ኣተንስእ

Posted on 2012-12-08 · 1197 · 0 · 5

5 resources uploaded

ኣርሒቖም ዝርእዩ ነዊሕ ዘቋምቱ
ብእዋናዊ ነገር ዘይምለኹ ዘይድረቱ
ዓቕሞም ዝርድኡ ሓይሎም ዘይዝንግዑ
ተዛሪቦም ዘስምዑ ሰሪሖም ዘድሞዑ
ስለ’ተን መጓሰ ዝሓልዩ
ወለል ዝበላ ኣብራኽ ዘሳልዩ

ኣተንስእ

ብባህጊ ጽቡቕን ቅኑዕን ዝገብሩ
ናይ ጓኖት መሰውኢታትን በረኽትን ዝሰባብሩ
ምስሊ ጣኦታት ካብ ናብራኦም ዘወገዱ
ንኣምላኽን ሕጉን ጥራሕ ክስዕቡ ዘንቀዱ

ኣተንስእ

ቁጥዓኻ ዘዝሕሉ ኣብ ቅንኣትካ ዝቐንኡ
ንሕሩም ክጽየፉ ፋጺሞም ዘይሰግኡ
ፈለጥቲ ስርዓት ውግእ ብኣጽዋር እተማህሩ
ገጾም ገጽ ኣናብስ ኣብ ዙርያ ቤት ኣምላኽ ዝሓድሩ
ኣብ ደጌታት ሓለውቲ ሓያላት ጀጋኑ
ከም ሰስሓ ኣብ ኣኽራን ፍጡናት ዝኾኑ

ኣተንስእ

ኣጽዋር ጸላኢ ዘላልዩ፣ ስልቱን ብልሓቱን ዘይጋግዩ
ብመንፈስካ ተመሪሖም ዝግስግሱ፣ ቃላት ሓቂ ተመሊኦም ዚታኾሱ
ዮርዳኖስ መሊኣ ከላ ዝሳገሩ፣ ኣብ ለሰ ዘሎ ጸላኢ ዘባርሩ
ዅናትን ዋልታን ዝጾሩ፣ ቀስትን ፍላጻን ዝውርውሩ
ሰብ ስርዓት ትውክልቶም ኣብ ኣምላኽ ዝገበሩ

ኣተንስእ

ንየሩሳሌም ዝሃንጹ መካበብያኣ ዘሐድሱ
ንኣምላኽ ዘመስግኑ ብማህሌት ዝውድሱ
ዕሩዳት ከተማታት ቤት መዝገብ ዝሰርሑ
ብጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠቶም ዘስፍሑ

ኣተንስእ

ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ዝመልኩ ዝምዝዙ
ናይ መንፈስ ሰይፊ ቃል-ኣምላኽ ዝሓዙ
ድርዒ ጽድቂ ዝተኸድኑ ብሓቂ ዝተዓጥቁ
እምነት ዝዋልታኦም ወንጌል-ሰላም ዝሰነቑ

ኣተንስእ ጐይታ

እዚ ህዝቢ ለውጢ ይደሊ ኣሎ
ኣሳግሮ ኣብዚ ኣኽራን ዝተቐመጦ ይኣኽሎ

5 comments

ኣሜን ኣጋፐ ኣ

መሓሪ ሓውና፤ ኣምላኽ ይባርኽካ፤ ቅንዓቱ ከአ ይወስኽካ፤ በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ ብሩኽ ኩን

ብሩኻት ኣሕዋት ኤርምያስን የማነኣብን ጎይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም

ብሩኽ መሓሪ ሃወይ ጎይታ ይባርኪካ.ሴላሙ ዲማ ዪሃብካ.ኩላትና ከምዚ ናትካ ቂንአትን ንዑኡ ቐዳምነት ሂቡ ዚነብር ሂወትን እንተ አሉይና ቀሊል እዩ ነቲ ጎኢታ ጎይቶት ንጉስ ነግስታት.በዚ ቂንአት ንሽሊ ሽሎት እዩ መፍቲሒ.

ኣሜን መሓሪ ሓወይ! ኣምላኽ ቀላጽሙ ዘርጊሑ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ የተንስኣልናን የተንስኣናን! ጐይታ ይባርኽካ!
Other Poem