እምነት

Posted on 2012-11-16 · 1047 · 0 · 0

5 resources uploaded


ነቲ ዝበልዐ ብምስጋናኡ
ንዘይበልዐ ብምግዛእ ስጋኡ
ንዝተገዝረ ብትግባረኡ
ንዘይተገዝረ ብኣመጻጽእኡ
ንኹሉ ከከምደረጃኡ
ከም ኣረዳድእኡ
ብሓንቲ ሓደ ትገብሮ
ናብ መጓሴኻ ትጽንብሮ
ንዓኻ ዘገድስ ናይ ልቢ
ካብ ውሽጢ ሰረቱ’ዩ ንዓስቢ
ብደገ ዝርኤ ሰብ ዝምስክሮ
እቲ ሃቐና ናቱ ምስዘይሰምሮ
ከንቱ’ዩ ንግዚኡ ብሰባት ዝንኣድ
ካብቲ ዘልኣለማዊ ምቕሊ ፈጺሙ ዘይወስድ
ስለዝኾንካ ናይ ልብን ኩላሊትን እተለሊ
ኣብ ኣንጉዕን ዓጻጽምትን እትፈላሊ
ብሓንቲ ነገር ንኹሉ ትርእዮ
እምነትኪ/እምነትካ ኢልካ ወሲንካዮ
እምነት’ዩ ንኹሉ ዝፈልዮ
ነቲ ዘይርኤ ብትስፋ ክትርእዮ
ነቲ ዘይመስል ሃዲእካ ክትጽበዮ
እምነት’ዩ ሕመረት እቲ ቀንዲ ሚስጢር
ክትወርስ ክትጠፍእ ዕጫኻ ዝምስክር

0 comments
Other Poem