ድሕሪ "ተፈጸመ"

Posted on 2012-07-12 · 1789 · 0 · 4

37 resources uploaded

ፊልም ከይረኣየ ዝዓበየ ዘሎ ኣይመስለንን። ንኩሉ ፊሊም ሓደ ዝገብሮ ድማ፣ ቀንዲ ተዋሳኣይ ኣሎ፣ ኣንጻሩ ዚልዓል ጸላኢ ድማ ኣሎ። ክልቲኦም ተቀናቀንቲ እዮም። እቲ ቅዲ ድማ ኣብ ኩሉ ሓደ እዩ። ብፍላይ ኣጸቢቀ ዝዝክሮ ከኣ፣ ፊሊም "ተፈጸመ" ምስ በለ ካብኡ ወጺና ተመሲጥና ንሰዓታት ስምዒት ዝተሓወሶ ነዕልል ምንባርና እዩ። ብፍላይ እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ እንተሞይቱ፣ እናርኣና ከም ዝነባዕና ንዛረብ ነበርና። ካብኡ ሓሊፍና ግና እንገብሮ ነገር ኣይነበረን። "ተፈጸም" ምስ ተጻሕፈ ኣዳራሽ ገዲፍና ምውጻእ እንተዘይኰይኑ፣ ካልእ ዝኸውን ነገር ኣይነበረን። ተዳልዩ ዝነበረ ተወዲኡ እዩ። መጋረጃ ተዓጽዩ እዩ። ኩሉ ነናብ ዝነበሮ ክኸይድ ድማ ንቡር እዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ድማ ይርሳዕ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሓንሳብ "ተፈጸመ" ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብዚ ታሪኽ ግና ፍሉይ ዝገብሮ ነገር ኣሎ።

ናይ የሱስ ታሪኽ ኩሉና ስለ ንፈልጦ ኣብዚ ምትራኹ ኣገዳሲ ኣይመለንን። ግዚኡ ምስ በጽሐ፣ ብመገዲ ይሁዳ ኣስቁረታዊ ኣቢሉ ኣብ ኢድ ፈረሳውያን ከም ዝወደቀ ንዝክሮ ኢና። ምስ ሓዝዎ ኸኣ ብዘይ ድንጋጸ ከጋፍዕዎ ጀመሩ። ጸፍዕዎ፣ ጸረፍዎ፣ ብሓለንጊ ዘበጥዎ፣ ጡፍ በልሉ፣ ኣበይ ይወድቅ ከይሸገሮም ደፍእዎ። መስቀል ኣሰኪሞም ጎልጎልታ ኣደየብዎ። ኣኽሊል እሾኽ ኣብ ርእሱ ደፍእሉ። ደመየ፣ ተሸገረ፣ ጨነቆ፣ ተቀንዘወ። ግን ከኣ ነዛ መዓልቲ እዚኣ እንድዩ መጺኡ። ወዲ ሰብ ከም ዝተጻሕፈሉ ይፍጸም ስለ ዝነበረ፣ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቁ እንተዝነብሩ'ውን ደው ኣይመበልዎን። ከም ዝተረግመ ኣብ ዕንጨይቲ ዕርቃኑ ሰቀልዎ። ኩሎም ጠለምዎ። ኣላገጽሉ፣ ሓጨጭሉ። እቲ ዝኸበደ ድማ በይኑ ከም ዝዀነ ተሰምዖ እሞ፣ ብኣዝዩ ድኹም ድምጺ፣ "ኣቦይ ንምንታይ ሓደካኒ በለ"። ኣስዒቡ ብጽምኢ ከም ዘሕለለወ "ጸማእኩ" በለ። ኣብ ሰፍነግ መሊኦም መጺጽ ኣምጽእሉ። ኣብ መጨረሽታ ኩሉ ከም ዝተፈጸመ ፈሊጡ፣ "ተፈጸመ" በለ። ዝዕዘቡ ዝነበሩ ድማ እዚ መግደራ እዩ በሉ። ከም ንምድሓን ኣፍቃሪቱ ኣብ መጨረሽታ ዝመውት ተዋስኣይ፣ የሱስ ምስ ሞተ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ደንገጽሉ። እቲ ትረኻ ዝተወድአ ስለ ዝመሰሎም ድማ ነናብ መገዶም ኣምርሑ።

እቲ ዘገርም ግና ፊሊም "ተፈጸመ" ምስ ተባህለ መጋረጃ ክዕጾ ናይ ግድን እዩ። የሱስ ግና "ተፈጸመ" ምስ በለ ሓድሽ ምዕራፍ፣ ወይ'ውን ካልኣይ ክፋል ናይ ፊሊም ይጅመር ከምዘሎ፣ መጋረጃ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ተተርተረ። ሓድሽ ታሪኽ ድማ ተጀመረ። ናይ ብኽያት፣ ቁዘማ፣ ውድቀት፣ ውርደት፣ ሞት ምዕራፍ ኣብቂዑ፣ ሓድሽ መገዲ ተኸፍተ። መገዲ ህይወት፣ ሓጎስ፣ ክብረት፣ ትንሳኤ ድማ ተጀመረ። ንዘመናት ተዘርጊሑ ዝነብረ ከልካሊ ቀጽሪ ድማ ፈረሰ። ዘይተለምደ፣ ትጽቢት ዘይተገብሮ ነገር ኰነ። ግን ከኣ ዘስተውዓለ ኣይነበረን። እቲ ትረኻ ዘብቅዐ መሲልዎም፣ ኩሎም ነናብ ዋኒኖም ኣምሪሖም። ነቲ ዝዀነ ሓቀኛ ታሪኸ ድማ ዘሕዝን ፍጻሜ ስለ ዝዀኖም "መግደራ" ኢሎም ሰመይዎ።

ክልተ ካብ ሰብ ኤማሁስ እቲ ተስፋ ዝገበርሉ ስለ ዝሞቶም ናብቲ ዝገደፍዎ ሕብረተሰብ ክምለሱ፣ ዝዀነ ዘሕዝን ፍጻሜ ድማ ከነግርዎም ገጾም ንድሕሪት መለሱ። ዝተቀበልዎ ዕርፊ ሒዞም ንድሕሪት ኣበሉ። ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ድማ ኣብ መገዶም እናዕለሉ ይኸዱ ነበሩ። ካብቲ ንየሱስ ዝፈለጥዎ ኣትሒዝም ዝረኣይዎ ድማ ንሓድሕዶም ክዘኻኸሩ ጀመሩ። ኣብ ገጾም ድማ ተስፋ ምቁራጽ ይንበብ ነበረ። እዚ ኹሉ ምስኡ ዘጥፋእዎ ግዜ ድማ ክሳራ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖም፣ ክሳርኦም እናጻብጸቡ ብሓዘን ተዋሕጡ። ካልኦት ዝረኸብዎ ዘጥረይዎ እናሓሰቡ ድማ ዝገበርዎ ኩሉ ዕሽነት መሰሎም። ሕልናኦም ክዓርቦም ከሎ ተሰምዖም። ንኸንቱ እባ ኣእዳውና ኣንጻህና እናበሉ ነተም ዋኒኖም ዝገበሩ ቀንእሎም። እቲ ታሪኽ ኣብ "ተፈጸም" ዘብቅዐ መሲልዎም ኣዝዮም ብሓዘን ተዋሒጦም ነበሩ (ሉቃስ 24)።

ጴጥሮስ'ውን እንተዀነ ድሕሪ ሞት የሱስ ናብቲ ዝገደፎ ምግፋፍ ዓሳ ክምለስ ስለ ዝወሰነ ገለ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ተኸቲሎሞ ወጹ። በቃ ኩሉ ሓዲግና ስዒብናዮ ነበርና፣ ዓስብና ግና ከንቱ ኰይኑ በለ። እንታይ ይስምዖ ከም ዝነበረ ርግጸኛ ኣይነበረን። ዝተዋህቦ ሕድሪ ሓዲጉ ናብቲ ዝገደፎ ምምላሱ ኣብ "ተፈጸመ" ዝነበሮ ሰንኰፍ ዝዀነ ኣረዳድኣ እዩ። እምበር የሱስሲ ካብ ምግፋፍ ዓሳ፣ ገፋፊ ሰብ ክገብረኻ ኢልዎ ነይሩ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ንሱን ገለ ካብ ደቀ ማዛምርቱ ጥራይ ዝረኣይዎ፣ የሱስ'ውን ንበይኖም ጌሩ ዝተዛረቦም ስለ ዝነበረ ፈጺሙ ክኽሕዶ ተጸገመ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ "ተፈጸመ" ክብሃል ከሎ ርሕቅ ኢሉ ይዕዘብ ስለ ዝነበረ በቃ መፈጸምታ ኩሉ ኣብኡ ተወዲኡ ክብል ደለየ። በተ ሓደ ግብ ዝበለ ጽልማት፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ርሕቁ ብርሃን ይርኢ ዘሎ ስለ ዝመሰሎ እንታይ ከም ዝብል ጠፍኦ። የሱስ ዝበሎ ይዝከሮ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ተጨነቀ፣ ድቃስ ድማ ኣበዮ። ኩሉ ክርስዕ ግና ናብቲ ዝገደፎ ክምለስ ምኽሩ ቆረጸ። ድሕሪ ተፈጸመ ዘሎ ጅማረ ክርኢ ተሸገረ (ዮሃ21)።

ማርያምን ብወገና እንተዀነት ኣብ ልባ ትዓቅሮ ዝነበረት ረሲዓ ኣብ መንጎ ምውታት ክትደልዮ ከደት። ድሕሪ ተፈጸመ ጅማሬ ከም ዘሎ ስለ ዝረስዐት፣ ንየሱስ ኣብ ተፈጸመ ክትደልዮ መጸት። ዝሞተ ስጋኡ ክትርኢ እሞ ኣብ ልዕሊኡ ኰይና ክትበኪ ኣንጊሃ ተንስአት። ሰይፊ ኣብ ልባ ስለ ዝኣተወ፣ ቃንዝኣ ስለ ዝኸበደ፣ ፍኹስ እንተበላ ኣብቲ ሬሳ ኰይና ክትበኪ መጸት። ከምኡ ጌሩ ናይ ልባ ዝርዳእን፣ ከምኡ ጌሩ ዝሰምዓ ከም ዘየለ ስለ ትፈልጥ፣ ከም ብህይወቱ ኰሎ ኣይኹን እምበር፣ ቅልል እንተበላ ኣብ ልዕሊኡ ኰይና ክትነብዕ ተስፋ ጌራ ናብቲ ዝተቀብሮ እሞ ማሕተም ዝተገብሮ መጸት። ብብኽያት ነፋስ ቀምሲላ እያ። ኣዒንታ ድማ ማይ ከም ዝመልአ ጅርባ፣ ስፍርኦም ክሓድጉ ክሳብ ዝደልዩ ዝመስሉ ሓቢጦም ነበሩ። ማርያም ግና ኣይገደሳን። ተስፍኣ ስለ ዝቀሃመ ርእሳ ዔላ፣ የዒንታ ድማ ፈልፋሊ እንተዝዀነላ ምብካይ ኣይመቋረጸትን (ዮሃ20)።

ቶማስ እንተዀነ ኣብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ ሽርብ በለ። ኣብይ ከም ዘሎ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ድሕሪ ሞት የሱስ፣ ተፈጸመ ኢሉ ርእሱ ምስ ኣድነነ፣ ቶማስ ዝርኣዮ ምእማን ስኢኑ እግሩ ናብ ዝመርሖ ከደ። ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ተስፋን ሙቀትን ስለ ዝቀሃመ፣ ምንባር ዘይወግሕ ጸልማት ኰይኑ ተሰምዖ። ኣበይ ኣሎ፣ ከምይ ኣሎ፣ እንታይ ይገብር ኣሎ ዝፈጥ ሰብ ኣይነበረን። ግና ከኣ ተስፋ ዝገበረሉ፣ ልቡ ዘምበረሉ ዝተሰብረ ሻምብቆ ዝዀነ ክመስሎ ከሎ ምንባር እውን እንተመነነ ኣይፍረዶን እዩ። "ተፈጸመ" ምስ ሰምዐ፣ በቃ እዚ እዩ መወዳእታ ኩሉ ነገር በለ። ምንባር ከንቱ'ዩ ከይበል ኣይተርፍን እዩ። ብቀደሙ'ውን ማንታ ልቢ ስለ ዝነብሮ፣ ኣብ ሓደ ቦታ ቀድዩ ክትርእዩ ኣዝዩ ሳህቲ እዩ። ብዝዀነ ናይ ኩሉ መጨረሽታ ዝኰነ መሲልዎ ከም ኩሉ ሰብ ክኸውን፣ ክኣቱ ከውጽእ፣ ክበልዕ ክሰቲ ምክሩ ዝቆረጸ ስለ ዝመስል፣ ምስቶም ዝተዓጽዉ'ውን ኣይነብረን (ዮሃ20)።

እቶም ካልኦት ድማ ፍርሂ ስለ ዝወሓጦም ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ነበሩ። ዝሰምዕዎ ድምጺ እናኣስንበዶም ንዕኦም ዝበጽሖም ዕጻ ድማ ብፍርሂ ይጽበዩ ነበሩ። ንየሱስ ነዚ ገባር ጽቡቅ፣ ነቲ ድሌቱ ክገብር ሓይልን ስልጣንን ዝነበሮ ዘይነሓፉ'ዶ ንዓና ክንሕፉና ብምባል ንማሕረዲ ተርኣ ከም ትጽበ በጊዕ ተዓጽዮም ነበሩ። እቲ ዝነበርዎ ገዛ ጥራይ ዘይኰነ፣ ውሽጦም'ውን ጸልማት ዝወሓጦ እዩ ነይሩ። እንታይ ወይስ ናበይ ከም ዘብሉ ሕርብት በሎም። ብቀትሩ ከሎ ኩሉ ጸልወመቶም። ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዞም ድማ ሓሳቦም ምቋም ስኢኑ ስቅ በሉ። ዝብልዎ ጠፍኦም። ብደገ ዝሰምዕዎ ድምጺ ናብኦም ዘቅነዐ እናመሰሎም፣ ኩሉ ሽጊሮም ስቅ በሉ። መዓልቲ ኰነ ለይቲ ካብቲ ካልእ ግዜ ኣዝዩ ዝነውሐ መሰሎም። ብፍርሒ ልቦም ተዘብሐ። ንየሱስ ዝወረዶ ጭካነ ኣብ ሓሳቦም እናተመላለሰ ከም ዝጃጅዉ ገበሮም። ሕሹሕ ዝብል ኩሉ የሰምብዶም ነበረ። ድሕሪ ተፈጸመ ጅማሬ፣ ድሕሪ ብኽያት ስሓቅ፣ ድሕሪ ውርደት ክብረት፣ ድሕሪ ሞት ህይወት፣ ድሕሪ ዕርቃን ምልባስ ከም ዘሎ ዘስተውዓለ ኣይነበረን። ኩሉ ነበረ ኰይኑ፣ ኣብ ትሕቲ "ተፈጸም" ዝተዓጽወ መሰሎም(ዮሃ20) ።

ብሓቂ ናይ የሱስ ታሪኽ ኣብ "ተፈጸም" እንተዘብቅዕ ነይሩ ካብ ኩሉ ሰብ ነደንግጽ ምዀና። ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሓጥያት ምሃለና። ባሮት ፍርሃት ድማ ምዀና። ንንብዓትና ዝእብድ ኣይምተረኽበን። ንማሕተም ዝፈትሕ ብቁዕ ክርከብ ስለ ዘይክእል ቀለብና ንብዓት ምኰነ። ህይወት ዘይመልእ ጎደሎ ምዀነ። መቅባሕባሕቲ፣ ከም ኣንፈታ ዘጥፍአት መርከብ ድማ ህይወት ፋሉል ምዀነና ነይሩ። ናብራ ብሉጓም ዘይግራሕ ቀይዲ ዘይብሉ ወጀሃላ ምዀነ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ተስፋ ዘይብልና፣ ካብ በሃማት እንስሳ ዘይንሓይሽ መዀንና። ተስፋ ስለ ዘይብልና ድማ፣ ከም ኩሉ ሰብ ንምንባር ምተፈነና። ንብልዕን ንመስተን ኣምላኽ ኹኑና ምበልና። ክብረትና ኣብ ነውርና ምገበርና። ሓሳብና ናይ ምድሪ ምዀነ። ንሓሳባትን ንድሌት ስጋና ምተገዛእና። ክብረትና ከም ናይ እንስሳ ምዀነ። "ተፈጸመ" ተባሂሉ ማጋረጃ እንተዝዕጾ፣ ህይወት መግደራ ምዀነ። ኣብ "ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቀመጥኩ" ጽውጽዋይ ምዀነ። ኣብ ሃተውተው ምነበርና። ህይወት ድማ መጨረሽታ ዘይብሉ ዕንኪላሎ ምዀነ። ከምቲ ሰባኺ ዝበሎ ኩሉ ኣብ ትሕቲ "ኩሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ እዩ" ኣብ ዝብል ምስተዓጽወ። ሰብ'ውን ምንባር ትርጉም ስኢንሉ፣ ናይ መጨረሽታ ተስፋኡ ብምሕላፍ ነፍሱ ምዀነት። ነዚ ክፍጽም ድማ ኣብ ውሽጡ ዝበኣሶ ኣይምሃለወን። ህይወት ኣንፈት ዘይብሉ ጸልማት ምዀነት። ጓሂ ኣብ ውሽጢ ምበዝሐ፣ ዘጸናንዕ ድማ ኣይምተረኽበን።

ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ፣ ድሕሪ "ተፈጸመ" ሓድሽ ታሪኽ ተጀሚሩ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝተዛረባ ናይ መጀመርታ ዘረባኡ ድማ "ሰላም ንዓኹም ይኹን" ዝብል እዩ ነይሩ። ነቶም ፍርሃት ዝዋሓጦም፣ ኩሉ ገና ብዕጽዉ ደበኽ በሎም። ኣይትፍርሁ ድማ በሎም። ኣይትፍራህ ዝብል ዘረባ ካብ የሱስ እንክወጽእ፣ ኩሉ ተቀንጢጡ ከም ሽደን ኣንበሳ ክትተብዕ እዩ ዝገብረኻ። ነቲ ጻውዒቱ ጠንጢኑ ናብ ናይ ቀደሙ ዝተመልሰ ጴጥሮስ ድማ፣ ከይተሓለሎ ተወሳኺ ዕድል ንምሃብ ናብቲ ዘንሰሓበሉ ቦታ ደኣ መጸ እምበር ጸውዕዎ ኣይበለን። ኣየ ፍቅሪ! ከምቲ ቀዳማይ ግዜ ክጽውዖ ከሎ ኣብ ጻዕሪ ዝረኸቦ ሕጂ'ውን ኣብ ጻዕሪ ረኸቦ። ነቲ ሓላፊ ክጽዕር ስለ ዘይፈተወ ሓድሽ ምጅማር ክገብረሉ ደልዩ፣ ተፍቅረኒ እንተኴንካ ኣባጊዔይ፣ ዕያውተይ ሓሉ ብምባል ተስፋኡ ኣሐደሰ። ንቶማስ እንተዀነ ድሕሪ ተፈጸመ ሓድሽ ምጅማር ከም ዘሎ ምስ ረኣኻ ዘይኰነ፣ ነቲ ዘይርአ ተስፋ ግበር ብምባል ትርር ዝበለ ግና ከኣ ፍቅሪ ዝተሓወሶ ዘረባ ተዛረቦ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን በሎ። ንሰብ ኤማሆስ እንተዀነ፣ ኣቱም ሕግን ነብያትን ዝበልዎ ልቦም ንምእማን ዝደንጎየ ዓያሱ ኢሉ ዘለፎም። ቃሉ ቆሪሱ ብምክፋል ድማ የዒንቶም ከፈተ። እቲ ዝመጽዎ ናይ ተስፋ ምቁራጽ መገዲ ድማ ክሳራ ምዃኑ ተረድኦም። ውሽጦም ስለ ዝነደዶም፣ ድሕሪ መፈጸምታ መጀመርታ ከም ዘሎ ንምብሳር በታ ዝመጽዋ ተመልሱ። ንማርያም ድማ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ሓተታ፣ "ንምንታይ ትበኺ ኣለኺ"? በላ። ማርያም ተስፋ ዝገበረትሉ ዘብቅዐ ስለ ዝመሰላ ትበኪ ምንባራ ኣይተሰወሮን። ማርያም ግና ንየሱስ ከተለልዮ ዘይምኽኣላ ክሳብ ክንደይ ኣርሒቃ ምንባራ፣ ኣብ ሓሳብ ድማ ናይ "ተፈጸመ" መጋረጃ ተዘርግሑ ምንባ እዩ ዘመልኽት። የሱስ ግና፣ "ንምንታይ ነቲ ህያው ኣብ መንጎ ምውታን ትደልዮ ኣለኺ ብምባል፣ ክትረኽቦ ዘይከኣለት ኣብ ጌጋ ትደልዮ ምንባራ ምኻኑ ተዛረባ። እዚ ድማ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ብፍላይ እኳ ድኣ ብስማ ምስ ጸውዓ፣ ኩሉ ተገልሃላ። ኣዒንታ ተኸፊቱ ነቲ ድሕሪ ዝተፈጸመን ዘብቅዐን ዝግለጽ ምስ ረኣየቶ ንብዓታ ካብ የዒንታ ተደርዘ። ኣይትብከዪ፣ እቲ ህያው ነቲ ማሕተም ክፈትሖ ብቁዕ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ ከም ዝበላ ስለ ዝመሰላ ውሽጣ ተሓደሰ።

የሱስ ንሱ ባዕሉ ህይወትን ትንሳኤን ምዃኑ መን የስተውዕሎ። ማርያምን ማርታን እንተዀና፣ ሓወን ምስ ሞተ "ተፈጸመ" ኢለን መደምደምታ ገበራሉ። ዝዀነ ብሓዘን ተቀበልኦ። የሱስ ምስ መጸ ኸኣ፣ ኣርባዕተ መዓልቲ ጌሩ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ በለኦ። ተስፋ ቅብጸተን ድማ ተረኻሉ። ሓውኽን ኣይሞተን ምስ በለን እንተዀነ፣ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ደኣ ሓሰባ እምበር፣ የሱስ ንዝሞተ፣ ዝተቀብጸ፣ መፈጻምታ ዝተገብሮ ትንሳኤ ምኻኑ ኣየስተውዓላን። ናይ ሰብ መፈጸምታ፣ ናይ የሱስ ግና መጀመርታ ምኳኑ ኣይተረድአንን። ሰብ ኢዱ ምስ ሃበ፣ የሱስ ስርሑ ከም ዝጅምር ኣይተሰወጠንን። ትንሳኤን ህይወትን ቦታ ዘይኰነ፣ የሱስ ባዕሉ ምኻኑ ኣይተሰወጠንን። ንሱ ኣብ ዘለዎ ድማ ትንሳኤ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ንሰብ ዘይውጻእ ኸረን ዝዀኖ፣ ንየሱስ ምኽንያት መግለጺ ክብሩ ምኻኑ ኣይበርሃለንን። የሱስ እንደገና ጅማሬ ምግባር ልማዱ እዩ። "ተፈጸመ"፣ ንዕኡ ሓድሽ ተጀመረ ማለት እዩ። ስለዚ እንሆ ሓድሽ ነገር እገብር ኣለኹ፣ ኣይተስተውዕልዋን ዲኹም ዝበለ። ሰብ ንምርዳእ ደንጓይ ስለ ዝዀነ እንተዘይኰይኑ፣ የሱስ ኩሉ ግዜ ድሕሪ "ተፈጸመ" "ኣብቅዐ" "ተስፋና ተቀብጸ" "ሞትና" "ተረሳዕና" "ተወድአ""ድሕሪ ሕጂ" ኣብ ዝብሃለሉ "ተጀመረ" "ህይወት" "ሓድሽ ተስፋ" "ተሓደሰ" "መሊኡ ኣንጀርበበ" ክብልን ክገብርን ልማዱ እዩ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን።

4 comments

· 2012-08-16
thank you for ur comment and correction I appreciate Sami & Ermi remain blessed.

ሰላም ንዓኹም ይኹን ሳምሶምን ሳሙኤልን። ከንብባ ከለኹ ኣነ’ውን ማሪያም መግደላዊት እያ ኢለ ኔረ። እንተኾነ ግና ከምቲ ሳምሶን ዝበሎ ኣብ ማር.16፣1 “ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ።” ስለዝብል ክልቲኤን ማርያም እየን ኔረን። እታ ካልኣይቲ ማሪያም ድማ ኣደ ያእቆብ ክትከውን ከላ ከምቲ ምስቲ ሳምሶን ዝበሎ ሓሳብ እሰማማዕ እየ። ማርያም ኣደ ያእቆብ ማለት ማርያም ኣደ የሱስ ማለት እያ። “እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዓንቀፉ።” ማር.6፣3 ተባረኹ!

ሳሚኤል፣ ጎይታ ይባርካ ስለቲ ሓሳብካ። I took the story from Mark16 and I took Mary mother of James as Marry mother of Jesus. Then I took some idea from John the gospel to explain the situation. Most theologians agree that this passage in Luke speaks of Mary, Jesus' mother and Jesus's half-brother James (James father was Joseph apparently and God was Jesus') Mark 6:3 says, "Is not this the carpenter (Jesus), the son of Mary, and brother of James and Joses and Judas and Simon? Are not His sisters here with us?" And they took offense at Him. The Greek work could mean "cousin" but putting Scripture together, Jude (Judas in Mark 6:3) was the half-brother of Jesus who wrote the small book of Jude and James wrote the very early New Testament book James. ብሓፈሻ ግና ሓሳብካ ወሲደዮ አለኩ፡

· 2012-08-09
amlak ybarka Samson hawey,abta maryam itibil gina maryam megdelawit inber maryam ade yesus aykonetin.thank you.
Other Article