ወንጌላውያን ክርስትያናትን ፖለቲካን

Posted on 2012-11-22 · 4945 · 1 · 9

4 resources uploaded

ንንውሕ ዝበለ እዋን ክርስትያናት፣ ብፍላይ ድማ ወንጌላውያን ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ኤርትራ እንታይ ተራ ከምዘሎና ንዓና ኮነ ንኻልእ ድንግርግር ኪብለና ዝጸንሐ ኮይኑ ይርድኣኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ክርስትያን ኣብ ምድራዊ ነገራት ጉዳይ የብሉን፣ ንሱ መንፈሳዊ እዩ እሞ ናይ ሰማይ፣ መንፈሳዊ ነገር እዩ ዚምልከቶ ዚብሉ ወገናት ኣለዉ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ክርስትያን ከም ኩሉ ካልእ ሰብ ብዛዕባ ኹሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት የገድሶ እዩ ዚብሉ ወገናት ኣለዉ። እዚ ኽልተ ደምበ ርእይቶታት ኣብቲ ወንጌላዊ ክርስትያን ከምኡውን ኣብቲ ካልእ ዜጋ ንረኽቦ እዩ። ንዓይ ብወገነይ እዚ ክልተኣዊ ኣመለኻኽታ ጥራይ ዚኣክል ኮይኑ ኣይስመዓንን። ከመይሲ ህይወት ሰብ መንፈሳዊት ወይ ግኡዛዊት ጥራይ ኣይኮነትን። ህይወት ሰብ እተጠናነገት (ኮምፕሌክስ) እያ። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራትን ክውንነታትን ድማ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ትሓትት። ጥርዛዊ ኣመለኻኽታ ንኹሉ ሓቅታትን ክውንነታትን ዚምልሰልና ኣይመስለንን። በዚ መንጽር እዚ እየ ብዛዕባ ተራ ወንጌላውያን ክርስትያናት ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ሃገርና ክዛረብ ደልየ ዘለኹ።

ክርስትያናት፣ ኣብ ምድሪ እንነብር ንስርዓት ምድሪ ድማ ተገዚእና እንኸይድ ናይ እምነት ሰባት ኢና። ከምቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ግብሪ ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ፣ “እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ሃቡ” ዝበለ (ማርቆስ 12፣17)፣ ንኹሉ ገጕቡኡ እናሃብና ኢና ኽንከይድ ተጸዊዕና። ኣብዚ ዓውደ ንባብ (ኮንቴክስት) ቄሳር ንመንግስታት ምድሪ፣ ኣምላኽ ድማ ንሰማያዊ መንግስቲ እዮም ዚውክሉ ዘለዉ። ክርስትያናት ኣብ ክልቲኡ ጽፍሕታ ህላወ ከም ምህላውና መጠን ነዚ ኽልቲኡ ነገራት ኽንገብር ከለና ዜግነታዊ ሓላፍነትናን ክርስትያናዊ ጽወዓናን ብግቡእ ሓሊና ኽንነብር ንኽእል። ከም ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር መጠን፣ እቲ ንዜጋ ሓንቲ ሃገር ዘለዎ መሰልን ግዴታን ንዓና ድማ ይምልከተና። ሕብረተሰብ ሓንቲ ሃገር ነቲ ግቡእን (ግዴታ) መሰልን ብዚምልከት፣ ብቓላት ጂን ጃክ ሩሶ፣ “ሓባራዊ ውዕል” (ሶሻል ኮንትራክት) ኣለዎም። ነዚ ድማ ብሓደ ውዕላዊ ሰነድ ወይ “ቅዋም” ኣቢሎም ከም ሕጊ የጽድቕዎ። ብዘይ ቅዋም መን እንታይ ይብጽሖ? ኣብ ሕብረተሰብ እንታይ ተራ ይህልዎ? እንታይ ኪገብር ይግደድ? መን የገድዶ? እንታይ ይፍቀዶ፣ እንታይ ኣይፍቀዶን? መን የፍቅደሉ? ደረት ከይስገር፣ ዓመጽ ከይፍጸም፣ እንታይ መኸላእታ ይግበር? ወዘተ ኣይፍለጥን እዩ። ቅዋም እንተዘይሃልዩ ምልኪ ይነግስ፣ ዝርግርግ (ኬኦስ) ይገዝእ፣ ሓታቲ ተሓታቲ ኣይፍለጥን፣ ዓመጽ ይካየድ፣ ፍትሒ ይድፈን፣ ሰብኣዊ መሰላት ይገሃስ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኹነታት ወዲ ሰብ እቲ መሰረታዊ ናይ ምንባር ሃዋህው ስለዚንፈጎ ካብታ ሃገር መዋጽኦ ጥራይ እዩ ዜናዲ፣ ወይውን ሰውራ (ሪቮልዩሽን) እዩ ዜልዕል። ታሪኽን ህሉው ኩነታት እዛ ዓለም ብሰውራታትን ቅልውላውን ስደታትን ምሉእ እዩ። ዋላኳ ንሰውራታት ብዙሕ ውዳሴታት እንተተገብረሉ፣ ሰውራ (ሪቮልዩሽን) ንባዕሉ ዘይተደልየ ሳዕቤን ምልካውነትን ዓመጻን እዩ። ባዕሉ ንባዕሉስ (ኢንትሪንሲካሊ) ሰውራ እንቋዕ መጻኻለይ ዚበሃል ነገር ኣይኮነን። ብዘይ ሰውራ ፍትሒ እንተዚነግስ መን ምሃበ! ግን ባህርይ ወዲ ሰብ ንሰውራታት ኣገዲዱስ ኣብ ዘመንና እኳ ሓይሎ ሰውራታት፣ ብቐረባ እኳ እቲ “ቀውዒ ዓረብ” ተባሂሉ ዘሎ ሰውራታት ኣርኪቡና።

ምድርን ደቂ ሰባትን ንግህሰትን ደፈና ፍትሕን ክሳዕ መወዳእታ ኣይዕገስዎን እዮም። ካብ ፈርኦናት ግብጺ ክሳዕ ናይ ዘመንና መለኽቲ ድማ ነዚ ሓቂ እዚ ብግብሪ ይርእይዎ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ህላወ፣ ክርስትያናት ኣብ ምንታይ ኢና ደው እንብል? እንታይ እዩኸ ተራና? ፍትሒ ዝጸምአት ዓለም ድማ ኣበይ ኣለዉ? ኽትብለና ግቡእ ሕቶ እዩ። እሞኸ ኣበይ ኣሎና?

ከም ውልቀ ዜጋ፣ ክርስትያን ንፍትሕን ሓርነትን ወዲ ሰብ ደው ኪብል ብግዲ እዩ። ምክንያቱ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ንወዲ ሰብ ሓራ ፍጥርት ገይሩ ፈጢሩዎ። ኣምላኽ ንሰብ ሓራ ጥራይ ኣይኮነን ገይርዎ፣ ንብጻዩ ዜፍቅር ዚሓሊ ኪኸውን ድማ ይደልዮ። ኣብዚ ድማ እዩ ናይ “ፍትሒ” ነገር ዚመጽእ። ደቂ ሰብ ብሓባር ኪነብሩ ካብ ዚጅምሩ ድማ ፍትሕን ሓርነትን መሰረታዊ ማእሰር ሕብረተሰብ እዩ። ስለዚ ምእንትዚ ክብርታት እዚ ደው ምባል እምበኣር ንክርስትያን ኮነ ንኻልእ መሰረታዊ ሞራላዊ ሓላፍነት እዩ። ሓደ መዐቀኒ ስልጡን ሕብረተሰብ ድማ ክሳዕ ክንድይ ንፍልልይ ሓሳባት ይጸውር፣ ሓርነትን ፍትሕን ደቂ ሰብ የኽብርን እዩ።

ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ፣ ደቂ ሰባት ኣንጻር ምልክን ዓመጽን ደው እንተዘይኢሎም ብገዛእ ኢዶም እዮም ርእሶምን ካልኦትን ንዓመጻ፣ ምልክን ግህሰትን ኣሕሊፎም ዚህቡ። ምልክን ግህሰትን ድማ ሓንሳእ ዕድል እንተረኺቡ፣ ደረት የብሉን። ብኣገላልጻ ፍራንሲስ ሾፈር ዝተባህለ ክርስትያን ፈላስፋ “ኣብ ሓንቲ ሃገር ንሲቪላዊ ኣብያ (ሲቪል ዲስኦቢድየንስ) ባይታ እንተዘየለ፣ ሓደ መንግስቲ ድላዩ ኪገብር ነጻ ተለቒቑ፣ ቃል ብቓሉ ድማ፣ ናይቲ ህያው ኣምላኽ ቦታ ተዋሂቡዎ ኣሎ ማለት እዩ።” መወዳእታ ምልካውነት ድማ ዕንወትን ብርሰትን እዩ። ስለዚ በዚ ይኹን በቲ፣ ብፍላይ ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ንክርስትያን፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሞራላዊ ተራ ኣለዎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ “ትም” ልቦና ኣይኮነን። ትም በዚ ኾነ በቲ ንህሉው ኩነታት ምቕባል፣ ወይ ምስኡ ምስማር ኬስምዕ ይኽእል። ሒደት ሰባት ትም ኪብሉ ይኽእሉ እዮም ኩሉ ትም እንተኢሉ ግን...።

ቤተክርስትያን ኣንጻር ዓማጺ፣ ፍትሒ ዚደፍን፣ ሞራላዊ ብርሰት ዜስርጽ ስርዓት ደው ክትብል ናይ ተቢይነት ግደ ኣለዋ። ዋላኳ ንኹሉ ናይዛ ዓለም ጸገምን ሽግርን ክትፈትሕ ዘድሊ ጥረነገራት እንተዘይሃለዋ፣ ኣብ ስነ-መጎት ፍትሕን ሓቅን ልዑል ባይታ (ሃይ ግራውንድ) ደው ክትብል ጽወዓን ሓላፍነትን ኣለዋ። ገለ ክርስትያናት፣ ናይዛ ዓለም ጸገምን ሽግርን ክንፈትሕ ዓቕሚ ኮነ ትሕዝቶ የብልናን ይብሉ እዮም። እቲ ሕቶ ግን ምፍታሕ ሽግር ኣይኮነን፣ እንታይ ዓይነት ሞራላዊ ሓላፍነት ትወስድ እዩ። ምስ መን ደው ትብል እዩ። ንኣብነት ክርስትያናት ድኽነት ካብ ዓለም ከነጥፍእ ዓቕሚ የብልናን ይበሃል ይኸውን። ግናኸ ከምኡ ስለዝኾነ ንድኻታት ክንረድእ ምስኦም ክንከውን የብልናን ማለት ኣይኮነን። ንመለኽቲ ወይ ገፋዕቲ ካብ ዓለም ከነርሕቕ ዓቕሚ የብልናን ኢልካ ድማ ንግፉዓት ግዶም ዘይብልካ ኽትከውን ኣይግባእን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ ብሉይ ኮነ ሓድሽ ኪዳን ቤተክርስትያን ወገን ናይቶም ግፉዓት እያ እትሕዝ። ቃል ኣምላኽ፣ “ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ” ብምባል ነዚ ኣነጺሩ ይዛረብ (ኢሳይያስ 1፣17)። ምስዚ ዚመሳሰል ሓሳብ ኣብ ያእቆብ 1፣ 27 ድማ ንረክብ ኢና። ስለ ፍትሒ ደው ምባል ጉዳይን ኣመትን እቶም ግፉዓት ምግባር “ፍቕሪ” ዝምንጩ ባህርይ ቤተክርስትያን እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ድማ ቤተክርስትያን ንፍትሒ ዜውጽእ፣ ቅንዕና ዚፈቱ መሪሕነት ኽተተባብዕ፣ ነቶም ዜጋታት ድማ እዙዛት ኮይኖም ኪመላለሱ ኽትምዕድ ናይ መምህር ግደ ኣለዋ። እዚ ብምግባራ ቤተክርስትያን ኣብ ፖለቲካ ኢዳ ኣእትያ ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ፣ መንግስትን ቤተክርስትያንን ዝተፈላለየ ባይታ እዩ ዘለወን። ፍልልይ ቤተክርስትያንን መንግስትን (“ሰፐረይሽን ኦፍ ቸርች ኤንድ ስትይት”) መሰረታዊ ምህሮ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን እዩ። እዚ ኸኣ ቤተክርስትያን ኣመሓዳሪት መንግስቲ ኸይትኸውን፣ መንግስቲ ድማ መንፈሳዊ መራሒ ከይከውን ስርዓት ዜትሕዝ እዩ። ስለዚ ድማ እያ ቤተክርስትያን ነጻ ዝኾነ ኣመለኻኽታን ዕዮን ብዛዕባ ተግባራን ሞራላዊ ሓላፍነታን ኪህልዋ ግድን ዝኾነ።

ሓደ ካብቲ ሓያሎ ጨፍለቕቲ ስርዓታት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ንጥቕሚ ረብሓኦም ዚትርጉምዎ ኽፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ሮሜ 3፣1-4 ዝጸሓፎ ክፍሊ እዩ። ከምዚ እዩ ዚብል፣-

"ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።"

ውልቀ-ምልካውያን ከምኡውን ደገፍቶም ነዚ ኽፍሊ ነቲ ህሉው ኩነት (ስታተስ-ኮ) ንመዐቀቢ ከም መመኽነይታ ይጠቕስዎ። ቀደም ዘመን ድማ ካብ ፈርኦናት ግብጺ ክሳዕ ሃጸያት ቻይና፣ ክሳዕ ሃጸያት ቅዱስ ሃጸይነት ሮሜ፣ ኣብ ከባቢና ድማ ክሳዕ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንርእሶም “ቅቡእ ኣምላኽ” “ወዲ ኣምላኽ” “ስዩም እግዚኣብሄር” እናበሉ ምልኮም የስፋሕፍሑ ነይሮም። ኣብ ዘመናዊት ዓለም ካብቶም ነዚ ክፍሊ ብምጥቃም ንቤተክርስትያን ዝበታተንዋን ኣብ ትሕቲ ድሌቶም ዘእተውዋን ውልቀመለኽቲ እቲ ዝኸፍአ ሂትለር እዩ። ዋላኳ ብመሪሕነት ዲትሪክ ቦየንሆፈር እታ ዘይተንበርከኸት ቤተክርስትያን ሞራላዊ መሪሕነታ ዕዙዝ እንተነበረ፣ ሓያሎ ክፋል ቤተክርስትያን ግን ኣብ ፍልስፍና “ፋሽስታውነት” ርዒማ ነበረት። እዚ ነገር እዚ ንቤተክርስትያን ኣብ ታሪኽ፣ ሕማቕ ስእሊ እዩ ሂቡዋ። እቲ ዚገርም ግን ሓያሎ ዘመናውያን ክርስትያናትውን ነዚ እናጠቐሱ ንጨፍላቒ፣ ፍትሕን ሓርነት ደቂ ሰባትን ዚደፍን ስርዓታት ዘለዎም ደገፍ ምግላጾም እዩ። እዚ ብሕልናዊ ስነ-መጎት ኣብ ኣእምሮኻ ከተስተዋድዮ ኣሸጋሪ ነገር እዩ። ብዛዕባዚ ዘሎኒ መረዳእታ እዚ ዚስዕብ እዩ።

ምስጢር ምርዳእ እዚ ኽፍሊ ናይ መልእኽቲ ሮሜ፣ ነቲ ክፍሊ ጽሑፍ ኣብቲ ዓውደ ንባቡ (ኮንቴክስት) ኣእቲኻ ምምልካት እዩ። ሮሜ 3፣1-4 መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዘሎ ክፍሊ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብኣምላኽ ዘይኮነስ ስልጣን የልቦን” ቅድሚ ምባሉ ሓደ ዓብዪ ነገር እዩ ኣብ ምዕራፍ 12 ተዛሪቡ። ብኣተሓሳስባና ልዉጣትን ፍቓድ ኣምላኽ እነስተብህልን ኴንና ክንመላለስ እምበር ብኣመለኻኽታ ልክዕ ከም እዛ ዓለም እዚኣ ከይንኸውን ምስመዓደ ብድሕሪኡ ሓደ ማዕዳ ምዒዱ። እዚ ማዕዳ እዚ ብዛዕባ ርእስኻ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ምህላው፣ ካብ ዕቡይ ኣመለኻኽታ ምርሓቕ፣ በቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ጸጋ ድማ ንኻልኦት ምግልጋልን ምእላይን እዩ። ቀጺሉ ዘሎ ክፍሊ ነዚ “ልዉጥ ኣእምሮ” ትንታኔኣዊ ገለጻ ገይሩ ይዝርዝሮ። እዚ ኣብ ፍቕዲ 9 ክሳዕ መወዳታ ናይታ ምዕራፍ ዘሎ ቀደም “ዓብዪ ምኽሪ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ብፖስተር ተዳልዩ ይዝርጋሕ ነይሩ። እዚ ዓብዪ ምኽሪ እዚ ብሓንቲ ሓረግ ክንጥቕልሎ ንኽእል፣ “ስነ-መጎት ፍቕሪ ይሃሉኻ”። ንእትገብሮ ዘበለ ኹሉ ካብ ፍቕሪ ተበጊስካ ግበሮ እዩ እዚ መልእኽት’ እዚ። ነዚ ድሕረ ባይታ ምስሓዝና ጥራይ እዩ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ክፍሊ ኪርደኣና ዚኽእል። ሽዑ እዩ፣ እቲ “ብኣምላኽ ዘይኮነ ስልጣን የልቦን” ዚብል ነገር ቅኑዕ ስእሉ ዚረኣየና። ብኻልእ ኣበሃህላ፣ ብልዉጥ ኣእምሮ ኽንርኢ ምስእንጅምር፣ ኣምላኽ ንስልጣናት ዝሰርዐ፣ ኣገልገልቲ (ስቲዋርድስ) እዚ “ስነ-መጎት ፍቕሪ” ንኪኾኑ እዩ። “ስልጣናት” “ኣገልገልቲ ኣምላኽ” ዚበሃሉ ምእንቲ ሰናይ ኢሎም ደው ክሳዕ ዝበሉ ጥራይ እዮም። ፍትሒ ኪዕምጽጹ ደው ዝበሉ፣ ንረብሓ ርእሶም፣ ድላዮም ኪገብሩ፣ ንዝደለዩዎ ኪኣስሩ፣ ኪቐትሉ ኪገፍዑን ኬዋርዱን ደው ዝበሉ ስልጣናት ኣምላኽ ዝሰርዖም ወይ ዝሰመሮም ስልጣናት ኣይኮኑን። ከመይሲ እቶም ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ዝኾኑ ገዛእቲ፣ “ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኮኑን”። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ገፋዕቲ፣ ጨቆንቲ ስልጣናት ግን መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለወኛታት”፣ “ገፋዕቲ”፣ እዩ ዚብሎም። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነታት ናይዚኦም ድማ ሳኦል ድሕሪ ምቕባእ ዳዊት፣ ኣከኣብ፣ ንጉስ ባቢሎን፣ ንጉስ ጢሮስ፣ ሄሮድስ እቲ ሓሲኹ ዝሞተ፣ ከምኡውን ሓያሎ ካልኦት ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ዘመንና ድማ ሓያሎ ከምዚኦም ዝበሉ ነገስታት ንረክብ፣ ናዚኦም ዝገደደ ዚገብሮ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከይተረፈ ስለዚለዓሉ እዩ። ነዚኦም ሰበ-ስልጣንሲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክትብል ብምንም መለክዒ እኳ ቅቡል ኣይኮነን፣ ከመይሲ ኣምላኽ “ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም” እዩ ዚብል (1ሳሙኤል 2፣30)። ብዛዕባ ንኸምዚኦም ዝበሉ ነገስታት ዚበጽሖም ነገር ድማ መዝሙር 82 ምንባብ ይከኣል።

ስለዚ ክርስትያን ንኹሉ እቲ ዚግበር ዓመጻን ግፍዕን ኢዱ ዓጺፉ ከምዘይምልከቶ ነገር ኪርእዮ ዘይኮነ ዚግባእ፣ ምስቶም ግፉዓትን ጥቑዓትን ደው ኪብል እዩ ዚግባእ። ንዓይ ኣይበጽሓንን ወይውን ኣየርክበለይን ምባል ዘይክርስትያናዊ እዩ። ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ንግፉዓት ድማ እቲ መከራኦም ተረዲኡካ ዚከኣለካ ምግባር እዩ ክርስትያናዊ ጽወዓና!

9 comments

ወዮ ደኣ ድፍረት ከይመስል እምበር ብሓቂ ስለቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነገር ክንቃወምን፤ ንሓቂ ደው ክንብል ዝግበኣናን ክርስትያናት ኢና ዝነበርና። ሕቡእ ፍቅሪ ኣብ ዓድና ዘሎ መንግስቲ ዝመለኾም ገለ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ግን ግልጽነት ብምጉዕጻጽ ከም ዘይእዙዛት ገኒሖምና እዮም ፣ ብሕልፊ እካ ደኣ በዚ ንሰበስልጣናት ተኣዘዙ ብዝብል ጥቅሲ። ሕልፊ ሰብና ዝተንጸልና ፣ መዕነውቲ ፣ሃገርን ፤ህዝብን ዘይርዶኦም ተባሂልና ክሳብ ሕጂ መስል ከም ዘይብልና ዝተነፈግና ኮይንና ንርከብ ኣሎና። ሓለፋና ሓቂ ክዛረብ ዝኽእል ግን ኣይነበረን ፣ምንም እካ ወንጌል ስደት እንተለዎ ። ሰብ ኣይኮንካን ንዝበለኒ ፣ክብር ሰብ ሙኻነይን ኣምላክ ከም ዝደኮነኒን ክነግሮ እየ ፣ስለዚ ንሃገርና ሓቂ ክንዛረብ ኢና።

· 2013-11-10
ኣማን ሓወይ ጎይታ ይባርኽካ ደስ ዘብልን መሃሪ ትምህርትን ኣምላኽ ድማ መመሊሱ ደገ ቃሉ ይኽፈተልካ። እቲ ዝዓበየ ስክፍታ ናተይ ግን እታ ማሕበር ኣምላኽ ትብሃል ኣብዚ ዘመን እዚ ኣበይ እያ ዘላ እንታይ'ከ ትገብር ኣላ። እታ ብጽድቂ ንኣምላኽ ትደልዮ፡ ብፍቅራ ድማ ንዓለም ምስክር ዝኾነት፡ ንብዙሓት ድማ ሞዕቆቢት ዝኾነት፡ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ነቶም ዝብላዕ ሲኢኖም ብብዙሕ መከራ ዝሳቀዩ ዘለው ንምርዳእ ዝይተዓደለት፡ ብውሽጣዊ ምፍሕፋሕን እንዳተጎጃጀለት ስም ኣምላኽ ክተኽብር ሓይሊ ዝስኣነት ማሕበር እያኮ ዘላ። ብዙሓት ንጥፋት ክጋረዱ ሲኦል ምኻኑ መጨርስቶኦም እንዳራኣየት ወንጌል ክትምስክር እካ ዘይከኣለት ማሕበር እያ ናይዚ ዘመን ማሕበር። እየሱስ ብዛዕባ ፍትሒ ክዛረብ ከሎ ንመንግስቲ ሮማ ድዩ ዝዛረብ ኔሩ ወይስ ነቶም ሕድሪ ቃል ኣምላኽ ዝተቀበሉ እስራኤላውያን? ቤተክርስትያን እቲ ቅኑዕ ቦታኣ ከይሓዘት'ከ ብዛዕባ ፍትሒ እንተ ሞጎተት'ከ ኣምላኽ ይቅበሎ ዶ? ቃል ኣምላኽ'ከ እንታይ ይብል ኢሳ 58፡7 እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል ንቶም እተስዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኽተእቱ ዕሩቅ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋኻውን ክይትሕባእዶ ኣይኮነን፡ ሽዑ ብርሃንካ ኽም ወጋሕታ ኾይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺቦቅል፡ጽድቕኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ፡፡፡፡እንዳበለ ይቅጽል። ሓሳበይ እንታይ እዩ ኣማን ሓወይ ነቲ ጽሒፍካዮ ዘሎኻ መልእኽቲ ካብ ልበይ ድማ ቅኑዕን ሓቅን ኢለ ዝኣምነሉ ምጽራር ዝይኮነስ ከምቲ ኣቅዲምካ ዝገለጽካዮ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ዝበልካዮ፥ ማሕበር ኣምላኽ ብመጀመርያ ንባዕላ ናይ ኣምላኽ ክትከውን ኣለዋ። እቲ ንምንታይሲ ሞጎስ ኣምላኽ ዘይብላ ማሕበር እንተ ተዛርበት ካብ ምዝራብ ሓሊፋ ትግብሮ ነግር ስለ ዝየለ። ቃል ኣምላኽ እኮ እቶም ንመንግስታት፣ ነገስታት ተዛሪቦም ዘስምዑ ከም ሙሴ፣ ዮሴፍ፣ ዳንኤል፣ ቃል ኣምላኽ ዝመስከረሎም ሞጎስ ኣምላኽ ምስኦም ከም ዝነበር እዮ ዝምህረና። ስለዚስ እቲ ዝግለጽካዮ ሓቂ ኣብ ቦታኡ ክሎ እቲ ክኸውን ዘለዎ ቀዳምነት ግን ነቀድም። መጎስ ኣምላኽ ቀቅድሜኻ ክወጽእ እንከሎ ሽዑ ቃልካ ካብ ኩሉ ጽብለል ይብል፣ ክብደት ይህልዎ፣ ርትዒ ድማ ይምጽእ። ምኽንያቱ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ቃል ኣብ ልቢ ነግስታት ኣትዩ ፍርሕን ራዕድን ስለ ዝፈጥር። እዚ ኣብቶም ቅድሳን ኣቦታትና ዝተግልጸ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዘመና ውን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ሓቅን እዩ። ኣምላኽ ይባርኽካ ኣምን ሓወይ።

አምላክ ይባርኽካ አማን ሓውና. አገዳሲ መልአክልቲ አዩ

· 2012-12-25
ኣምላኽ ይባርኽካ አማን ሓወይ ብጣዕሚ ደስ ዘብል እዋናዊ መልእኽቲ

ግሩም ጽሑፍ አማን ሓወይ!ገሊአቶም ፖለቲካ ረሳሕ ጸወታ እዩ ኢሎም ይኣምኑ፤ ካልኦት ድማ ረስሓት ፖለቲካ ከም መጠን ረስሓት ተጻወትቱ እዩ ይብሉ። ንጹሃት ሰባት አብ ፖለቲካ እንኪዋስኡ ኸኣ እቲ ረብሓ ህዝቢ ይበዝሕ

ትኽክል ኣሎኻ ኣማን። እቲ ንኹሉ ስልጣን ክንእዘዝ ዝብላ ቃልሲ ብግቡእ እተዘይተረዲእናዮ ብጌጋ ክንትግብሮ ንኽእል ኢና። ስለዚ እቲ ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር ዝብል ድማ ክንዝንግዖ የብልናን። ምስኡ ኣተሓሒዝካ ድማ ከምቲ ዝበልካዮን ቃል ኣምላኽ እውን ዝብሎን ወገን ናይቶም ስለ ቃሉ እተኣስሩን ዝግፍዑ ዘለዉን ምሓዝ የድልየና። ኣምላኽ ንሃገርናን ንህዝብናን ይባርኽ!

"ፍልልይ መንግስትን ቤተ-ክርስትያንን:- ቤተክርስትያን ንፍትሒ ዜውጽእ፣ ቅንዕና ዚፈቱ መሪሕነት ኽተተባብዕ፣ ነቲ ዝደቁስን ዝሕርድን ዝጭቁንን መሪሕነት ድማ ኣብ ጎድኒ ውጹዓት ኮይና ይኣክል ክትብሎ።ነቶም ዜጋታት ድማ እዙዛት ኮይኖም ክመላለሱ ኽትምዕድ ናይ መምህር ግደ ኣለዋ። እዚ ብምግባራ ቤተክርስትያን ኣብ ፖለቲካ ኢዳ ኣእትያ ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ፣ መንግስትን ቤተክርስትያንን ዝተፈላለየ ባይታ እዩ ዘለዎም። ፍልልይ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዓቢ ኢዩ።እቲ ናይ ሰማይ እቲ ናይ ምድሪ፡እቲ ሻራ ዘለዎ ኢቲ ድማ ሻራ ዘይብሉ ኩሉ ግዜ ንዝመጸ ዓማጺ ኣይፋል ዝብል። እዚ ኸኣ ቤተክርስትያን ኣመሓዳሪት መንግስቲ ኸይትኸውን፣ መንግስቲ ድማ መንፈሳዊ መራሒ ከይኸውን ስርዓት ዜትሕዝ እዩ። ስለዚ ድማ እያ ቤተክርስትያን ነጻ ዝኾነ ኣመለኻኽታን ዕዮን ብዛዕባ ተግባራን ሞራላዊ ሓላፍነታን ኪህልዋ ግድን ዝኾነ። ኣብ ግዜ ሃይለ ስላሴ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ተሪኢናያ ሻራዊትን ሕልና ዘይብላን፡ንሰማያዊ መዓርግ ዘይትበቅዕን ኢያ ዝነበረት በዚ ድማ፡ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ህዝቡን በዲላ ኢያ።ነዚ ከይድገም ግን እዚ ወለዶ ክጥንቀቅ ኣለዎ።ቤተ ክርስትያን ዓርኪ ድኻታት ኢያ።ነቶም ፍትሒ ዝኸልኡ እትምክት ፡ፍትሒ እትህብ ክትከውን ኣለዋ።ካብዚ ተሓሊፋ ግን ,,,,,,።" ቀሺ ሙሴ

እዛ ጽሕፍቲ ብወገነይ ንኹሉ አማኒ አዝያ ግዚያዊት ትመስለኒ:: ብዙሓት አመንቲ ጉዳይ ምምሕዳር ሃገር ከም ሓደ ንዘይ አመንቲ ዝግደፍ ጉዳይ ጊሮም ክርእይዎ ትምልከት:: ካብኡ ሓሊፉውን ብዛዕባ ሃገርን ህዝቢን: ብዛዕባ ሕግን ምምሕዳርን (ፕለቲካ) ምግዳስን ለውጢ ወይ ውን ንቕሓት ከተምጽእ ምዕያይን ከም ኣብ ከኣልነት አምላኽ እምነት ምጉዳል ዝረኣየሉ ግዜ ውሑድ አይኮነን:: ምስ እዛ ኣርእስቲ ሓንቲ ተተሓሒዛ እትኸይድ: ንብዙሓት ሰባት ዘይነጸረት ዝብላ ሓሳብ :- አብ መንጎ ተሳትፎ ኣመንቲ (ከም ወልቀሰባት) አብ ፓለቲካን: ተሳትፎ ቤተክርስትያን (ከም ኣካል) ዘሎ ፍልልይ እዩ:: ምስ እዛ ጽሕፍቲ ትኸይድ ሓንቲ ጽሕፍቲ እነሃ:: አብአ ኣማኒ (ከም ውልቀሰብ) ኣብ ጨቋኒ ክፉእ ስርዓት ክህልዎ ዘለዎ አረኣእያ ክሙግት እየ ፈቲነ: http://dissidentdiaries.wordpress.com/2012/06/07/be-outraged-gods-will/

ብኹሉ ሰብ ክንበብ ዘለዎ ጽሑፍ ተባረኽ ኣማን ሓወይ
Other Article