር" (መዝ91) ኢሉ ዝዘመሮ ብሉጽ መዝሙር ረሲዑስ፣ መገዱ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ቅኑዕ ኰይኑ ተራእይዎ? ንኣምላኹ ኣሚኑ ልቡ ስለ ዘይጸንዐ፣ ካብ ተስፋ ኣምላኽ፣ ኣብ ጥበብ ገዛእ ርእሱ ስለ ዝተደገፈ፣ ምስላጥን ምኽንዋንን ካብኡ ርሒቑ። (ምሳ3፣5) እቲ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝመኸሮ ምኽሪ፣ ካብ ካብ ኢድ ሳኦል ከድሕነኒ'ዩ ኢሉ ሓሲቡ። "እ/ሔር ከውሐይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኻይን ኢሉ" (መዝ 62፣2) ዝዘመሮ ደኣ ኣበይ ኣትዩ? "ከምቲ ንፋስ ንትኪ ዝብትኖ፣ ከምኡ ድማ ኣምላኸይ ንጸላእተይ በተኖም" ዝበሎ ካብ ሓሳቡ ተሰዊሩ። ግን ከኣ ፍርህን ምቅሕታው ነፍስን ከምኡ'ዩ ዝገብር። ፍቃድ ኣምላኽ ገዲፉ፣ ሓሳቡን ድሌቱን ክገብር ስለ ዝወሰነ፣ ዘይተጸበዮ፣ ኣብ ተምኩሩኡ ርኢዎ ዘይፈልጥ ጥፍኣትን ክሳራን ርእዩ። ብሓሳቡ ክኸይድ ስለ ዝወሰነ፣ ካብቲ እ/ሔር ዘቀመጦ ቦታ ገዲፉ ኣብ "ጺግላግ" ሰፊሩ።

ንእሽቶ ትመስል ስጋዊ ውሳኔ ኣብ ህይወትና ዓቢ ዕንወት ከተስዕብ ከም ትኽእል እንተንፈልጥ፣ ንኣምላኽ ከይተወከስና፣ ፍቃድ ኣምላኽ ከይሓተትና ሓንቲ ስጉምቲ ኣይምኸድናን። ሰበይቱን ደቁን ዝሰኣነ እንተዝሕተት፣ እቲ ጌጋ ኣበይ ከም ዝጅምር፣ ኣበይ ካብ መገዲ ክወጽእ ከም ዝጀመረ ዝዛረቦ ኣለዎ። ክንድዚ ዝኣክል ስራሕ ክሰርሓ እንተዘይውስን፣ ገዛ ብእዋኑ ኣትየ ምስ ሰበይተን ደቀይን ጊዜ እንተዘሕልፍ፣ ሰበይተይ ገዲፈ ካልእ እንተዘይጥምት፣ ብኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን እንተዘይትሓዝ፣ ካብ ምስ ስድራይ ምስ የዕሩኽተይ ከምሲ እንተዘይደሊ፣ ካብ ምኽሪ ሰበይተይ ምኽሪ ስድራይ እንተዘይሰምዕ፣ እዚ ኩሉ ዕንወት ኣብ ቤተ-ሰበይ ኣይምመጸን ኢሉ ገዛእ ርእሱ ዝኸስስ ብዙሕ'ዩ። ኰታት ፍቃድ ኣምላኽ ገዲፉ፣ ብምኽሪ ገዛእ ርእሱ ክኣቱን ክወጽእን ዝጀመረ፣ ንጥፍኣትን ክሳራን ቀረባ'ዩ።

0 comments