ንጽባሕ

Posted on 2015-09-27 · 1032 · 0 · 0

32 resources uploaded

እዛ ሎሚ እንከላ ኣብ ቅድመይ
ተመንየ ብዛዕብኣ ብርኽቲ ክትኾነለይ
እንተ ንጽባሕውን ኣብ ሎሚ ኾይነ
እግድስ ብእኣ ሓሲበ መጢነ
ነገር ሰብ'ዩ ስለ ጽባሕ ምሕሳብ
ካብ ክስራን ሃዲመ ክበዝሓለይ መኽሰብ
መዝገበይ ክመልኦ ብኽቡር ትሕዝቶ
ቕድመይ ጽቡቕ ነገር ኣሎ ልበይ ዝርእዮ
ብተስፋ ጽባሕ'የ ሎሚ ዝጽመሞ
ዓቕሊ ገይረ ንኹሉ ዝሓልፎ
ንጽባሕ ኽጥዕመኒ ክረኽቦ'ቲ ተስፋ
ህይወተይ ኽጽብቕ መወዳእታ ምዕራፋ
ክብሪውን ኽትለብስ ንኹሉ ሓሊፋ
ነፍሰይሲ ፈትያ ኣብ የሱስ ዓሪፋ፡፡

"ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ" (ወ። ዮሃንስ 14፡2-3)

0 comments
Other Poem