1. ኣታ እትዘምት እሞ ዘይተዘመትካወይለኻኣታ እትጠልም እሞ ዘይተጠለምካ፡ ወይለኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ፡ ክትዝመት ኢኻ። ምጥላም ምስ ወዳእካኪጠልሙኻ እዮም።

2. ዎ እግዚኣብሄር ምሐረና፡ ንኣኻ ንጽበ አሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብጊዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን።

3. እቶም ህዝብታት በቲ ህማም ታዕታዕ ይሀድሙብምትንሳእካ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።

4. ኲብኲብታ ኸም ዚእከብ፡ ዘመቴኹም ይእከብኣንበጣ ኸም ዚጐዪ ይጐይዎ ኣለው።

5. እግዚኣብሄር ልዑል እዩ፡ ኣብ ላዕሊ ይነብር እዩ እሞ፡ ንጽዮን ብፍርድን ጽድቅን መሊእዋ አሎ።

6. ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ጥበብን ፍልጠትን ኪኸውን እዩ፡ ምፍራህ እግዚኣብሄር ከኣ መዝገቡ እዩ።

7. እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ወጻኢ ይጭድሩልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለው።

8. መገድታት ባደመ፡ ሓላፍ መገዲ ተሳእነ። ኪዳን ጠለመ፡ ከተማታት ነዐቐንሰብ ገለ እኳ ኣየቋጽሮን

9. እታ ሃገር ሐዘነትን ሐስኤትንሊባኖስ ሐፈረትን ነቐጸትንሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀነት፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቈጽሉ ረገፈ

10. እግዚኣብሄር ግና፡ ሕጂ ኽትንስእ፡ ሕጂ ኽለዐል፡ ሕጂ ልዕል ክብል እየ፡ ይብል አሎ።

11. ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ከኣ ክትወልዱ ኢኹም፡ ትንፋስኩምዚበልዓኩም ሓዊ እዩ።

12. ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ይነዱ፡ ከምቲ ኣብ ሓዊ ሞዂ ዚብል ቈጥቋጥ እሾዂ ይዀኑ።

13. ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም፡ ዝገበርክዎ ስምዑ፡ ኣቱም ቀረባ ዘሎኹም ከኣ፡ ስልጣነይ ፍለጡ

14. ኣብ ጽዮን ዘለዉ ሓጢኣተኛታት ይስምብዱ ኣለው፡ ንረሲኣን ድማ ራዕዲ ይሕዞም አሎ፡ ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ፧ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ፧

15. እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብንረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕመማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ

16. ንሱ ኣብ በረኻ ኪነብርኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውንእንጌራኡ ኺረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ።

17. ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቔኡ ኺርእያኦርሑቕ ሰፊሕ ሃገር ከኣ ኪምልከታ እየን።

18. ልብኻጸሓፊ ኣበይ አሎመዛኒ ኣበይ አሎግምብታት ዝቘጸረስ ኣበይ አሎ፧ እናበለ ናብቲ ፍርሂ ኺሐስብ እዩ።

19. ነቲ ጨካን ህዝቢ፡ ነቲ ዘይስትውዓል ጭንቂ ዝቛንቋኡ፡ ነቲ ዘይስማዕ ወታእ ዝመልሓሱ ህዝቢ ኣይክትርእዮን ኢኻ።

20. ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትናተመልከታኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ነታ ህድእቲ ማሕደርዘይትዛናበል ድንኳንመታኽላ ንሓዋሩ ዘይምንቈስኣግማዳ ኸኣ ከቶ ዘይብተኽኪርእያ እየን።

21. ኣብኣውን እግዚኣብሄር፡ በታ ርሒብ ርባታትን ወሓይዝን ኰይኑ፡ ብግርማኡ ምሳና ኪኸውን እዩ፡ ብመቕዘፍ እትምራሕ መርከብ ኣይትኣትዋን፡ ዓባይ መርከብ ከኣ ኣይትሐልፋን

22. እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነና እዩ።

23. ኣግማድካ ዘሊቑ፡ ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ኣየትርሮን፡ ነቲ ጋንጽላ ኣይግትሮን። ሽዑ እቲ ዘመተ ናይ ብርቱዕ ምርኮ ይምቀልሓንካሳት እኳ ምርኮ ይማርኹ

24. ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ እየኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐጊጉሉ እዩ።