Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

waiting


ድጒዓ 3:25 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 27:14 | 7 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:3 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 5 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መዝሙር 130:5-6 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር እጽበ፣ ነፍሰይ ትጽበ አላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር አሎኹ። ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሐለውቲ፣ እወ፣ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ አላ።

Translation | Context
መዝሙር 37:7 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ።

Translation | Context
መዝሙር 39:7 | 4 Helpful votes

ሕጂኸ እንታይ እጽበ አሎኹ፧ ጐይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ።

Translation | Context
ሚክያስ 7:7 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 62:5 | 3 Helpful votes

ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:18 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 33:2 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ምሐረና፡ ንኣኻ ንጽበ አሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብጊዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን።

Translation | Context
መዝሙር 33:20 | 2 Helpful votes

ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ፣ ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 59:9 | 2 Helpful votes

እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ።

Translation | Context
መዝሙር 52:9 | 2 Helpful votes

እዚ ስለ ዝገበርካ፣ ንሓዋሩ ኸመስግነካ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ።

Translation | Context