ኣንባቆም

Posted on 2012-02-02 · 1925 · 0 · 1

32 resources uploaded

መጽሓፍ ቁዱስና 1189 ምዕራፋት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። እታ ናይዚ ምዕራፋት ማእከለይቲ ምዕራፍ ድማ መዝሙር ዳዊት 118 እያ። ቅድሚ እዛ መዝሙር 118 594 ምዕራፋት ኣለዎ። ድሕሪኣ ድማ 594። ካብዘን 1189 ምዕራፋት ድማ እታ ማከለይቲ ጥቕሲ ኣብ መዝሙር ዳዊት 118 ጥቕሲ 8 ትርከብ፣ ዘገርም ነገር እታ ጥቅሲ ከምዚ ትብል “ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ ኣግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።” ትብል። መጽሓፍ ቁዱስና ሕመረት መልእኽቱ እምብኣር ኣብ ኣምላኽ ምውካልን ምጽጋዕን ምኻኑ ካብዚ ግሉጽ ሓቂ ክንመሃር ንኽእል፣ ነዚ ሓሳብ ዘምጻኽዎ ብዛዕባ ሕመረታ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ክንውከል እትምህረና መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ክንርኢ ስለ ዝደለኹ እየ።

ትንቢት ኣንባቆም ካብተን ካልኦት ትንቢታት ብኣቀራርባ ዀነ ብትሕዝቶ ፍልይ ዝበለት እያ። ኣንባቆም ክንዲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝዛረብ ምስ ኣምላኽ እዩ ዝዘራረብ። ብዛዕባ ዝርኣዮ ዝነበረ ዘይፍትሓውነትን ኣበሳን እዩ ምስ ኣምላኽ ዝካታዕ ዝነበረ። ነዚ እዩ ተኻታዓይ ነቢዪ ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህቦ። ኣምባቆም እቲ ኣብ ኣምላኽ ምውካል እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ምዃኑ ዝተረደኣ ነቢዪ እዩ፣ ኣንባቆም ኣብ ማእከል ኣዚዩ ክፉእ ዓመጻን ሓጥያትን ግፍዕን ዘይፍትሓውነትን ዝነብር ዝነብረ ነቢዪ እዩ። እዚ ነቢዪ እዚ ዝግበር ዝነበረ ዓመጻ ንመንፈሱን ልቡን ዕረፍቲ ስለ ዝዀልኦ ኣብ ክንዲ ምስ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ምክታዕ ዝመረጸ ነቢይ እዩ። እዚ ዓቢ ናይ ኣምላኽ ሰብ መፍትሒ ኩሉ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ዝትረደኣ ናብኡ ንምቕራብ ድማ ምርጩኡ ዝገብረ ፍቓድ ኣምላኽ ክኸውን ድማ ኣሜን ኢሉ ብእምነት ዝተቀበለ ንኣምላኽ ምጽባይ ከኣ ብሉጽ መፍቲሒ ምዃኑ ዝተረድኣ ነቢዪ እዩ። እምብኣር ቀጺልና ገለ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1 ኣንባቆም ጽድቂ ኣምላኽ ክርኢ ዝናፍቕ ነቢዪ

ኣንብቆም ከምቲ ዝበልናዮ ኣብ ጽድቂ ዝጐደሎን ፍትሒ ዝተሳእነሉን እዋን ኣምላኽ ክብሪ ዝሰኣነሉ ሰዓት እዩ ዝነብር ኔሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድሌት ኣንባቆም ጽድቂ ስለ ዝነበረ ናብ ኣምላኽ ክጣራዕ ከሎ ንርኢ ከምዚ ድማ ይብል “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መአ ከእዊ እዩ፡ እነ፡ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣይድሐንካን። ስለምናትይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፡ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል። ስለዚ ሕጊ ደኸመ፡ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ኪበብዎ እዩ እሞ፡ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ አሎ።” ኣንባ 1፣2-4 ጸሎትን ድሌትን ኣንባቆም ምስ ጽድቅን ፍትሕን ዝተተሓሓዘ እዩ ዝነብረ። ሎሚ ባህግና ሃረርታና ከምዚ ናይ ኣናብቆም ብዛዕባ ፍትሕን ሓቅን ቅድስናን ጽድቅን ክኸውን እዩ ባህጊ ኣምላኽ።

ኣምላኽ ብባህሪኡ ነቶም ጽድቂ ዝጸምኡን ዝደልዩን ኩሉ ግዜ ቀረብኦም እዩ። ነዚ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እቶም ጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምእን ክጸግቡእ እዮም እሞ ቡጹኣን እዮም ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ኣንባቆም ዝኣዊ ዘሎ ወይ ድማ ዝገዓረ ንሱ ስለ ዝተተንከፈ ወይ ጥቕሙ ስለ ዝጎደሎ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ጽድቂ ኣምላኽን ክብሩን ኣብ ህዝቡ ሃገሩ ክገድል ስለ ዝረኣየ እዩ። ነዚ እዩ ዎ ኣምላኽ ረሲእነትን ሓጥያትን በዚሑ ትም ዲኻ ትብል እናበለ ምስ ኣምላኽ ዝማጐት ዝነብረ።

ሎሚ ልብና ዝደልዮ ኩሉ ኣብ ህይወትና ምድርና ኩነታትና ኰታ ኣብ ኩሉ ነገር ጽድቂ ኣምላኽን ፍትሑን ክንገስ ክኸውን ኣሎና። ካብ ገዛእ ርእስና ዝወጻና ክንከውን ይግብኣና። እቲ ጸገምና ብዙሕ ግዜ ካብ ገዛእ ርእስና ስለ ዘይወጻና ድሌትና ኩሉ ድማ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘቶኮረ እዩ። ሎሚ ብፍላይ ኣብዚ ግናይ እዋን ጽምእና ኩሉ ጽድቂ ኣምላኽ ክንገስ ክኸውን ኣለዎ፣ ዳዊት እቲ ከም ልቢ ኣምላኽ ዝተባህለ ሰብኣይ ክምዚ ናይ ኣምባቆብ ኣምላኽ ግብኡ ቦትኡ ከይረኸበ ዘይዓርፍ ሰብ እዩ ኔሩ። ነዚ እዩ ሓደ ግዜ ንናታን “ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ፡ በሎ።” 1ዜና 17፣1 ባህጊ ዳዊት ሓደ እዩ ታቦት ኣምላኽ ክብሪ ኣምላኽ መዕረፊ ክረክብ። ነዚ ድማ እዩ ኣብ መዝሙራቱ ታቦት ኣምላኽ መዕረፊ ስለ ዘይረኸበ ድቃስ ከም ዝሰኣነ ዝዝምር።

ሎሚ ንሕና ጓሂና እንታይ እዩ? ኣብ ህይወትና እንደልዮ ስለ ዝጐደለ ዶ ወይ ጽድቅን ፍትሕን ነጊሱ ዘይምርኣይና ዶ? ኩቡራት ሰማዕቲ ኣሕዋተይ ልብና ዝናፍቖ እዚ ይኹን ካልእ እቲ ዘድሊ ኣብ ግዜኡ ብሰዓቱ ምምጽኡ ኣይተርፍን እዩ። ኣብዚ ግዜና ዓመጽ ዓመጽ ኢሎም ዘእውዩ፣ ታቦት ሕይሊ ኣምላኽ ክግለጽ ዝናፍቑ ሰባት ይድለዩ ኣለዉ። ኣምላኽ ኰታ ካብኣቶም እንተ ዝገብረና። ዓመጽ እናረኣየ ዘእዊ ምስ ዓመጽ ኣይሓብርን እዩ፣ ፍትሒ እናተጠውየ ዝግዕር ምስ ዘይፍትሓውነት ኣይጽንበርን እዩ። ስለ ጉፉዓትን ጡቑዓትን ደው ይብል። ኣንባቆም እዚ እዩ ጌሩ ሎሚ እዚ መንፈስ ኣባና ክሓድር ጐይታ ይርድኣና።

2 መልሲ ኣምላኽ ፉሉይ ምዃኑ ዝተረድኣ ነቢዪ

ኣንባቆም ከም ዝረኣናዮ ንፍትሒ እዩ ዝጽልን ዝጸምእን ዝነበረ፣ ብፍላይ ደቂ ህዝቡ ምስ ዓመጹ ኣምላኽ ስቕ ኣይትበል ኢድካ ዘርግሕ እናበለ ይልምንን ነበረ። ኣንባቆም ከም ዝመስለኒ እቲ ንሱ ዝደልዮ ዝለመኖ ክገብር እዩ ንኣምላኽ ዝሓቶ ዝነበረ። ኣምላኽ ድማ እሙን ስለ ዝዀነ መሊስሉ። መልሲ ኣምላኽ ግና ኣብቲ መጀመርያ ንኣንባቆን ኣይዕገቦን። ምኽንያቱ ትጽቢት ኣንባቆምን ግብረ መልሲ ኣምላኽን በበይኑ ስለዝኸነ እዩ። ኣምላኽ እወ ንኣምባቆም ሓቅኻ ኣበሳ ርእየ ኣለኹ ኣነ ድማ ነዚ ክቐጽዖ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ከለዳውያን ከልዕል እየ በሎ። ኣንባቆም እዚ ነግር እዚ ኣይተዋሕጠሉን ነዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ከምዚ ክብል ዝተኻትዐ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ቕዱሰይ፡ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኮንካን፡ ንሕና ኣይንመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፡ ኣታ ኸውሒ፡ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም። ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፡ ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኮነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም፡ ከመይከ እቲ ረእሲ ነቲ ኻብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል፡” 1፣12-14” ኣንባቆም ንሓሳብ ኣምላኽ ከም ዘይልውጦ ተረዲእዎ፣ ሓሳብ ኣምላኽ ድማ ክንዮ ጸሎቱን ክትዑን ዝኸይድ ዓቢ ምዃኑ ኣስተውዒሉ። ፍቓዱ ክገብር ዝኽልክሎ ከም ዘይሎ ድማ ኣሚኑ። ኣምላኽ ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ናይ ቀረባ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ሩሑቕ ከም ዝርኢ ኣስተውዒሉ ነዚ ድማ እዩ ምስቲ ኣምላኽ ዝበሎ ሓሳብ ብምስምማዕ ከምዚ ክብል ዝተዛረበ “ብዛዕባ እቲ ኼትዔይ ንሱ እንታይ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተጠንቂቐ ኽርእስ፡ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል፡ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቕውም እየ። 2፡3- እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ ናይ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፡ ኣይሕሱን ከአ እዩ” ሎሚ ንሕና ምስቲ ኣምላኽ ዝበሎን ዝሓሰቦን ምኽሪ ንሰማማዕ ዶ? ኣምላኽ እቲ ዝበሎ ክገብር ዝኽልክሎ ከምዘይሎ ፈሊጥና ተጠንቂቕና ዶ ኣቦታና ንርከብ? እቲ ጸገም እቲ እንደልዮ እቲ እንልምኖ እቲ ክዀነልና እንደልዮ በቲ ንሕና ዝሓሰብናዮን ዝደለናዮን መንገድን ኣገባብን ኩነትታትን ክፍጸምን ኩውን ክኸውን ስለ እንደሊ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ዘመናት ኩሉ ምስ ገዛእ ርእሱ እምበር ምስ ሰባት ተሰማሚዑ በቲ ሰባት ዝደልይዎ መንገዲ ኣይኰይድን እዩ። ኣብ ህይወትና ፍቓድ ኣምላኽ እምበር ንሕና ዝፈቐድናዮ ነገር ኣይኰነን ዝፍጸም። ንኣምላኽ ነቲ ዝሓስቦ ክኸውን ድሌቱ ከይገብር ከይገብር ምስኡ ብዙሕ ሳዕ እንተ ተኻታዕና ኣይንልውጦን ኢና።

ኣምላኽ ንዮናስ ናብ ነነዌ ኸይድካ መልእኽቲ ኣብጽሕ ተባሂሉ። ነዛ ነገር ክቕይራ ብዙሕ ፈቲኑ ግና ኣይከኣለን ሓሳብ ኣምላኽ ሲዒሩ። ስለዚ ብዙሕ ግዜ ኢና ንኣምላኽ ኣብ መደብና ከንእትዎ ንጋድል እዚ ግና ኣይኰውንን እዩ ኣምላኽ እዩ ኣብ ሓሳቡ ከእትወና ዝደሊ እምበር ኣብ ሓሳብና ኣይኣቱን እዩ። ነዚ እዩ ኣብ ኢሰያስ ባዕሉ እግዚኣብሄር ክዛርብ ከሎ “ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።” ሎሚ ኣምላኽ ክዛረብና ከሎ ኣምላኸይ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን መልስኻ እምበር ድሌተይ ኣይደልን እየ ኢልና ዶ ከም ኣንባቆም ምስ ኣምላኽ ንሰማማዕ።

ኣንባቆም ንሓሳብ ኣምላኽን ነቲ ንሱ ዝበሎን ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ከም ዝፍጸም ኣሚኑ ንኣምላኽ ንምጽባይ መሪጹ ኣምላኽ ከም ዘይሕሱ ኣረጋጊጹ። ጸሎት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እውን ኣቦይ ፍቕድካ እንተ ዀይኑ እዛ መራር ጽዋእ ካባይ ትሕለፍ ግና ፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ኣይኰን ብምባል ዓቢ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ። ድሌትና ጸሎትና ገዓርና ምህለላና ቁኑዕን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክኸውን ይክእል እዩ፣ ኣምላኽ ነዚ ከምዚ ዓይነት ድሌትን ጸሎትን ባህግን ይምልሶ እዩ ግና ከምቲ ንሱ ዝደለዮ ጌሩ እምበር ከምቲ ንሕና ክኸውን እንደልዮ ጌሩ ኣይኰነን። ነዚ ኢና ከም ግዙእ ኣብርሃም ኣምላኽ መንገዱ የቕናዓሉ ከም ዘሎ ክርኢ ብህድኣት ብምስትውዓል ዝጽበ ዝነበረ ንሕና እውን እናተጸበና ከም ኣንባቆም “እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ ናይ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፡ ኣይሕሱን ከአ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጉን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጎየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጉያ ኺንበብሲ፡ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፡ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፡ ኢሉ መለሰለይ።እንሆ፡ ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኡውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር። እናበለና ነቲ ኣምላኽ ክገብሮ ዝሓሰበ ኣኣሜን ኢልና ንቀበል። ሓሳብ ኣምላኽ ሰናይ እዩ። ኣምላኽ ብኽትዕ ኣምባቆም ኣይተሰነፈን ኣምባቆም እዩ ብመልሲ ኣምላኽ ተሳዕሩ ንግብሪ ኣምላኽ ክርኢ ዝወሰነ ንሕና ኸ? እዚ ነስተውዕል እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፡ ኩላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል። ንሕና ድማ ህድእ ኢልና ኣምላኽ እንታይን ብኸመይን ከም ዝግበር ንፍለጥ። ከምቲ ንሕና ዝደለናዮ መንገዲ ኣምላኽ ክመርሓና ንድሊ እንተ ዀይና በቲ ዝባህጋናዮ ባህጊ ጥራይ መልሲ ጸሎትና ንምነ እንተ ዀይና፣ ሕልምና እምበር ሕልሚ ኣምላኽ ራእና እምበር ራኢ ኣምላኽ ክፍጽመ ዘይንደሊ እንተ ዀይና ኣብ ኣምላኽ እምነት ከም ዘይብልና መረጋገጺ እዩ። ኣንባቆም ግና ካብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ሓሳብ ስለ ዝወጸ እዩ ጻድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር ዝበለ። ንኣምላኽ ምእማን ምዝማርን ምጽላይን ዘይኰነ ዘኽብሮስ ሓሳብ ሰናይ ምኻኑ ፈሊጣና ንዕኡ ምእማና እዩ። ስለዚ ምስ ሓሳብ ጐይታ ንምስስምማዕ ጐይትና ይደግፈና።

3 ኣምባቆም ክንዮ ኩነታት ክኸይድ ዝወሰነ ነቢዪ

ኣምባቆም ኣብቲ ኣዚዩ ክፉእ እዋን ቅልውላው ዝበዝሓሉ ሓጥያት ዝነገሰሉ ጻድቕ ዝሰኣነሉ ፍትሒ ዝጐድለሉ ሕቶ ዝበዝሓሉ እዋን እዩ ዝነብር ዝነበር። ነቲ ኩነት ክገልጾ ከሎ “ሰማዕኩ፡ ከብደይ ከአ ኣንቀጥቀጠ፡ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ፡ ቁንቁነ ኣብ ኣዕጽምተይ አተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸአ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ” ካብዚ ተበግሲካ እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣዚዩ ክፉእን ሕማቕን ከም ዝነበረ ትርኢ። ኣንባቆም ኣብዚ ነቲ ዝብሎ ዘሎ ቃል ብቓል እንተ ወሲድናዮ መዓትን ሽግርን ክመጽእ ምኻኑ እዩ ዝዛረብ ንዕኡ ክርኢ ድማ እዩ ዝጸበ ዝሎ። ሰብ መጻኢኡ ጹቡቕ ክኸውን እምበር መዓትን ሕሰምን ክመጽእ ኣይኰነን ዝጽበ ዘሎ። ኣንባቆም ካብ ኣምላኽ ዝሰምዖ ስማዕ ግና ፍርዲ እዩ መቕጻዕቲ ህዝቡ እዩ፣ ነዚ ዀይኮነ ኣይተርፍን “ዎ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፡ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ፡ ብቑጥዓ ኸአ ምሕረት ዘክር።” ብምባል ንኣምላኽ ዝተማዕጸነ።

ኣንባቆም ኣብ ኩነታት ዝለዋወጠሉን ላዕልን ታሕትን ዝበለሉ እዋን ንኣምላኽ ንምእማን ግና ወሲኑ። ነዚ እዩ 3ይ ምዕራፍ ኣንባቆም እንተ ኣንቢብና ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽ ዝዝምርን ዝዛረበን። ከምይሲ ኣምላኽ ክንዮ ኩነታት ምኻኑ ኣሚንዎ፣ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ቦታን እዋንን ዝእመን ኣምላኽ ምዃኑ ተረዲእዎ። ነዚ ድማ እዩ እታ ኩላትና እንፈልጣ ጥቕሲ ዝዘመረ ከምዚ ትብል “ኦም በለስ ኣይክትዕብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርቡ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፡ ኣብጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍእ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰእና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ፡ ሓይለየ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፡ ኣብቲ በኽሪ ቦታይውን ክመላለሰኒ እዩ።” ሎሚ ንሕና ከመይ ኢና። ኣምላኽ ክንዮ ኩነታትን ዓቕምናን ምዃኑ ፈሊጥና ሓይልና ምዃኑ ኣሚና ኣብኡ ብምውካል ነዚ ዘመን ክንሓልፎ ወሲና ዶ ኣሎና?

በቲ ኣምላኽ ፈቂድዋ ንሓልፎ ኩሉ፣ በቲ ሰይጣን ኣዋዲድዎ ዝመጽእ ፈተና ኹሉ ክንሓልፍ ከሎና ኣምላኽ ሓለፋ እዚ ምኻኑ ንኣምን ዶ? ኣምላኽ ህዝቡ ኣብኡ ዝውከሉ ምእመነ ክዀኑ ይደሊ። ኣምባቆም ዝሓልፎ ዘበለ ኹሉ ኩነታት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ጸብጽሖ ጉዕዞ መንፈሳውነት ምዃኑ ተረዲኡን ኣሚኑን ንሕና ኸ? ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ንኣምላኽ ክንዮ ዝገጥሞም ብድሆን ማሕለኻን ምዃኑ ስለ ዝኣመኑ እዮም ንኣምላኽ ኣስሚሮም ሓሊፎም ተዓዊቶም። ክንዮ ብኽያቶም ኣምላኽ ምጽንናዕ ምኻኑ፣ ክንዮ ጐቦ ኣምላኽ ጐልገሎ ዝገብር ኣምላኽ ምኻኑ፣ ክንዮ ክብደቶም ኣምላኽ ጾዋር ጸሮም ምኻኑ፣ ክንዮ ጽምኦም ርውየቶም ክንዮ ጥሜቶም ጽጋቦም፣ ክንዮ ቓንዛኦም መድሃኒቶም ምኻኑ ኣሚንም ሓሊፎም፣ ኣብቲ በይኖም ኰይኖም ዝስምዖም እካ ንኣምላኽ ተኣሚንሞ፣ ቆፎኦም ብባዶ ምስ ኰነ ኣይከሓድዎን፣ ኣብቲ ኩሉ ክስእኑ እኳ ኣምላዀ ምልኣት ምዃኑ ኣስተውዒሎም፣ ነዚ ቃል ኣምላኽ ኣብ እብራውያን ብዛዕብኦም ብዛዕባ እቶም ናይ ኣምነት ጀጋኑ ብመከራን ብስቓይን ዝሓለፉ ንኩነታት ከይጠመቱ ሲዒሮም ዝኸዱ ኣቦታትና ምስ ተዛረበ ነዞም ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎና ኣመንቲ ክምዕደና ከሎ “- ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣኽል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዂሉ ዚኸብደና ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጒየ።ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ።” ብምባል ሓለፋ ዝዀነ ኩነትን ማዕበልን የሱስ ክርስቶስ ክጥመት ከም ዘለዎ ይምዕደና።

እዚ ዘሎናዮ እዋን ንኣምላኽ ምስ ገንዘብን ሃብትን ምስ ጣዕምን ምቾትን ስለ ዘተሓሓዝናዮ ክንዩኡ ድማ ክንጥምት ስለ ዘይከኣልና ብዝዀነ ነገር ንኽንናውጽ ኣብ ቀረባ ዘሎና። ክርስትና ምስ ገዛእ ርእስና ጣዕሚ እምበር ምስ ምኽሪ ኣምላኽ ብሰንኪ ዘይምትሕሓዝና መከራ ክመጸና ከሎ ንስንብድ፣ ነቶም ብመከራ ዝሓልፉ ድማ ብሰንኪ ኣበስኦም ከምዝዀነ ሓሲብና ዝወጽሉ ሕግታት ንምሃብ ንቀዳደም፣ እዚ ንኣምላኽ ክንዮ ክነታትና ዓቢ ምኻኑ ዘይምፍላጥና እዩ፣ ኣምላኽ ንዓይን ንዓኻትኩምን ዕቤቱን ክብሩን ክንርኢ ኣዒንትና ይኽፈተልና።

ክቡራት ሰማዕትና እምብኣር ጥሜትናን ጽምኣናን ከም ኣምባቆም ጽድቂን ፍትሒ ኣምላኽን ክንግገስ ክገዝእን ክኸውን ኣለዎ። መልሲ ኣምላኽ ሓስቡ ምኽሩ ኩሉ ካብቲ ንሕና እንደልዮን እንሓስቦን ፉሉይ ምኻኑ ንረዳእ ኣምላኽ ክንዮ ኩነታትን ዝመስለልናን መከራን ፍርድን ኩሉ ዓቢ ምዃኑ ንፍለጥ ኣምላኽ ይርድኣና።

1 comments

· 2013-01-27
አምላኽ ሰማይ ይባርኽካ ሃኒባል ሓወይ፡አዚኡ ባሪኹኒ መልእኽትካ.....ኣምላኽ ብወዱ ክርስቶስ ገሩ ምኽሩን ሓሳቡን ይግለጥጸልካ።
Other Article