ይመጽእ ኣሎ የሱስ ንኤርትራ

Posted on 2015-01-23 · 1108 · 0 · 0

20 resources uploaded

እወ ይመጽእ ኣሎ

እቲ ፍትው ንህይወትና ዘቅስን
ብሩኽ ኮኾብ ወዲ ወጋሕታ ጸላም ዘብንን
ይመጽእ ኣሎ እወ ይመጽእ ኣሎ

እቲ ንጉስ ወዲ እሰይ ሞርሖ ዘለዎ
ንሱ ምስ ከፈተ ሓደ ዘይዓጽዎ
ንሱ ምስ ሸጎረ ሓደ ዘየርሕዎ

ይመጽእ ኣሎ ንዓመጽ ክፋረዶ
ንሕማም ክምሕዎ
ንዝጸቐጠ እምኒ ገምጢሉ ከንከራርዎ
ንርኽሰት ጥንቁልና ካብ ሱሩ ክምሕዎ
ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ
ኣታ ይመጽእ ኣሎ

እንሆ ይመጽእ ብደበና
ምድርና ክፍውስ ክበጽሓና
ገጽና ሓጺቡ ክደርዝ ንብዓትና
ዘይቲ ሓጎስ ክደፍእ ርእስና
እወ ይመጽእ ኣሎ ክረዳና

ኣንታ ይመጽእ ኣሎ
ማእሰርትና ክፈትሖ
ንገበል ንሓዋሩ ክምቕሖ
ንዶብና ከስፍሖ
ማኣድና ባሪኩ ክሞርሖ
ይመጽእ ኣሎ እወ ይመጽእ ኣሎ

ይመጽእ ኣሎ ንደቂ ሌዊ ከጽርዮም
ከም ብሩሩን ወርቅን ክኽልዕም
ሽዑ ብጽድቒ ክስዉኡ
ብመንፈስ ሓቂ ክምርሑ
ጸልዮም ክስምዑ
ሞጊቶም ክረትዑ
ይመጽእ ኣሎ እወ ይመጽእ ኣሎ

ይመጽእ ኣሎ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ከም ንስሪ
ንሃገርና ከስፍን ሰላም ነባሪ
ኣቦ ብርሃን ንጸልማት ቀያሪ
ይመጽእ ኣሎ እወ ይመጽእ ኣሎ

ይመጽእ ኣሎ ክጽግን ልብና
ክዘፍፎ ከሕውዮ ቕስልና
ከብርሄን ብንብዓት ዝቃቆራ ኣዒንትና
ኣንበጣን ክብክብታን ዝበልዕዎ ነገርና
ይመጽእ ኣሎ እወ ይመጽእ ኣሎ ክመልሶ ምርኮና

ኣዒንቲ ዕውራት ኹለን ክክፈታ
ጎደናታት ኣስመራ ጥዑም ክሽትታ
ህዝብና ክድሕን ካብ ጸልማት ቆላሕታ
ይመጽእ ኣሎ የሱስ ን ኤረትራ

በረካታት ሃገርና ክሕጎሱ
ኣፍላጋት ኤረትራ መሊኦም ክፈሱ
ጸልእቲ ኣዝመራክን ከብዶም ክሕመሱ
ኣታ ይመጽእ ኣሎ የሱስ ን ኤረትራ

እወ ይመጽእ ኣሎ
ጽምኣታ ከርዊ መድሃኒት ኽኮና
ዕርቃና ኽከድን ሓዲሽ ክዳን ክኸድና
የምጽእ ኣሎ የሱስ ን ኤረትራ

ንፍቅሪ ናብ በትኡ ክመልሶ
ንሓጥያትና ክድምስሶ
ንሃገርና ናብ ንቡር ክመልሶ
ንሰላምና ውሕስነት ከልብሶ
ይመጽእ ኣሎ የሱስ ክቅንጥጦ

ህይወት ክዘርእ ፍጡሩ ክንስስን
ሽግርና ቀጢጡ ሰላም ከንብር
እቲ ዘይነበረ ምስ ህልው ኽጽንብር
እፎይታ ረኪብና ብህድኣት ክነብር
ይመጽእ ኣሎ እወ ይመጽእ የሱስ ን ኤረትራ
ኣታ ይመጽእ ኣሎ የሱስ ን ኤረትራ
ብ ሪመይ ተስፎም

0 comments
Other Poem