ቃል መስቀል

Posted on 2013-04-15 · 1704 · 0 · 0

1 resources uploaded

ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ ። 1ይ ቆሮንቶስ 1:18-19

መስቀል እንታይ እዩ?
እስራኤላውያን ንሕጊ ዘፍረሰ ሰብ ዝቐጽዑሉ ኣገባብ ኔርዎም። ብዳርባ እምኒ ፈጽፊጾም ይቐትልዎ ኔሮም። ግናኸ እቲ ሰብ ኣዝዩ ሕሱም እንተ ዀነ፡ ንገዛእ ርእሱን ነቲ ህዝብን ዝልክም መርገም ዘምጽእ እንተ ዀነ፡ መሰኽሒ ምእንቲ ክኸውን ኣብ ዕንጸይቲ እዩ ዝስቀል። (ዘዳ.21:22-23) እምበኣርሲ መስቀል "ንርጉም ሰብ" ምቕጽዒት እያ፡ እንበር ንተራ ፍርዲ እትፈርዶ ሰብ ምቕጽዒ ኣይነበረትን። የሱስ ክርስቶስ በጃና ዝሓልፍ መድሓኒ ስለ ዝኾነ ንሕና ከንሞቶ ዝግበኣና ሞት ርጉም ሰብ ሞይቱልና። "መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻይጡና።" (ገላ.3:13-14) ስለዚ ሞት የሱስ ታራ ሞት ኣይነበረን።
ኣብ መስቀል

1.ዕርቂ ተፈጺሙ
ክሳብ ክርስቶስ የሱስ መጺኡ ዘድሕኖ፡ ሰብ ብምኽንያት ሓጢኣት ምስ ኣምላኽ "ኣብ ጽልኢ" እዩ ዝንብር። እቲ ምስ ኣምላኽ እተባእሰ ኸኣ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ፡ ምስ ብጻዩን ምስ ፍጥረትን ኪበኣስ እዩ ዝነብር። ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ፡ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ተበትከ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ዕሩቕ ኮይኑ ንገዛእ ርእሱ ኪርኢ ዝሓፍር ሰብ ተቐይሩ። ድሒሩ ኸኣ፡ ምስታ ደጋፊት ክትኮኖ እተዋህበቶ ሄዋን ኣብ ምክሳስ ኣትዩ። ምድሪ ድማ ብሰሪ ኣዳም ተረጊማ፡ "ሓሪስዋ ሓይላ ዘይትህቦ፡ መኣዲ ጻዕሪ ተቐዪራቶ። እምበኣርሲ ኣብ መስቀል "ኣምላኽን ሰብን" ተዓሪቖም፡ ኢና እንብል ዘሎና። ኣብ መጽቀል ኣምላኽን ሰብን ተዓሪቖም ክንብል ከሎና፡ እቲ ምስ ኣምላኽ እተዓቀ ሰብ፡ ምስ ገዛኣ ርእሱ ድማ ስለ ዝተዓረቕ. ምስ ገዛእ ርእሱ ተዓሪቑ ሰላም ረኺቡ ማለት እዩ። እቲ ምስ ገዛእ ርእሩ እተዓርቀ ድማ ምስ ብጻዩ ምእንቲ ኪተዓረቕ፡ 'ኣይትሓዘለይ' ኣብ ዝመሃረሉ ኮለጅ ተማሂሩ ስለ ዝወጽእን፡ 'ኣይትሓዘለይ' ኪብል ዘኽእሎ ሓይሊ ስለ ዝቕበልን ምስ ብጻዩ ይተዓረቕ እዩ። ምስ ንሓድሕዶም እተዓረቑ ሰባት ድማ፡ ንፍጥረት ጽቡቕ ጌሮም እዩም ዝሕዝዎ። ስለዚ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ "ሰብን ኣምላኽን" ኣተዓሪቑ ክንብል ከሎና፡ ምስ ገዛእ ርእስናን፡ ምስ ሓድሕድናን፡ ምስ ፍጥረት ከይተረፈ፡ ንምሉእ ዕርቂ እዩ ኣምጺኡና፡ ኢና እንብል ዘሎና። እምበኣርሲ፡ መስቀል ኣውራ ስብከት እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣየናይ ኣውራ ክኸውን? ስለዚ እቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ መስቀል ከይጠቐሱ ስብከቶም ኪውድኡ ኣይኮነሎምስ እዩ።

2. ዕዳ ሓጢኣት ተኸፊሉ
ዘርኢ ኣዳም በቲ ዘበሮ በደል፡ ኣብ ክኸፍሎ ዘይክእል ዕዳ ናይ ሓጢኣት እዩ ኣትዩ። ነዚ ዕዳ ኸኣ ዝገበረ እንተገበረ ኪፈድዮ ኣይክእልን እዩ። ነዊሕ ቁመት ዘለዎ ናይ ጽቡቕ ግብሪ መሳልል እንተ ሃነጽና ኣይነርክቦ፡ ሃይማኖታዊ መገዲ እንተ ቐየስና ኣይንበጽሖ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምማሟቱ ግና፡ ኣብ መስቀል ደሙ ብምፍሳስ ንጠለብ ቅድስና ኣቦ ኣዕጊብዎ፡ ኣዋጅ ምሕረት ተኣዊጁ። ነቲ ሕጊ፡ "በጃ ዝሓልፍ መስዋእቲ እንተ ተረኺቡ ምድሓን ይኸውን። ዝብል፡ ጠለብ ተማሊኡ። ሓጢኣት ዓለም-ልኻዊ ባህርይ ኣለዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ መስቀል፡ ዓለም-ለኻዊ ምድሓኒ ንሓጢኣት ኣርሒቕዎ። እምነኣርሲ እቲ እተሰቕለ ክርስቶስ፡ ዓለም-ለኻዊ መድሓኒ ንዓለም-ለኻዊ ሕማም ደቂ ሰብ እዩ።

ምሕጣእ፡ ከም ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ወንጀል ምፍጻም እዩ። እቲ ዝበደልካዮ ሰብ እኳ ይቕረ ኢለሉ እዩ እንተ በለ፡ እቲ ዓቃብ ሕጊ፡ ዓንቀጽ ናይ ሕጊ እናጠቐሰ፡ ነዚ ሰብ እዚ ክትብድል ነዚ ሕጊ እዚ ኣፍሪስካ ኢኻ እሞ ገበነኛ ኢኻ ይግልካ እዩ። ስለዚ ኣብ ሕጊ፡ ንሰብ ምብዳል ሓደ ነገር እዩ፡ ሕጊ ምፍራስ ከኣ ካልእ ነገር እዩ። ከምኡ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይቕረ ኢለ እየ እኳ እንተበለ፡ እቲ ሕጊ ዝጠልቦ ከይተመለሰ እንተ ተረፈ ሓነትና ምሉእ ኣይምዀነን። ኣብ መስቀል ግና የሱስ ክርስቶስ ንኽልቲኡ ጠለባት ቅድስና እግዚኣብሄር ኣቦ ኣማሊኡ፡ ሓራ ኢሉና።

3. ጸላኢና ድያብሎስ ተሳዒሩ
ስም የሱስ ክርስቶስ ካብ ኵሉ ስም ንላዕሊ ልዕል ዝበለ እዩ። (ፊሊ.2:9-11) እዚ ልዕል ዝበለ ስም ግና፡ "ክሳዕ ሞት ተኣዚዙ ዝረኸቦ እዩ።"(ፊሊ.2:8) ስለዚ በዚ ስም እዚ፡ "ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ብስም የሱስ ይንብርከኽ።" እቶም ዝኣመንናዮ ብምንብርካኽ ጀሚርና፡ ኣብ ምንብርካኽ ንነብር ኣሎና። ኣብ ሰማይት ዘለዉ ኣብራኽ ድማ በዚ ስም እዚ ይንብርከኹ። ድያብሎስን ኣጋንንቱን ብስም የሱስ ይንብርከኹ።

ድያብሎስ ብመለኽዒ ሕጊ ንህይወትና መዚኑ፡ "ተሪፍካ ኢኻ።" ጽድቅኻ ምሉእ ኣይኮነን እናበለ እናኸሰሰና ምእንቲ ከይነብርሲ፡ ነቲ ዝጥቀመሉ ኣጽዋር ናይ ሕጊ፡ "ኣብ መስቀል ሸንኪሩ። ነቶም ዓለመ እኩያት መፍስቲ ብግልጺ ኣስተሓፈሮም። (ቈሎ.2:14-15)

4. ክዳን ጽድቅናን ቅድስናናን ዝተሰርሓሉ ፋብሪካ እዩ
ምእንቲ ክንድሕንን ክንቅደስን ብዘይካ ኣሚንና ክንቅበል እንገብሮ ነገር የለን። ንምድሓንናን ንንጽህናናን ዝኸውን ብቑዕ ግብሪ ክንገብር፡ ኪንዮ ዕቕሚ ደቂ ሰብ እዩ። ግናኸ፡ ኣብ መስቀል ብዝተገብረ ዕዮ ኣሚንና ንድሕን፡ ኣብ መስቀል ብዝፈሰሰ ደም ተሓጺብና ንነጽህን ንቕደስን።(እብ.13:12) መስቀል፡ ከም ብኽሪ ውሉድ፡ ዕጽፊ በረኸት ተመክሮ ዝረኸብናሉ ቦታ እዩ። "የሱስ ክርስቶስ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።"(ሮሜ.4:25) ሞት የሱስ ክርስቶስ - ኣዋጅ ህያውነት እዩ። ትንሳኤኡ ኸኣ ኣዋጅ ጽድቅና እዩ። ንሱ ሞይቱ ንሕና ድሒንና ህያዋን ኰይና፡ ንሱ ተንሲኡ ጻድቃን ኰይና።

ኣብ ሞንጎ ምድሓንን ጽድቅን ዘሎ ምትሕሓዝ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ምድሓን ተሞክሮ እዩ። ብምድሓን ለውጢ ህይወት ንረክብ፡ ብጽድቂ ድማ ዝተቓንዐ ናብራን ምምልላስን ይህልወና። ጽድቂ ውሉድ ምድሓን እዩ። ስለ ዝደሓንና ኢና እንጸድቕ እንበር፡ ስለ ዝጸደቕና ኣይኮንናን እንድሕን። ምድሓንን ጽድቅን፡ ኣብ መስቀል እንቕበሎም በረኸታት እዮም።

5.መስቀል ምስ ዓለም እንፋታሓሉ መድረኽ እዩ
ጳውሎስ በቲ መስቀል ይብል፡ "በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ንኣይ ብእኡ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘመለስ ካባይ ይርሓቕ።"(ገላ.5:14-15) ትርጉም መስቀልን ኣብ መስቀል እተገብረ ዕዮ ምጃነት ብግቡእ እተረድኦ ሰብ፡ ምስ ዓለም ብወግዒ እዩ ዝፈላለ።
ዓለም ክንብል ከሎና መጸውዒ ናይቲ ርኽሰትን ስሕተትን ዝመልኦ ኣካይዳ፡ ንስርዓት ኣምላኽ ብምድራውን ሃይማኖታውን ሕጊ ኪልውጥ ንዝደሊ ዕልወት፡ እዩ። ስለዚ ጳውሎስ ይብል፡ "ኣነ ከም ኣገልጋሊ ምውት እየ። ካብዚ ረኺበዮ ዘለኹ መንፈሳዊ ህይወት ዝበለጸ ዓዛሚ እምነት፡ ስርዓት፡ ፓሊሲ፡ ሕጊ፡ የለን። ዓለም እንተ ተከፈትኒ ግብረ መልሲ ክህብ ኣይክእልን እየ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ዓለምውን ንኣይ ቀቢጻትኒ ስለ ዝዀነት ኣይትደልየንን እያ። እዚ ኸኣሳላ መስቀል ክርስቶስ ዝረኸብክዎ በረኸት እዩ።

መስቀል፡ ኣዋጅ ምድሓንና ቅድስናናን እተኣወጀሉ መድረኽ እዩ። ሎሚ ድማ ነዚ ኣዋጅ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ኣዊጀዮ ኣለኹ። እንታይ ግብረ መልሲ ትህቡሉ? እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኽኩም!!

0 comments
Other Article