ሕጂ እውን ነዛ ትመጽእ ዓመት ተሓጋጊዝና ንሕለፋ

Posted on 2014-01-01 · 1635 · 0 · 0

32 resources uploaded


ሓደ መዓልቲ ሓደ ለማናይ ንሓንቲ ሰበይቲ ክትረድኦ ናይ ዕለት እንጌርኡ ዝኸውን መግዝኢ ገንዘብ ክትህቦ ስለ እዝጊሄር ኢሉ ይልምና ነበረ። ወዮ ሰበይቲ ትቕብል ኣቢላ ስለ እዝጊሄር ስለ እዝጊሄር ኢልካ ኣይትረብሸኒ ኪድ ባዕሉ ኣምላኽ ክረድኣካ ንዕኡ ክህበካ ለምኖ በለቶ። ወዮ ለማናይ ሓቕኺ ኔርኪ እንተ ዀነ ኣምላኽ ክርድኣኒ ንዓኺ እዩ ሂቡኒ ዘሎ በላ ይበሃል። እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ንሓልፎ ዘሎና ኢኮኖሚያዊ ነውጺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ናብራ ጽልዋ ልዕሊ ግምትና ዝዀነ ዓቢ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብዚ ክፍኡ እዋን ንብጻይ ክድግፍን ክሕግዝን ኣምላኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ኣብ ባህልና ሓደ ኣዚዩ ደስ ዘብል ጉዳይ እዚ ንቤተሰብካ ናይ ምሕግዛ መንፈስ እዩ። ነዚ ቓል ኣምላኽ ኣዚዩ እዩ ዝድግፎ እዚ እውና ካብ ኣምላኽ እዩ ኰይኑልና ዘሎ።
ቃል ኣምላኽ ካብቲ ሓደ ዘቐመጠልና መመርሒ ንድኻ ወይ ንጽጉም ክንሕግዝ እዩ። ከምዚ ኣብዚ እዋን እዚ ጸገምን ሕሰምን ገጢሙና ኣይፈልጥን እዩ፣ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ክንሰግሮ ኸኣ ሓደ ነቲ ሓደ ክድግፍን ክዕንግልን ኣለዎ። እቲ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ ዘሎ ኣይመስሎን ዝብል ምስላ ኣበው ኣባና ክሰርሕ የብሉን። ኣነ ጸጊበ ክሓድር ጐረቤተይ ግና ብጥሙይ ከብዱ ተዓጺፉ ክድቅስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃየንታ ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምድጋፍ ክዛረበና ከሎ ከምዚ ይብል “ሓደ ኣኳ ነቶም ናቱ ምናዳ ንስድራ ቤቱ ዘይሓሊ እንተሎ እምነቱ ዝኸሓደ ኻብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ” 1ጢሞ5፣8 ሎሚ ፍቕርና እንገልጸሉ ባይታ ተፈጢሩልና ኣሎ ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዝብላዕ ሲኢኑ ዕጽፍ ዝርግሕ ዝብል ዘሎ ብጻይና ብምድጋፍ እዩ።
ዘማራይ ዳዊት ኣብ መብል 41 መዝሙሩ ንጽጉም ወይ ንድኻ ምሕጋዝ ዘለዎ በረኸት ከመይ ምኻኑ ብሰፊሑ ይገልጽ እቲ ቓል ከኣ ከምዚ ይብለና “ንድኻ ዚሓልየሉ ብጹእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚኣብሄር ይድግፎ ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ” ዘገርም በረኸታት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ንጹጉም ወይ ንድኻ ዝርሕርሕ ሰብ። እቲ ካብ ዘለዎ ንዘይብሉ ክረድእን ክድግፍን ዝተላዕለ ሰብ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ዘውርዶ በረኸታት ዓቢ እዩ።
ኣብዚ ጹሑፍ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንምዝርዛር እንተ ተደልዩ ቀዳማይ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ እወ ነፍሲ ወከፍ ፉጡር ወዲ ኣዳም ኣብ ዕለታቱ ዝገጥሞ ናይ መከራን ናይ ስቓይን መዓልታት ኣለዋ። እቲ ኢዱ ንድኻ ኣሕሊፉ ዝጸነሐ ሰብ ግና ካብ ኣምላኽ ምድሓንን ምንጋፍ ንይረክብ። ካልኣይ እግዚኣብሄር ይሕልዎን ብህይወት ይነብርን። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ጽላል እቲ ኹሉ ዝክእል ክነብር ይፍቀዶ ሳልሳይ ከኣ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይከውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጽእና ምርካብ ማለት መጐስ ምርካብ ማለት እዩ እቲ ንድኻ ዝርሕርሓሉ ኸኣ እዚ መጐስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ይዓስል ማለት እዩ። ራብዓይ ከኣ ካብ ውዲት ጸላኢ ይባልሆ። ሓሙሻይ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዓራት የንጽፈሉ ይከናከኖ። እዚ እምብኣር ዓሲቢ እቲ ንድኻ ዝርሕራሓሉ እዩ።
እቲ ንድኻ ዝርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ ተባሂሉ ኣሎ። ንሕሰብ እሞ ንሰባት ኣለቂሒናዮም ክመልስሉና እንተ ዀይኖም እተን ዘለቀሕናዮም ምስ የቐንየልና እዩ። ንኣምላኽ እንተ ኣለቂሒናዮ ግና ብዕጽፍን ድርብን እዩ ዝመልሰልና። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንድኻ ኢሊና እንወስዶ ስጉምቲ ኣብ ካዝና ኣምላኽ ኢና ነቐምጦ ዘሎና። ካብ ንድኻ ምሕላይ ገዲፍና ገንዘብና ኣብ ጁባና እንገብሮ ኣንድሕር ኣሎና ግና ንብረትናን ሃብትናን ብኣሊፍ ምጥፍኡ ኣይተርፎን እዩ። ሎሚ ንጹጉማት ብምሕጋዝና እዩ እቲ ሓቐኛ ኣምልኾና ዝግለጽ። ሃዋርያ ያቆብ ኣብ መልእኽቱ ክጽሕፍ ከሎ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹሁን ርኽሰትን ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።” ይብል ያቆ 1፣27
ኣብ ትንቢት ኢሰያስ 58 ኣምላኽ ባዕሉ ንደቂ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምልኾን ጾሙን ክዛረቦም ከሎ “እቲ ኣነ ዝፈቶዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ ንጥቁዓት ምውጻእ ሓራ ኣርዑት ምዝላቕ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ ኣርዕት ዘበለ ኹሉ እውን ምሻባር ዶ ኣይኰነን? እንጌራኻ ንጡሙይ ክትመቅል ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ ዑሩቕ እንተ ሪኢኻ ኸትከድኖ ካብ ስጋኻውን ከይትሕባእ ዶ ኣይኰነን። ሹዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኸይኑ ኺወጽእ ምሕዋይካ ኸኣ ቐልጢፉ ክበቁል ጽድቕኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኺከይድ፣ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኺኽውን እዩ። ኣምላኽ እንተ ዝረድኣና ንድኻታት ምሕጋዝ ንጥሙይ ምዕንጋል ንጹጉም ምርዳእ ክሳብ ክንደይ ሰናይ ምኻኑ ክንፈልጥ። ንኣምላኽ እፈልጦ እየ ኣምላኽ ዝደልየኒ ኸኣ ይገብር እየ ዝብል ሰብ እዚ መንፈስ እዚ እንተ ዘይብሊ ኣሸንካይ ንኣምላኽሲ ንገዛእ ርእሱ እኳ መን ምኻኑ ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ።
ካብ ብዝሒ ሕሰምን ስቓይን ድኽነትን ሰብ ጉልባቡ ቀሊሑ ይወጽእ ኣሎ። ህጻናት ዝበልዕዎ ስኢኖም ኣብ ዘይመዓልቶም ይሓልፉ ኣለዉ። ኣብዚ ኣዋን እዚ ግና እታ ዘላትና ተኻፍሊና ብምብላዕ ነዛ ግዚ እዚኣ ክንሓልፋ ኣሎና። ከሎና ንሓውና ጥራሕ ኢድ ኣይንስደዶ። እዚ ሕጂ እዋን ጸፋዕፋዕ እንብለሉ ክንርኣ ኢልና ብዙሕ ወጻኢታት እነውጻሉ ግዜ ኣይኰነን እቲ ሃዋህው እውን ነዚ ኣይፈቅድን እዩ። ንጹጉም ሓና ሓዲግና ንሕና ሸንዳሕዳሕ ንብል እንተ ኣሎና ዀይና ግና ወይለና። ንጐረባብትና ንጠምት ነቶም ምስ ደቅና ዝጻወቱ የዕርኹትን መሓዙትን ዉሉድና ንርኣ። እዛ ሕጂ ንሓልፋ ዘሎና ግዜ ከምተን ቀዳማት ዝሓለፋ ናይ ስቓይ መዓልታትና ክሓልፋ እየን ግና ንጽባሕ ይኸውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝተርፍ ታሪኽ ንስራሕ። እንወጾ ወጻኢታትና ንመጥኖ ኣብ ሓልፊ ነገር ኣይነውዕሎ። በዚ ሓላፊ ገንዘብና ዘይሓልፍ ርስቲ ነዳሉ። ጽባሕ ንግሆ እንዳ እገለ ከምዚ ውራይ ጌሮም ምባል እናታይ ፋይዳ ኣለዎ? ኣናዳ እገል ነቶም ንሞት ቀርቦም ዝነበሩ ጎሮቤቶም ካብ ሞት ኣድሒኖሞም ክንብህል ዶ ኣይሓይሽን? ኣሓዋተይ ኣምላኽ እንገብሮ ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኮነን ምስ ነፍሲ ወከፍና ኸኣ ጸብጻብ ክንህብ ኢና። እቲ ንዕኡ ፈሪሕና ንድኻታት ምሕጋዝና ከኣ ብዘይ ዓስቢ ኣይኮነን ኣምላኽ ብመጠን ሃብቲ ክርስቶስ የሱስ ክባርኸና እዩ። ሎሚ ንጽግማት ክንረድእ ከሎና ብቐጥታ ንኣምላኽ ጥዑም መስዋእቲ ሽቶ ነቕርብ ከም ዘሎና ክንፈልጥን ከነስትውዕልን ኣሎና። ኣምላኽ ዝብህጎ መስዋእቲ ኸኣ እዚ ምኻኑ ነጊሩናን ኣብ ቃሉ ኣረጋጊጹልናን ኣሎ።
ሓደ ግዜ ጐይታና የሱስ ክርቶስ ኣብ ማቲዎስ 25 ዝተዛረቦ ዘረባ ኣሎ እቲ ቓል እስከ ነንብቦ “ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ ኩሎም መላእኽቲውን ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ ኩሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈላልየን ካብ ነንሕድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዒ ኣብ የማኑ ነተን ኣጣል ከኣ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሹዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት ንዑ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩሙኒ ጸምኤ ኣስቴኹምኒ ገይሸ ተቐበልኩምኒ ዐሪቐ ከደንኩሙኒ ሓሚመ በጻሕኩሙኒ ተኣሲረ መጻኩሙኒ። ሹዑ እቶም ጻድቃን ይምልሱሉ ገይታይ መኣዝ ጠሚኻ ራኢናካ ኣሞ ኣብሊዕናካ ወይ ጸሚእካ ኣስቲናካ መዓስ ጋሻ ዀንካ ሪኢናካ እሞ ተቐቢልናካ ወይ ዓሪቕካስ ከደናካ መኣዝከ ሓሚምካ ሪኢናካ ወይ ተኣሲርካ ብጺሕናካ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ እቲ ካብዞም ናእሽቱ ኣሓተይ ንሓደ ዝገበርኩሙል ንኣይ ከም ዝገበርኩሙለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኢሉ ይምልሰሎም።
ንርኢ ዘሎና ኣብዛ ምድሪ ከሎና ንጹጉማትን ንድኻታትን ንኣምላክ ከነኽብር ኢልና እንገብሮ ነገር ኩሉ ንኣምላኽ ነቲ ንጉስ ንገብሮ ምህላውና። ኣምብኣር ኣድዋና ንድኻትትን ንጹጉማትና ዘይምዝርጋሓና ከፍርሃና ኣዩ ዘለዎ። ከመይሲ ፍርዱ ከቢድ ስለ ዝዀን ነቶም ኣብ ጸግሙ ዘለዉ ኣንቱም ሩጉማት ኢሉ ኣዩ ጸዊዕውም። ጠምየ ኣየብላዕኩምንን ዓሪቀ ኣይከንክሙንን ተኣሲረ ኣይበጻሕኩምንን ይብሎም መዓስ ከምዚ ኮንካ ርኢናካ ይብልዎ “ሹዑ ንሱ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዘይገበርኩሙሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩሙለይ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ኢሉ ይምልሰሎም” ሎሚ ንሕና ካበየኖት ሰባት ኢና ካብቶም ንጹጉማት ንምርዳእ እንተግህ ዶ ወይ ካብቶም ነፋጋት ንገዛእ ርእስና ንመርምር ?
ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ሓደ ዝሃቦም ዘደንቕ ትእዛዝ ኣሎ እሱ ኸኣ ኣብ ዘጸኣት 23፣11 ከምዚ ይብል “ሹዱሽተ ዓመት ዕዮኻ ዕየ በታ ሳበዐይቲ ዓመት ግና ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኺበልዓ ትዕረፍ ሕደጋ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውልዕካን ድማ ከምኡ ግበር “ ወሲኹ ውን ኣብ ዘለዋውያን 19፣10 “ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይትእረዮ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጐ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ” ወሲኻና እስከ ሓንቲ ጥቕሲ ክንደግም እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሃበካ ምድሪ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይተጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ክፈተሉ እቲ ዘድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቃሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ ብልያል ክይህልወካ ተጠንቀቕ፣ እታ ሳበዐይቲ ዓመት ዓመት ሕድገት ቀሪባ እያ ኢልካ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውኻ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲካ ሃቦ ንእኡ ብምሃብካ እውን ልብኻ ኣይጉሄ፣ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ኹሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውኻን ሹጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ ኢለ እእዝዘካ ኣለኹ” ዘዳግም 15።7-11 ንድኻን ንሹጉርን ኢድካ ምዝርጋሕ እምብኣር ካብ ላዕሊ ካብቲ ከኣሊ ኹሉ ዝዀነ ኣምላኽ ዝመጸ ትእዛዝ እዩ። ነዚ ትእዛዝ ምፍራስ ማለት ከኣ ኣብ ህይወትካ መርገም ምዕጻድ ማለት እዩ።
እስከ ኣብ ፈቐዶ ጐደናታትና ክንደይ ዕሸላት እዮም ርድኣኒ እንበሉ ዝልምኑ ዘለዉ? ክንደይ ኣዴታት እየን ግልባበን ተሸፊነን ሕፍረት ዊሒጥወን ተተሓቢእን ዝልምና ዘለዋ? ክንደይ ስድራ እየን ንግዳም ምውጻእ ኣሕፍርዎን ኣብ ገዛ ተዓምጺጸን ዝድቅሳ ዘለዋ? ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ክንደይ ሃገር ሓዲጉ ይስደድ ኣሎ? ኣብቲ ስደት እውን ክንደይ ሓርጎጽገጽ ይሕለፍ ኣሎ? እዛ ሰዓት እዚኣ ካብ ማንም ሰዓት ንላዕሊ ኢድ ንኢድ ተትሓሒዝና ዘላትና ተኻፊልና ስስዐ ካባና ኣርሒቕና ክንከደሉ ዘሎና ዘመን እዩ። እዚ እንተ ደኣ ጌርና ብርግጽ ኣምላኽ ክበጽሓና እዩ። ኣቱም ነዚ እዋን ተጠቂምኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ድኻን ሹጉርን ዓመጻን ጻዕርን ግፍዕን ትውስኹ ዘለኹም ግና ወይለኹም። ከመይሲ ኣምላኽ ኣቦ ድኻታትን ዘኽታማትን መበለታትን እዩ። ንድኻ ዝጭቁን ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ እዩኡ ዝማጐቶን ዝዋገኦን ስለዚ ሰይፊ ኣምላኽ ኣባና ከይተዘርገሓት ኣብ ልዕሊ ሽጉራት ምሕረትን ርሕራሔን ነርኢ”
ያቆብ ኣብ መልእኽቱ ክዛረብ ከሎ “ኣቱም ሃብታማት እስከ ሕጂኸ በቲ ዚመጻኹም ዘሎ መግደራ ኡይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ። ሃብትኹም መሽሚሹ፣ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዖ፣ ወርቕኹምን ብሩርኩምን መሪቱ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ፣ ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኪበሎዖ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት መዝገብ ኣኪብኩም ኣለኹም። እንሆ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጽዱ ዓየይቲ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዚኒ ኣግዚኣብሄር ጻብኦት በጺሑ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ሓንቂቁም ጢዒምኩም ከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም። ፈሪድኩም። ነቲ ጻድቕ ቀቲልኩም ንሱ ኣይጻረረኩምን እዩ። ኣምላኽ ካብዚ ክምዚ ፍርዲ ይሰውረና። ሎሚ ብጻማ ድኻ ንድልብ ተሎና እዚ ፍርዲ እዚ ኣብ ባይትና ይኹሕኩሕ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።
እምብኣር ነዛ ዘልናያ ናይ ጸገምን ጭንቅን ግዜን ኢደይ ኢደይ ኢና ተደጋግፊና ተረዳዲኢና ኢና እንሓልፋ? ቃል ኣምላኽ “ነቲ ሹጉርን ድኻን ፍትሒ ኣውጻሉ ስለዚ ደሓን ኰነሉ እዚ ንኣይ ምፍላጥ ዶ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር” ኣብ ኤርምያስ 22፣26። ደሓን ክዀንልና ኣምላኽ ነገርና ክውድኦ ንድካታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንርዳእ ብዘድልዮም ዘበለ ነማቕል። የሱስ እኳ ነቲ ጐበዝ ሃብታም ብዘሎ ንብረትካ ሸጥካ ንድኻታት ሃብ ክብሎ ከሎ ኢና ንርኢ። ድኻታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኩራት እዩም። ኣብ ግዚኡ ኸኣ የልዕሎም እዩ። ንሕና ጽድቅና ክግለጽ ዓስብና ክበዝሕ ንኣምላኽ ዘሎና ክብርን ፍርሓትን ክረጋገጽ ኢድና ዝረኸበቶ ዘበለት ንጹግማት ንዘርግሕ።

0 comments
Other Article