ዕቑር ክእለትካ ምልቃቕ

Posted on 2014-11-15 · 1541 · 0 · 3

33 resources uploaded




ንዝኽሪ ክቡራትን ፍቝራትን ኣሕዋት ዶ/ር ማይልስ ሙንሩ፡ በዓልቲ እንዳኡ ወ/ሮ ሩት ሙንሩ፡ ጓሎም ቻሪሳን እቶም ኣብታ ነፋሪት ምስኦም ተሳፊሮም ዝነበሩ ኣሕዋትን!

መእተዊ

ኣብ ክፍላተ መስከረም፡ ኣብታ ታሪኻዊት ከተማ ለንደን፡ ጥሉል፡ ዘናቢ (ዝናብ ዘለዎ)፡ ጠለስታ ዝዀነ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ነበረ። እቲ ኣዝዩ ዘደስት ዝነበረ ምሳሕ ምስ ወዳእና፣ እቲ ኣአንጋዲና፡ “በሉ ኣብዚ ከባቢና ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ዘወን ንበል፣” ኢሉ ሓሳብ ሃበ። በ’እምሮን ብኣካልን ዘህለኸኒ መደብ ብምዕቃብ፣ ንሸሞንተ መዓልታት ተጓዒዘ ስለ ዝነበርኩ፣ እዞም ህዱኣት ህሞታት በይንኻ ከተሕልፎም ዕድል ምርካብ፣ ደርጋ ዘይርከብ ደስታን ሓንጓፋይ ኢልካ እትቕበሎ ሓጐስን’ዩ ዝነበረ።
ኣብቲ ብደንቢ-እተሰለመ ባይታ ኣተናን ብእምብዛ ምግራም ኸኣ ነቶም ሓደ ዓይነት ሓሳብ ዝነበሮም ሰባት ተዓዘብናዮም። እቲ ኣእንጋድየይ፡ ደስ ኢልዎ ነቶም እተፈላለዩ ኣትክልቲ፡ ዕንባባታት፡ ኣዕዋፍን ልሙዓት ኣግራብን እናመልከተ የርእየኒ ነበረ። ቁሩብ ምስ ከድና፣ ብሓደ ነቲ ኣእንጋድየይ ዝፈልጥዎ ዕብይ ዝበሉ ምዕሩግ ሰብኣይ ተመንጐና። ንሶም ነቲ ኣእንጋድየይ ከመይ ገይሮም ሰላም በልዎን፣ ተሓጕሶም ውን ዕላል ጀመሩን። ኣእንጋድየይ ነቶም ሰብኣይ ኣላልየኒ። ንሳቶም ዕላሎም ቀጸሉ። ኣነ ግና፡ በታ ዝረኸብክዋ ዕድል ሸርጠጥ እትው ኢለ፣ ኣብቲ ደልየዮ ዝነበርኩ ብሕታዊ ደስ ዘብል ጕዕዞ ኣተኹ። ንገለ ቅሩብ ደቃይቕ ምስ ተጓዓዝኩ፣ እቲ መጋቢ መገዲ ምስ ሓደ ኣብ ሓደ ጥንታዊ መቓብር ዘእቱ መእተዊ ተሓወሰ። ህርብትናይ ንምዕጋብ ክብል፣ ዘለኒ ዘይፋርግ ዝንባሌ ኣብ ታሪኽ፣ ብዛዕባ ታሪኻዊ ባህርይ እቶም ኣብቲ መቓብር ዝነበሩ ስማት ክምህስስ ወሰደኒ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ትም ዝበሉ ኣእማናት ዝዛረብዎ ስማት፡ ዕለታትን ጥቕስታትን ከተንብብን ከተጽንዕን ማለት፣ ከመይ’ደለ ተመኵሮ ኰን’ዩ ዝነበረ። ከም እኒ ጆን ሂልስ 1800-1864፡ ኤልሳቤጥ ሮቢንሰን 1790-1830 ካልኦትን ዝብሉ፣ ኣብኡ እተቐብረ ብሪጣንያዊ ታሪኽ መርትዖ ይህቡ።
ብድሕሪኡ ኣብ ሓንቲ 3 ጫማ እትዀውን ንእሽቶ መቓብር መጻእኩ። ማርከስ ሮጀርስ፡ 1906-1910, ኣብ ትሕቲ እታ ንእሽቶ መቓብር፣ ከምዚ ዝብል ጥቕሲ ነበረ፣ “ከይዱ፡ ግና ኣይተረስዐን።” ጽሟቕ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፣ እታ መቓብር መዕረፊ ቦታ ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቘልዓ እያ ዝነበረት። ዘወር-ዘወር ኢለ እቶም ኣማኢት መቓብራትን ኣብኦም እተጻሕፉ ጽሑፋትን ድሕሪ ምዕዛብ፣ ከም እንደገና ኣዒንተይ ኣብ መቓብር’ቲ ሕጻን ተተኽላ። ሓደ ዓሚቝ ምቝርቋር ሰፈነኒ። መቓብር’ቲ ሕጻን ሓዊስካ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእማን እቶም መቓብራት፣ ‘ብሰላም ዕረፍ/ፊ’ ዝብል ጽሑፍ ተወቒሩ ነበረ። ብዙሓት ሓሳባትን ሕቶታትን ነ’እምሮይ ጠረርዎ። ወለዲ እቲ ቘልዓ ብዓል መን ኰን’ዮም ነይሮም፧ ብምንታይ ምኽንያት ኰን ሞይቱ ይዀውን፧ ንምንታይ ዕላማ ተወሊዱ ይዀውን፧ ዘይተንጸባረቑን ንዝዀነ ሰብ ዘይጠቐሙን እንታዎት ተፈጥራውያን ትዕድልታትን ተውህቦታትን ኰን ይውንን ነይሩ ይዀውን፧ ምስ ደቂ-ሰባት ዝካፈሎም ርኽበታትን ምህዞታትን እንታይን እንታይን ኰን ነይሮም ይዀኑ፧ ክንደይ ዝኣኽሉ ዓበይቲ ስርሓታት ከም እኒ መጻሓፍቲ ምጽሓፍ፡ ስእልን መዝሙርን ኰን ኢዮም ምስዚ ክቡር ሕጻን ሞይቶም፧
ስቕታ እናመለሰ ከሎ፣ ሃንደበት ነዞም ሕቶታት፡ ነቶም ካልኦት ኣብ ዙርያ እቲ ሕጻን ዝነበሩ መቓብራት ውን ተጠቐምኩሎም። ገሊኣቶም ዕምሮም ክሳዕ 30, 40, 60ን 75ን ዘቝጸሩ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ እታ ሓንቲ ምስክርነት ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ዝጸንሑሉ እዋናት፣ “ብሰላም ዕረፍ/ፊ” ነበረት። “ኣብ ውሽጥኻ ምስ ዝነበረ ኵሉ ዕቝር ክእለትካ ሞይትካስ፣ ከመይ ኢልካ ብሰላም ክትዓርፍ፧” ኢለ ድንጽው በለኒ። እቲ ጥሉልን ብግመ እተሸፈንን ነጠብጣባት፣ ኣብ መዓጓጕርተይ ኣውሊ ምስ ገበረ፣ ከምዚ እናሓሰብኩ ከድኩ፣ “እዚ ሕጻን’ሲ፡ ነዛ ዕድሚኡ ማንካ ከየልዓለላ፣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ክቍጸ ከመይ ዘሕዝን እዩ። ቅድሚ ምሉእ ድጕል ዓቕሙ ምልላዩ ክመውትሲ፧” ኢለ ቀዘንኩ።
ብኡንብኡ ሓደ ህዱእ ድምጺ ኣብ ርእሰይ ጨደረ። “እቶም ነዊሕ ዕድመ ዝጸንሑን ንመጻሕፍቶም፡ ስእሎም፡ ሙዚቃኦም፡ ሕልምታቶም፡ ምህዞታቶምን ዕቍር ዓቕሞምን ንመቓብር ሒዞሞ ክዀዱስ፣ ካብዚ ዝዓቢ ዘሐዝን ፍጻሜ ኣሎዶ ይመስለካ፧” ዝብል ነበረ። ብዛዕባ ሕቡእ ትርጕማት’ዞም ዘርዕዱኻ ሕቶታት ብዕምቘት እናስተንተንኩ ከለኹ፣ ሃንደበት እቲ ዝሃርም ዝነበረ ዝናብ ኣብ ገጸይ ከም ኰረር ኢሉ ዝወርድ ርሃጽ ኰነ። እቲ ዝዓበየ ስግኣተይ፣ ብዙሓት ሰባት--ምናልባሽ ውን ገለገለ እቶም ነዛ መጽሓፍ ተንብብዋ ዘለኹም ሰባት--እቲ ኣብኦም ተዓሺጉ ዝርከብ ሃብታም ድጕል ክእለት፣ ኣብ መቓብራት ከንብርዎ ምዃኖም’ዩ። መቓብር ነቲ ዘለካ ድጕልን ግሩም ዝዀነ ዕቝር ዓቕምን ክዘርፈካ ከም ዘይተፍቕደሉ እኣምን።
ኣብዛ ንነብረላ ምድሪ ኣስታት ሾብዓተ ቢልዮን (እዛ መጽሓፍ ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን 5 ቢልዮን) ኣቢሎም ዝኣኽሉ ሰባት ኣለው። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ሕልፊ ዘለዎ፡ ፍሉይ፡ ኣገዳስን መበቈላውን (ቅዳሕ ዘይኰነ) እዩ። ነፍሲ ወከፎም ወላ’ውን ኣሰር-ኣጻብዕቶም ክድገም ወይ ክባዛሕ ከም ዘይክእል፣ ፍሉያት ሰባት ገይሩ ዝሸፍሮም ጀነቲካዊ ወይ ጂናዊ ንጥረ-ነገር ይውንኑ። ልክዕ ከማኻ (ቅዳሕ ንስኻ ማለት’ዩ) ከቶ የልቦን፣ ንብድሕሪ ሕጂ ውን ከቶ ኣይክህሉን’ዩ። ነፍሲ ወከፍና፡ ጸሊም ንዅን፡ ጻዕዳ፡ ቀይሕ፡ ሓበሻ፡ ብጽሕፍቶ እተጠነስና፡ ብዕላማ ዝፈረናን ምሉእን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንኽንነብር ብድጕል ክእለት ዝዘገብናን ኢና። ኣብ ውሽጥኻ ክበቍል ዝጽበ ዘሎ ዘርኢ ዕብየት ኣሎ። ብተፈጥሮኣውያን ትዕድልትታት፡ ተውህቦታት፡ ድሌታትን ሕልምታትን ዝቀጸጽካ ኢኻ። ኣብ ኵሉ ባህልታት፡ ዓሌታትን ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታትን ዝነብሩ ደቂ-ሰባት ምስ ነዚ ድጕል ክእለት ክገልጽዎ ዘኽእሎም ተፈጥሮኣዊ ድርኺት ይነብሩ።
ብዘሎ ፍጥረት፡ እዚ መትከል ክህሎት’ዚ ይውንን። ዝዀነ-ነገር እቲ ዘለዎ ክእለት ከውጽእ ወይ ክለቅቕ ተፈጥሮኣዊ ድርኺት ኣለዎ። ንግስነት እንስሳን ንግስነት ተኽልን ብመረጋገጺ’ዚ ዋራ’ዚ ዝፈድፈደ’ዩ። እቲ ፈጣሪ ንዝዀነ ነገር ብመትከል እዚ ክህሎት’ዚ እዩ ነዲፍዎ፣ ንሱ ከኣ ኣብ ዘርኢ ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ክፋኰስ ዝኽእል። ሰነድ መጽሓፍ-ቅዱስ ከም ዝሕብሮ፣ እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። (ዘፍ 1፡12) እዚ ማለት፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ነገር ንገዛእ ርእሱ ዝተመሉን ካብቲ ክንርእዮ ንኽእል ንላዕሊ ክፈርየሉ ዝኽእል እተደበቐ ተኽእሎ ኣሎ ማለት’ዩ።

ሓደ ነገር ግና ኣስተውዕል! ኣምላኽ ንሰብ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ፣ ንሰብ ውዱእ ፍርያት (ምርቲ ወይ ምህርቲ) ኣይሃቦን። ወላ’ኳ ሰብ መግቢ፡ ክዳውንቲ፡ መጽለሊ፡ መጓዓዝያን ካልኦት ባእታታት ምሾት የድልዮ ምዃኑ ይፈልጥ እንተነበረ፣ ኣምላኽ ግና ነዞም ነገራት እዚኣቶም ብሻዓኣ ኣየምጻሉን። ኣምላኽ ንሰብ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ . . . ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን. . . (ዘፍ 1፡28) ነፍሲ ወከፍ እዘን ትእዛዛት፡ ፈራዪ ንኽትከውን ዘኽእል ተኽእሎ፡ ንክትመልእን ክትመልኽን ዘኽእል ድጕል ክእለትን ምርኩስ ብምግባር ኣብ ሰብ ክበራበሩ፡ክብርበሩን ክልቀቑን ይጽበዩ ነይሮም ኢዮም። ብተወሳኺ እዚ ትእዛዝ’ዚ ምፍራይን (ምልቃቕ ድቡቕ ህይወት) ምርባሕን (ምድቓል ወይ ምው’ላድ ድቡቕ ህይወት)፣ ኣብ ኣምላኽ ዘይኰነስ ኣብቶም ዘርኢ ዝውንኑ ሰባት ከም ዝምርኰስ የፍእመልና።

ውህበተ-ኣምላኽ ዝዀነ ዕላማኻ ዝጠልቦ ኵሉ ነገር ከተማልእ ክእለት ኣለካ። (ነቲ ካብ ኣምላኽ እተቐበልካዮ ዕላማኻ ዝጠልቦ ኵሉ ነገር ከተማልእ ክእለት ኣለካ።) ፈጣሪኻ፡ ንትእዛዙ ምእዙዝ ኴንካ ነዚ ክቡር ዘርኢ ክትዘርዎ ወይ ክትለቖ ሓላፍነት ሂቡካ ኣሎ። ምልቃቕ ድጕል ክእለትካ ኣብ ኣምላኽ ዘይኰነ፣ ኣባኻ እዩ ዝምርኰስ።

ሓደ እዋን፡ ሄንሪ ፎርድ ከምዚ በለ፣ “እቲ ማሕርር ዓርከይ፣ እቲ ኣባይ ጽቡቕ ነገር ዘምጽእ (ዘእቱ) እዩ።” እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ድቡቕ ክእለታትካ ንጥቕሚ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለውን ንብሕታዊ ምልኣትን ክትጽዕር ክትድርኸካ፣ ሓንቲ ካብቶም ብሉጻት መሓዙትካ ክትኰውን ተስፋ እገብር። ኣብዘን ዝሓለፋ፡ ክልተ ዕሽሪት (ዓሱረ-ዓመት Decade) ንገዛእ-ርእሰይ፡ኣብ ምርዳእ፡ ምብርባር፡ ምልቃቕን ምጕሕጓሕን ዕቑር ክእለተይን ክእለት ካልኦትን ወፊየያ።

ሕዳር 2014
ስቶክሆልም ሽወደን

ይቕጽል. . .

ሓበሬታ፡ ኣብዛ ጽሕፍቲ ናብ ዝብል ቃል ኣየእተናን። ናብ ዝብል ቃል ብዓንደ-ርእሱ ትግርኛዊ ቃል ኣይኰነን። ስለዚ እዚ ብምርዳእ ከተንብቡ ንላቦ። ብተወሳኺ ናይ እትብል ቃል ውን ኣብቲ ዝግባኣ ቦታ ጥራይ ኣእቲናያ ኣለና። ሰናይ ንባብ

3 comments

http://www.betezion.com/literature/article/select_article.php?id=00000000137

ዝኸበርካ ቴድሮስ ሓውና፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ'ዚ ኣይረኣኻዮን ከይትዀውን እምበር፣ ጽሑፍ ኣቕሪብና ነይርና። ንዝያዳ ሓበሬታ http://www.betezion.com/literature/article/select_article.php?id=00000000137 ተመልከት። ተባረኽ!

ሰላም ኣምላኽ ይብዝሓልኩም ብሩኻት። ስለ እቲ ተበርክትዎ ዘለኹም ጽሑፋት ጎይታ ኣብዚሑ ይባርኽኩም እምብዛ መሃሪ ስለዝኾነ ጎይታ መመሊሱ ይወስኸልኩም። እዛ" ናብ" እትብል ቃል ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ተጻሒፋ ኣላ ብዘይ ብእኡ እዉን ካብ ካልእ ዝተወርሰት ወይ ዝተወስደት ኣይመስለንን እሞ እንተተብርህዋ ግርም ኔሩ።ትግርኛዊ ቃል ኣይኮነትን ስለዝበልኩማ።ንበረኸት ኩኑ!!
Other Article