ንሱ ኸኣ ናይ "ለቃሕ" እዩ ነይሩ፣ (2 ነገ 6፣5)
ደቂ ነብያት ምስ በዝሑ፣ ቦታ ስለ ዘይኣኸሎም፣ ርሕብ ዝበለ ቦታ ደልዮም ገዛ ንምስራሕ ኣግራብ ኣብ ዝቖርጽሉ ዝነብሩ ህሞት ዝገጠመ እዩ። ነፍሲ ወከፎም ንምስራሕ ተበጊሶም እዮም። ብዓቢ ጸዓትን ፍቃድን ንምስራሕ ተሲኦም። ቀዳማይ ዝነበሮም ሽግር ምፍላጦም፣ ካልኣይ ድማ ንሽግሮም ክፈትሑ ዘርኣይዎ ተበግሶ ዝነኣድ እዩ። ኩሉ ግዜ እናተጨቓጨቑን እናተዳፍኡን ክነብሩ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ወይ'ውን ከምቲ ኣብርሃምን ሎጥን እታ ዝነበርዋ ቦታ ክትጸሮም ስለ ዘይከኣለት ዝተፈላለዩ፣ መመገዶምን ኣንፈቶም ክኸዱ ኣይመረጹን። ብሓደ ምዃኖም ዓቢ ረብሓ ከም ዘለዎ ዝተረድኡ ይመስሉ። ብፍላይ ከም ካብቲ ከም ኣብኦም ዝነበረ ኤልሳእ ክፍለዩ፣ ኣርሒቖም ክኸዱ ፍቓደኛታት ኣይነብሩን። ንሱ ከም መምህር፣ ንሳቶም ከም ተመሃሮ፣ ንሱ ከም መራሒ፣ ንሳቶም ድማ ከም ተመራሕቲ ኣብ ሓደ ጽላል ክነብሩ መሪጾም። ብዘይ ኤልሳእ፣ ምእካቦም ከመይ ምዀነ ኣምላኽ ይፈልጥ።
ኣብዚ ኸምዚ ህሞት ከለው ድማ ኣግራብ ንምቑራጽ ናብ ሩባ የርዳኖስ ወረዱ። ሽግሮም ንምፍታሕ ወለሓደ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ ኣይነበረን። ነፍሲ ወከፍ ብገዛእ ኢዱ እናዓየየ ዝግብኦ የበርክት ነበረ። ብማዕዶ እናተዓዘበ፣ ሓደ ንሓደ ዝፈርድን ዘቋሽሽን ኣይነበሮምን። ከምቲ "ስራሕ ዝፈትሐ ኣእምሮ፣ መጻወቲ ሰይጣን ይኸውን" ዝብል ምስላ፣ ወለሓደ ኣርሒቑ: ደው ኢሉ ኢዱ ዘጣመረ ኣይነበረን። ኩሉ ይጽዕርን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ደኣ ነበረ። ናይ ሓባር ሽግር ስለ ዝነበረ፣ ኩሉ ዝከኣሎ ከበርክት ከም ዘለዎ ክንገሮ ዝተደለየ ሰብ ኣይነበረን። ካብዚ ዝገበርዎ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ሓደ ድማ ነቲ ኣብ መንግኦም ከም ርእሲ ዝነበረ ኤልሳእ ገዲፎምዎ ክወጹ ዘይምድላዮም እዩ። ኣብ መንግኦም ከም ዓንዲ ዝኰኖም፣ ከም ኣቦ ዘውጽኦምን ዘእትዎም ክነብሮም ዓቢ መኽሰብ እዩ ነይሩ። ኤልያስ'ውን ብወገኑ፣ ከም ብጹሓት ይርእዮምን ይኣምኖም ስለ ዝነበረ፣ ሓሳብ ምስ ኣቕረብሉ፣ ከም ዘይጠቅም ቆጺሩ ናተይ ጥራይ ኣይበለን። ሓሳቦም ተቐቡሊ፣ ክከታተሎም ገዛእ ርእሱ ሂቡ።
ኣብ ስራሕ ተጸሚደምሉ ኣብ ዝነበሩ ህሞት ድማ ሓሳባቶም ዝወስድ፣ ካብ ስራሕ ዘባኹር ነገር ተረኺቡ። ሓደ ካብ መንግኦም፣ ሰርወ ይቆርጸሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ "ሓጺን ናይቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ "ፋስ" ነጺሉ ኣብ ማይ ስለ ዝጠሓለ፣ ከእዊ ጀመረ። ኩሉ ናይ ድሓን ምኻኑ ከረጋግጽ ድማ ካብ ስራሕ ደው በለ። ድሓን ምዃኑ፣ ግን ከኣ ሓጺኑ ከም ዝሰኣነ ነገሮም። ናብ ኤልሳእ ቀሪቡ ድማ፣ "ጎይታይ ንሱ ድማ ናይ ለቓሕ እዩ ነይሩ" በሎ። ስለምታይ ናቱ ዘይነበሮ ኣይተጻሕፈን፣ ምሳታቶም ናብ ስራሕ ክኸይድ ከሎ ግና፣ ናይ "ለቃሕ" ሒዙ ከይዱ። ናቱ እንተዝነብር፣ ካብ ብዙሕ ግዜ ምጥቃም፣ ክዘልቅን ክወጽእ ክደልን ከሎ ክፈልጦ ምኸኣለ። ገዛእ ርእሱ እንተዝኸውን እሞ ከም ዘይብሉ እንተዝነግሮም፣ ምናልባት ካልእ ክሰርሖ ዝኽእል ምሃብዎ ነይሮም። ስለምታይ ግና ኽሕባእ ዝፍትን? ከምቲ ዳዊት ንሳኦል ዝበሎ፣ "እዚ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ፣ ስለዚ እዚ ግበሮ ኣይትበሉኒ" ብምባል፣ እቲ ኢዱ ዝለመዶ፣ ብዙሕ ግዜ ድማ ዝፈተኖ ክገብር ዝመረጸ፣ እዚ'ውን ኣብ ኢዱ ዝሰልጥ ነገር እንተዝነግሮም፣ ካብ ስራሕ ኣይመባዀሮምን።
"ናይ ልቃሕ"፣ ናቱ ዘይኰነ፣ ንሱ ዘይውንኖ ሒዙ ክርከብ ኣይነበሮን። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፣ "እቲ ዘለኽዎ ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘለኹ" ብምባል፣ ገዛእ ርእሱ ኰይኑ ክቐርብ ነይርዎ። ኣይምሓፈረን፣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ኣይምተዋረደን። ዘይብልካ ክነሱ፣ ከም ዘለካ ኰንካን ምቕራብ ውርደት እዩ ዘምጽእ። ትዕበ ወላ ትንኣስ፣ እታ ዘላቶ ሒዙ፣ እታ ዝዀና ኰይኑ ክቐርብ ነይርዎ።
ፈጣሪ ግና ናይ ምሕረት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፣ ካልኣይ ዕድል ክህቦ ፈትዩ። ናቱ ከም ዘይኰነ ምእማኑ ዓቢ ተራ ነይሮዎ። ዒራ ዝፈልጠኒ የለን ብምባል፣ ጉድለቱ ክሓብእ እንተዝፍትን፣ ካብ ኣምላኽ ተኣምራት ኣይምረኣየን። "ገበኑ ዝኽውል ኣይሰልጦ። እቲ ዝናዘዝ እሞ ዝሓድጎ ግና ካብ ኣምላኽ ምሕረት ይረክብ" ዝብል ዝተረድኦ ክመስል፣ "ናይ ለቓሕ" ምኻኑ ደኣ ተኣመነ። ኣበይ ኣሎ ምስተባህለ፣ "ኣበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ" ከም ዝተባህለ፣ ትኽ ኢሉ፣ ምንም ከይሓብአ ኩሉ ዝዀነ በብሓደ ዘርዚሩ ነገሮ። "ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ኣብቶም ዝፈርህዎ ስለ ዝስልጥን"፣ ጸሎቱን ምህለላኡን ብምስማዕ፣ ነቲ ዝጠፍኦ ብተኣምራት ኣብ ሕቅፍኡ ሃቦ። ምምላሱ ነቲ ታሪኽ ካልእ ቅርጺ ክሕዝ ገይርዎ። ብውርደት ብኽሳራ ከይድምደም ኣንፈቱ ቀይርዎ። ውርደት ናብ ክብረት፣ ኽሳራ ናብ መኽሰብ ተለዊጡ። ዘይናቱ ምዃኑ ስለ ዝተኣመነ፣ ኣምላኽ ገጹ ኣየሕፈሮን። ስለ ዝተመልሰን ዝተኣመነን፣ ካብ ቀዳማዩ፣ ዳሕራዩ ዝጸበቐ ኰይኑ።