ጨናና መታን ከይከፍእ 1ይ-ክፋል

Posted on 2014-04-21 · 1423 · 0 · 0

37 resources uploaded

ዘፍ 34፣1-23 ፣ ጨናና መታን ከይከፍእ


እ/ሔር “ምሽታት” ይፈቱ እዩ። ኖህ ድሕሪ ማይ ኣይሂ መስዋእቲ ምስ ኣቅረበ፣ ብሓዊ እኳ ዝሓረረ እንተነበረ፣ ብንጹሕ ሕልና ስለ ዘቅረቦ ግና፣ “እ/ሔር እዚ ጥዑም ጨና ኣጭነወ” ይብል ዘፍ8፣21። ንደቂ እስራኤል ናይ ድንዃን ምርኻብ ስርዓት ክህቦም ከሎ’ውን፣ ብጊሓትን ምሸትና ኣብ ቅድሚኡ “ዕጣን” ክዓጥኑ ኣዘዞም። “ብዘሽተቶ” ባህ ክብሎ ከሎ፣ እ/ሔር ዝለቆ በረኽት ኣዝዩ ግሩም እዩ። ጎይታ የሱስ ውን ብናይ ዘልኣለም መንፈስ ጌሩ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዘይ ጽያፍ ስለ ዘቅረበ፣ ገዛእ ርእሱ መባእን ምስዋትን ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና ምስ ኣቅረበ፣ ኣቦ ድማ ባህ ኢልዎ ስለ ዘሽተቶ፣ ንምድሓን ብቑዕ ክኽውን ሓተሞ (ኤፌ5፣2)። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ስሙ፣ ማለት ማንነቱ፣ “ምኡዝ ሽቶ” ስለ ዝዀነ እዩ (ማህ1፣3)። እ/ሔር ንዘሽተቶ ፍቅሪ፣ ምሕረት፣ ለውሃት፣ ድንጋጸ፣ ጽድቂ የሽትት። ንኣና’ውን ብወዱ ካብ ማንነቱ ተማቐልቲ ስለ ዝገበረና፣ “ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን ዝጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ፣ ሽቶ ክርስቶስ ኰይና ኢና (2ቆሮ2፣15-16)። ስለዚ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዝስሕብ “ጥዑም ሽቶ” ዘሽትት ህይወት ክህልወና ኣለዎ። መሃ4፣12-16


ያእቆብ ኣብ “ሽቶ” ዝነበሮ ምርዳእ ዕሙቅ ዝበለ ይመስል። ደቁ ሌዊን ስምኦንን ብምኽንያት ሓፍቶም ዲና ንደቒ ሓሞር ምስ ቀተልዎም፣ በቲ ዘገበርዎ ልቡ ስለ ዝተዘብሐ፣ “..ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምኒ” በሎም (ዘፍ34፣30)። እዚ ዝበለ፣ ምናልባት ምስ ሓዉ ኤሳው ዝሓለፎ ተመክሮ ስለ ዝዘከረ ይኸውን። ይስሓቅ ንወዱ ኤሳው መታን ክምርቆ፣ ናይ ሃድን መግቢ ከዳልወሉ ምስ ኣዘዞ ዝዀነ እዩ። ያእቆብ ንኤሳው ተመሲሉ ነብኡ ብምትላል፣ ንሓው ዝግባእ በረኸት ከም ዝወሰደ እቲ ታሪኽ ይነግር። ይስሓቅ ቅድሚ ምምራቁ፣ ኣብ ልቢ ያእቆብ ዝተረፈ ሓደ ዘግርም ነገር ጌሩ። ቀሪብካ ሰዓመኒ ድሕሪ ምባል፣ “ጨና ክዳኑ ኣጭንዩ ኸኣ መረቆ” ይብል” ዘፍ27፣27። ጨና ኣብኡ ይስሓቅ፣ ማለት ዝነበሮ ኣካይዳ፣ እዃ ጥዑም እንተነበረ፣ ጨና ያእቆብ ኣብ ቅድሚ ኤሳው ሓዉ ግና ጥዑም ዘሽትት ኣይነበረን። ስለዚ ኤሳው ከርሕቆ ደለየ። ጥዑም ሽቶ ዘይብሎ መን ክቀርቦ ይደሊ? ካብኡ ዝተላዕለ ድማ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝኸውን ዀብሊሉ። ያዕቆብ ጥዑም ሽቶ ዘይምህላው ዘኽፍሎ ዋጋ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፣ ንደቁ “ጨናና ብምኽፋእ ኣጨነቅኩምኒ” በሎም።


ጨናኦም ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ ዝኸፍአሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ? ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብምሰረት ተምኩሮ ያእቆብን ደቁን ግና ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ክጠቅስ እየ።


1. ጉርሒ፣ ምትላል (deceitful፣ manipulation)


ወዲ ንጉስ ሓሞር ንሓፍቶም ዲና ብምዕማጹ ዘነውር ገይሩ እዩ። ነፍሱ ምስ ሓፍቶም ዲና ስለ ዝተጣበቀት ግና፣ ዝተባህሎ ክገብር ድልዊ ነይሩ። ከምቲ ኣምኖን ንሓፍቲ ኣቢሰሎም ዝገበሮ፣ ፈጺሙ ክጸልኣን ክጽየፋን ተኽእሎ ነይሩ እዩ (2ሳሚ13)። ብኣንጻሩ ግና ክወስዳ፣ ናቱ ክገብራ ደልዩ። ደቂ ያእቆብ ግና “ብጉርሒ” ምስ ደቂ ሓሞር ተዛረቡ ዘፍ34፣13። ክግዘሩ እንተዘይኰነ ሕራይ ከም ዘይብልዎም ምኽሮም ገለጽሎም። ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኩሉ ተባዕታይ ንምግዛር ኣይደንጎየን። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ክቅንዘዉ ከለዉ፣ ሓይሎም ምስ ደኸመ፣ ምንም ክገብሩ ኣብ ዘይክእልሉ ሁመት ተጸናትዮም ኣጥቅዕዎም። እዚ ድማ እዩ “ጨናኦም” ክኸፍእ ዝገበሮ። “ጉርሒ” ኣብ ስድራ ቤት ያእቆብ ሱር ዝሰደደ ይመስል። ያእቆብ ውን ብወገኑ “ብጉርሒ” በረኸት ሓዉ ምስ ወሰደ፣ “ጨናኡ” ኣብ ቅድሚ ኤሳው ሓዉ ኸፊኡ እዩ። ብፍላይ “ብጉርሒ” ንብጻይኻ ኣብ ግዜ ድኻሙ ምጥቃዕ እ/ሔር ይጽየፎ እዩ። እ/ሔር ንኣማሌቃውያን ፈጺሙ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኦም ዝደለየ፣ “ንድኹማትን፣ ኣብ ግዜ ድኻም ንዝነበሩን የጥቅዑ ስለ ዝነበሩ እዩ (ዘዳ25፣17-19)። ንምቅባልን ንይቅሬታን ዝኸውን ቦታ ኣብ ልቦም ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ድማ “ጨናኦም” ኸፊኡ። ስለዚ ኸኣ “ንሓሶት ንየው በልዎ፣ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ዝብል ትእዛዝ ንስዓቦ።


2. ቑጥዓ፣ ኹራ፣


ደቂ ያእቆብ “ብኹራኦምን ቁጥዓኦም” በረዀዳ ሰቢሮም። ኩራኦም ብርቱዕ፣ ነድሮም ድማ ጨካን ስለ ዝነበረ፣ ኣቡኦም ኣብ ምኽሮም ከይውዕል ተመንዩ (ዘፍ49፣5-7)። “ኩራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣይገብርን እዩ” ዝብል ቃል ብሓቂ ዝተኣምነ እዩ። ሓቂ እዩ፣ ወዲ ንጉስ ሓሞር ንሓፍቶም ዝገበሮ ብኹሉ ሸነኽ ስምዒት ዝትንክፍ፣ “ኩራን ቁጥዓን” ድማ ዘለዓዕል እዩ። ክሳብ ምቅታሎም ክንድሩ ግና ኣምላኽ ዝሰምሮ ምኽሪ ኣይነበን። ቃል ኣምላኽ’ውን እንተዀነ ክንኩሪ እኳ ዘፍቅድ እንተዀነ፣ ካብ ኩራ ዝተላዕለ ግና ሓጢኣት ክይንገብር፣ ኩራና ድማ ንሰይጣን ኣፍደገ ዝህብ ከይክውን የጠንቅቀና (ኤፌ4፣26-27)። ኣብ ውሽጢ ልቢ ዝሓደረን ዝቀነየን ኩራ ንሰብ ናብ ዘይደልዮ መገዲ ይዝውሮ። ኣቢሰሎም ንሓዉ ኣምኖን ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ስለ ዝዀረየሉን ዝተቀየመሉን፣ ኣብ ምቹእ ግዜ ንኸጥቅዖ ኣካይዳኡ ተቋሚትዎ። እዚ ስለ ዝዀነ ድማ፣ “ኣብ ኩራኹም ጻሓይ ኣይዕረብኩም” ዝተባህለና። ኣብ ልቢ ዝሓደረ ኩራ፣ ከም ዝተሸፈነ ጸኒሑ ድማ ዝመጉል ቁስሊ፣ እናገደደ እዩ ዝኸይድ። ከምቲ ሰብ ምስ ረሃጸ ጨና ነፍሱ ስለ ዝበላሾ ሰብ ክቀርቦ ዘይደሊ፣ ካብ ኩራን ቁጥዓን ዝብገስ ውሳነ ድማ ንሰብ ኣብ ማእኸል ሕብረተሰቡን ፈተውቱን ከምኡ እዩ። ስለዚ ይቅረ ምባልን፣ ንኩራ ይኺድ ምሕዳግን ንሰብ ክብረቱ ክኸውን ኣለዎ።


ኣብዚ ዘመን ንዘለና’ውን እዚ ሕቶ እዚ ንገዛ ርእስና ክንሓታት ግቡእ እዩ። “ጨናና” ኣብ ማእኸል እቲ ምስኡ እንነብር ዘለና ህዝቢ ከመ ኣሎ?


ይቅጽል!

0 comments
Other Article