1. ጾር ብዛዕባ ጢሮስዖንያ እያ፡ ቤት የልቦን፡ ምእታው የልቦን እሞ፡ ኣትን መራኽብ ተርሲስዋይዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ተገልጸሎም

2. ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩስቕ በሉ፡ እቶም ብባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን መልኡኺ

3. እኽሊ ሲሆርን ቀውዒ ኒልንብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እቶታ ነበረ፡ ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ነበረት።

4. ባሕሪ፡ እቲ ናይ ባሕሪ ዕርዲ፡ ቅልውላው ኣይሐዘንን ኣይወለድኩን ከኣ፡ ኣጒባዝ ኣየዕቤኹንደናግል ድማ ኣየዕቤኹን፡ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ሲዶንሕፈሪ

5. እዚ ወረ እዚ ናብ ግብጺ ምስ ዚበጽሕ፡ በቲ ወረ ጢሮስ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።

6. ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ናብ ተርሲስ ተሳገሩ እሞ ዋይዋይ በሉ።

7. እታ ኻብ ጥንቲ ዝጀመረት፡ ኣእጋራውን ናብ ርሑቕ ሃገር፡ ኣብኡ ኽትነብር ዝወስዳ ሕጒስቲ ኸተማኹምሲ እዚኣ ድያ፧

8. ነታ ዘውድታት እትዕድል ዝነበረት፡ መሳፍንቲ ዝነጋዶኣምርኡያት ምድሪ ዝሸቃጦኣ ጢሮስሲ፡ መን እዩ እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልዕሌኣ ዝመኸረላ፧

9. ንትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኼሕስር፡ ንዂሎም ምርኡያት ምድሪ ምእንቲ ኼዋርድ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝመኸሮ

10. ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ኒል ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ኣሳፍሒ፡ ደጊምሲ ማዕጥቖ የብልክን።

11. ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑንመንግስትታት ራዕራዕ ኣበሎም፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸነኣን ዕርድታታ ኺፈርስ አዘዘ

12. በለ ድማ፡ ኣቲ እተዐመጽኪ ድንግል ጓል ሲዶንደጊምሲ ኣይክትሕጐስን ኢኺ፡ ተለዐሊ እሞ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፡ ኣብኡውን ህድኣትስ ኣይክትረኽብን ኢኺ።

13. እንሆ፡ ሃገር ከለዳውያን፡ ቀደም ህዝቢ ዘይነበረስ፡ - ኣሶር ንኣራዊት በረኻ መደቦ፡ - ዚኸቡሉ ግምቦም ይሰርሑኣዳራሻታ የፍርሱዖናውን ይገብርዎ

14. ኣትን መራኽብ ተርሲስዕርድኽን ፈሪሱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።

15. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ጢሮስ፡ ከም መዓልትታት ሓደ ንጉስንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ግና ንጢሮስ ከምቲ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሎ ኪዀና እዩ፡

16. ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራመሰንቆኺ ኣልዕሊ፡ ኣብ ከተማ ዙሪኣጸቢቕኪ መሰንቆ ኣቓንዪ፡ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ፡ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።

17. ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ከኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ኪቐጽዓ እዩ፡ ንሳ ኸኣ ናብ ዓስቢ ምንዝርናኣ ኽትምለስ፡ ምስ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለዉ መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ።

18. ግናኸ ረብሓኣን እቲ ዓስቢ ምንዝርናኣን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ፡ ረብሓኣ በሊዖም ምእንቲ ኺጸግቡብሉጽ ክዳንውን ኪኽደኑስ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚነብሩ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣይኪዕቈርን ኣይኪንበርን እዩ።