መን ይሕሸካ

Posted on 2012-11-12 · 1046 · 0 · 0

5 resources uploaded

መን’ዩ ዝሕሸካ ንመን ትቕበሎ
እንታይ’ዩ ምርጫኻ ኣብ ልብኻ ዘሎ
ንመን ከ ተቐድም ግዜኻ ትህቦ
በየናይ ትርዕም ባህግኻ ኣንብቦ
ምስመን ኢኻ ተትክል ብሕልሚ ብጋህዲ
ንመን’ከ ትውከል ንጨንፈር ዶ ጉንዲ
ንነብስኻ ሕተታ ስለ ዝምልከታ
ንመን ከምእትሰርዖ ቅድም ኣብ ህይወታ

እትኸዶ ምርጫ ናይ መጻኢኻ ዕጫ
መንዩ ዝገዝኣካ ትህቦ ብልጫ

የዒንትኻ ነየናይ እደልዩ
ነቲ ጽቡቕ ዘብህግ ምርኣዩ
ትንሓግካ ኸ በየናይ ሰዲዑ
በቲ ምቁር ጥዑም ንምብልዑ
ወይስ
ትጽመም-ትሃድም ንስጋኻ ትገዝኦ
ንግዚኡ ረቢሑ ዘልኣለም ካብ ተጥፍኦ
ኣእዛንካ ጽን ዶ ይብላ ድምጺ ከተናዲ
መሪሕነት ክትቅበል እትኸደሉ መንገዲ

የእጋርካኸ ናበይ ይቕልጥፋ
በቲ ጸቢብ ‘ዶ ብገፊሕ ክሓልፋ
ኣእዳውካ እንታ’ይየን ዘርክባ
ኦም ሂወት ዶ ኦም ጥፍኣት ይቕንጥባ
ልሳንካ’ኸ እንታይ’ያ ትልሕስ
ነቲ ቅቡእ ‘ዶ ንኣራዊት ተመጉስ
በል ምረጽ ግን ንኹሉ ሕሰቦ
ዓስቢ ምርጫኻ ንስኻ ከም’ትረኽቦ

0 comments
Other Poem